Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጣልያንን ስዊዝን ንዝመጽኡ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ።

ዕለት 06/01/2014 ሰሚናር ሚላኖ ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ዝሓለፈት 05 ጥሪ 2014 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብዙሃት ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጣልያንን ፣ ስዊዝን ዝመጽኡ ኣስታት 200 ዝኮኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ከም መቐጸልታ

ዕለት 06/01/2014
ሰሚናር ሚላኖ
ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ዝሓለፈት 05 ጥሪ 2014 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ብዙሃት ካብ ዝተፈላልዩ ከተማታት ጣልያንን ፣ ስዊዝን ዝመጽኡ ኣስታት 200 ዝኮኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፉሉ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ።

እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳ ስቶክሆልም፡ ከም መቐጸልታ ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሚላኖ ህዝቢ ንድሕነቱን፡ ድሕነት ሃገሩን ክብል ዘለዎ ጸበብቲ ፡ ናይ ውድባውን፡ ፖለቲካውን ፡ፍልልያት ኣወጊዱ ብሓደ ሰሚሩ ንስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ክተክል ፡ ዓበይቲ ንመንእሰያት ጽላል ክኾንዎምን፡ መንእሰያት ድማ ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ መዘናታቶም ኣብ ማእከሎም ዘሎ ዘይጠቅም ፍልልያት ኣወጊዶም፡ መሪሕ ተራ ንለውጢ ክጻወቱን ብሓቂ ክውፈዩን ኣዘኻኺሩ።

Vacaro_milano_meetingሃገረ ጥልያን ሓንቲ ካብተን ስርዓት ህግደፍ ብናይ ኤውሮጳ ደረጃ ከም ደጀን ዝጥቀመላን ብዘይ ጸገም ዝንቀሳቀሰለን ኮይና ፡ ደለይቲ ለውጢ ግን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ሰሰኑ ነቲ መድረክ ተቕጻጺሮሞ ሰሚናሮም ብዓወት ተዛዚሙ። ኸምኡውን ዶክተር ተወልደ (ወዲ ቫካሮ) ካብ ተሳተፍቲ ንዝቕረበሉ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ሂቡ።

ነዚ ሰሚናር ፍልይ ዘብሎ እንተልዩ ኣቦታት፡ ኣደታት፡ መንእሰያቲን ዘተሳተፉሉ ኮይኑ በቲ ዝተዋህቦም ኣስተምህሮ ዕጉባት ምዃኣኖ ንቐጻሊ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰሚናራት ኪካየዱን ኩሉ ካብኦም ዝሕተት ዘበለ ከማሉን ፡ ከበርክቱ ድልዋት ምኹኣኖም ፡ ንመንእሰይ ድማ ብሙሉእ ሃይሎም ኣብ ጎኖም ደው ከምዝብሉ ኣረጋጊጾም።

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ዝኽረን ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ግዚኣዊት ሽማግለ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ – ጣልያን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • robiel January 9, 2014

    Hellow ! Stop calling him doctor. He is not a DOCTOR.

  • Hewan January 10, 2014

    Wedi Vacaro will never deliver any thing tangible, he is an imposter and a pathological liar. Those who don’t know him and particularly the new generation don’t be impressed by him very soon he will be out of sight because he is useless.
    Hewan

  • Hewan January 11, 2014

    The imposter is already running out of steam, only few people are attending his meetings.

    Hewan

POST A COMMENT