Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዽሙቕን ዑዉትን ናይ ሓድሽ ዓመት ባህላዊ ምሸት ብኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከሎንን ከባቢአን ።

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ከምቲ ኩሉ ግዜ ዓመት ዓመት ዝግበር ሎሚ ዓመት ኸኣ ፍልይ ብዝብል ኣገባብ ማለት ባህላውያን ደረፍቲ ፣ ቡዙሓት ነባራት ተቓለስትን ተጋደልቲን ፣ ኣዚዮም ቡዙሓት መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከሎን ( köln) ክሳብ ሕላፍ ለይቲ

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ከምቲ ኩሉ ግዜ ዓመት ዓመት ዝግበር ሎሚ ዓመት ኸኣ ፍልይ ብዝብል ኣገባብ ማለት ባህላውያን ደረፍቲ ፣ ቡዙሓት ነባራት ተቓለስትን ተጋደልቲን ፣ ኣዚዮም ቡዙሓት መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኣብ ከሎን ( köln) ክሳብ ሕላፍ ለይቲ ብዋዛን ቁምነገርን ዕላላት ዝተሰነየ ባህላዊ ምሸት ብዓቢ ዓወት ተዛዚሙ ።
ነዚ  ምሸት እዚ ፍሉይ ካብ ዝግበሮ ሓደ ብዝሒ መንእሰያትን ዝነበሮም ተራን ፣ መንእሰያት ናብ መድረኽ እነወጹ  ዘስምዕዎ ዝነበሩ መደረን ከምኡ`ውን ዋዛ ምስ  ቁምነገር  ንተዓዘብቲ መሲጡ ኣምሲዩ ። ተወሳኺ ሰናይ ተግባር ነዚ  ምሸት ኣዝዩ ዕውት ዝገበሮ ጉዳይ በዓልቲ ቤቱ ንስውእ ጅግና ወዲ ዓሊ ምስ ተገልጸን ሓገዝ ክግበር ዝከኣል እንተኾይኑ ምስ ተሓተተ ኣብ ሓጺር ግዜ € 410 ክእከብ ተኻኢሉ ። እዚ ዘነጽሮ ነገር እንተሎ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ሕልና ከምቀደሙ ከምዘሎ ፣ ተሰከምቲ ሕድሪ ሰማእታትና ከምዝኾናን እዩ ። ነዚ ዝተገልጸ ሰናይ ተግባር ዘበገሱን ዝተሓበበሩን ኸአ ፣ ኣቶ በርሄ ስዩም ፣ ዶር  ኣስፍሃ  ተ/ ሚካኤል ፣ ኣቶ  ሓሰን ዑመር   ብስም ኩሉ ደላይ ሰላም ምስጋና ይብጸሓዮም ፣ ንኤርትራዊ ማ/ ሰብ ከሎንን ከባቢኣን ኸአ ኣብ ትገብሮ ዘላ ማሕበራውን ሃገራዊን ንጥፈታት ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየላ።
ካብ ወዲ  ሃገር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ፈታው ሃገር January 13, 2014

    ኣጆኹም ደቂ አረ ከመኡ ቀጽሉ ህግደፋውያን ማዓንጣ ከብዶም ክቕረጹ; ብፍላይ መን ኢሰያት ነጻን ብልጽግትን አርትራ ንምምጻአ ጊደኹም ተጻወቱ፡

POST A COMMENT