Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑ ተቓለስቲ ይሓልፉ፣ ታሪኽን ሞያን ጀጋኑ ግን ይነብር፡

ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር፤ ኣብ ታሪኽ ናይ ቃልስታት ናይ ደቂ-ሰባት ምስ እንውከስ፣ ቡዙሓት ሰብ ዝናን ሰራሕቲ ታርኽን፣ ክሓልፉ ከለዉ፣ ታሪኾም ግን ከም ህያው ኮይኑ፡ ንውርሻን ንትምህርትን ክነብር ንርኢ። ታሪኽ ክንብል ከለና ድማ፡ ክልተ ገጽ ዝሓዘ

ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር፤

ኣብ ታሪኽ ናይ ቃልስታት ናይ ደቂ-ሰባት ምስ እንውከስ፣ ቡዙሓት ሰብ ዝናን ሰራሕቲ ታርኽን፣ ክሓልፉ ከለዉ፣ ታሪኾም ግን ከም ህያው ኮይኑ፡ ንውርሻን ንትምህርትን ክነብር ንርኢ። ታሪኽ ክንብል ከለና ድማ፡ ክልተ ገጽ ዝሓዘ እዩ፣ ማለት ኣዎንታውን ኣሉታውን።  እቲ ኣዎንታዊ ሸነኹ ንውርሻን ከም ኣብነት ንመምሃርን ነባሪ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ኣሉታዊ ጎድኑ ድማ፡ ንኸይድገም ከም መምሃሪ ተገምጊሙ /ተመዚኑ ይሓልፍ።

ታሪኽ ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብመንጽር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣበሃህላ ንድሕሪት ተመሊስና ምስ እንውከስ ድማ፣ ነዚ ዘረጋግጽ ታሪኻዊ ሓቅታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ናይ ናጽነታዊ ቃልሱ፣ ኣሽሓት ዝፈትዎም ደቁን፣ መዐቀኒ ዘይብሉ ንብረቱን ከፊሉ እዩ ናጽነቱ ዘረጋገጸ። ኮይኑ ግን ክሳራ ህይወት ደቁን ንብረቱን ኣብዚ ኣየብቀዐን። ኣብቲ ውጽኢት ናጽነታዊ ቃልሱ ብጉሒላ ጉጀለ ህግደፍ ምስ ተጨውየ ተገዲዱ ዝቐጸሎ ሓርነታዊ ቃልሱ እውን እንተኾነ፣ ናብ ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ናጽነታዊ ቃልሱ ዘይንእስ ክሳራታት እዩ ተሳጢሑ ዝርከብ ዘሎ። እዞም ኣብዚ እዋን እዚ፣ ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ክብሉ፣ ሃገራዊ መንነቶም ተነፊጎም፣ ግዳይ ናይ ህግደፍ ምልካዊ ብድዐ ኮይኖም፣ ካብዛ ዓለም ዝሓልፉ ዘለዉ ተቓለስቲ ድማ፣ ናይዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ህይወት ህያው ኣብነት እዮም። ኩቡር ሓው ስዉእ ኣሕመድ ናስር ድማ ሓደ ካብዞም ግድያት ህግደፍ ምዃኑ ዉዑይ ኣብነት እዩ። ንግዳይነቱ ሕሉፍ ምረት ዘውህቦ ድማ፣ እቲ ኩቡር ሬሳኡ ኣብታ ናጽነትን፡ ሓርነትን፡ ሓድነት ህዝባን ንኽትውንን፣ ምሉእ ህይወቱ ዝኸፈለላ ሃገሩ ኤርትራ ዘይምዕራፉ እዩ። ነዚ ዕጫ’ዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ተቓልስቲ ድማ ቁጽሮም እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ ሓደ ካብቶም ካብ ዕድመ ንእስነቶም /ካብ 60ታት/ ጀሚሮም፣ ንናጽነትን ሓርነትን ዝልበሰት ህዝባዊት ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ኣላሽ ከይበለ እናተቓለሰ ከሎ እዩ፡ ካብዛ ዓለም ብሃንደበታዊ ሞት ዝተፈልየ። እዚ ድማ ክሳራ ናይ ስድራቤቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ክሳራ ናይ ኩሉ ንፍትሓዊትን ህዝባዊትን ኤርትራ ዝቃለስ ዘሎ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ብወገነይ ምናልባት ካብቶም ብመሪሕ ቦታ ብዛዕባ ተቓላሳይ ስዉእ ኣሕመድ ክዛረብ/ ክሕብር / ዘለኒ ባእታ ከም ዘይኮንኩ እርዳእ እየ፤ ማለት ንታሪኽ ተቓላሳይ ኣሕመድ ብደረጃ መጽሓፍ ዝዕቀን ታሪኽ ክጽሕፉ ዝኽእሉ ካልኦት መቓልስቱ /ብፍላይ ኣብ ጽፍሒ ምምራሕ ውድብ ተሓኤ ንብዙሓት ዓመታት ምስኡ ዝተዋስኡ/ ከም ዘለዉ ስለ ዝርዳእን ዝኣምንን። ኮይኑ፣ ከም መልቓስተይን መራሒ ውድበይን ኮይኑ ንነዊ እዋን ብሓባር ዝተቓለስና ከም ምዃና መጠን፣ ኣፍልጦይ ኣብ ልዕሊ ስዉእ ተቓላሳይ ኣሕመድ፣ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ፣ ገለ ክብል ሕልናይ ይሓተኒ።

ኣሕመድ ካብ ቀዳማይ ሃገራውዊ ጉባኤ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ማለት 1971/ ጀሚሩ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት፣ ካብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ /1975/ ድማ፣ ከም ኣቦ መንበር ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ኮይኑ ዝተቓለሰ ውፉይን ንጹህን ሃገራዊ እዩ። ዋላ’ኳ ከም መራሕ ውድብ መጠን፣ ካብ ድሕሪ 2ይ ሃ. ጉ. ኣብ ዝነበረ ግዜ ጀሚረ ብማዕዶ ይፈልጦ እንተነበርኩ፣ እቲ ብኣካል ምስ ስዉእ ኣሕመድ ተራኺበ ንመጀመርያ ዘዕለልኩ እዋን ግን፣ ድሕሪ ወራር ደርጊ-ራሻ፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ 1978 እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ በቲ ሽዑ ዝተረእየ ተረኽቦ፣ ማለት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ተ.ሓ.ኤ. ዝነበረ ሰፊሕ ቦታታትን ከተማታትን ምኽሳር ዝሰንበደ ተጋዳላይ፣ ቃልሲ ገዲፍካ ምኻድ ዝተራእየሉ እዋን እዩ ዝነበረ። ገለ ካብኣቶም እውን ኣባላት ናይቲ ኣነ ዝመርሖ ዝነበርኩ ክፍሊ፣ ክፍሊ መጒዓዝያ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ድማ ኣሕመድ ኣብ ወጻኢ ክንሳቐስ ጸኒሑ፣ ናብ ካርቱም ዝመጸሉ እዋን ስለ ዝነበረ፣ ገለ ካብቶም ሜዳ ገዲፎም ዝኸዱ ተጋደልቲ ኣብ ካርቱም ተጓነፍዎ’ሞ፣ ንገለ ካብቶም ኣባላት ክፍሊ መጒዓዝያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካርቱም ጸዊዑ ብምዝርራብ፣ በቲ ቤት ጽሕፈት ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝግበረሎም ብምግባር፣ ንሜዳ ክምለሱ ኣተባብዖም። ንሳቶም ግን ንዝተገብረሎም ሓገዝ ተጠቒሞም ንስዑዲ ሰገሩ’ሞ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሜዳ ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ኣባላት መጒዓዝያ ኣዛራቢ ኮነ። ብዛዕባ እዚ ንኽዘራረብ እየ እምበኣር ኣነ፣ ኣሕመድ ንሜዳ ምስ ኣተወ፣ ንመጀመርያ ግዜ ክርኽቦ ዝመረጽኩ። ኣብዚ ክዝክሮ ዝደሊ ድማ፣ ኣነ በወገነይ ዝነበረኒ ቅረታ ንኽገልጽ እየ ክረኽቦ ዝተበገስኩ። ማለት እቲ ጉዳይ፡ ኣብ መንጎ ኣብላት ናይቲ ዝመርሖ ዝነበርኩ ክፍሊ ዘየድሊ ተረድኦ ስለ ዘሕደረ። ዝርርብና ምስ ተቓላሳይ ኣሕመድ ግን፣ ብባህርያቱ፣ ኣብ መንጎ ናይ ስርዒት ኣስካላ ዘለዎም ባእታታት ዘይኮነስ፣ ከም ኣብ መንጎ ክልተ፣ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝፋለጡ፣ የዕሩኽ ወይ ብጾት ዝግበር ዓይነት ምይይጥ ኮይኑ እየ ዝረኸብኩዎ። ስዉእ ኣሕመድ ነቲ ዝገበሮ ተግባር ካብ ውድባዊ ሓልዮት ተበጊሱ፡ ኣላዪ ግደ ንኽጻወት ዝገበሮ ንጹህ ተበግሶ ምንባሩ ድማ፣ ብዘዕግብ ደረጃ ንኽገልጸለይ ግዜ’ውን ኣይወሰደልናን። እቲ ብዝያዳ ኣብዚ ከስምረሉ ዝደለኹ እበኣር፣ ባህርያት ናይቲ ኣብ መንጎና ዝነበረ ዝርርብ እዩ፣ ማለት ብባህርያቱ ናይ መራሕን ተራ ኣባልን ዘይኮነስ፣ ናይ ክልተ ብማዕረ ዝመዛዘኑ ብጾት ኮይኑ ምንጽብራቑ እዩ።  ነዚ ዝገበሮ ድማ፣ እቲ ብስዉእ ተጋዳላይ ኣሕመድ ዝተራእየ፣ ናይ ኣብ ብዙሓት ”መራሕቲ” ዝርአ ትዕቢት ዘይበከሎ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ዝኸበቦ፣ ባይታ ዝረገጸ፡ ናይቲ ፍጻሜ መብርሂ እዩ። ካብዛ ዕለት እዚኣ ጀሚረ እየ ድማ፣ ነቲ ውጽኢት ናይቲ ንምሉእ ህይወቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ከይረኣየ፣ ብሃንደበት ዝተፈልየና ተቓላሳይ ስዉእ ኣሕመድ፣ ክሳብ ክንደይ፣ ከም መሪሒ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንታሕቲ ወሪዱ’ውን ከም ተራ ብጻይ ክረዳዳእ/ ክቃለስ/ ዘብቅዖ ባህርያትን ጠባያትን ዝውንን ተቓላሳይ ከም ዝነበረ ክግንዘብ ዝኸኣልኩ።

ተቓላሳይ ኣሕመድ፤ ውፉይን፡ ንጹህን፡ ሓያል ሃገራውን፡ ኣማኒ ብጻዩን፡ ክብሪ ሰብ ዝግንዘብን ተቓልሳይ ምንባሩ ድማ፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፣ ኣብ ሜዳ ይኹን ኣብ ወጻኢ/ ሽዊደን፣ ጀርመን፣ ኖርወይ/ ምስኡ ኣብ ዝተመያየጥኩሉን ዘዕለልኩሉን ግዜ ዘመዝገብኩዎ ተረድኦ እዩ። ነዚ ምስክርነተይ ክህበሉ ድማ ሕልናይ ይሓተኒ።

ቀጺሉነዚብተወሳኺ ዝገልጽኣጋጣሚድማ፣ኣብቲውድብተጋድሎሓርነትኤርትራ፣በዚሕጂኣብኣስመራኮይኑንህዝቢኤርትራዘጽንትዘሎጉጅለ ህግደፍ፣ ብምትሕብባር ምስቲ ኢትዮጵያዊሓይሊዝኾነ፣ህዝባዊወያኔሓርነትትግራይ፣ተደፊኣካብ መሬት ኤርትራ ናብመሬትሱዳንድሕሪምእታዋዝነበረኩነታትእዩ።ኣብዚግዜ’ዚተጋዳላይዓብድላኢድሪስንሰራዊትሓርነትገዲፉ፣ዝመስልዎ ሒዙ ካብተሃዳይናብራሳይዝበሃልቦታሱዳንምስከደ፤እቲዝተረፈሰራዊትሓርነት ድማ፣ ”ዓብደላተፈንጪሉ” ብማለት፣ናብራሳይኣይንኸይድንዝበለሉእዋንእዩዝነበረ።ኣብቲ ድሕሪ እዚ ተረኽቦ እዚብመሪሕነትደረጃዝተጠልበኣኼባ፣ዓብደላ ነቲ ኣኼባ ኣብቲንሱምስጉጅለኡሰፊርሉዝነበረ ቦታ – ራሳይ – ክግበርኣትሪሩደፍአ’ሞ፣እቲንሓድነትውድብከምቀዳማይዕላማብምውሳድ፣ነቲ ብተጋዳላይ ዓብደላ ዝተወጠነ ፈታኒ ምፍንጫልዕድልክኸልእዝመረጸተጋዳላይኣሕመድ፣ ”ንኺድ! እቲምስዓብደላዘሎሰራዊትእኮሰራዊትና፡ሰራዊትሓርነትእዩ፣ዓብደላድማ ነዚ ከምመፈላለዪክጥቀመሉዕድልክንህቦየብልናን” ብማለት፣ንሓድነትውድብንምርግጋጽዝሕመረቱ፣ተባዕንንጹህንመርገጽሓዘ።ኣብቲግዜእቲ፣ኣነብወገነይ፣ኣብ መጀመርያ፣ ሓደካብቶምነቲርእይቶ ”ናብ ራሳይ ምኻድ”፣ ዘይተቐበሉ ባእታ እየ ነይረ፤በዚጉዳይእዚኣልዒለድማ ምስተጋዳላይኣሕመድብኣካልዝተመያይጠ።ኮይኑግን፣ካልኦትኣብራሳይበጺሕናመጺእና፡ዝብሉኣባላትመሪሕነትዝሃብዎሓበሬታብተወሳኺመተኣማመኒስለዝኾነና፣ብኸፊልክንከይድተሰማማዕና’ሞ፣ናብቲቦታተጓዓዝና።ኣብቲቦታምስኣተናድማ፣እቲመሪሕነት፣ንኣስታትሓደሰሙንኣብምይይጥኣተወ።ኣብመወዳእታድማ፣እቲ መሪሕነት ኣብምትሕንናቕበጽሐ።ማለትዓብደላነቶምዝተረፉክስዕቡ ዝነበሮም ሰራዊት፣ ቅድሚ ናብቲ መደበር ምእታዎም፣ ብረት ክወሃቦም ንዝኣተዎስምምዕከኽብርኣይከኣለን/ኣይደለየን።ድሕሪእዚኩሉድማ፣ናብ 25. 03. 1982 ዘውግሕለይቲሓደሓደገኛተርእዮኣብቲመደበርተፈጢሩ ሓደረ።ማለትበዓልዓብደላነቶምዘየድልይዎም፣ኣብቲ መደበር ዝነበሩ ዕጡቓትሰራዊትብረቶምኣውሪዶም፣ብኻልኦትተኪኦምሞሓደሩ።ንንጒሆኡናይዚተረኽቦ’ዚኣነ ብቐዳምነትናይምርካብዕድልስለ ዝረኸብኩድማ፣ብኡብኡምስብጾተይብምዝርራብ፣ኣብደረጃሓደጋከምዝበጻሕናመዘንና።ካብንጉሆሰዓትሾሞንተጅሚርናድማ፣ ነቲኩነታትንምርግጋእተንቀሳቐስና።ኣነምስካልኣየይድማብቐጥታ፣ነቶምናይቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኩነታት ናይ ድሕነትዋልታክኾኑይኽእሉእዮም ዝበልናዮምኣባላትመሪሕነት፣/ ሓደካብኦምተቓላሳይ ስዉእኣሕመድ ናስር/፣  ኣብከባቢሰዓትትሻዓተቅ. ቀ. በብሓደረኺብና ብዛዕባእቲዘንበብናዮ ኩነታትሓበርናዮም።እንተ ኾነ እቲመዓልቲብ ”በሉጽንሑከነጽንዕኢና” ዝብልኣበሃህላሓለፈ።ሰዓትሰለስተድ. ቀ.ድማ፣ተመሊስናንተጋዳላይ ኣሕመድእንደገና ረኺብናዮ።ንነብስናከምስዉኣትወሲድናድማ፣ካብሕጂንደሓር፣እቶም ኣብ ተሃዳይንኮሮኮንን ተሪፎን ዝነበሩ ብጾት፡ተጸዊዖምናብዚመጻወድያእዚከይኣትዉ፣ብቕልጡፍ ክሕበሮም /ክልኣኸሎምኣትሪርናምስ ተወከስናዮ፤ስዉእ ኣሕመድ ነቲ ጉዳይ ክግንዘቦ ግዜ ከይወሰደሉ፣ ንዓይምስካልኣየይ፣ ”እሞንስኻትኩምተበገሱኪዱ ክትሕብሩ”፤ብማለት፣ነቲኣብቲግዜ’ቲኣማሓዳሪናይቲመደበርዝነበረባእታመኪናክረኽበልናብኡብኡተእዛዝሃበ።እንተኾነእቲጉዳይኣብዚሮ-ሰዓትበጺሑስለዝነበረ፣ኣነካብኣሕመድናይ 5 ሜትሮከይተፈለኹ፣እቲስጉምቲተጀመረ/ተወስደ።እቲኣብቲ እዋን’ቲ ኣቦመንበርውድብዝነበረተጋዳላይኣሕመድድማ፣ንርእሱ’ውንምሩኽናይዓበደላንብጾቱንኮነ’ሞ፣ምስብዙሓትካልኦትብጾቱኣብትሕዲቀይዲዓብደላኣተወ/ተኣስረ። ብትዕዝብተይ  ኮነ ን እምነተይ፣ ተጋዳላይ ኣሕመድ፣ እንተዘየገርህዎ ኢዱ ክህብ ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ በሃላይ እየ።

ኣብዚ ክስምረሉ ዝደለኹ ድማ፣ ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር፣ ክሳብ ክንደይ፡ ንጹህ፡ ተባዕ፡ ሃገራዊ፡ ናይ ሓድነት ተቓላሳይን፡ ሰማዕን፡ ባህርያት ዝነበሮ ተቓላሳይ ምንባሩ ንምምስካር እዩ። እዚ ቅዱስ ባህርያትታት እዚ ስለ ዝተመዝመዘ ድማ፣ እቲ ንጹህ ተቓላሳይ ኣሕመድ ኣብ ከምዚ ወደቐ። ሎሚ ኣሕመድ ሓሊፉ፣ እቲ ኣውንታዊ ኣብነቱን ታሩኹን ግን፡ ንዘልኣለም ነባሪ እዩ። ብተወሳኺ ኣሕመድ፣ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሓደ ካብቶም ብዝኾነ ዓይነት ገበን ኮነ ብልሽውና ዘይሕመዩን ዘይክሰሱን ንጹሃት ተቓላሳይ ምንባሩ እዩ። በዚ ኣገጣሚ እዚ ድማ፣ ኣነ ንስዉእ ኣሕመድ መንግስተሰማያት፣ ንቤተ-ሰብ ድማ ጽንዓት እምነ።

እዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ተረኽቦታት ንዓና ንተቓለስቲ እንታይ ይምህረና ወይ የዘኻኽረና፧

ንሕና ብህይወት ዘለና ተቓለስቲ ኣብዚ ክንግንዘቦን ክንመሃረሉን ዘለና እምበኣር፣ ብመስዋእቲ ዝሓልፉ ዘለዉ ብጾትና ምሕዛንን ምስንባድን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ንሳቶም ነባሪ ታሪኽ ገዲፎም ይሓልፉ ኣለዉ፤ ንሕና ኢና ንስዕቦም’ምበር ኣይምለሱናን እዮም። እቲ ኣብዚ ክንግዘቦ ዘለና ግን፣ ኣብ ህይወት ክሳብ ዘለና፣ እንታይ ታሪኽ ገዲፍናን ኣውሪስናን ንሓልፍ እዩ። እምበኣርከስ ኣብ ግዜ እዛ ሓጻር ህይወትና፡ ኣየናይ ታሪኽ ንሰርሕን፤ እንታይ ዓይነት ታሪኽ ንወረስቲ ነውርስን ዝብሉ ሕቶታት ኢና ከነውርድ ከነደይብ ዝግብኣና። ነዚ ንምትግባር ወርትግ እንሓስቦ ሓሳባትን፣ እንገብሮ ተግባራትን መዐቀኒኡ ድማ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸቢብነት ዝረሓቐ ኮይኑ፣ ብኣንጻሩ ድማ፣ ብሃገርን ብህዝብን ዝምዘን ወይ ዝዕቀን ከኽውን ከም ዝግባእ ንኽንግንዘብ ክንበራበር የድሊ ኣሎ። ብኸምዚ ምስ እንሓስብን ምስ እንሰርሕን ጥራሕ ኢና ድማ፣ ነቶም ግዳይ ህግደፍ ኮይኖም ዝሓልፉ ዘለዉ ፍትሓውያን ተቓልስቲ ክንድብሶም እንኽእል። ደበሶም ድማ ነቲ ከረጋግጽዎ እናተረባረቡ ከለዉ ከየርከብሉ ዝሓለፉን፣ ገና’ውን ዝሓልፉ ዘለዉን ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ህዝባዊ ዕላማ፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምርግጋጽ እዩ። በዚ ክሳብ ዘይሓሰብናን፣ ነዚ ክሳብ ዘየተግበርናን ግን፣ ንዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉ ናይዚ እዋን እዚ ናይ ፍትሒ ተቓለስቲ ዝኾነ ብጾት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዘይተቐረበልና መኣዲ ክንበኣስ፤ ንኹሎም፣ ካብ 40ታታ ጀሚሮም፣ ንሓርነትን ንሓድነትን ህዝብን መሬትን ኤርትራ ንዝወደቑ ጀጋኑና ንጠልም ከም ዘልናን፣ ንዝያዳ ናይ ቀጻሊ ጥፍኣትና መስርሕ ኣገልገልቲ ንኸውን ከም ዘለናን እውን ክንግንዘብ የድሊ ኣሎ።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንናይ ናጽነትን ሓርነትን ጀጋኑ ስውኣትና!

ውድቀትን ሞትን ንጎሓሉ ህግደፋውያን!

ክንዕወት ኢና!

ወ/ስላሴ ዑቕበ ተስፋይ

ኖርወይ – 26.04.2014

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Bokre May 3, 2014

    Where was Ahmad Nasser sleeping or hiding when an illiterate and less equipped peasant army of the Weyanes chased his own ELF Tegadelti who were well trained, better equipped with Arab artillery and were well fed and dressed, all the way to Kesela and Gedafr Sudan?
    The Weyanes, then did not even have a proper shoes nor the regular issue of AK 47 and RPG rockets.

    The worst and idiotic leaders in Eritrean, so called Sewra, were the Jebha leaders who proved even more idiotic as opposition leaders to this day.

  • andinet hizbay May 3, 2014

    how is this slave of arabs who burned eritrean native laguages considered as hero ,he was was waging a proxy war for arabs,under his leadership many Christian highlanders perished to maintain the alien identity of sewra. the aim of the sewra was to arabize the ppl.Awate was a shifta and this so called hero of wanna be arabs was a mercenary.we Christian highlanders were decieved to join sewara against our interest. but now our number is on the rise those who want to unite back with our mother country, Ethiopia, most likely the useful idoits will join us in the near future.why the Awate team are making u turn bc they realized public opinion of the Christian is heading against this fake ghedli waged for the cause of arabs. enough is enough,we will not serve the interest of egypt

    • Mehari T May 3, 2014

      andinet hizbay,
      Well said brother/sister. It is unfortunate truth that Christian Eritreans will always remain a self-hating society that will neither be Arab nor Habesha, they are the lost sheep that made a strategic blander by siding with savage Arabs against 70% of their own ethnic family in Ethiopia. As a result of the blander they now call themselves “hizbi Tigrigna” also “hizbi Singapoore” unashamedely!!! The savage/smart Arabs don’t see or accept them as their own but continue to use them for their national interests and to spread their Islam religion. As long as poor Eritrea associates itself with the Arabs then it would go backward to the dark ages that the Arabs belong to and also to their inhuman sharia laws.

      • Teclay May 4, 2014

        Andinet and Mehari
        I agree with both of you,we the kebssa is i think the most stupid ppl,who is happy destroying his own home for the sake of others in our case Arabs. Let me give you an example of my own when i was very young and idiot
        I started to explain about our struggle of independence to An Arab
        Quickly asked me only one question,if our religion with Ethiopia is the same
        I say yes
        His only and only comment was “you Eritreans are really idiots” and he went away

        To tell you frankly at that time i was angry ,now i know we were really idiots even idiot is not enough

        • ahmed saleh May 5, 2014

          Teclay
          Idiots actions always turned back to hunt them down against their interest . Some blinded people who couldn’t
          identify their past mistake would end up hostages of destructive hostility .
          If a person couldn’t possess a little passion and respect how could you expect to respect others ?
          Who brought all this unnecessary confrontations inside the country and with neighbors ?
          Who was the strong supporter inside and outside the country to beat the drum at the time of wars ?
          When our own people go through hell under this system for more than 20 years why choose silence ?
          And now to talk cheap to run from responsibility is part of the same idiot culture of socio-politics
          to fool yourself rather than facing head on the reality based in facts .
          Our young generation ( of course if you are Eritreans though ) are paying the price while we entertain
          from our comfort corner . What a shame . Even though I suspect some commentators purpose in here .
          NB . The Arab guy mentality doesn’t differ from you guys because it is the same mind set full of
          garbage thoughts .

          • Mehari T May 6, 2014

            I sense some desperation here, what are you trying to cover up? that Ahmed Nasser was not advocate of Eritrean Arabism? The more you comment the more you reveal your pathetic desperation. Little knowledge is dangerous indeed. There is nothing positive you can contribute loser. You also sound more of an ignorant warlord in the brewing process. In short, you cannot defend the indefendable. If the wanna-be-Arabs still feel the grass is greener on the other side then what are you waiting for? Actually in your cases, the grass should be changed to sand so if you still feel the sand is more to your taste on the other side then ‘mengedun cherq yargilachu’ and we would be extremely happy to see the back of you losers.

          • selamawit2 May 6, 2014

            Dear Ahmed Saleh,

            i consider Mehari T, Teclay, andinet hizbay (i leave the list the name of the list here…)
            as the same devious one person who is still sneaking aroung in this forum.
            this person doesn’t want anything good…

  • belay nega May 3, 2014

    “ኩቡር ሓው ስዉእ ኣሕመድ ናስር ድማ ሓደ ካብዞም ግድያት ህግደፍ ምዃኑ ዉዑይ ኣብነት እዩ።”

    A man by the name ADAM, should be the last person to judge others’ name, and say “WOW,WHAT AN OLD NAME!”

  • ahmed omer May 4, 2014

    The Assent is (a siddi website )and the evidence is that every idiots and sick dump their rubbish .
    Amaniel Iyaso you respecting real Eritrean readers .
    please we have enough rubbish in Asmara .Asena auditors you are saying that your gaol is to help Eritrean people in getting theirand rights and how come to do against your JOB .

  • Mehari T May 6, 2014

    Bebehade seb wahade, and in this loser case, it would be ‘bebehade shifta wahade’. I feel sorry for him , he died before Eritrea becomes member of the savage Arab league. He was more of Muslim Brotherhood cadre, loyal messenger of the savage Arabs rather than a democratic frredom fighter. What a waste all the years for shifta mission and serving the savage Arab masters. Once you live like a savage Arab dog then you die like a savage Arab dog. In other word, what goes around comes around one day.

  • Mehari T May 6, 2014

    selamawit2,
    This loser warlord by the name of a savage arabic name of ahmid salih (ashit sahsah), is he your pimp you bitch? If so then he is getting you good business in the savage Arab prostitution market? Make the best out of it while it lasts gaul komarit chenawit/shit.

    • selamawit2 May 7, 2014

      “Mehari”
      I think it was Zufana who said this (freely cited):
      only those who are prostituts or who were deliverd and raised up by prostituts call other people “b….”.
      tiny dwarf, you lost – you can’t challenge us with intelligence and reasonable argumentation therefore your jerry-built curtain-wall facing crashed down and well, you relapse into your bummer habit…

      this is my advice to you: make a withdrawal treatment, lezzay.

      • ahmed saleh May 9, 2014

        Mehari
        A bastard son of bitch behind the screen hiding . I bet you do not have a gut to say that to her face to face , coward .

        • ahmed saleh May 9, 2014

          Selemawit
          Last year with his different pen names I called him WEYANE -JASUS inside ASSENNA .
          We are surrounded by HGDF and WEYANE jasusat .

    • ahmed saleh May 9, 2014

      ASSENNA pls ASSENNA
      Try to preserve the hard earned quality of this forum to let couple individuals disguising with various names
      to contaminate or forum . Once in a while supervision halts failure not to appear .

      • ahmed saleh May 9, 2014

        Read ; this forum not to let couple …….

        • selamawit2 May 9, 2014

          Thank You Brother Ahmed Saleh.

          You know this ugly worm is burning, he is cracking up when he sees that he can never, ever disunite the eritrean people – whether by religion nor by ethnic!

          so let’s watch him get loco and laugh! 😉

  • Mehari T May 9, 2014

    Savage Arab Pimpo, leave this poor ignorant selamawit2 shit alone and use your own dirty shit once like Fatima, Zahra, Halima and Kediga for your soliciting business. Alternatively, you were said to be good at bending over and getting the savage Muslim Arabs dick in your ass. However, your savage Arab masters may nowadays find your fagnatura ass too stinking old and big for their liking so quickly pimpo, get your young sisters or daughters for your savage Muslim Arab masters. Otherwise you finito pimpo shit.
    Pity you are completely out of use in all departments. Still until you die like a savage Muslim Arab dog in near future, just continue your allah pimpo soliciting business. chaw pimpo allah.

POST A COMMENT