Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶርሆ በምዑት ደቃ ትጻወት

ናይ ኒውዮርክ ተኣንጎት ተሸብሸብ፣ ብዙሕ ጎስጓስ ዝተኻየደሉን ዘይተኣደነ ጥንቃቀ ዝተገብረሉን ብዕለት 25 መስከረም 2011 ርክብ ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ተኻይዱ። እቶም ደገፍትን ተደናገጽትን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሕርያ ቅድሚት ክስርዑን ከመላኽዑን ከማዕርጉን ከምዘለዎም ክግበር እንከሎ፣ እሙናት

ናይ ኒውዮርክ ተኣንጎት ተሸብሸብ፣ ብዙሕ ጎስጓስ ዝተኻየደሉን ዘይተኣደነ ጥንቃቀ ዝተገብረሉን ብዕለት 25 መስከረም 2011 ርክብ ሰዓብቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ተኻይዱ።
እቶም ደገፍትን ተደናገጽትን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሕርያ ቅድሚት ክስርዑን ከመላኽዑን ከማዕርጉን ከምዘለዎም ክግበር እንከሎ፣ እሙናት ኣጋፈርቲ ከኣ ኣብ ዝለዓለ ተጠንቐቕ ኮይኖም ንጸጥታ ከኽብሩን ተቃወምቲ ከይሶልኩ ጽኑዕ ምክትታል ክገብሩ ናይ ስራሕ ዕማም ወሲዶም። እቶም “ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ” ክኾኑ ዝደልዩ፣ ህልና ዝጎደሎምን ናይ ነብሲ ምትእምማን ዘይብሎም ኤርትራውያን ዝያዳ ሃገራውያን ክመስሉ ባንዴራን ጭርሖን ክዕድሉን ከጣቕዑን ወኖም ስጋዕ ዝጠፍኦም ግዒሮም።
“ኣብታይ’ሲ ካብ ጸጊበን ዝዕንድራ፣ ክዕንድራ ርኢና ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሕ” ከምዝበሃል ካብቶም እንታይ ይገብሩ ከምዘለው ፈሊጦም ናብቲ ቦታ ኣኼባ ዝኸዱ፣ እቶም እንታይ ይግበር ከምዘሎ ንክርእዩ ኢሎም ዝኸዱ ይበዝሑ። ድሌት ናይ ኩሎም ብኸመይ ኣብ መሳኹቲ ካሜራታት ኣቲኻ ኣብ ቲቪ ኢሬ ትረእ እሞ ተኣማንነትካ ኣመስኪርካ ኣብ ኤርትራ እንተ ናይ ሓጎስ ወይ ሓዘን መቕርብ ምስ ዘጋጥም ትኸይድ እዩ ሓሞምን ቀልቦምን ደፊንዎም ኔሩ። ከም ጡብ ኣድጊ ጸባ ጥሪቕ ዘይብል ኣብ ሃገርካ ኣቲኻ ኣገልግል ወይ ገንዘብ ኣበርክት ተባሂሉ ተንከፍ ዘይብል፣ ሕጂ ኣንባገነን ንምቕባል ዝረእ ጨርባሕባሕ ንዘይፈልጥ ሓቂ ይመስሎ ይኸውን። ን ህ.ግ.ደ.ፋውያን ከኣ መተዓሻሸዊ ነብሶም፣ መቃነይ ፕሮፓጋንዳ ይኾኖም እዩ።
ምስሉይ ኢሳያስ ኣብ መኽፈቲ መደርኡ እንዳኽመስመሰ “ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት መጺኻና ትብሉኒ ትኾኑ፣ ኣነ ግን ንሓንቲ ሰዓት’ ውን ትኹን ካብ ልበይ ኣይፈለኹኸምን” ኢሉ ምስተማጻደቐ ብዝተገብረሉ ናይ ጣቕዒት ግብረመልሲ ሓጎሱ ሰማይ ተሰቒሉ። ከምቲ ድሌቱ ስለዝኾነሉ ዝተሰምዖ ባህታ ወሰን ኣይነበሮን። ሽዑዑ ኣብቲ ሕሞት’ ቲ ግን ሬሳ ናይ እቲ ካብ 1980 ዓ.ም ናይ ሬድዮ ርክብ ኦፕሬተሩ፣ ድሒሩ ካብ መወዳእታ 1980 ውልቃዊ መራሕ ማኪንኡ፣ ካብ መፋርቕ 1990 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ናቱ ናይ ሓለዋ ተቆጻጻሪ ዝነበረ ጊላይ (ወዲ ከባቢ ዒላበርዕድ) ከኣ ኩሉ ዝፈልጦ ምስጢራቱ ሒዙ ኣብ ፍሪጅ መጽንሒ ሬሳ ሆስፒታል እዩ ኔሩ። ኣብ ምስ ኢሳያስ የዕሪፎምሉ ዝነበሩ ሆቴል ኣብ መደቀሲኡ ቅድሚ ሳልስቲ ዓሪፍ ሓዲሩ ተባሂሉ። ውጽኢት ናይ ኣውቶፕሲ መርመራ ዝምስክሮ ንርእዮ።
ጊላይ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ጊላ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብሃንደበታዊ ሞቱ ኣብ ገጽ ኢሳያስ ዝኾነ ናይ ሓዘን ምልክት ኣይተርኣየን። እንታይ’ ኮን ይኸውን እቲ ምኽንያት??? ኩሎም ምስጢራቱን እከይ መጋብሩን ዝፈልጡን ከም ብዓል ዓሊ ሰዒድ ብሕማም ልቢ እንዳተባህሉ ኣብ መደቀሲኦም ነቒጾም ይጸንሑ ኣለው። እዚ ከም ጠቢብ ብፈታዊኡ ዝጅምር ንኣገልገልቱ ዘይደንገጸ ንህዝቢ ወይ ንሃገር ክሓልይ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ካብኡ ፍትሒ ምጽባይ፣ ሓርዒ ተመን ኣናዲኻ ምርካብ እዩ።
ብሰንኪ’ ዚ ኣረሜን’ ዚ ዓዶም ገዲፎም ተሰዲዶም ዘይኮነ፣ ብጉቦን ማልዶን ኣሕዋቶምን መቕርቦምን ካብ ሃገር ዘውጽኡ፣ ብናይ ጸሊም ዕዳጋ ሓዊሎም ገንዘብ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ኣብ ደገ ዝሓብኡ፣ኣብ ናይ ኮንትሮባንዶ ተግባራት ምስ ሹመኛታት መንግስቲ ተሻሪኾም ዝስርሑ ወይጦታት መለክዒ ጭዋ ህዝብና ክኾኑ ኣይክእሉን። እዚኦም “ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና” ዝመትከሎም ናብ ዝነፈሰ ዝነፍሱ፣ ምስ ዘጣቕዕ ዘጣቕዑ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት’ ውን ቅንጣብ እጃም ዘይነበሮም መማዕደውቲ እዮም ኔሮም። ሕጂ’ ውን እዛ ዕጫ ሞት ናይ ጊላይ ንፋሽሽቲ ኢሳያስ ኣጋጢማ ኔራ እንተትኸውን ቀንዲ ተቓወምቱ ኮይኖም ምቐረቡ ኔሮም። ጽባሕ እቲ ዘይተርፍ ውድቐቱ ምስመጸ፣ እቶም ቀዳሞት ወንጀልቱን መደርትን ምዃኖም ኣይኮነን ንሕና ንሱ’ ውን ባዕሉ ኣዳዕዲኡ ይፈልጦም እዩ።
“ዶርሖ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከምዝበሃል፣የዋሃት ኣዚሮም ከይሓስቡ ናይ ምርዳእ ዓቅሚ ዝሓጸሮም “ብዘበን ውቤ ዝጸመሙ” ብፕሮፓጋንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ተመሊኦም ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ምቅዋም ማለት ሕድሪ ስውኣት ምጥላምን ሃገራዊ ክድዓትን ጌሮም ዝሓስቡዎ ቁንጣሮ ሰባት፣ ለበዋ ሰማእታትን መብጽዓ ህዝብን ጠሊሙ ንምብትታን ጥምረት ኤርትራውያን ዝሰርሕ ዘሎ ጃንዳ ኢሳያስ ምዃኑ ብንጹር እንተዝፈልጡ፣ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምድጋፍ ማለት ንስቕያት ህዝብኻ ምንዋሕ ምዃኑ እንተዝርድኡዎ ኔሮም፣ ከምቲ እታ ዶርሆ እቲ ኣምዑት ናይ ደቃ ምዃኑ እንተትፈልጥ፣ ነቶም ሓረድቲ ዓይኖም ተንቁሮም። እዞም ኣእምሩኦም ዓዊሩ ዘሎ ዜጋታት ባዕሎም ኣብ ቅድሚ ግንባር ተሰሊፎም ነቲ ከይሲ ኢሳያስ ምተፋለሙዎ ኔሮም። ከምቲ “እንዳፈለጠ ዘጽቀጠ መድፍዕ ተኩስካሉ’ ውን ዘይሰምዓካ” እቶም ንኹሉ እንዳፈለጡ ውልቃዊ ረብሕኦም ቀዳምነት ሰሪዖም ዘዳኽሩ ዘለው ከም ሰፍኢ ግልብጥ ግልብጥ ክብሉ ዘሕፍሮም ኣይኮነን።
ጊዜ ከምቀደም ከምዘይኮነ ዝፈለጠ ዕሉል ገበነኛ ኢሳያስ፣ ዕጫ ብዓል ቐዛፊ  ከምዘይተርፎ ስለዝፈለጠ ቃንኡ ለዊጡ እዩ። ተልመዴን ናይ ዲፕሎማሲ ቃላቱ፣ ወታዕታዕ መደርኡ ናይ ሓኽሊ ድሙ ዑደቱ’ን ብጋህዲ ንርእዮ ኣለና። ብሕጂ ሱባኤ ኣትዩ ተናሲሑን ተናዚዙን ብሕጊ ተማእዚዙ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክብን ብዲሞክራሲ ትመሓደር ንሱ ዘይመርሓ ኤርትራ ኣብ ገጽ ምድሪ ዓለምና ክትህሉ ዘፍቅድ ሕልና ስለዘይብሉ ኩሉ ምምጽዳቑ “ትኽስ ድሙ መዘንግዒ ኣንጭዋ” እዩ። እንተኾነሉ ዕላምኡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን እንተዘይኮነሉ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ስነ መጎት ዝኽተል ፍሉይ ፍጥረት እዩ።
ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
27 መስከረም 2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Taddesse T Gebremussie September 28, 2011

    Isayas Afewerki love no body he is Mafia wedini he can kil his mother for money. He love money than eny thing.He is mad he dont know what he speak. He dont know what diplomatic respect mean?.