Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀነራል’ባ ኹን!

ኣንቱም ዘርኢ ፈርዖን ደቂ ግብጺ ናይ ልብኹም ተስምዑ ብድምጺ ‘*ብዒሎኻ’ ኢልኩሞ ንዓማጺ            *ወገንካ ሓዝ ሓርነትኩም ኣዊጅኩም ብግልጺ ሃገር ኣትሒዝኩማ ግቡእ ቅርጺ!   ቁጠዐ መለኽቲ ብጽንዓት መኪትኩም ንመሰልን ክብርን ሳላ እተቓለስኩም ዝፋን ህዝቢ ካብ ምልኪ መንዚዕኩም ናይ ሰላሳ ዓመት *ዘለማ ቀቢርኩም         *ረገጻ፡ ጭቆና ፍትሕን ደሞክራስን ስለ ዝጨበጥኩም *ሓውዚ ዘይረኸበ

ኣንቱም ዘርኢ ፈርዖን ደቂ ግብጺ

ናይ ልብኹም ተስምዑ ብድምጺ

‘*ብዒሎኻ’ ኢልኩሞ ንዓማጺ            *ወገንካ ሓዝ

ሓርነትኩም ኣዊጅኩም ብግልጺ

ሃገር ኣትሒዝኩማ ግቡእ ቅርጺ!

 

ቁጠዐ መለኽቲ ብጽንዓት መኪትኩም

ንመሰልን ክብርን ሳላ እተቓለስኩም

ዝፋን ህዝቢ ካብ ምልኪ መንዚዕኩም

ናይ ሰላሳ ዓመት *ዘለማ ቀቢርኩም         *ረገጻ፡ ጭቆና

ፍትሕን ደሞክራስን ስለ ዝጨበጥኩም

*ሓውዚ ዘይረኸበ ዓወት ከምዚ ናትኩም      *ውህደት፡ ተድላ

ውጹዕ ኤርትራዊ *ሃንአ ይብለኩም!          *ዮሃና

 

ኣንታ ወዲ ሓርበኛታት ወዲ ራእሲ

መሬት ንርእሳ’ንድያ ትወግሕ ትመሲ

ትኽስ እናበልካ ምልኪ ካብ ተሳሲ

ሽመትካ’ንዶ ልበሶ ከም ጀነራል *ኣልሲሲ      *ንፕረዚደንት ሞርሲ ካብ ስልጣን ዚኣለየ ጀነራል

ንመግዛእቲ ህግደፍ ክንረኽበሉ ፈውሲ!

 

ስሙ ዚለበሰ ብዕቅን ብልክዕ

ድምጺ ናይ ውጹዓት ብልቢ ዚሰምዕ

ዋልታ ህዝቢ ኮይኑ *ደማሒ ዚቐጽዕ    *መላኺ

ጀነራል’ባ ኹን ወላዲት ዘኹርዕ!

 

በጃ ህዝቢ ክትሓልፉ ንቕድሚት

ብደውኩም ከለኹም ህዝባዊ ሰራዊት

ቈልዑ ክዋደቑ ምእንቲ ወላዲት

እንታይ መሊሱኩም ጀጋኑ ንድሕሪት!?

 

ህዝባዊ ሰራዊት እንከሎ’ቲ ስምኩም

ኣደ እናተገፍዐት ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም

ናይዚ ውጹዕ ህዝቢ ዋልታ ዘይሙዃንኩም

ህዝቢ መንደፈራ ፍጹም ክዒብኩም!

 

ኣፉ እናዓበስካ ከይገልጽ ጸገሙ

ድኻ እናተረግጸ መሰል ተሓሪሙ

ንሃገርን ህዝብን ኣብ ክንዲ ትቖሙ

ንስልጣን መላኺ ኣፈሙዝ ትለጉሙ

ህዝባዊ ሰራዊት እንታይድዩ ትርጉሙ!?

 

ህዝቢ እናተገፍዐ’ወ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም

ክሳድኩም ትጠውዩ ከምዛ ዘይረኣኹም

መላኺ እናጽነተ በሽካዕላል ህዝብኹም

ግኡዛን ትኾኑስ ክሳዕ መዓስ ኢኹም!?

 

ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 05-07-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • mulugeta November 4, 2013

    it is good poem so the people of Eritrea is gaining his freedom in short of time by strangling together

  • yemane November 28, 2013

    wonderful poem writer, I really liked it.

POST A COMMENT