Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጅቡቲ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ዝርከብ ብ ዓቃብ ሰላም ቀጠር ተታሒዙ ዝነበረ “ኣሻምዊ ቦታ” ተቖጻጺራ ክትብል ንኤርትራ ከምዝኸሰሰታ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ጅቡቲ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ዝርከብ ብ ዓቃብ ሰላም ቀጠር ተታሒዙ ዝነበረ “ኣሻማዊ ቦታ” ተቖጻጺራ ክትብል ሎሚ ዓርቢ 16 ሰነ ንኤርትራ ከምዝኸሰሰታ ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብቲ ስዑዲ ዓረብን መሓዙታን ምስ ቀጠር ዝቐነየን ምፍጣጥ፣ ኤርትራን ጅቡትን ሻራ ስዑዲ

ጅቡቲ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ጅቡትን ዝርከብ ብ ዓቃብ ሰላም ቀጠር ተታሒዙ ዝነበረ “ኣሻማዊ ቦታ” ተቖጻጺራ ክትብል ሎሚ ዓርቢ 16 ሰነ ንኤርትራ ከምዝኸሰሰታ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብቲ ስዑዲ ዓረብን መሓዙታን ምስ ቀጠር ዝቐነየን ምፍጣጥ፣ ኤርትራን ጅቡትን ሻራ ስዑዲ ድሕሪ ምዃነን እያ ቀጠር ኣብቲ ብ 2008 ንኤርትራን ጅቡትን ኣብ ውግእ ኣብጹሑወን ዝነበረ ቦታ ኣዋፊራቶ ዝጸንሐት ዓቃብ ሰላም ክትስሕቦ ምዃና ብቕድሚ ትማሊ 14 ሰነ ከምዘፍለጠት ሮይተርስ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ ዮሱፍ ሰራዊት ጅቡቲ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ጥርዓን ከምዘቕረበ ተፈሊጡ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኩነታት ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ዕጹው ኣኼባ ክስትየሉ ምዃኑ ‘ውን ንዲፕሎማሰኛታት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፈቒ መሓማት ነቲ ኩነታት ንምዕዛብን ምስ ኩሎም ወገናት ንምስራሕን ናብቲ ቦታ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ናምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ ‘ውን ይጠቅስ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ነቲ ዓቃብ ሰላም ካብ ምስሓብ ሓሊፉ ምኽንያት መስሓቢኡ ‘ኳ ብወግዒ እንተዘይገለጸ፣ ቀጠር ምስ እስላማውያን ጥሩፋትን ኢራንን ትተሓባብር ‘ያ ተባሂላ ብስዑድን መሓዙታን ተኸሲሳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝተኸስተ ዲፕሎማስያዊ ቅልውላው እያ ነቲ ስጉምቲ ወሲዳቶ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ፣ “ቀጠር ብ 12 ን 13 ሰነ ዓቃብ ሰላም ሰራዊታ ስሒባ፣ ኣብ’ቲ መዓልቲ ‘ቲ ድማ ኤርትራ ኣብቲ ኣሻማዊ ጎቦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣካይዳ” ክብል ከምዝሃበሮ ሮይተርስ ኣረዲኡ።

“ኣብዚ እዋን’ዚ ንጎቦ ዱሜራን ደሴት ዱሜራን ምሉእ ብምሉእ ኤርትራ ተቖጻጺራቶ ‘ላ፣ እዚ ኸኣ ጥሕሰት ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ እዩ” ኢሉ ብተወሳኺ ከምዝገለጸ ‘ውን እቲ ናይ ሮይተርስ ዜና ኣገንዚቡ።

ሰበስልጣን ኣስመራ ኣብ እዋኑ ምላሽ ከምዘይሃቡ ድማ ሮይተርስ ጠቒሱ።

እታ ኣብ መሬታ ናይ ፈረንሳን ኣመርካን ወተሃደራዊ መዓስከራት እተእንግድ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝጠበቐ ዝምድና ዘለዋ ጅቡቲ ምስታ ምስ ኤርትራ ኣብ ተፋጠጥ እትርከብ ኢትዮጵያ ‘ውን ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ። በንጻሩ ኤርትራ ንኣሸባብ ሓጊዝኪ ተባሂላ ድሕሪ ምእጋዳ እቲ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበራ ዘይስጡም ርክብ መሊሱ ሓሽኪሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብቲ ብ 2008 ንገለ መዓልታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተኻየደ ውግእ ካብ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሞትን መቝሰልትን ምምራቕን ጉድኣት በጺሑ እዩ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልቲኦም ወገናት ነቲ ቦታ ክለቅዎ ኣብ ዝጸውዓሉ እዋን፣ ነቲ ቀጠር ዓቃብ ሰላም ክትልእኽ ዝወሰደቶ ተበግሶ ድሕሪ ምቕባሎም ጥራይ ከኣ ‘ዩ እቲ ኩነታት ሃዲኡ ጸኒሑ።

ጎቦ ዱሜራ ነቲ መራኽብ ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላለፋሉ ኣዝዩ ስትራተጂካዊ መጻብቦ ባብ ኤለመንደብ ዘቆጻጽር ስትራተጂካዊ ቦታ ኽኸውን ከሎ፣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ኣብ እትግዝኣሉ ዝነበረት እዋን፣ ጅቡቲ ከምዚ ሎሚ እጄታይ ኢላ ሓቲታትሉ ዘይትፈልጥ፣ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ብዕጥቂ ኣብ ዝተጋደለሉ እዋን፣ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ “ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ” ምዃኑ ኣሚኑ ሓራ ዘውጽኦ ፍሉጥ ናይ ኤርትራ ግዝኣት መሬት እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde June 17, 2017

    Things haven’t changed that much looking at the picture above,I remember few moons ago when we inadvertently committed an incursion in the same territory being harassed by a squadron of French MIGS.It is a place frozen in time.

  • ኣሌ June 17, 2017

    ሰላም ማሕበር ኣሰና “ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ኪኖ ራስ ዱሜራ” ብልክዕ ኣይዝክሮን እምበር ሓደ ጊዜ ካብ መምሃራን ዩኒበርስቲ ኣስመራ መኣረምታ ተዋሂቡ ኔሩ ጽቡቅ ጌርኩም ሕቶትላ እንተላይ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣውን ወጹዩ (1998 መወዳእታ)ኔሩ ወሰላም።

  • Henock .hagos June 17, 2017

    k tewelde good man

  • nahon June 17, 2017

    Italy and France the two ex-colonial powers most probably known very well where is the border.
    There is no need to go to war, as this can be solved with the help of UN and international diplomacy.
    But do we have a regime who can do that , or rather has interest in doing that ?
    The regime’s interest is in keeping Eritreans hostage of yet anther conflict with a neighbor.

    • k.tewolde June 19, 2017

      Beautifully said nahon,borders are artificial demarcations created by colonialists,till this day they are going back to the table remarking and creating new ones and annexing the old for political and economic reasons without firing a single bullet,and let the local warlords fight it out and consume innocent lives over a hill or a tract of land.Yes,it is a ploy to prolong the tyrants grip,and the pundits are out in aiding him by being border experts.I was there,it is a God forsaken inferno that leaves you with raccoons eyes boiled scrotum,it is sad to see a new generation going through that again.Fact is,after all that we became outsiders looking in.

      • k.tewolde June 19, 2017

        In other words,if we had a competent and sane democratically elected leadership 26 years ago,we would have another Burj Khalifa ,multiple desalination plants and a sprawling metropolis in the middle of the desert and nobody has to go anywhere.Indeed it is a unique nation.The camel keeps on marching.

  • Amba June 17, 2017

    Who was controlling the disputed area during Mengistu’s Dergue era? Was it Djibouti or Ethiopia? Why is Djibouti disputing the territory after Eritrea became independent? ….

  • Gezae June 18, 2017

    When I was an ELF fighter I had been to Djibouti two times [1977 and the end of 1978] for different purposes from our camp at Asbol on foot.There was no Ethiopian or Djiboutian camp or base over there. I greatly believe they were part and parcel of Eritrea.To my knowledge in the years 1975- 1979 they were first under the control of ELF. 1991 and beyond under EPLF and then the Government of Eritrea. During colonization period they were under the Italian colony and then Ethiopia. These area were Eritrean territories during Federation and Eritrean independence.

Post a Reply to nahon Cancel Reply