Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀርመን ካብ ዝኣቱ ሒደት ኣዋርሕ ዝገበረ ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛካይዘርስላውተርን ኣብ ዝተባህለት ከተማ ጀርመን ካብ ፐላሶ ጸዲፉ ከምዝሞተ ተሓቢሩ። ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ከኣ ንዳንኬራ ይዳለዉ ኣለዉ።

ኣብ ጀርመን ካይዘርስላውተርን ኣብ ዝተባህለ ከተማ ጀርመን ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ 4 ኣዋልድ ዝርከቡዎም 17  ካብ ሊብያ ብጽንኩር ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ጀርመን ዝኣተዉ ሓደሽቲ መንእሰያት ስደተኛታት፣ ሓደ ብሕጋዊ መንገዲ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ህይወቱ ክትሓልፍ

ኣብ ጀርመን ካይዘርስላውተርን ኣብ ዝተባህለ ከተማ ጀርመን ተዓቝቦም ካብ ዘለዉ 4 ኣዋልድ ዝርከቡዎም 17  ካብ ሊብያ ብጽንኩር ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ጀርመን ዝኣተዉ ሓደሽቲ መንእሰያት ስደተኛታት፣ ሓደ ብሕጋዊ መንገዲ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ህይወቱ ክትሓልፍ ከላ፣ እቶም ዝተረፉ ብተዘዋዋሪ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ልኡኻት ህግደፍ ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ተስፉ ገብረእዝጋቢሄር ዝተባህለ፣ እምበይቶ መረታ ሰበነ ዝዓዱ ወዲ 19 መንእሰይ፣ ናብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ኣብ ክልተ ወርሑ፣ ብ 10 ሓምለ ካብ ራብዓይ ደርቢ ናይቲ ዝጸንሓሉ ፐላሶ ጸዲፉ ከምዝሞተ ይንገር።

ኣብታ ከተማ ዝርከቡ፣ ብኣመሓዳሪ ህግደፍ ካይዘርስላውተርን ኪዳነማርያም ኣስፍሃ ዝተላእኩ፣ ከም ብዓል ብርሃነ ወልደጊዮርጊስ ዝርከቡዎም ደገፍቲ ህግደፍ፣ ናብቲ ዓዲ ካብ ዝኣተዉሉ እዋን ኩነታቶም መዝሚዞም፣ ክራርን ኩዕሶ እግርን ከነጻውተኩም ብዝብል መመኽኔታ ለጊቦም ኣብ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታት ህግደፍ ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ክገብሩዎም ይፍትኑ ኣለዉ።

መዋቲ መንእሰይ ተስፉ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምማቱ ብሓደ ኣብቲ ዓዲ ዝነበር ናይ ክራር ኣፍልጦ ዘለዎ ዮሃንስ ኣፈወርቂ ዝተባህለ ሰብ፣ ክራር ክምህሩዎ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ናይ ህግደፍ ኣጋጣሚ ከምዘጻወቱዎ ተፈሊጡ።

ንሱ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ ሰሙኑ ‘ውን፣ ናይ መጻኢ ተስፋኹም እንታይ ክኸውን እዩ እናበሉ ብቐጻሊ ናብ ልምምድ ይወስዱዎም ለዉ። ዝጓየዩሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፣ ነዞም ናይ ዑቕባ ጉዳዮም ዘይተወደአ መንእሰያት ኣብቲ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ጀርመን ደገፍቶም ዓዲሞም ብምኽንያት ሓደ መስከረም ን 6 መስከረም ከካይዱዎ መዲቦሞ ዘለዉ ጽምብል፣ ኣብ ጸወታ ኩዕሶን ጓይላን ከሳትፉዎም መዲቦም ስለዘለዉ እዩ።

ምእንቲ’ዚ ዕላማ’ዚ ደገፍቲ ህግደፍ በብሓደ ወይ በብኽልተ ካብቲ መጻንሒ ኣባይቲ ናይዞም ስደተኛታት ተፍልዮም ኣይፈልጡን፣ ኩሉ ግዜ ምስ ሰለዩዎም እዮም።

ነዚ ኩሉ ዝፍጽም ዘሎ፣ ብተዘዋዋርን ብስዉርን ናይ ህግደፍ ተልእኾ ክፍጽም ዝተላእከ ብርሃነ ብቓዱ ዝተባህለ ሰብ እዩ።

ኣብዚ ከባቢ እትርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፣ ቅድሚ ኹሉ ነቶም ዓቕሎም ጸቢቡዎም ግዳይ ምዝመዛ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ሓደሽቲ መንእሰያት፣ ሓለይቲ ተመሲሎም ንግዝያዊ ፖለቲካኦም ተጠቒሞም መጻኢኦም ከባላሽዉሎም ይተናኾሉ ከምዘለዉ ከተረድኡዎምን ክትሕብሕቡዎምን ክትተሓጋገዙዎምን። ካብኡ ቀጺልኩም ከኣ፣ መንእሰያትና ኣብ ስደትን ከርተትን እናሃለቑ ከካይዱዎም መዲቦሞ ኣብ ዘለዉ ጓይላን ዳንኬራን ዝሳተፉ ግሩሃት ከይርከቡ ክትጉስጉሱ ይግባእ።

 

ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን

ኣብ ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • ahmed saleh September 3, 2014

    For heaven sake he is only 19 years old to go through hellish experience and at the end to return back home dead in coffin .
    Tragedies of Eritreans now and then become a usual part of life . It is too sad and get difficult to comprehend .
    Lets pray for forgiveness and to lead us onto the right path for peace , love and harmony .
    UWAE MREGHEM KEYIKHEWN AB TIRITR ZEBXIHEKA KHUNETAT INA ZELONA .

  • the noble teacher September 3, 2014

    endless suferiing.

POST A COMMENT