Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጅግና ወዲ ዓሊ

ጎይታ ረሽራሽ ጎይታ መዳፍዕ ዝደኸመ ኣሳሊዩ ዝርዓደ ኣትቢዑ ንጹር መርገጺኡ ጎባጥ ኣቕኒዑ ረዚን ቃላቱ ተዛሪቡ ኣስሚዑ፡ ዝቐምሰለ ተስፋ ኣጠጢዑ፡ጸላም ብፍሽኽታ ወሊዑ፡፡ ንሱዩ ሓርበኛ ምቾት ዘየስድዖ ጽኑዕ መትከሉ ነብሱ ኣሕሲሙ፡ንጥይት ንሓዊ ዝባኑ ቀሊዑ፡፡ ወዲ ዓሊ ኣንበሳ ልሳን ውጹዕ ግዋዚሙ ሓሕ ኢሉ ግፍዒ ከብቅዕ ምሉእ ሓሞት

ጎይታ ረሽራሽ ጎይታ መዳፍዕ
ዝደኸመ ኣሳሊዩ ዝርዓደ ኣትቢዑ
ንጹር መርገጺኡ ጎባጥ ኣቕኒዑ
ረዚን ቃላቱ ተዛሪቡ ኣስሚዑ፡
ዝቐምሰለ ተስፋ ኣጠጢዑ፡ጸላም ብፍሽኽታ ወሊዑ፡፡
ንሱዩ ሓርበኛ ምቾት ዘየስድዖ ጽኑዕ መትከሉ
ነብሱ ኣሕሲሙ፡ንጥይት ንሓዊ ዝባኑ ቀሊዑ፡፡
ወዲ ዓሊ ኣንበሳ ልሳን ውጹዕ
ግዋዚሙ ሓሕ ኢሉ ግፍዒ ከብቅዕ
ምሉእ ሓሞት ንፍትሒ ንሰላም ተዋዲቑ
ድምጹ ኣቃሊሑ ዓለም ኣነቓኒቑ
ዕላማኡ ወቒዑ
ቃልኪዳን ኣጽኒዑ፡፡

ኣርባዓ ዓመት ኣየዕረፈን ኣይዓጸፈን ብርኩ
ቀይሕ መሬት ኣልጌን፡ጎላጉል ከራይ፡ኣውገት
እምባታት ሳሕል ትክሰ፡ ደንደን፡ ሪጎለ፡ ተስታ ምስክሩ
ስዋራ ቀጣን ሮራ ፡ዓቢ ልባ፡ኩበት ብዕራይ ናሮ ኣሰሩ
ኣኻውሕ ጊዛኒ ታባ ዓሰርተ ሓልሓል መለብሶ ትርኣሱ
ሩባባርካ፡ዓዳይት፡ኬሩ፡ሃዋሻይት፡ከርከበት ጽላሎቱ ገዲፉ መንፈሱ።
ወዲ ዓሊ ዘይሕለሎ
መንገዲ ማይላም ሞልቂ ከምመጽዓን ጠቕለሎ
መረሸ ንሰንዓፈ ዓዲቀይሕ ሰገነይቲ ጉራዕ ዓዲ ሃርም
በቲኹ ኣጻምእ ደንካልያ፡ከርዊ ንህዝቡ ጉዕዝኡ ክዛዝም፡፡
ብደሙ ዘብርሃ ሽግ ተዓብሊኻ ብትኪ
ጭልምልም በለት ተዓምጢራ ብምልኪ
ኣይቀሰነን ወዲ ዓሊ ዕላማኡ ከይወቕዐ
ፋረ ኣሲሩ ብጭማራ ደቢሉ
ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ዘንጊ ሓቂ ተኺሉ
ምብራቕ፡ምዕራብ፡ሰሜን፡ደቡብ ሓቢሩ
ንውጹዕ ንደላይ ፍትሒ ኣዕሲሉ፡፡

ነቐለ ሓርበኛ ንካርነሽም ካዋዜን፡ዓዲሸኻ በለዛ እምባደርሆ
ዘከረ ዓደንጎዳ ንጸላኢ ዝለብለበሉ ረመጽ ዝኣጎዶ
ንፍልፍል ሰለሙና ጠሚቱ ብማዕዶ
ጎዳጉዲ ዒላዒሮ ዝተሓየሩ ብጾቱ ኣብጺሑ ሕድሩ
ሓርበኛ 21ጥሪ ወዲዓሊ
ጸሓፍ ላም፡መዝጊቡ ብደም
ታሪኽ ደጊሙ፡ታሪኽ ሰማእታት ንዳግማይ ሓርነት

ንሰናይ ዝወደቐ ንሰላም፡በጃ ዝሓለፈ ንውጹዓት
ዱዓ ግበሩሉ መሻይኽ ኣላህ የርሓሙ፡ቀድሱሉ ካህናት ባብ ክራሓወሉ ባብ መንግስተ ሰማያት         ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • men mis nebre emo isaes n zelalem knebr eyu abeden hade mealti ab bet frdi dew elu nreyelu wey kem gedafi ayiu b mekina tgatitu nreyelu gize keribu eyu
    dmtsi wtsuat dma zsmalu giz alilu slezi kulatna fllyatna awegidna n hgdef nmelay ntsar .

  • bana fthi democracy zwelaka wedi ali dma kbri naka ykun
    guzoka dma ab mefetsemtu knebtsho ena
    awet nwtsuat.

  • haysim February 16, 2013

    hagery ajoki alo deqki hagery eski nebarit eki esom geni keydti euom zenber yelin eski gen alki neknday ameti keyshtoki ne hade amet or ne 22 amet kabo gen kedfomki kekdo euom ezki gen ketnberi eki kebrtin beltesten hager kengebrki ena

POST A COMMENT