Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ጸላኢና እንከሎ ካብ ዘድመየና፡ ፈታዊኹም ምስ በለና ዘቁስለና ዘሎ ይበዝሕ

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ዝተኸተመ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከካትዕ ዝጸንሐን ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ናይ ይግባኣኒ መሬት ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዙሕ ምዕባለታት’ዩ ተኸሲቱ። ዋሕዚ ኣሽሓ

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ዚ ዝተኸተመ መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከካትዕ ዝጸንሐን ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ናይ ይግባኣኒ መሬት ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዙሕ ምዕባለታት’ዩ ተኸሲቱ። ዋሕዚ ኣሽሓ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ፡ ምኽፋት ዶባት፡ ፍኑው ናይ ሰብን ንብረትን ምንቅስቃስ፡ ዘይንቡር ጠባያትን ዕንደራን ኢሳያስን ቁጥዐ ህዝቢ ኤርትራን፡ ምምላስ ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም፡ ጽዑቅ ርክባት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድን መራሕቲ ክልላትን ገለ ካብቶም ፍሩያት ፍጻሜታት’ዮም። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልእን ወተሃደራዊ ምፍጣጥን ኣብቂዑ፡ ጩራ ሰላም ምኽፋቱ ኩሉ ሰብ ብሓጎስ’ኳ እንተተቀበሎ፡ ንኣካይዳን ባህርያትን ስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ዝፈልጥን ብምንጽር’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝተኣታተዎ ምዕባለታትን ጽቡቅ ድሌታትን፡ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ኣወንታዊ ለውጢ ስለዘይተራእየን፡ እታ ብስም “ተደሚርናን ሓደ ህዝቢ ኢናን” ትዝመር ዘላ ሰላም፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ትጥመተሉ ኩነታት’ውን ብዙሕ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ስለዘየለ፡ መሰል ዜጋታት ስለዘይክበር፡ ስርዓት ህግደፍ ብኢደ ዋኒኑን ግሉጽነት ብዝጎደሎን ይዕንድርን ልኡላውነትን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዋጋ ዕዳጋ የእትዎ ስለዝአሎን መሰረታዊ ጉዳያቱ ስለዘይተፈትሐን፡ ብመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕጉብ ኣይኮነን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውድብ ኢሂወደግ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ስርዓት ህግደፍ ሕግብግብ ክብል እንከሎ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ማንታ መርገጺ ከምዘለዎ፡ ጨቋኒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ኣልጣኑ ንምዕቃብ ዓጢጥዎ ብስልቲ ይመሓዞ ከምዘሎን ጠፊእዎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስርዓት ህግደፍ ምስ እሸኹን ምስ ኣበሩን ክሓቁፎ እንከሎ ድማ፡ ውሽጣዊ ጸገማቱ ንምህዳእን ኣብ ኤርትራ ዘለዎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጽጥታውን ረብሓታት ንምሕላው’ዩ። ብቀንዱ ወደባት ኤርትራ ብሕሱር ዋጋ ንምጥቃምን፡ ኣብ ኤርትራ ብረብሕኡ ጥራይ ዝግደስን ዕሱብን ስርዓት እንተረኺቡ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ንምእታው’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብኽቡር መስዋእቱ ከምዘረጋገጾ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ዝፈልጦ’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ገለ ስሱዓትን ንክውንነት ዘይቅበሉን ኢትዮጵያውያን ግን፡ “ወያነ’ዩ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከምትንጸል ፈቂዱ፡ 100 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክነብር ስለዘይክእል ወደብ ዓሰብ ይግብኦ’ዩ፡ ኤርትራ ገና ኣካል ኢትዮጵያ’ያ፡ ሓለፍትና ጠሊሞሙና’ምበር ብሻዕብያ ኣይተሰዓርናን” ዝብሉ ሓለምቲ ኣለዉ። ሰባት ዝመስሎም ክሓልሙን ክዛረቡን መሰል ኣለዎም፡፡ ዘይፍታሕን ኣብ ኢድ ዘይጭበጥን ሕልሚ እንተሓሊሞምን ግን ምስ ከውሒ ከምዝላተሙ ምፍላጥ የድልዮም። ምስ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ መላኺ ኢሳያስ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ዓቢ ኣሕመድ ምርሓና” ዝሃቦ ናይ ጥልመትን ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ወይ ዓሰብ ክውንኑ ተስፋ ይገብሩ ይኾኑ። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ክፍልታት ዓለምን ይስደድ ስለዘሎ፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብል ዝኣረገ ተንኮል ይሰርሕ ከይህሉ ዘጠራጥር’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም መቀጸልታ’ቲ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ዘካየዶ ዘሎ ጥቡቅ ዝምድናን ፖለቲካዊ ጸወታን ብ14 ጥቅምቲ’ውን፡ ኣብ ምምራቅ ፋብሪካ ሽኮር ኩራዝ ቁጽሪ 3፡ ክሳተፍን ገመድ (Ribbon) ክቆርጽን ተራእዩ። ካብ ምምራቅ’ቲ ትካል፡ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ረብሓ ከምዘለዎ’ውን መደረ ኣስሚዑ። ብመራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ንምግምጋምን ንምሕያልን ከምዝተዓደመ ይገለጽ እምበር፡ እቲ ሓቂ ምምራቅ ፋብሪካ ሽኮር ከምዘይነበረ፡ ብፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ብሰፊሕ ይዕለል። ብ15 ጥቅምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘ-ሓበሻ፡ ብጋዜጠኛ ጌታቸው ሽፈራው ኣብ ዘቅረቦ ጽሑፍ፡ ቀንዲ መገሻን ርክብ ምስ ቀዳማይ ሚኒተር ኢትዮጵያን ኢሳያስ፡ ሓደ ካብቶም ስርዓት ኢሳያስ፡ ስርዓት ወያነ ንምቅዋም ኣብ ኤርትራ ዘዕጠቆምን ዕቁባ ሂብዎም ዝነበሩን ውድባት፡ መራሒ ኦነግ፡ ዳውድ ኢብሳ ምስ ሰራዊቱ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ ዕጥቁ ክፈትሕ ፍቃደኛ ስለዘይኮነን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምትፍናን ስለዝኣተወን መንእሰያት ወዲቡ ናዕቢ ከይፈጥር ስግኣት ስለዘለዎን ንኣቶ ኢብሳ ክገንሕን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምትዕራቅን ከምዝኸደ ሓቢሩ። ካልኦት ተንተንቲ ፖለቲካ ድማ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንብረትን ሃብትን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከግዕዞን መባድልቲ ወደባት ኤርትራ ኣብ ትካላት ኢትዮጵያ ናይ ዋንነት ብርኪ(Share)ንምግዛእ ውዕላት ክፈራረም ከምዝኸደን ይግምቱ። ከምዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ብስም 09 ወይ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ብዘይ ተሓታትነትን ንኤርትራውያን ሰብ ርእሰማል ናብ ስደት ከምዝባረሩ ብምግዳድን፡ ብሕቡእን ብስም ውልቀሰባትን ኣብ ተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ፡ ንኣብነት ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ፡ ዚምባብወ፡ ሚልዮናት ሃብቲ ተዋፊሩ ኣሎ።

ሕዱር ሕማም መላኺ ኢሳያስ ከምዝምስክሮ፡ ስልጣኑ ከናውሕ ምስ ሰይጣን’ውን ክመሓዞ ጸገም የብሉን። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ዕግርግርን ዝፈጥር፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ንሓደ ብምስልጣን ነቲ ካልእ ብምቅታል ክነብር ከምዝደሊ ብግብሪ ኣረጋጊጽዎ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወግሐ ጸብሐ ናብ ኢትዮጵያ ሎኽ ሎኽ ምባሉን ሓለፍቲ ክልልን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኢትዮጵያ ዘይረኸብዎ ክብረትን ሽልማትን ክምጠወሉ እንከሎ፡ ግዜ ዝምልሶ ምስጢር ምህላዉ ፍሉጥ’ዩ። ምልካዊ ኢሳያስ መሰል ህዝቢ ምኽባር፡ ልምዓታዊ መደባት ምስልሳል፡ ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብያተ ማእሰርቲ እናሃነጸ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነጢሩ ፋብሪካ ምምራቅን ክዳን ብሄራት ኢትዮጵያ ተኸዲኑ ሴፍን ጭማራን ዓቲሩን፡ ኣካኪ ዘራፍ ምባል ዘምሕረሉ ኣይኮነን። ንመራሕቲ ወያነ ኣግሊልካን ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ሜላ ብምኽታልን፡ ኢሳያስ ምስ መራሕቲ ኦሮሞን ሽዋን ሒዝዎ ዘሎ ፍቅሪ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ከምዘይክእልን፡ ኢሳያስ ብኽልተ ልቢ ከምዝንቀሳቀስን ፍሉጥ’ዩ። ምናልባት መዓንጣ ዘይቆጸሩ ቆልዑን ዝተሓነናን ዝተሸለማን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብትእዛዝ ህግደፍን መራሕቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጎደናታት ወጺኦም” “ዓሽ ኢሱ” ኢሎም ብምጭዳሮም፡ ኢሳያስ ሃወርያ ሰላምን ፍቱው መራሒ መሲሉ ይረኣዮን የዕሽዎን ይህሉ ይኸውን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓብዪ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሓምለ “ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል” ኢሉ ንምዕባለን ሰላምን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን  ከምዝሰርሕ ሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ ዝምድና ዓቢዪ ኣሕመድ ምስ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እምበር፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ቀስ እናበለ ተረጋጊጹ። ዶክቶር ኣቢዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝነኣድ ዕርቅን ምትሕግጋዝን  መኣዲ ዘተን ይኽፈት እምበር ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ መራሒ ህግደፍ ምትዕርራኹን ሕግብግብ ምባሉን ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ወይ ደው በለለይ ክብለጸልካ ሜላ’ዩ። ነፍስሄር መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም፡ “ብሓንቲ ብምባ ስለዝተወጋእና ቁስልና ኣይንሕከኽ” ብምባል ልቢ ሰብ ዝተንከፈን ንዝሓለፈ ቂም በቀል ገዲፍና ንቅድሚትን ብልጽግናን ሰላምን ክንምርሽ ነጊሩና ነይሩ። ኣብ 1998 ብሰበብ ባድመ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተወልዐ ግን፡ መለስ ”ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ስለዘይበለና ዓድና ግደፉልና” ብምባል፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝሃቦ መዓር ዝጥዕም መደረ ብምርሳዕ፡ ንልዕሊ 70 ሽሕ ሰላማውያን ኤርትራውያን ሰብኣዊ ክብሮም ብምግሃስን ንብረቶም ብምዝራፍን ካብ ኢትዮጵያ ክስጎጉ ኣዚዙ።

ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ግዜ ስርዓት ወያነ ሓደ ካብቶም መዓርግ ዝነበሮም ወተሃደራት ኢትዮጵያን ንሞትናን ጥፍኣትናን ዝፈርዱ ዝነበሩ ሰብ’ዩ። ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘንብዕ፡ ዝኣስር፡ ናብ ስደት ዝበታትን ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳያስ ምትዕርራኽን ብሓባር ምስራሕን ድማ፡ ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ። ዶክቶር ዓቢ ኣሕመድ ብጽቡቅ ጉርብትናን ብልጽግናን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብልቢ ዝግደስ እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝባኑ ዝቀልዐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክሓቁፎ ኣይግባእን። ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ እናነብዐን እናተኣስረን እናተረግጸን እንከሎ፡ ምስ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይተወከለ ገበነኛ ኢሳያስ  ኮይንካ ብዛዕባ ሓድነት፡ ምትሕግጋዝ፡ ጥዑይ ጉርብትና ምዝታይን ምፍርራምን በለጽን ገበንን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዋላ’ኳ ንግዚኡ ዘራያት እንተበዝሕዎ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ሰሚሩ ይቃለስ እንተዘየለን ህግደፍ ብዘለዎ እዋናዊ ጸብለልትነት ትልኽ ክብል ይኽኣል፡ ሓቂ ውዒላ ሓዲራ ከምትስዕር ምግንዛብ የድሊ። ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ጠባያትን ተግባራትን ኢሳያስ እናፈለጥካ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጉምብሕ ጥልዕ ምባልን ምውጋንን ድማ ሓቀኛ ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮንካን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ እዋን ወያነ ጸላኢና እንከለኻ ካብ ዘድመኻና፡ ሎሚ ብምቁር ቃላት ፈታዊኹም’የ ምስበልካና ተቁስለና ዘለኻ ይገድድ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥ16 ቅምቲ 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT