Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጅግና ህዝቢ እንዲኻ!

ጅግና ህዝቢ እንዲኻ! ጎይታ ስቡሕ መሬት ወዲ’ዚ ጋሽ ባርካ ኣንታ ሰረወታይ ጻዕዳ ጣፍ እቶትካ ኣንታ ወዲ ሰንሒት ፍሩታ መወጽካ ኣንታ ደንከለታይ ባሕሪ ዝቕናትካ ኣንታ ወዲ ሰምሃር ባጽዕ ዝወደብካ ኣንታ ኣከለታይ ሃብታም ቅርስታትካ ኣንታ ወዲ ሳሕል ሰውራና ዘዕቖብካ ኣንታ ሓማሴናይ *ቃቤላ ሃገርካ       *ዓንዲ ማእከል ኣስመራና ጻዕዳ

ጅግና ህዝቢ እንዲኻ!

ጎይታ ስቡሕ መሬት ወዲ’ዚ ጋሽ ባርካ
ኣንታ ሰረወታይ ጻዕዳ ጣፍ እቶትካ
ኣንታ ወዲ ሰንሒት ፍሩታ መወጽካ
ኣንታ ደንከለታይ ባሕሪ ዝቕናትካ
ኣንታ ወዲ ሰምሃር ባጽዕ ዝወደብካ
ኣንታ ኣከለታይ ሃብታም ቅርስታትካ
ኣንታ ወዲ ሳሕል ሰውራና ዘዕቖብካ
ኣንታ ሓማሴናይ *ቃቤላ ሃገርካ       *ዓንዲ ማእከል
ኣስመራና ጻዕዳ ሓበን ዝንያትካ
መንደላይ ነጊሱ ኣብዛ መረበትካ
መርዙ እናነደፈ እንሆ የጥፍኣካ!
እዚ ዕቡይ መላኺ ካንድዩ ንዒቑካ
ሕማቕን ጽቡቕን ከየማኸረካ
ወትሩ መራሕትኻ እናኣስረልካ
ዓገብዩ ዘይትብሎ ክግህስ መሰልካ
ጅግና ህዝቢ እንዲኻ እንታይ ዓዚሙካ!?
ኣንታ ክቡር ወላዲ እምበርከ ኣለኻዶ
ውሉድካ መንጢሉ መላኺ ኪወስዶ
ኣበይ ከም ዘእተዎስ ደሃይ ሓቲትካዶ?
ብመዲድ ክጥሓን ሽግር ምስ ከበዶ
ብርሃን ኣማዕዲዩ ኪሰግር ናብ ማዕዶ
መላኺ ብዓረር የውድቖ’ሎ ኣብ *እዶ!   *ከንፈር መጥሓን
ኣንታ ኤርትራዊ ጉድ’ምበር ረኺብካ
ናተይ ዝበልካዮ ጣዕዋ ወዲ ላምካ
ካብቲ ዝሓለፈ ጓና ኪገዝኣካ
ብራዕድን ሽበራን ንሱ ከፊኡካ
ዉሉድካ ኣዕቢኻ እግሪ ምስ ኣትከልካ
ቊሩብ ከይተዐርፍ *መኾኾ ረኺብካ    *ዉሉድ ንወላዲ ዝህቦ ፍረ ጻማ
መንዚዑ ይወስዶም ብሓይሊ ካብ ቤትካ
ደቅኻ ኣጥፊኡዎም ደም እናነባዕካ
ዳሕራዩ ይገድድ ጋር ነብሲ ይሓተካ!
‘መራሕትኻ’ ኢሉ ክጭፍልቑ ይሸመልካ
ሕሰምካ ርእዮም ዘይጽወር *እልበትካ        *ሓሳር መከራኻ
‘ገበን’ዩ’ ኢሎም ንዓመጽ፡ ተተጣበቑልካ
ከም ህዝቢ ንኣኻ ከይሓትት ድሌትካ
ገዳይም ኣሲሩ ሓደስቲ የምጽኣልካ!
በደላቶም ንኣኻ ብወግዒ ከይነግር
ፍጹም ንዒቑካ ምሳኻ ከይመክር
ነቲ ሓደ ሸይሙ ነቲ ሓደ ኪኣስር
ክሳዕ መዓስ ኢኻ ክትርገጽ ክትነብር
ሃገርካ ንምድሓን ገለ ንኽትገብር
ውጹዕ ኤርትራዊ ንለውጢ ዘይትሓብር!
ሕግኻን ስርዓትካን ብመደብ ኣልሚሱ
መሬትካ ክምትር ደረትካ ጥሒሱ
ንኣኻ ወደ ኣባት መዓስ ተወኪሱ፡
መሰልካን ክብርኻን ብንዕቀት ግሂሱ
ምስ ጎረባብትኻ ብዶብ ኣባኢሱ
ኣዕጽምትኻ ሰይሩ ደምካ ኣፍሲሱ
ቀጻሊ ሽግርካ ከይኩምር መሊሱ
ተላዓል ተበገስ ድለየሉ ፈዉሱ?
ካብ ሓውኹም መሲናስ 31-01-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Truly,Truly i say to you January 31, 2013

    What an excellent poem! Both in content and rhythm. Mesinas, keep the good work. God bless!

  • myth February 1, 2013

    wow! simply fantastic!

  • Semhar February 1, 2013

    Mesinas,

    What a terrific poem! Thank you for remembering our eight historical provinces instead of Isayas’s ZOBAS.
    I hope in the future you write a poem for our National Liberation flag, the flag of our forefathers, the flag of our martyrs, our freedom flag, semayawit banderan.
    Keep the good work. My God bless you and your family!
    Thank you again for choosing our original provinces instead of the mad dog tyrant dictator Isayas wedi Berad with his blind followers HIGDEF’s Zobas and his burned flag.

  • Semhar February 1, 2013

    Mesinas,

    What a terrific poem!
    Thank you for remembering our eight historical provinces instead of Isayas’s ZOBAS.
    I hope in the future you write a poem for our National Liberation flag, the flag of our forefathers, the flag of our martyrs, our freedom flag, Semayawit Banderana.
    Keep the good work. My God bless you and your family!
    Thank you again for choosing our ORIGINAL PROVINCES instead of the mad dog tyrant dictator Isayas wedi Berad with his blind followers HIGDEF’s ZOBAS and his burned FLAG.

  • kemal February 1, 2013

    I have no words better than this brave wedimeret…thank you for the timely great poet man.

  • Mesinas February 3, 2013

    ዝኸብርኪ ሰምሃር፡ ብመጀመርያ ካብቶም ብምልኪ ኣዒንቶም ዓዊሮም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምጥፋእ እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ ኣሕዋትና ብዘይምዃንኪ እንቋዕ ኣሐጐሰኪ ክብለኪ እፈቱ። ከምኡውን ንዝሃብክኒ ሕውነታዊ ሞራል ብልቢ አመስግነኪ። ብምቕጻል፥ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ’ዛ “ጅግና ህዝቢ እንዲኻ!” እትብል ግጥሚ ጽሒፍክዮ ዘለኺ ርእይቶ ዘለኒ ሓበሬታ ንኣኽን ነቶም ከምዚ ናትኪ ብዛዕማ ሰንደቕ ዕላማና ማለት ባንዴራና ጌጋ መረዳእታ ዘለዎም ሰባት ዝኸውን ሓበሬታ ወስ ከብል ፍቐድለይ? ሓፍቲ ሰምሃር፡ ሰናይ ናይ ሓርነት ትምኒትኪ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ፡ ሓንቲ ጌጋ ግን ኣላ ክትእረም ዘለዋ! ንሳ ኸኣ እዛ ንሃገርና ወኪላ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ብትንፋስ ጀጋኑ ስውኣትና እተንበልብል ዘላ ሰንደቕ ዕላማና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቱን ብህይወት ደቁን ዝረኸባ ናይ ክብሪ ባንዴራ እምበር ናይዚ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽነተን ጌና ዘጽንት ዘሎን ኣውቶክራት ከምዘይኮነት ክሕብረኪ ደስ እብለኒ። ምኽንያቱ፡ እታ ሰማያዊት ባንዴራና ኢልኪ ጠቒስክያ ዘለኺ ማለት፡ እታ ብዕለት 2/12/1950 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ዝተወሃበቶ ናይ ፈደረይሽን ባንዴራ ዘይኮነትስ እታ ህዝቢ ኤርትራ ኣእላፍ ህይወት ጀጋኑ ደቁ ከፊሉ፡ ብደሙ ዘምጽኣ ህልውቲ ናይ 24 ግንቦት 1991 ዝኾነት ውቅብቲ ህያብ ሰማእታትና ምዃና ሃገራዊት ባንዴራና ከዘኻኽረኪ እደሊ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ናቱን ናይ ውድቡን ካልእ ባንዴራ ኣላቶ።

    ስቓይና ንኽድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

    ካብ ሓውኺ መሲናስ

  • ahmed saleh February 3, 2013

    Eritreans as one family of our nation : Unity , respect and understanding to each other is one of
    are main fight against all the odds of the past .

POST A COMMENT