Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድምጺ ኣሰና ተሳታፍነትን ምክትታልን ሰማዕቲ ኣብ መደባታ ንምምሕያሽ ፍሉይ ናይ ራድዮ ገጽ ‘ራድዮ ኣሰና’ ተተኣታቱ።

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ካብ ዝሓለፈ ቁሩብ ሰሙናት ኣትሒዝኩም ኩም፡ ዝሓለፈኩም መደባት ድምጺ ኣሰና ንምርካብ ኮነ ንምስምዑ ክትጽገሙ ክምዝጸናሕኩም ብቴለፎንን ኢመይልን ክትሕብሩና ጸኒሕኩም ኣለኹም። ኣሰና ነቲ ብተክኒካዊ ምኽንያታት ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገም ንምቅላል፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ናይ ራድዮ

ክቡራት ተኸታተልትና፡ ካብ ዝሓለፈ ቁሩብ ሰሙናት ኣትሒዝኩም ኩም፡ ዝሓለፈኩም መደባት ድምጺ ኣሰና ንምርካብ ኮነ ንምስምዑ ክትጽገሙ ክምዝጸናሕኩም ብቴለፎንን ኢመይልን ክትሕብሩና ጸኒሕኩም ኣለኹም። ኣሰና ነቲ ብተክኒካዊ ምኽንያታት ከጋጥም ዝጸንሐ ጸገም ንምቅላል፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ናይ ራድዮ ገጽ ከምዝህሉ ብምግባር ነቲ ሕጽረት ክተቃልሎ ፈቲና ኣላ።

ነዚ ሓድሽ ገጽ ራድዮ ኣሰና፡ assennaradio.com ኢልኩም ወይ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ demo.archive.assenna.com ኣብ ዝርከብ ኣርማ ድምጺ ኣሰና ብምጥዋቕ ብቐጥታ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ።

ኣብዚ ተኣታትዩ ዘሎ ሓድሽ ገጽ ራድዮ ኣሰና ብምብጻሕ ንሓደስትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ንዝሓለፈኩም መደባትን ብቐሊሉ ክትሰምዑዎም ትኽእሉ። ግዜ እንተሓጊዙና፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ካብ እትጅምር፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ዘዳለወቶ መደባት ናብዚ ሓዱሽ ገጽ ከነስግሮ ክንፍትን ስለዝኾና፡ ከም መወከሲ ናይ ዝሓለፈ መደባት ክትትቀሙሉ ‘ውን ክንጽዕር ኢና።

ድምጺ ኣሰና፡ምስማዕ ምስ ዘሸግረኩም፡ ብዝቐለለ ንምስማዓ ዝምረጽ ብራውዘር download ንምግባር ዘኽእለኩም Link ኣብ ቀዳማይ ገጽ  ራድዮ ኣሰና ክንገብረልኩም ኢና።

እዚ ሓድሽ ገጽ ኣሰና፡ እዞም ዝስዕቡ ዓምድታት ኣለዉዎ፡-

Assenna Radio፡ ስሩዕ መደባት ኣሰናን ካልእ ናይ ድምጺ ኣበርክቶን ይሓቍፍ

Assenna Interview፡ ብኣሰና ዝተኻየዱን ዝተዘርግሑን ቃለመጠየቓት የአንግድ

Assenna Discussion፡ ብኣሰና ዝተኻየዱ ሓባራዊ ዘተታት የአንግድ

Assenna Select፡ ኣበርከቲ ካብ ዝለኣኹዎም ወይ ዝረኸብናዮም ምሩጻት ናይ ድምጺ ሰነዳት የአንግድ

Contributors ፡ እዚ Poems: Messages: Jokes ዝብሉ ንኡስ ክፍልታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ዝለኣኹዎ ካብ ሓሙሽተ ደቒቕ (5 ደቒቕ) ንታሕቲ ዝንውሓቱ ብደረስቲ ወይ ኣበርከቲ  ብ mp3 ብድምጺ ተቐሪጹ ዝተላእከ ግጥምታት፡ መልእኽታትን ርእይቶታትን፡ ከምኡ ‘ውን ዋዛታት ዝሰፍረሉ ዓመዲ እዩ። እቶም ካብ ተኸታተልትን ሰማዕትን ዝለኣኹ ትሕዝቶታት በዚ ኣድራሻ’ዚ editer@assennaradio.com ክለኣኹ ይግባእ።

Songs፡ እዚ ዓመዲ፡ ባህላውን፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተባሂሎም ዝወጽኡን ሓደሽቲ ደርፍታት ዝላለዩሉ እዩ። ደረፍቲ ባዕሎም ወይ ድማ ፈተውቶም  በዚ ኣድራሻ’ዚ እንተልኢኾምልና፡ ኣብዚ ዓምዲ’ዚ ክሰፍር እዩ።

ነዞም ሰማዕትና እትልኩዎም ትሕዝቶታት፡ ከከም ኣድላይነቱ ብዘይካ ኣብዚ ዓምዲ’ዚ ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዝመሓላለፍ ናይ ሓጺር ማዕበል መደብ ድምጺ ኣሰና ኮነ ናይ ኢንተርነት ራድዮ ክንጥቀመሎም ምዃና ‘ውን ነዘኻኽር።

እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ’ዚ ንተሳታፍነት ሰማዕቲ ክብ ከብል፡ ሰማዕቲ ‘ውን ብቐሊሉ ንመደባት ኣሰና ክትከታተሉሉ ተስፋ ንገብር። ተወሳኺ መመሓየሺ ሓሳባት እንተለኩም ‘ውን፡ ርእይቶታትኩም በዚ ኣድራሻ’ዚ ክትጽሕፉልና ትኽእሉ። editer@assennaradio.com

ኣሰና ፋውንዴሽን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Senait January 30, 2012

    Dear Webmaster,

    Are the links to the Voice of Assenna clips functional as of this notice? Or is it a future plan? I tried to download the latest broadcasts but it does not seem to work at least for me. Thank you in advance for your prompt response and your tireless efforts.

Post a Reply to Senait Cancel Reply