Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀጋኑ ዝጠፍኡሉ፡ ወሻሉ ይዋራዘይሉ፡፡ መልሲ ንሓው ሮቤል ተስፋይ

መበገስ ጽሑፈይ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ክበብ ኤርትራውያን ኮሚኒቲታት ስቶክሆልም፡ ሽወደን፡ ዞጋነፈ ባርዕ ሓዊ ኣመልኪቱ: ሓው ሮቤል ተስፋይ ብዕለት 3 መጋቢት: ምስ ራድዮ ናዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ዝተዛረቦ ዘረባ'ዩ። ኣብዚ ቃለ-ምልልስ: ሓደ ዘደንጽው ዘረባ ሰሚዕና: ካብ

መበገስ ጽሑፈይ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ክበብ ኤርትራውያን ኮሚኒቲታት ስቶክሆልም፡ ሽወደን፡ ዞጋነፈ ባርዕ ሓዊ ኣመልኪቱ: ሓው ሮቤል ተስፋይ ብዕለት 3 መጋቢት: ምስ ራድዮ ናዝ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ዝተዛረቦ ዘረባ’ዩ። ኣብዚ ቃለ-ምልልስ: ሓደ ዘደንጽው ዘረባ ሰሚዕና: ካብ ሓውና ሮቤል። እዛ ሕጽር ዝበለት ጽሕፍተይ ድማኒ ከም ግብረ-መልሲ ነቲ ከይሓነኸ ዝተዛረቦ ዘረባ’ያ።

ቅድሚ ዝኣገረ ግን፡ እቲ ዝተገብረ ነገር ፈጻሚኡ ብዘየገድስ፡ ዘይሙኽኑዩን፡ ክኹነን ዝግብኦ ተግባር ምኻኑን ርእይቶይ ክገልጽ እፈቱ። ንዑዑ ብዝምልከት፡ እቲ ነገር ተጻርዩ፡ ናይቲ ነገር ፈጻሚ ብፖሊስን ቤት ፍርድን መን ሙኻኑ ምስ ተነግረ፡ ብዝሰፍሐ ክጽሓፈሉ ከምዚኾነ ዘማትእ ኣይመስለንን። ገበነኛን ምኽንያቱን ከይተፈልጠ ግን፡ ብይኸውንን ህውተታን ምዝራብ ቅኑዕ ስለዘይኸውን፡ ንግዜ ምግዳፉ ይሓይሽ።

ኣቶ ሮቤል ተስፋይ፡ ኣዳላዊ ተለቭዝን ድምጺ ኤርትራውያን ስቶክሆልም’ዩ። ኣብቲ ምስ ራድዩ ናዛ ብሓንሳብ ምስ ጋዜጠኛ ዮውሃንስ፡ ንገለ ኮሚኒቲ ኤርትራውያን ስቶክሆልም ወኪሉ፡ ዝሃቦ ቃለ-ምልልስ፡ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ዘይትጽበዮ ዘረባ ተዛሪቡ። “ጋዜጠኛ ድዩ ኣይኮነን?” ዝብል ሞገተ ንድሕሪት ገዲፍና፡ እቲ ዝተዛረቦ ዘረባ ልቢ ዘየብቆለ ህጻን’ውን ዝዛረቦ ከምዘይነበረ ከውክእ እደሊ።

ያኢ ኣምሒሩለይ ኢሉ፡ ካብ ካድራት ህግድፍ ብዝተለቅሖ ዘረባ፡ ንኤርትራውያን ብዝምልከት፡ ተቃወምትን ደገፍትን ዝብሃል ዘረባ የለን ኢሉና። ብኣዘራርባ ኣቶ ሮቤል፡ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ’ዮም ዝኽፈሉ፤ ንሳቶም ከኣ ሃገራውያንን ዘይሃገራውያንን። ተቃወምቲ ኣይሃገራውያንን እዩ እቲ ኣባህላ ሮቤል። በንጻሩ፡ ኣቦይ ዓንዱ ባዕሎም ይናኣዱ ከምዝብሉኹም፡ እኒ ንሱን መሰልቱን ድማኒ ሃገራዊያን።

ሃገራውያን ይብሉኹም ከምዞም ከማታትና’ዩም ኢሉና ከይሓፈረ። ወረ ዳሕራዩ ይገድድ፡ ሓደ ሓው ምስሓተቶ፡ ነተን 40 ዘይመልኣ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ቤት ምህርቲ ኻድር ህግደፍ ዝነበረለን መዓልታት፡ ክእሕበነለን ሰሚዕና። ኣየ በዓል ሮቤል! ወግዕኹም ብኾራርምትኻ’ዩ ዘስሕቅ። ከምቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 4 ክሳብ 5 ዓመታት፡ ዕረ እንዳጠዓሞ፡ ንሃገሩ ኹቦ ደርብዩላ ንስደት ዝወሓዘ መንእሰይ፡ ን10ተታት ኣመታት፡ ኣብቲ ሃገራዊ ኣገለግሎት ዝሳጉኡ፡ ሃገራዊ ባርነት፡ ከርቲትካ እንተትነብር ደኣ፡ ሓውና ሮቤል፡ ክንደይ ምተነየትካልና ክንደይ ኮን ምሃደድካና። ኣቦይ ዝጊ ነዓና ክብል ኣየውረዶን እምበሪ፡ ኣብ ልዕሌና ምሸነ ዶ ሓቀይ?።

ኣቦታትና ከምዚ እንከጋጥሞም፡ “ጠሪጡ እንተ ዝሓንክ ዶ ጸሊእኹም” ይብሉ። ንሙዃኑ ሃገራውነት  ትርጉሙ እንታይ ሙዃኑ ትፈልጦ ዶ፡ ጋዜጠኛ ሮቤል? ኣብ ፌስቲቫላት፡ ለይታዊ ትልሂታትን ኣኼባታትን ምውድኽዳኽ ድዩ ሃገራውነት? ካድረታት ህግደፍ ክመጽኡ እንከለው፡ ከም በቅሊ ተወጢሖም ናብ ባህትኦም ስለዝጠምዘዙኹም፤ ዝበሉኹም ከም ጠባብቅ ርእስኹም እናነቅነቅኩም  ስለዝሰማዕኩምን፤ ከም ሕንጻይ ሓንቲ ብዘይምጉዳል ስለዝደገምኩምን ዲኹም ሃገራውያን ኮንኩም? እቲ ሃገራውነት ዝብል ቃል ካብ ሃገር ዝብል ቃል ከምዝመጸን፡ በቲ ዝወሓደ መዓቀኒኡ፡ ንዝመጹን ዝኸዱን ስርዓታት ዘይኮነስ፡ ንሃገርካ ምግልጋልን ብሃገርካ ምሕማምን ምኻኑ ይርደኣኩም ዶ? ኣረ ሃገር ማለት፡ እዚ ዘሎ ስርኣት ዘይኮነስ፡ እቲ ነባሪ ህዝቢ ምኻኑ ይስቆረኩም ዶ? ወረ መን’ዩ ንህዝቢ፡ እዚ ሃገራዊ እዚ ዘይሃገራዊ፡ ኢልኩም ክትውዝዑ ሓላፍነት ዝሃበኩም? ኣረ ነዛ ኤርትራናስ እንታይ ኢኹም ጌርኩምላ? በኣል “ሃገራውያን”፡ እስከ ተሓተቱ። ሕጂ ክትዋራዘዩስ፡ ኣብቲ ሃገር ምድሓን፡ መንእሰይ ምስ ጸላኢ፡ ድንሽ ችፕስ  ዘይኮነስ፡ ጓህሪ፡ ዓረርን ቦንባታትን ኩኮላለስ እንከሎ ኣበይ ኢኩም ኔርኩም ብዓል ሮቤል? ። ብዓል ‘ሃገራውያን’፡ ኣብቲ እዋን ሓጋይ፡ ሰብ ንባሕሪ ወሪዱ ክደራገም፡ ኤርትራ ክትጣራዕ፡ ኣበይ ኮን ኢኹም ኔርኹም? ሓጋይቶ ዶ ነበርኩም ሓቀይ?

መንእሰይ ክኮራሸም፡ ምስ ወታሃደራት ጸላኢ ብዃሌታ ክታሓናነቅ፡ ብሳንጃ ክበዛበዝ፡ ምናልባት፡ ማናልባትዶ ኣብ ጎደናታት ስቶክሆልም ማክዶናልድ እናበላእኩም፡ ካፈ እንዳሰተኹም፡ «We want peace! Stop Ethiopian aggression! Stop War!» ኢልኩም: ብቋንቋ ሽወደን ኢንኮላይ ጨዲርኩም ትኾኑ?

ከምኡስ ጌርኩም ትኾኑ ኢኹም። ሓቂ ይሓይሽ፡ ክሳብ ጎረረኹም ዝጭደድ፡ ቀዝሒ ሽወደን ድምብርጽ ከይበለኩም፡ ኣስሚዕኩም ኢኩም። ስለዚኾነ ድማኒ ዝለዓለ ሽልማት መዳልያ ጅግንነት ይግባኣኩም’ዩ። ንስለ ሓቂ ዝኣክል’ዩ።  ግዜ እንተፈቂዱ ድማኒ፡ ከም ወዮ መንግስትኹም ዝብሎ፡ ናይ ወያነ ተጻብኦታት ደው ኣብ ዝበለሉ፡ ዶብ ምስተሓንጸጸን ቅዋም ምስተተግበረን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓደ መደብ ሒዝዎ’ሎ ይበሃል፤ እዚ ሽልማት መዳልያታት። ካብቶም ኣብ ቅድሚት ሑጽያት ኮይኖም ተሓርዮም ዘለው ድማኒ ‘ሃገራዊ’ ሮቤል ሙኻንካስ ዑፍ መስቀል ነጊራ ኢሎማ። ሽኩሹካ ወይ ጭርጭር ዓበደ ይብሉኹም ከምዚ’ዩ።

ብዝኾነ፡ ሓው ሮቤል ቁሩብሲ ሕንከት ደኣ ተማሃር። እቲ ምድጋፍ ከምድላይኩም፡ እንተ’ቲ ዘረባ በሃማትስ ኣየድልየኩምን። ሃላይሲ ትም ኢሎም እንተሰምዕዎ ጽቡቅ ዘሎ ይመስሎ’ዩ እቲ ነገር። እዞም ሕጂ እንሓንሳብ ዘየሃገራዊያንን ኸደምቲን፡ ካልእ እዋን ሃደምቲን ኸዳዓትን፡ በልዎም ተባሂልኩም፡ ንስኻን ጁጅ ማጁጅካን ትዝልፍዎም ዘለኹም መናእሰያት፡ ትማል ንኤርትራ ካብ ወራራት ጸላኢ ዘናገፍዋን፡ ደው ኢሎም ኣለናልኪ ዝበልዋ ንሳቶም’ዮም። ኣለናልኪ፡ ምሽ ኣብ ወረቀት፡ ኢንተርነትን ካናተራታቶምን? ኣለናልኪ ኣብ ግብሪ ብኣካል፤ ኣብ ሜዳን ሽንጭሮን፤ ኣብቲ እምባታታን ዶባታን፤ ብደሞምን በዕጽምቶምን። ከምዚ ጌርና ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዘይተዛረቡን ዘይተነየቱን፡ ከምዘይከማኻ ልቢ ስለዘዕበዩ ጥራይ’ዮም። እቲ ምንታይሲ ጽምኢ ኽረምትን ጥምየት ቀውዕን ረረኻቢኡ ከምዚፈልጦ ኣንዳዕዲዖም ሰለዘፈልጡ ጥራይ’ዩ።

ንስኻ፡ ርእስካን ከብድካን፡ ብችክንን ድንሽን ሽወደን፡ ወላእላእ ክሳብ ዝብል ኽትህንጉልም እንከለኻ፡ እዞም ‘ዘይሃገራውያን’ ዝጠቀንካዮም መናእስያት፡ ክልተ ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ማይ ሩካን ዝመስል ጸብሒ ዓደስ እናበልዑ’ዮም፡ ማዓልታት ኣረ እንሓንሳብሲ ሳምንታት ከይደቀሱ ምስ ጸላኢ ዝተረባረቡ ንድሕነት ኤርትራ፤ ብዘይምግናን ካብዞም ሕጂ ከይሓነኽኻ ትጸርፎምን ኣነዋሪ ዘረባታትካ ትስንድወሎም ዘለኻን፡ 99% ኣብዚ ዳሕረዋይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ሓመድ ድፋጭኦም ዝሰተዩ’ዮም። ቁሩብሲ ልቢ ደኣ ኣቡቁል፡ ኣስተውዕል ሓው ሮቤል።

እዞም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ነዚ ስርኣት ዝቃወሙ ዘለው መናእሰያት ብዙሕ ርእዮም’ዮም። ሂወት ብዙሕ ምሂርዎም’ዩ። ከሙኡ ደኣ ሚዛንኩም መዓቀኒኣ በበይኑን ሓባልን እያ እምበሪ፡ ከምቲ መሰል ናትካ፡ ብዝውሓደ ብዝውሓደ ነዚ ንስኻ ከም ሰብ ረኪብካዮ ዘለኻ ዕድላት ክረኽቡን ዝመሰሎም ፖለቲካዊን ካልእን ኣረኣእያ ክህልዎም መሰሎም ሙኻኑ ክርደኣካ ነይርዎ፡፡ ጉቡኦም ገይሮም ከብቅዑ፡ መሰላቶም ኣብ ሃገሮም ክረኽብዎስ ይትረፍ ጥቃ ምርካብ ውን ዘይሓልፍ ስለዝኾኖም’ዮም ሃገር ንድሕሪት ገዲፎም ንዓኻ ክመስሉ ንኤውሮጳን ካልእን ተሰዲዶም። ገሊኦምሲ ወረ ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ነዛ ሃገር ንምምጻእ ዝከርተቱ፡ ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን’ዮም። እቲ ሃገራውነትሲ ኣብ ደሞም’ዩ ዝዘውር። የዕጽምቶም፡ ኣንጉዖም፡ ቆርበቶም፡ ኮታ ኩልንትንኦም ሃገራውያን’ዮም። እቲ ንቡር ስለዝራሓቆም ጥራይ’ዩ ናብዚ ዘለኻዮ ሃገር ኣምሪሖም። እምበኣርከስ፡ ሃደምቲ እንተኾይኖም ንስኻውን ምሳሊኣዊ ሃዳሚ፡ ደቂ ከዳኣት እንተኮይኖም ንስኻውን ወዲ ከዳእ ምኻንካ ብደንቢ ከተስተዕውልን ክስቆረካን ምተገብኣ።

ወዮ ድኣ ሰብ ረሳዓይ እዩ እምበሪ፡ ነታ 40 መዓልታት ዘይትመልእ ትምህርቲ ካድር ክትወስድ ኣብ ኤርትራ ከመይ ከምዝተጣላቀኻ ተረሲዑ ድዩ? እዚ ኸማን፡ ምሽ ከምቲ ሽግር እዞም ‘ዘይሃገራውያን’ ዘሕለፍዎ፡ በቲ ናይ ኤርትራ መዓቀኒ፡ መግቢ ሆተል እንዳበላዕኻ፡ ወርሒ ዘይትመልእ ከመይ ዲኻ ተጣሪዕኻን ተጠላቅኻን  ኔርካ? ዶስ ሓባል በልያ እዩ…እቲ ነገር። ወይ’ውን ሰብ የሎን ዝፍለጥ ኢልካ ኢኻ።

ሓደ ግዜ እቶም ካብ ሚኒስትርታት ዘመጽኡ ተኣኪቦም ንመንግስቲ ክሓምዩ ምስ ጸንሑኻ፡ “እዞም ካድረታት ተባሂልኩም ዝመጻእኩም ከምዚ ትብሉ እንተድኣለኹም፡ ህዝቢ ደኣ እንታይ ይብል ኣሎ ማለት እዩ ክትብል ረሲዕካዮ ዲኻ፡” ዶስ ንሱውን ንይምሰል ዝበልካዮ ዘረባዩ?

ስርኣት ህግደፍ ልጋም ኣጉርሱ ድልየቱ ክዝውረኩምን፡ ከም መቃልሕ ዝበሎ ክትደግሙ ክግብረኩምን ንኣካን መስለትኻን ከተፍቅዱ ሰብኣውነትኩም ምሻጥ ጥራይ እዩ። ምናልባት ገለ ቁሩብ ጣፍያ ይድርብየልኩም ይኸውን፡ የግዳስ እንገራ ጀላእ ኣይበላእዩ’ሞ እዚ ኤህ! ህዝብናስ ክይሓንቀኩም ደኣ ተጠነቀቁ።

ሕዝብኹምን ሃገርክሙን ድኣ ፍተው ኣቶ ሮቤል። ስርዓታትን መራሕትንስ ምስ ግዜ ከየድትን መጻእትንዮም። ንሕዝብኹም ደኣ ኣገልግሉ። እቲ ትማል፡ መኣዓጋጉርትኹም እናተደራረዝኩም፡ መባሃልቲ ‘ኣንታ እዚ ናትካ ክንደይ ይለምጽ፡ ናትካባ’ ዝነበረ ዓርክኻ ኣሊ ዓብዱ ኸማን፡ እንተስ ባንደርኡ ወዲቃ ፈሊጡ፡ እንተስ ፍራንካ መንሺቱ፡ እንተስ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ተረዲእዎ፡ ነዚ ስርዓት ራሕሪሑዎ እናሃልካ ተሸሪቡ። ትማል ትማል ከም ወዩ ትዝክሮ፡ክመዚ ንስካ ትብሎ ዘሎኻ ሕጂ፡ ኣብ ኤርትራ “ዝጎደለ ዘየልቦ፡ ወላ ጸባ ደርሆ” ይብል ከምዘይነበረ፡ ሕጂ ኣብቲ ተሓቢኡዎ ዘሎ ውሻጠ ኮይኑ ‘ወላ ዝፈልጦ ኣይነበረንን’ ኢሉ፡ ከምዛ ጻድቅ ወኻይራ ኮይኑልና። ንስኻ ከኣ ሓው ሮቤል፡ ከም ወያ ኣቦው ዝብልዎስ፡ ‘ስጋ ኣድግስ፡ ኣብ ማእሲ እንተበልዎስ፡ ኣብ ምድሪ ይሕሸኒ ይብል፡’ ዝብልዎስ፡ ስጋ ኣድጊ ኣይትኹን። ኣብ ማእሲ ምስ ህዝቢኻ ይሕሸካ።

ሓንቲ ነገር ግዳ ቅንዕቲ ተዛሪብካ ኣብ ወዮ ቃለ-ምልልስካ። ክዕረ ንደልዮ ነገር እኮ ክህሉ ይኽእል’ዩ በልካ። ናይ ልብካ ይግበሮዩ። ክዕረ ዝግብኦ ደኣ ብኸፈር። የግዳስ ክሳብ ክንድዚ ዲኹም የዋሃት፡ ወይስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ዝቀሰምኩሞ፡ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ እትጥቀሙሉ ታክቲክ’ዩ። ጂ-15፡ ጂ-13፡ ነናይ እዋኑ ተቃውሞ ተጋደልትን ስንኩላንን፡ ክዕረይ ዝደለይዎ ነገራት ሰልዝጠለቡ እንዳ ጦርቶሶም ከምዝኣተው ገና ኣይተረድኣኩምን ኣሎ?

ከም ሓሳባት ግን፡ እዚ ምዕራይ ትብሎ ዘሎኻ፡ ካብቲ ትሰርሓሉ መደበር ተለቭዥን እንተጀመርካ ድንቂ ምኾነ። ኣብ ክንዲ ዘዝመጸ ወዳሳይ ወይ ደራፋይን፡ ዘዝመጸ ካድር ስርኣት ህግደፍን ጥራይ ቃለ-መጠይቅ ትገብርሲ፡ ብዛዓባ ዞም መዓልታዊ ሀገሮም ራሕሪሖም ፋሕ ዝብሉ ዘለው መናእሰያት መደብ እንተትሰርዕ ኣይምሐሸን’ዶ፡፡ እስከ ንፈውሲ ማሕላ በዛዕባ እዘን ኣምዑት ዘይቆጸራ፡ ጨለግዕ ናኣሽቱ ኣሓትካን ሕጻውንትን፡ ብዛዕባ እተን ቀጢን ኣውያትን ዝሰምዖ ስኢኑ ተዓፊንነ ኣብ ሲናይ ብጉሓላሉ ራሻይዳን በድወይኒ  የዕራብን መጻወቲ ኮይነነ ዘለዋ፡ ብዛዕባ እቶም ናውቲ ከብዶም ተጎልጊሉ ሬስኦም ከም ሬሳታት ኣኻልብ ተጓሒፉ ዘሎ ኣሕዋትካ ተዛረብ፡፡ እስከ ንሓንቲ መዓልቲውን ትኹን፡ ብዛዕባ እቲ ሽግርን፡ ጠንቁን ሳእቤኑን መፍትሒኡን ተላዘበሉ። ጋዘጠኛ’የ በሃላይ ኢኻሞ እስከ ንሓንቲ እዋን ስራሕ ናይ ሓቀኛ ጋዜጠኛ ስራሕ። እቲ ዝናኣሰ ንኤርትራን ህዝባን ክትገብረላ እትክእል እምባኣር እዚ’ዩ። ሽግር የሕዋቱ ዘሕምሞ፡ ናይ በሓቂ ሃገራዊ ኸኣ ከሰይመካ’ዩ።

ሃገራውነትካ ዝምስከረሉ፡ ነዚ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝተቃወምካን ወይ’ውን በንጻሩ ስለ ዝደገፍካን ዘይኮነስ፡ ሃገርን ህዝብን ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ብቅንዕናን ብዘይሻራን ኣጽኒዕካ፡ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ነገር ምስ እትዛረብን ምስ እትገብርን’ዩ።  ከም ኣብ ሰላምን ሓርነትን ዘለዎ ሃገር ተቀማጢ መጠንን፡ ከም ጋዜጠኛን ሃገራዊ ሓላፍነትካ’ዩ። ምናልባት ሽዑ ነዞም ኣብ ዝሑሉን ኣብ ውዑዩን፡ ብጻዕዳን ጸሊምን የእዳዎም ነዛ ሃገር ዘገልገልዋን፡ ደሞምን ረሃጾምን ዘንቱዑላን፡ እንግድዕኦም ዝተሰብሩላን መናእሰያት፡ ዘይሃገራውያንን ሃገራውያንን ኢልካ ክትውዝዕ የምሕረልካ ይከውን። ምናልባት።

ወድሓንካ

ስብሓት ዘይቀሰነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Ali-lol March 7, 2013

    Robel, I don’t think you will see Eritrea after Issayas!

  • Tes March 7, 2013

    Robel,

    You are ignorant you know nothing about right and wrong. You are one of those hyporats who has nothing to do with love of nation and its people. How dare you call our heroes sell out souls. Why didn’t you go to meda when you finish your high school rather than to abroad to sweden. You think you did a grate deal by going to sawa for a month after liberation. What a loser!!

    As for the Community Centre who cares I am glad they burn it down. Where were you when the children of Eritrea sink in Mediteranians, where were you when the entire youth leaves eritrea in dvore. No single word and you calling yourself a nationalist who care about his community and nation. You are an idiot!!!!

  • selam March 7, 2013

    ክቡራት ንኤርትራ ብግብሪ ኤርትራውያን ምዃንኩም ዘረጋገጽኩምላ የሕዋትን ኣሓትን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ህግደፍ ጸግዒ ዘይብሉ ጭፍራ ናይ ዘይጽሩያት ዓሌት ኮይኑ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ብዓሌቱን ትውልዱን ዝኾርዕ ኣብ ደምበ ህግደፍ የለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ንህግደፍ ዝድግፉ ዘለዉ፣ ዘይወግዓውያን ኣምባሳደራትን ካድራትን ኮይኖም ዘገልሉ ዘለው ደናቁር ከም እኒ ዶክተር ጓውና (ገደዎን)፣ ተማሂሩ ብፍልጠቱ ዘየብርሀ ዶክተር በርሀ፣ ሽመት ዘይብላ ሓፍትና ሶፍያ፣ ብማክዶናልድ ዝዓበየ ሲራክ፣ ሓሳዊ ብርሃነ፣ እዞም ንነብሶም ከም ጋዜጠኛታት ዝቆጽሩ ከም እኒ ሮቤል መፍለስ፣ ኢደይ ኢድካ ኢልና ከነዋርዶም እዩ ዝግባእ።

  • wedi zibolo March 7, 2013

    Please do not give credit those dump and idiot like Robiel just they are trash of their master isayas .the only thing they know is hgdf mendef

  • ከንቲባ March 8, 2013

    እታ ጓላስ ነዲኣ ሕርሲ ተላምዳ!!
    ክቡር ሓው ስብሓት፡ ኣኽቢድ ካሉ፣ ዘይዓቕሙ ዘይ ከም’ቶም ዝተባህለ ዝደግሙ መለስቲ መጕስዕ ከብቲ’ዩ።
    እዞም ኣያታቶም ሓይኾም ዝተፍእዎ ኣሪጉ ዝበለየ ዘረባ ኣልዒሎም ዘዀምስዑ፡ ጽምብል ብዝተረኽበ ሕብሪ ማልያን ቴማን እናቐያየርካ ዘውደኽድኹ ናይ ፌስታታት ኣለናልኪ ወይ በዚ ናይ ሕጂ ዝተሃንደሰ ቃል ዝመሰሎ ሃገራውያን ዘይሃገራውያን ዝዛረብ ዘሎ ሓውና ሃ. ሃ… ሃ ኣብ መስኰት ቴለቭዥን ወጽዩ ብምዝራቡ ዝሕበን። እናሻዕ ምስሉ ደጋጊሙ እናርኣየ ዝሕጐስ ዓቢ ዕንዱ ፡ ዘረብኡ ምስ ሰማዕካ ኣብ ክንድኡ ሕፈረሉ ይመጸካ።
    ይዝከረኩም’ዶ ድሕሪ ኩነታት ባረንቱ ኣብ ከባቢ ምጅማር 3ይ ወራር እቶም ናይ መወዳእታ ኣብ ሲቪላውን መንግስታውን ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ዋርሳይን ይከኣሎን ንግምባር ክኸዱ፡ ኣዴታት ኣብ ዘዝ ኣምናሎ ቤተጸሎት ክምህለላ ከለዋ፡ ሕጂ ኮይኑ ይርኣየካ፡ ገለ ካብዞም ናይ ፌስታታት ኣለናልኪ ምስ ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ኤርትራ ራሕሪሖም መህደሚ ሓድሽ ትኬት ገዚ’ኦም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ክጓየዩ። ኣዘንታዊ እንተ ተሳእነስ ኣንታ ዝተረስዐዶ መሲልዎም ይኸውን ። እቲ ዘሕዝን እቲ ኣባት-ነብሶም ዝሓስብዎ ማንኪ ሓደብ ሓደ መን ምዃኖም ዘይፈልጦም ዝመስሎም ምዃኖም’ ዩ ። ንምዝኽኻር ግና ከምቲ ኣብ ውሽጢ ህ.ግ. ሓ. ኤ መራሕቲ በራጊድ ከይተረፉ ዘይፈልጥዎ ዝነበረ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ናይ ህግደፋውያን ካድራት ድማ ዘደስክልን ዝድርብን ናይ ካድራት ሰልፊ ከምዘሎ ንብዓል ዕንዱላይን ሕንጢትን ወስ ከብለልኩም።
    ዘረባ ሓውካ ብደውካ
    ከንቲባ

  • selam March 8, 2013

    well done Sbhat all you have written is true . just push together to save our people and our country from hgdef and their servants .

  • Mehret March 8, 2013

    HGDEF,
    What you write is not normally worth responding but today I have some extra time so I said why not.
    Did you write this in 199-2? You need to check your store. IT is empty now!
    ኣለዉና ኣለዋና ምሁራት ምስ ሰብ ግራት
    ብጉዳይ ሃገሮም ኣብ ሓደ ስሙራት
    Are you talking about the one in ‘mai nefhi or in halhale or Adi keyh? one who spend most of their time shuttling from home to work instead of in labs and libraries? ones who are not allowed to participate in academic seminars and conferences or had to go from office to office begging for visas?
    ኣለዉና ኣለዋና ገጠምቲ ዘየምቲ
    ረብሓ ዘየስድዖም ፍጹም ዋላሓንቲ
    Are you referring to people like Kahsay berhe or solomon drar or wedi adonai? I mean when you talk about selflessness.
    ኣለዉና ኣለዋና ህርኩታት ሓርስቶት
    ብጽፍሮም ዝሓድሩ ኩሩዓት ሰብ እቶት
    Waw! you really have farmers? where do they live? in your imagination? because few months when I went to few villages for funerals, there weren’t men strong enough to carry coffins as the young are serving the dictator the old have been left to fend for them selves. how shameless of you!
    ኣለዉና ኣለዋና ህርኩታት ተመሃሮ
    ዘይደናገሩ ሰብ በሊሕ ኣእምሮ
    Where? in refugee camps in shegereab? synnai? Mai aini? One thing you said is true though. AIDENAGERUN EYOM DHRI HJI.
    ኣለዉና ኣለዋና ሰብ ሃብቲ ሰብ ንዋይ
    ድኻ ዝዕንግሉ ከይበሉ ኣስላማይ ክስታናይ
    Are you referring to the ones who fled the the blood sucking regime and are investing in Dubai, Uganda, Juba etc.? Or are you referring to the new rich colonels and generals? the ones who sell eritreans and eritrean organs?
    ኣለዉና ኣለዋና ዓቃላት መርሕቲ
    ዘገምታ ጉዕዞኦም ኩሉ ብትዕግስቲ
    Are these the ‘leaders’ who actually throw people into prisons for wanting to leave the country or for asking questions about scarcity of food; the ones who rape girls younger than their own daughters,the ones who have more prisons than hospitals, who dismantled a university and scattered educated people because they are a threat, or the ones who have driven eritrean into abyss? Of course they are slow otherwise they would not be where they are now.
    HGDF can not be your pen name you really must be HGDEF in flesh.

Post a Reply to Tes Cancel Reply