Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ።

ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ። ሃገራዊ ቃልስና ካብ ዝቀጻጸል ኣትሒዙ፡ ተጻብኦታቱ ዋላ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይደይብ፡ ሳላ’ቲ ውሁብ ሓቅነቱ ንኽምክት ህዝባዊ ግርማ ስለ ዝነበሮን፡ ካብ ዕለት ንዕለት ቅያታት ዘይተፍልዮ መስተንክር መስዋእቱ እንዳኣተርንዐ

ጅግንነትን ቆራጽነትን ብልሕን መስዋእትን ተሓኤ

ዓቢ ግናዕ ናጽነት ኤርትራ’ዩ።

ሃገራዊ ቃልስና ካብ ዝቀጻጸል ኣትሒዙ፡ ተጻብኦታቱ ዋላ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይደይብ፡ ሳላ’ቲ ውሁብ ሓቅነቱ ንኽምክት ህዝባዊ ግርማ ስለ ዝነበሮን፡ ካብ ዕለት ንዕለት ቅያታት ዘይተፍልዮ መስተንክር መስዋእቱ እንዳኣተርንዐ ዓወት ክጓናጸፍ ክኢሉ’ዩ። እቲ ተቓላሲ ባህርን መኸተን ህዝብና፡ ብቐንዱ እቲ ዋናኡ ህዝቢ ኤርትራን፡ ብፍላይ’ውን እቶም ኣብ ተጻብኦኡ ዝነበሩን፡ እሞ’ኳ ደኣ ደም ዘጉስዑን ኣላሽ ኢሎም ዝሰገዱን፡ ኣፎም መሊኦም ዝምስክሩሉ ታሪኽ’ዩ። ብርግጽ እዚ ተባላዒ እሳት’ዚ፡ ንኹሉ ነቲ ንመሰላትና ክቖጺ ዝፈተነ ሓይልታት ብዘይምሕረት ከምዘቃጸለን፡ ዘሕረረን፡ ዝሃሞዅን መጠን፡ ብማዕሪኡ ዘመዝገቦን ዝጾሮን፡ ነባሪ ዝኾነ ታሪኽ መስዋእትን ጅግንነትን’ውን ህዝቢ ኤርትራ ብዘይምስልካይ ክጸውየሉን ክንየተሉን ዝነብር ቀለብ ዝንተዕለትና እውን ኮይኑ፡ እኖ ሕጂ’ውን ክንዲቲ ዘመዝገቦ ዓወታት ንመበል 24 ዓመታት ብኣኽብሮት ንዝክሮ።

“ብኾፉ ዝሓልምሲ፡ እዛ ሰማይ’ውን ኣብ’ዛ ቀርብኡ’ያ።” ይበሃልዩ’ሞ፣ ምናልባት እቲ ናብቲ መስርዕ መስዋእትነት ተሰሊፉ ዝነበረ፡ ብዛዕባ መስዋእትነት ከልዕል ከሎ፡ እቲ ኣብ ንምፍጻሙ ኣብ ኣእሙሮኡ ተሰዂዑ ዝነብረ ሓቦን ተወፋይነትን ድሉውነትን ከምኡ’ን ምሹቕራርን ፍርሕን ብቐሊሉ ዝርሳዕ መዓስ ክኸውን ኢሉ’ሞ፡ ፈላጢኡ’ውን ይፈልጦ። ብርግጽ እቶም ዕጫኦም ደሪሱ ዝሓልፉን ዝተኾልፉን ጀጋኑናን፡ እቲ ዘማሕላልፉዎ ጾርን ሕድርን ናብቲ ብሪጋኡ ዝጽበ ዝነበረ ቀባጽ ክጸዓን ውሁብ’ዩ ዝነበረ’ሞ፡ ኣብቲ ህሞት ቀብሮምን ምድብዳቦምንስ፡ ብገምሪ ማዕረ ማዕሪኡ ዝውሰድ ሓላፍነት ከቢድን ንድሕሪት ዘየብልን’ዩ ነይሩ። እዝክር “ተቐበሉኒ ብረተይ፡ እንኮላይ ዝናር ጥይተይ።” ክብል ተጋዳላይ በረኸት መንግስትኣብ።

ኣበ’ዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክዝክሮ ካብ ዝመረጽኩዎ ገለታት፡ ብፍላይ ሓደስቲ ተጋደልቲ ኣብ ዝነበርናሉ እዋናት፡ ዝንተ ዕለት ካብ ኣእሙሮይ ዘይፍለን፡ ንውግኣ ኣብ እንሸባሸበሉን ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት፡ መራሕ ሓይልና ዝነብረ ኢማም ባህታ ዝተባህለ ስዉእ ጅግና፡ “ኣጆኹም እዞም ደቀይ፡ ንሕና ደኣ እንተይዘይቀተልና ንሕንፍጥ እንዲና፣ ወይልኡ ኣብ ጥራሕ ኢዱ ከም በጊዕ ዝሓርዱዎ ዘሎዉ ህዝብና እምበር።” ክብል እዝክሮ’የ እሞ፣ እዚ እንተኾይኑሉ ክሕንፍጥ እንተዘይኮይኑ ግን እናሓንፈጠ ንኽሕንፈጥ ወግሐ ጸብሐ ዝተዳለወ ዉፉይ ተጋዳላይ፡ ብዘይቃለዓለም እቲ ቀንዲ ምስጢር ናይ’ዚ ኣብ እድና ኣትዩ ዘሎ ዓወት’ዩ።  ብርግጽ ስዉእ ኢማም ባህታ ምስ ካልኦት ጀጋኑ ስዉእ ገብሪሂወት ሕምብርትን፡ መራሒ ጋንታይ ዝነበረ ስዉኣ ጅግና ዑስማን ደብክን ኣብ ቦጉ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ከባቢ ከረን’ዩ ኣብ መፈጸምታ 1975 እዩ እንዳተሓናፈጠ ዝተስውአ። ንዑኡን ንኹሎም ንስለ ኤርትራና ብሰማዕትነት ዝወደቑ፡ ክብርን ዝኽርን ይሃቦም፣ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ሳላ’ቲ ዝወደቑሉ ክቡር ዕላማ ሰላምን ቅሳነትን ዝዓሰሎ ደበስ ኢዮብ ይግበረሎምን ይግበረልናን።

ዓወትና ቀቢሩዎ ዘሎ ምስጢር መስዋእቲ መስተንክር’ዩ። ብርግጽ’ውን ብዛዕባ እዚ ክቡር መስዋእቲ’ዚ ከተዘንቱ ክትፍትን ከሎኻ፡ ነቲ ዓርሞሸሽ ግርማኡን ቅያኡን ከይተባላሹ ብዙሕ ጥንቃቕ ዘድልዮን፡ ነቲ ዝኣቶኻዮ ማሕላን መብጽዓን ምሕላው ንባዕሉ መንፈስ መስዋእቲ ምዃኑ ኣይዝንግዕን’የ።

እምበኣርከስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነዚ ክቡር ዕለት’ጺ ኣመልኪተ ኣብ ጽሒፈዮ ዝነብርኩ ጽሑፍ፡ “እቶም ንሂወቶም ባዕሎም ዝቐተሉ ተጋደልትስ ይትረፍ: እቶም ተጋጊኹም ተባሂሎም ብሞት ዝተቕጽዑ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን እንተኾኑ ኣብዚ ቅዱስ ዕለተ መስዋእቲ’ዚ ክዝከሩ ዝግባኦም ስዉኣት’ዮም።” ዝብል ምስ ምንባሩን፡ ነፍሱ ባዕሉ ብምቕታል ዝተሰውአ መማህርተይ ዝንበረ ተጋዳላይ ጸሃየ ተስፋይ ኣልዒለ ሓደ ታሪኽ ጠቒሰ ምንባረይ እዝክር። ሎሚ ዓመት’ውን  ነቶም ብሰንኪ ውግእ ሓድ-ሕድ ዝተኾልፉኒ ጀጋኑ ብጾተይ ክዝክር ፍቐዱለይ። ብርግጽ እዞም ዘይሓሰቡዎን ዘይተጸበዩዎን መስዋእቲ ዝጋጠሞም ጀጋኑ ብጾተይ፡ ካብ’ቲ ሰውራና ሓቑፉዎን ቀቢሩዎን ዘሎ ግናዕ ቅያታት መስዋእቲ ብምዃኑ፡ ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ሓሊፍካ’ውን ንምጥቃሱ ዝበለጸ ካልእ ኣጋጣሚ ክትረኽበሉ ስለ ዘጻግም፡ ምስቲ ኩሉ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ተጸንቢሩ ክውሕዝን ክዝከርን’ዩ ዝግባኦ።

ተሓኤ ንኤርትራ ኣብ 12 ምምሕዳራት መቒላ’ያ ተመሓድር ዝነበረት። ብወገነይ ንምምሕዳር ቁጽሪ 8 (ሓማሴን) ብመደብ ዝመጻእኩሉ እዋናት ኣብ መጀመርያ ወርሒ 1976 ኮይኑ ከብቅዕ፡ ኣብቲ ምምሕዳር ዝጸንሓኒ ኩነታት ፖሊቲካ፡ ውርጽጽና ዝሰኣና ኣብ ሓሸውየ ዝኣተወን ሕምብሊል ክብል ዝውዕልን ዝሓድርን ኣዝዩ ኣሰካፍን ዘይምሃርን ምንባሩ ኣዕርየ እዝክሮ። ኣብቲ ብቕድሚኡ ዝጸናሕኩሉ መደብ ዝነበረ ዝርአ ፍልልያት ተጋደልቲ ኣብ መንጎ ገዲምን ሓዲሽን፡ ኣብ መንጎ ዓረብን ትግርኛን ዘትኮረን፡ ግን እንካን ሃባን ዘይተሳእኖ ኮይኑ፡ ኣብዚ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ዝነበረ ፍልልይ ተጋደልቲ ግን ሓደ ጉጅለ ዝዝውሮ ዝመስል፡ ኣብ’ቲ ዝነበረ መሪሕነትን ጥራሕ ዘትከለ’ዩ ነይሩ። እቲ ቀንዲ መዓቀኒኡ’ውን፡ ብቐንዱ ብውጽኢት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ዝንጸላሎን፡ በቲ ኣብ’ቲ ግዜቲ ምስ ዝነበረ ጉዕዞ ሓድነት ክልቲኡ ውድባትን ኮይኑ፡ ብሱሩ’ውን እቲ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተፈጥረ ምፍንጫል ዘማዕዱ፡ ግን ንኹሉ ኩነታት ቃልስና ዝመለኸን ዘደንደዘን፡ ንውሳነ መሪሕነት ይኹን ንኣፈጻጽማ ዕዮና ከይተረፈ ጅሆ ዝሓዘን ምንባሩ እዝክሮ።

ብሰንኪ’ቲ ምፍንጫል ደገን ሜዳን ተባሂሉ ዝዝንቶ ዝነበረ ጸገም፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ንኣጋጢሙዎም ዝነበረ ሕሰም ስንቅን ክዳንን ኣብ ምትሕግጋዞም ዳርጋ ዘይገበርናዮ ኣይንበረን። እዚ’ውን ካብ ልቦናን ሓድነትን ስምረትን ብምጥማት እምበር፡ ካልእ ጉርሕን ሸርሕን ዘይነበሮን፡ ንውድብናን ንመትከላትናን ኣሕሊፍና ንመሃብ ዘይሓለነ ምንባሩ እቲ ከማይ ዝበለ ግሩህ ኩሉ ዝሰማምዓሉ’ዩ። ዘይከሓድ ምስ ተጋደልቲ ህሓ ኣብ ኣወጋግና ካልኣዊ ግርጭታት ዘትኮረ ስልትታት ስምረት ርኡይ ፍልልያት ምንባሩ ርኡይ እንዳኾነ ይኸይድ እንተነበረ፤ ብወገንና ነዚ ንቡር ፍልልያት’ዚ ጥይት ከንውጽኣሉን ክንቃተለሉን፡ ማሕላ’ቲ እቲ ዝሓለፈን ዓሻን፡ ዘይኣድላዪን ታሪኽ ንኸይድገም ብተወፋይነት ዝተልዓልና፡ ተጋደልቲ ስምረት፡ እኳ ደኣ ሰርቲፊከት ዝግባኣና ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኢና ኔርና።

እዚ ሓቂ’ዚ እንዳፈለጥኩ’የ፡ ሎሚ ብመኽንያት ዝኽሪ ስዉኣትና ኣልዒለ፡ ነዚ ኮይኑ ዝስመዓኒ ሓቂ ክጽሕፍ መሪጸ ዘሎኹ። ብርግጽ ስዉኣትና ዝዝከሩሉ ክቡርን ብሩኽን ዕለት ምስ ምዃኑ፡ ነዚ ብዙሓት ዝፈልጡዎን፡ እንተ ብወገነይ ብሃሰስ ዝሰነድኩዎን ሒዘ ቀሪበ ዘሎኹ። ክቃልሓለይ ዝደልዮ ግን፡ ነቲ ሃሳስን ፈላላይን ኣሰራት ውግእ ሓድ-ሕድ ንምኹላዕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ክሃስስ ዘይግባኦ ታሪኽ ውግእ ሓድ-ሕድ ንምዝካሩን፡ እንተተኻኢሉ’ውን ንኸይድገም ንምዝኽኻርን’ዩ።

ብርግጽ በይነይ ንኹሎም ስዉኣት ውግእ ሓድ-ሓድ ክዝርዝር ብቕዓት የብለይን። ይትረፍዶ ንኹሉ’ቲ ኣባል ተሓኤ ዝነበረስ፡ ነታ ንኣስታት 6 ዓመታት ኣቢለ ዝተጋደልኩላ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 እንተኾነ’ውን ዘመዝገበቶ መስዋእቲ ክዝክሮ ኣይበቅዕን’የ። ግን “ጩሩ ብዓቕማ ብብርዒ ትሕጎም!” ከም ዝብሉዎ ኣበዋትና፡ ነዞም ዝስዕቡ ጀጋኑን ዝበዝሑ’ውን መሳርሕተይ ዝነበሩ ምዝካረይን ምዝርዛረይን ዓቕመይ ዘፍቅዶ ገይረ ከምዘሎኹ’የ ዝፈልጥ ዘሎኹ። ብርግጽ እቲ ኣስማቶም ምሉእ ዘይምዃኑ ኣቐዲመ ይቕረታ እሓተሉ ኣሎኹ። እቶም ምስ ስውእቲ ቅጭን ዝተሰውኡ ካልኦት 7 ኣስማት ዝሃበኒ ብጻይ ገበረብርሃን ኣይጸገብ ኣመስግን።

ደጊመ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

  • ስዉእ ተጋዳላይ ሽኮራይ። ስም ወላዲኡ ኣይዝክሮን’የ።

ብዕለት 20፡ ወርሒ 5፡ 1977 እዩ መስዋእቲ እዚ ብጻይ’ዚ ዘጋጠመ። ስዉእ ሽኮራይ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብኣካል ርእየዮ ብምንባረይ፡ ብመጠኑ እፈልጦ ነይረ እንተበልኩ ኣይተጋገኹን። ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ኣብ ወትሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ፣ ቁሩብ ግድምና ዝነበሮ ተጋዳልይ’ውን ከይኮነ ኣይተርፍን። ትውልዲ ዓዱ ገረሚ ኮይኑ፡ ተሓኤ ንተጋደልታ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተፍቅድ ስለ ዝነበረት ካብ ኣሃዱኡ፡ ንስድራ-ቤቱ ንኽርኢን ንኽውግንን ኣብ ዓዱ ኣብ ቀንዩሉ ዝነበረ እዋን’ዩ፡ ብተጋደልቲ ህግ ተቐቲሉ።

ብርግጽ እዚ ተረኽቦ’ዚ፡ ብድሕሪ’ቲ ህዝቢ ውግእ ሓድ-ሕድ ጠጠው ንምባል ዝገበሮ ጻዕርን፡ ተሓኤ እውን ኣብ 2ይ ጉባኤኣ ንዘጽደቐቶ “ካልኣዊ ግርጭታት ብሰላም ንምፍታሕን” ተወሲኹዎ፡ ንረኺብናዮ ኣረጋጊጽናዮ ዝንበርና ሰላም ፍጹም ዝዘረገ ኣዝዩ ሕማቕ መስዋእቲ’ዩ። ካርነሽም፡ ህሓ ዝቆጻጸሮ ቦታ ምስ ምንባሩ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓድ-ሕድ ከቃትል ዝኽእል ፍልልይ ኣሎ ዝብል ግምት ስለዘይነበረን፡ ስዉእ ሽኮራይ ስድራኡ ንምእላይን ንምዕራፍን ተኣማሚኑ ንዓዱ ከይዱ። እሱ መዓስ ጥራሕ፡ ኣነን ከማይ ዝኣመሰሉ ብዙሓትን፡ ውግእ ሓድ-ሕድ ኣኽቲሙን ተወዲኡን፡ ኣሕዋት ጸገማቶም ወጊኖምን ሓቢሮምን ጸላኢኦም ክገጥሙ ጀሚሮም’ዮም ዝብል ፕሮፓጋንዳታት’ዩ ንቓልሲ ዝወሓዝና’ኮ። ብርግጽ’ውን እቲ ከም ዛንታ እንሰምዖ ዝነበርና፡ ብጥይት ኣሕዋትካ ክትውቃዕን፡ ንኣሕዋትካ ክትወቅዕን፡ እንኳይዶ ክትካፈሎስ ክትሰምዖ’ውን ዘጸይን ምስ ምንባሩ፣ መስዋእቲ ሽኮራይ ንምርዳኡ ዘሸግር፡ ረመጽ ኮዕዩልናን፡ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘበላሹ ርኡይ ኖቑጣ ንኸይከውን ኣሸጊሩና ምንባሩ፡ ሒጂ’ውን ኽዝክሮ ከሎኹ’የ ዝጸልኦ።

  • ስዉእ ተጋዳላይ የዕብዮ ዘርእዝጊ።

እዚ ጅግና ስዉእ’ዚ፡ ብኣጋጣሚ ምስ ዓርከይ ኣብ ሃዘጋ ዝተባህለ ዓዲ ብዕለት 23 ጥሪ 1975 ንተሓኤ ኣብ ዝተሰለፍናሉ መዓልቲ’ዩ፡ ንሱ’ውን ካብ ኣስመራ ተሰለፉ ዝኸውን። መኽንያቱ እንተ ገደድ-ገደድ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብ’ቲ ዓዲ ዝተኣከብና 170 ኣቢልና እንኸውን ሓደስቲ፡ ንወትሃደራዊ ትምህርቲ ብቐጥታ ንሳሕል ስለ ዝወረድና፡ ስዉእ የዕብዮ’ውን ምሳይ ኣብኡ’ዩ ተደሪቡ። ዘይዝንግዖ’ውን ዕባይ ኣኽርያ ምንባሩ’ዩ።

ብሰንክ’ቲ ኣብ ህሓ ዘጋጠመ ምፍንጫላት ኣመልኪቱ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ 3ይ ኣኼባ ሰውራዊ ባይቶ ተሓኤ፡ “ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቕርሺ!” ዝብል ውሳኔ ኣንቢሩ ምስ ምንባሩ፣ ንምንታይ ምስቲ ምሳና ዝዋደቕ ዘሎ ናይ ሜዳ ተጋዳላይ ዘይተጸጋዕና? ካብ ዝብል ተረድኦ፤ ብሓፈሻ ኣብ ሰራዊት ተሓኤ፡ ብፍላይ’ውን ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ኣንጸላልዩ ዝነበረ ነውጺ፡ ከም ውጽኢቱ’ውን ንዘጋጠመ ምጥሓስ ስርዒት፣ “ሰራዊት ባዕሉ ክኣልዮ ይፈተን።” ንዝብል ብሰራዊት ዝቐረበ ለበዋ፡ መቲሕነት ስለ ዘፍቀደ፡ ካብ ሰራዊት ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ተመሪጻ፡ ንምእላዩ  ፈተነ ዘካየደት፡ ዳርጋ 30 ተጋደልቲ ኣቢላ ሓቚፋ ኣብ ዝነበረት ጋንታ፡ ኣንን ስዉእ የዕብዮን ኣባላታ ኮንና ብሓባር ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ኣቢልና ተጓዕዝናን ብምንባርና’ውን፡ ንሓድ-ሕድ ምፍላጥና ዝያዳ ኣዕሙቑዎ ነይሩ። ተባዕ፡ መስተውዓሊ፡ ኮለል ዘረባ ዘይፈቱ፡ ጽኑዕ ምንባሩ ኣዕርየ እዝክሮ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ንኣጋጢሙ ዝነበረ ሕጽረት ካድራት ንምምላእ ካብ ሓይልታት ተሳሒቡ ኣብ ህዝባዊ ዕማም ኣብ ዝዋስኣሉ ዝነበረ እዋናት’ዩ፡ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ቢደል ተኾሲ ስለ ዝተሰምዐ፡ ምስ ካልኣይ ብጻዩ ንረድኤት ኣብ ዝጓየይሉ ዝነበሩ እዋን ብኣድብዮም ዝጸንሑ ተጋደልቲ ህሓ ተኾሲ ተኸስኪሱዎም። ስዉእ የዕብዮ እብ’ቲ ግናይ ኣጋጣሚ ብጥይት ኣሕዋቱ ተወቒዑ ተሰዊኡ፤ ዑመር ዝተባህለ ካልኣዩ ግን ተወጊኡ ድሒኑ። እቲ ዝሓሰመ’ውን መስዋእቲ የዕብዮን ሽኮራይን ኣብ’ቲ ጸዋግ ዕለት 20 ግንቦት 1977 ምንባሩ’ዩ።

ብዙሓት ኣብ’ቲ ቦታ ዝነበርኩም ተጋደልቲ ክምዘይትዝንግዕዎ፡ እቲ መዓልቲ’ቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ካልኦት ብጾቱ፡ ድሕሪ እቲ ምስ መሪሕነት ተሓኤ ኣብ ኣኼባ ሃዋሻይት (ባርካ) ምክያድ ንቦታኦም ንካርነሽምን ባሕሪን ዝተመልሱሉ ዕለት ተጋጢሙ ነበረ። ካብ’ዚ ኣብ ሰራዊት ዝወዓለ ቁጥዓ’ዚ ዝተላዕለ’ውን፡  ሕጂ ብሪጋደር ጀነራል ተዋሂቡዎ ዘሎ ሽዑ ግን ተጋዳላይ ተሓኤ ዝነበረ ኣብርሃለይ ክፍለ ዝመርሖ ኣምባ-ጓሮ ኣብ ልዕሊ’ዚ መሪሕነት ህሓ’ዚ ስጋብ ንገለ ሰዓታት ዝወሰደ ምእሳር ኣብ ዓዲ ሽማግለ ኣጋጢሙ ኣምስዩ ምንባሩ’ዩ።

  • ስዉእ ተጋዳልይ መምህር ወልድሂወት (ስም ወላዲኡ ኣይዝክሮን)

ከምዝመስለኒ ኣብ መጨረሽታ 1977 ከይኮነ ኣይተርፍን። ስዉእ ወልድሂወት ኣብ ማይ ጋዕሱ (ማእከላይ ዓንሰባ) ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተደኩኑ ዝነበረ ቤት-ትምህርቲ ህጻውንቲ ብምምህርና ዝነጥፍ ዝነበረ ተባዕ ተጋዳልይ’ዩ። መምህር ወልድሂወት ቅድሚ ምስላፉ’ውን መምህር ብምንባሩ ኣብ ምምህርና የገልግል ምስ ምንባሩ፡ ምቕሉልን ዓላን ዞዓሰሎ ተጋዳልይ ምንባሩ ኣይርስዖን። ብርግጽ መስዋእቱ ምስ ኣጋጠመ ዝተሰሞዓና ጓህን ሓዘንን ኣዕርየ እዝክሮ። በይኑ ኣንከሎ ብቓጽያ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ሃንስ ዝተሰውአ ተጋዳልይ’ዩ። ከምዝበሃል’ውን ደቂ ዓዲ ሃንስ ዝነብሩ ሚሊሽያ ህግ ከም ዝቐተልዉዎ’ዩ።

  • ስዉእ ተጋዳልይ ዘእየሱስ ወልደኺዳን 4/8/78

ስዉእ ዘእየሱስ ካብ’ቶም ስሩዕ ፖሊቲካዊ ትምህርቲ ኣብ ባርካ ወሲዶም ኣብ ህዝባዊ ምልልዕዓልን ምሕደራን ማለት ኣብ ፖልቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ምምሓድር ቁጽሪ 8 ዝንቀሳቐስ ዝነብረ ተጋዳላይ’ዩ። ቅድሚ ምስላፉ ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ ምንባሩ እዝክር። ዘእየሱሱ በሊሕ፡ መስተውዓሊ፡ ንኽገልጽን ከብርህን ዘይእገም፡ ማራኺ ተዛራባይ ተጋዳላይ ስለዝነበረ ኣብ ተመዲቡ ዘገልግለሉ ዝነብረ ግንባር ድምበዛን ኣዝዩ ዝና ዘተረፈ ተጋዳልይ’ዩ ነይሩ። ብርግጽ 1977/1978 ኣብ ድምበዛን ዘጋጠመና ተጻባኦ ብህግ ኣዝዩ ሓያል ምስ ምንባሩን ብዙሓት ተጋደልቲ ዝተኸፍለሉ ሕሱም ምጥምጣም‘ዩ ኔሩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ተሓኤ ሒዛቶም ካብ ዝነበሩ ቀንዲ ዕማማት፡ ነቲ ብማዕረኣዊ ምምቕራሕ ደቂ ዓዲ ዝፍለጥ ዴሳ መሬት ህዝቢ ሓማሴን፡ ከም ሓዲሽ ምድልዳል የድልዮ ምንባሩን፡ ብባህልን ልምድን እቲ ህዝቢ’ውን ኣብ 7 ዓመታት ክፍጸም ዝግባኦ ብምንባሩ፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ዓድታት ብመንጎኝነትን ማእከልነትን ተሓኤ ከምዝፍጸም ተገይሩ። እዚ ቅዱስ ዕማም’ዚ ግን ብህግ ኣብ ፈቐድኡ ተጻብኦታት የጋጥሞ ምስ ምንባሩ፡ ኣብ ዓዲ-ተከለዛንን ደቀምሓረን ኣቢሉ ምስ በጽሐ እንዳተረረ ከደ’ሞ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ’ታ ዘእየሱሱ መሪሑዋ ትንቀሳቐስ ዝነብረት ሰለስተ ዝኣባላታ ጉጅለ ኣብ ደቀምሓረ ብረታዊ መጥዕቲ ተፈጸመ። ዘእየሱስን ወዲ ዓሊን ብኡ ንብኡ ተሰውኡ። ኣብዚ ግናይ ተረኽቦ’ዚ ተማሪኹ ዝነበረ ብሂወት ዝተረፈ ተጋደላይ ሕጂ ብሂወቱ ኣብ ፍራንክፎርት ኣባል ሰድሃኤ ኮይኑ ጌና ይንቀሳቐስ ኣሎ።

መስዋእቲ ዘእየሱሱ፡ ንውግሕ-ሓድሕድ ንፍቶዎ ንጽለኣዮ ክንዳረጎ ከምዘሎና ዝመሃረና ሕሱም እዋን’ዩ ዝነበረ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ምዑት ተጋዳላይ’ዚ፡ ብዘይካ ህዝቡ ካብ ምግልጋል ንላዕሊ ዝገበሮ ኣንታይ ኣበር ነይሩዎ? ብጥይት ኣሕዋቱ ተቐቲሉ፡ ኣብ’ቲ ክቡር ማህደር ስዉኣት’ውን ወቂቡን ተወቒሩን።

  • ስዉእ ተጋዳልይ ወዲ ዓሊ።

እዚ ሙዑት ተጋዳላይ’ዚ፡ ንነዊሕ እዋን ከም ስሩዕ ተሓኤ ኣብ ባሕሪ ዘገልገለን፡ ዝወጾ ዘይብሉ ቆራጽ ጅግናን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ርእየዮ ምንባረይ እዝክሮ’የ። ስውእ ወዲ ዓሊ ባሕሪ ዝዓበየሉን ደምበ ዓዱን ብምንባሩ መዊጺኢኡን መእተዊኡን ዝፈልጥ፡ ብተፈጥሮኡ ተጋዳላይን ወዲ በረኻን  ምስ ምንባሩ፡ ምስተን ኣብ ድምበዛን ዝንቀሳቐሳ ጉጅለታት ተዋፊሩ ህዝባዊ ዕማምት ዘበርክት ዝነበረ ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ዝፈትዎን ዘይሰልከየሉ ህዝባዊ ኣገልግሎት እንከሎዩ ኣብ ዘይተጸበዮ ሓደጋ ምስ ብጾቱ ዝወደቖን፡ ምስ ብጻዩ ዘእየሱሱ’ውን ብጅግንነት ዝተሰውአ። እቲ ዝገርም ዓዲ ደቀምሓረ፡ ነዞም ኣብ ከርሳ ዝወደቑ ተጋደልቲ እዚኦም ንኸይትቐብር ተኸልኪላ ክምዝወዓለት ኣይዝንግዕን።

  • ስውእቲ ተጋዳሊት ቅጭን ቀሺ ተኪአ።
  • ስዉእ ተጋዳላይ ደፍዓላ እስመሮም።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ኣስገዶም ዘወልዲ።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ደመና ተወልደ።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ኣስረስ።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ተኽለማርያም።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ብርሃነ።
  • ስዉእ ተጋዳላይ ዓንደመስቀል።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዘርዚረዮም ዘሎኹ 8 ተጋደልቲ ብሓንሳብ ኣብ ከባቢ ማይ-ጋብር፡ ሽማንጉስ ታሕታይ ብጥይት ኣሕዋቶም ዝተቐዝፉ ቀባጻት ተጋደልቲ እዮም ኒሮም። ምስ መሬት ዝነበሮም ጉዳይ ዓዲ ፈጺሞም፡ ንዓዲ-ንኣምን ገጾም ኣብ ዘንቆልቆሉሉ ዝነበሩ ግዚ’ዩ እቲ ሕሱም ጉዳይ ዝኾነ። ብርግጽ ኣብ ዘይተጸበዩዎን ዘይደለዩዎን  ከበባ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብዝዘነቦም ዘይምሕር ጠያይቲ ተወቒዕም’ዮም መስዋእትነቶም ዝተጎምጎሙ። እወ! እቲ ካብ ቤቶም ክወጹ እንከሎዉ ብጸላኢ ስርዓት ኢትትዮጵያ ንኽኸፍሉዎ ዝመሓሉሉ መስዋእቲ። ኣብ’ቲ ሓደጋ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ቁጽሮም 12 እዮ ዝነበረ፣ እቶም 4 ብደሓን ኣምሊጦም ነይሮም’ዮም። ኮይኑ ግን ገለ ካብዞም ውጻእ መዓት ኣብ ዝሰዓበ ካልእ ውግኣት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተሰውኡ ኣሎዉዎም። ጀጋኑ ብጾተይ መግስተሰማያት የዋርስኩም!

እዚ ሕማቕ ርካብ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ዝተሰምዓና ሓዘን ወሰን እይነበሮን፡ ግን እንታይ ይግበር፡ ውግእ ሓድ-ሕድ ሕመቕ’ዩ። ውግእ ሓድ-ሕድ ፍርሒ’ዩ። ውግእ ሓድ-ሕድ ጸረ ህዝባውነት’ዩ። ውግእ ሓድ-ሕድ መሳርሒ ምልኪ’ዩ። እንተ ብወገንና ግን ከምቲ ልሙድ፡ ጥርዓንናን ስምዕታናን ናብ ህዝብና’ዩ ዝነበረ’ሞ፡ ጌርናዮን ፈጺምናዮን እውን። እዞም ስዉኣት እዚኣቶም፡ ዳርጋ ፍርቆም ደቂ እቲ ከባቢ እንድዮም ዝነበሩ’ሞ፡ ከምቲ ዝምሰል “ደርሆ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት!” ይበሃል እዩ’ሞ፣ እቶም ቀበርቶም ካን እንታይ ኮን ተሰሚዑዎም ይኸውን? ዝገርም’ዩ? ስጊንጢር?

  • ስዉእ ተጋዳላይ መንግስትኣብ ማቴዎስ።

ሓደ ካብቶም ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ዝረኣየቶም ብቑዓት ካድራት’ዩ ነይሩ። ዓቕሚ ደርጃ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሮ ኾይኑ፡ ኣብ ሃዝባዊ ምምሕዳር ልሉይን ፍቱውን ዝና ኣጥርዩ ነበረ። ብፍላይ ምስ ምድያስ መሬት ዝነበረ ስርሓት ግሩም ተሰማሚዑን፡ ነቲ ሓደን ንበይኑን ካብ ደስነት መሬት ማሕዲጉ ዝጸንሓና መሬት ዓዲ-ንኣምን ኣብ ምድያሱ ብሓልፍነት ዝተቓለሰ ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። መንግስትኣብ መራሕ ሰሜናዊ ግንባር ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ኮይኑ’ዩ ነዚ ዕማም ዝፈጸሞ። ብተወሳኺ’ውን ዓድታት ዓንሰባ ለምጨለ፡ መሬተን ዴሳ እንክንሱ፡ ከየተደየሰ ብዙሕ ግዜ ወሲዱ ስለዝጸንሓናን፡ ዳርጋ ኣቦሕጎታት ዝኣኽሉ ብዘይ ዝሕረስ መሬት ኣትሪፉ ብምንባሩ፡ ንምውራዱ መደባት ተኻዪዱን ተፈቲኑን። ምእንታን እቲ መደባት ንኸይዕወት ግን፡ ነቲ ዋና ፈጻሚኡ ምልጋስ ይሓይሽ ግዲ ተባሂሉ፡ ምስ ቀጺለ ዝጠቕሶ ካልኣይ ውፉይ ብጻይና ኣብ ማእከል ደርሰነይ ዝተቐንጸለ’ዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ ንኤርትራ ክጋደለላ ቤቱን ምህሮኦን መጻኢኡን ዝገደፈ ሙዑት ተጋዳላይ ብጥይት ኣሕዋቱ ንኽጠፍእ።

  • ስዉእ ተጋዳላይ ደበሳይ ተወልደመድህን።

ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ጅግና’ዚ እውን ኣብ ደርሰነይ እዩ ተሰዊኡ። ስዉእ ደበሳይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ቀሃስ ካልኣይ ደርጃ መማህርተይ ዝነብረ’ዩ። ወዲ ከባቢ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ካብ ዓዲ መጺኡ ዝመሃር ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ። ደበሳይ ኣዝዩ ውፉይ፡ ህዝቢ ንምግልጋል ዝሰልጥ፡ ግን እቲ ዝነበረ ሕልኩስ ኣተሓሕዛና ኣንጻር ህግ ዘይዓጅቦ፡ ህርኩትን ሓላይን ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ግን እንታይ ይበሃል ኮይኑ፡ ደበሳይ’ውን ምምሕዳር ቁጽሪ 8ን ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኣሕዋት ዝኸሰረቶ በጽሒ ኤርትራዊ’ዩ ዝነበረ።

  • ስዉእ ተጋዳላይ እመሃጽዮን።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ፍረ።

ቀጺለ ዝጠቕሶም ስዉኣት ክልቲኣቶም ምስ ካልኦት 6 ኣቢሎም ስሞም ዘይፈለጥኩዎም ተጋደልቲ ተሓኤ ኣብ ቀረናኹዶ ዝተባህለ ዓደ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ሓድ-ሕድ ዝተሰውኡ ብጾት’ዮም። ኣብ’ዚ ግናይ ተረኾቦ’ዚ  ብኣካል ተሳቲፈ ብምንባረይ፡ ሽዑኡ ዝጠፍአ 30 ዝኸውን ኤርትራዊ ጎበዝ ክዝክሮ የሳቕየኒ፡ ይኾኽየኒ ኣይጥዑምን ከኣ! ስዉእ እመሃጽዮን ካብቶም ዝረኣዩ ዝነበሩ ህዝባውያን ካድራት ምምሕዳርና’ዩ ነይሩ። ምናልባት ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ነይሩ ይመስለኒ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ባርካ ዝነበረ ፖሊቲካዊ ቤት-ትምህርቲ ዝወደአ’ውን እዩ ነይሩ። ዝያዳ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ ህዝባዊ ዕማማት ብድንበዛንን ሰሜናዊ ዓንሰባን ነይሩ። እዚ ሕማቕ ክውንነት ዝተጋህደሉ እዋን’ዚ፡ ህግ ንኸረን ንምክልኻል ዝኣክል ኣቐዲምና ክንቆጻጸሩ ዝጸናሕና ቦታታት ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ብብዝሒ ክጥቀሙሉ ስለዝጀመሩ፡ ብወገንና ኣብ ማከላይ ዓንሰባን ምዕራባዊ ሸነኽ ሎጎ-ጭዋን ተሓጺርና ነርና። ኣብ’ቲ እዋንቲዝርካቡ ሓይልታትና ኣብ ሕምብርቲ’ዩ ሰፊሩ ነይሩ ። ህግ ነቲ ቅድመ ግንባር ሕምብርቲ ገዲፎም ብድሕረና ኣብ ቀረናኹዶ ድፋዓት ክፍሕሩ ስለዝጀመሩ፡ ጉዳዩ ገሪሙናን ደንጽዩናን፡ ነቲ ዝጸንሐ ድፋዓትና ኣብ ሕምብርቲ ብተበተብ ለቒቕና ነተን ክልተ ኩጀታት ቀረናኹዶ ክንሕዝ ተገዲድና። ብርግጽ እዛ ንእሽቶ ዓዲ’ዚኣ፡ ነዚ ክልተ ሰራዊት’ዚ ንምጻር ዓቕሚ ኣይነበራን። ኮይኑ’ውን ዳርጋ ሰሙን ኣብ ዘይመልእን ነቲ ህዝቢ ዘየቕሰነን ምትኹታዅ ኣብ መጨረሽታኡ ኖቲጉ መዓት ዕንወት ሰብን መስዋእትን ኣስዒቡ። ኮጀታት ቀረናኹዶ መቓብር በጃ’ዚ ሕሱም ሓድሕዳዊ ውግኣ ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኑ። ዝገርም’ዩ እቲ ውግእ ንኻልኣይ መዓልቲ ኣይቀጸለን። ግን ዘይተኣደነ ጀጋኑና ወሲዱ። እመሃጽዮንን ዜናን ካልኦትን በሊዑ። ስዉእ ፍረ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ህዝባዊ ጸጥታዊ ዕምማማት ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ዝተጋደለን፡ ንህዝቢ ዘገልገለን ቀባጽ ብጻይ’ዪ ዝነበረ።

  • ስዉእ ተጋዳልይ ሓጎስ ተስፋስላሴ።
  • ስዉእ ተጋዳልይ ሰርጻይ።

እዞም ኣብ ክልተ ስዉኣት እዚኣቶም ብሓንሳብ ኣብ ቆታብ ዝተባህለ ደምበታት ጸዓዘጋ ብጥይት ኣሕዋቶም ዝተቐንጸሉ ጀጋኑ ተጋደልቲ እዮም ነሮም። ስዉእ ሓጎስ ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት (መሊሽያ) ወዲ ጸዓዘጋ እዩ ነይሩ። ኣብ 1978 ጸላኢ ንጸዓዘጋን ከባቢኡን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ዳርጋ ኣቶም ዝነበሩ ሚሊሽያ ኣብ ዓንሰባታት ተዓቒቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብዙሓት ኣብ ስሩዕ ገድሊ ስለዝኣተዉ፡ ስዉእ ሓጎስ’ውን ከምኣቶም ተጋዳልይ ኮይኑ ኣገልግሎቱ ኣብተን ዝነበረ ጋንታት ኣትዩ ተጋዲሉ። ብስራሕ መኽንያት ምስ ብጻዩ ስዉእ ሰርጻይ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን፡ ሓጎስ ስድራ-ቤቱ ማለት ሰበይቱን ደቁን ኣብ ደምበታት ቆታብ ስለ ዝነበሩ፡ ንኽርኣዮም ተኣለዩ’ሞ፡ በቲ እዋን’ቲ በቲ ኣብ’ቲ ንከረን ንምክልኻል ኣብ ዓዲ ያዕቆብ ዓስኪሩ ዝነበረ ሓይልታት ህግ እቲ ሕሱም መስዋእቲ ውግእ ሓድ-ሕድ ዕጫኦም ኮነ። ግናይ ተረኽቦ። ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ። ጀጋኑ ብጾትና ግቡኦም ፈጺሞም ናብ ዓዲ ኩልና ተዓዚሮም። እቶም ዝተረፍና ሓላፍነትና፡ እቲ ሓቂ ካብ ምንጋር እንታይ ቁ-ነገር ከይነባቑጥ? መንግስተ ሰማይ ምስ ኩሎም ሰማዕታት ኤርትራ ይሃቦም!

  • ስዉእ ተጋዳላይ ሓድጉ ተወልደብርሃን።
  • ስዉእቲ ተጋዳሊት ነብያት እስጢፋኖስ።

እዞም ክልተ ስዉኣት እዚኦም፡ ታሪኽ መስዋእቶም ፍልይ ዝበለ’ዩ። ግን ከምቲ ኣብ ኩሎም ጠቒሰዮም ዘሎኹ ብጥይት ኣሕዋቶም እዮም ጠፊኦም። ግን ብጥይት ህግ ዘይኮነስ፡ ብጥይት ተሓኤ ዝተቐንጸሉ ጀጋኑ ብጾተይ እዮም። ብወገነይ ምናልባት ነዚ ሓቂ’ዚ ንኽነግር ዝተርፍኩ ክከውን እኽእል? ምስኣቶም ክቕተል ተሓሲበ፡ ግን ኣምላኽ ፈቒዱዎ ስለ ዘምለጥኩ ኣኖሆ እጸዊ። እቲ ዕለት ብ17 ሓምለ 1977 ኣብ መቐርካ ዝተባህለ ዓዲ ማእከላይ ዓንሰባ’ዩ ኮይኑ። እቲ ዝገርም እዞም መቕዘፍቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ዝፈጸሙ ቀተልቲ፡ ንኣስመራ ድሕሪ ምእታዎም ብጸላኢ ኣብ ማእከል ኣስመራ ተቐቲሎም’ዮም። ኣዝዩ ዘሕዝን ፍጻመ’ዩ። ስዉኣት ብጾተይ ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን መቐርካ እዮም ተቐቢሮም ዘሎዉ። መንግስተ ሰማይ የዋርሶም! ፍሉይ ዕዳኦም ኣሎኒ እንተበልኩ ኣይሓሰኹን።

  • ስዉእ ተጋዳላይ ዮሱፍ በያን።

እዚ ስዉእ’ዚ ኣብ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ተሓኤ እቲ ንመጨርሽታ ዝኸፈልናዮ ጅግና ተጋዳልይ እዩ። ስዉእ ዮሱፍ ካብቶም ምምሓዳርና ዝረኣይቶም በላሕቲ ካድራት ሓደ ኮይኑ፡ ነቲ ብሰሜናዊ ግንባር እንፈልጦ ዝነበርና ከባቢ ማለት ካብ ዓዲ-ንኣምን ስጋብ ዓድታት ዓንሰባን ለመጨሊ ዝዝርጋሕ ቦታ፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳራቱን ሓለዋኡን እትንቀሳቐስ ዝበረት ጋንታ፡ ከም ፖልቲካዊ ኮሚሽነር ኣብ ማእከልነታ ተመዲቡ ዝነጥፍ ዝነበረ ብሩህ ተጋዳላይን መራሕን’ዩ ነይሩ። እብቲ ንተሓኤ ንምሕግሓግ ብህግን ወያነን ዝተኻየደ ዳርጋ ሓደ ዓመት እቢሉ ዝወሰደ ውግእ፡ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 እቲ ዝቐሰነ እዋን ምንባሩ እንተዘይሓባእኩ፡ ግን እቲ መጠነ ሰፊሕ ውግኣት ንኸባቢ ከረን ኣቢሉ ኣብ ዝዛዘወሉ እዋን ኣብ ዓንሰባ ለመጨለ ዘጋጠመ ሃንደበታዊን መወዳእታን ውግእ ሓድ-ሕድ ነዚ ምዑት ብጻይና ወሲዳ። መዝገብ መስዋእቲ ሓድ-ሕድ ምምሕዳር ቁጽሪ 8 ኣብዚ ተዓጽያ።

ብርግጽ፡ ኤርትራዊ ውግእ ሓድ-ሕድ ከም ኣመጻጽኣኡ ንመንእሰይ ኤርትራ ከህልቕ ዝተበገሰ’ዩ ዝነበረ። ግን ሸይጣን ይተሓረድ ዝደለዮ ኣይረኸበን። ተሓኤ ኣስታት 30 ሽሕ ጎበዝ ተጋዳላይ ሒዛ ሱዳን ኣትያ’ያ። ሕጂ ተመሊስካ ብልቦና ክትርእዮ እንክከሎኻ፡ እንቋዕ ከምኡ ኾነ፡ ዘየብል ኣይኮነን። እንቱም ሰባት፡ እዚ ኩሉ ዓቕሚ’ዚ፡ ከምቲ ብዛንታ እንሰምዖ ዝነበርና፡ ‘ናይ መጨርሽታ ጥይት፡ ናይ መጨረሽታ ሰብ።’ ተባሂሉ እቲ ውግእ ቀጺሉ እንተዝነብርሲ፡ እዚ ሕጂ ክዉን ኮይኑ ዘሎ ናጻነት ሃገር ኤርትራና ክረጋገጽ ኣይምኸኣለን ነይሩ ዘየብል ኣይኮነን። ብኣንጻሩ’ውን፡ እቶም ሓቂ መሊኾም ሃገር ዝገደፉው’ን፡ ኣይፋልካን! ንኽብሉ እኽኢሉዎም ዘሎ ዓቕሚ፡ ካብ ዘየሎ መዓስ ተበጊሱ ክኸውን ኢሉ?

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ኣባይኪ’ደፋእ ኤርትራና!

ሃይለ ወልዱ።

ሎንዶን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Haile June 21, 2015

    Hi Daniel. I don’t know how I could get hold of you. I am available in the Face Book and thank you for the brilliant information you providing me.

    • Sefa June 21, 2015

      ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ ታሪኽ ኣለዎ እኳ እንተተባህለ : ብዙሕ እተጋነነ ሓሶትን ሓልካስን ጽውጹዋይ ከም ታሪኽ ተባሂሉ ውን ይፍነው እዩ። ጽንታ ፋሉል፤ ግፍዒ ናብ ህዝቢ ኩናማ፣ ግፋ መሳኪን ደቀንስትዮን ሓረስቶትን ከበሳ፣ ህልቂት ደቂ ከበሳ ሓረስቶት ኣብ ግምባር ባረንቱ፣ ማሕረድቲ ተማህሮ ስርየት ኣዲስ፣ መጽሓፍቲ ቋንቋ ትግረ ምንዳድ፣ ልሳነ ንፈሰ ቅትለት ቋንቋታት ኤርትራ ምፍጻም ወዘተረፈ… ።

      ስለዚ ኣብ ገድሊ ኤርትራ “ሻዕብያ ወይ ኢሳያስ ጥራይ ኩሉ ዕንወት ፈጺሞም” ኢልካ ምሽቃጥ፤ “ንሕና ግና ንጹሃት” ኢልካ ምድንጋር ይትረፍ። ህዝቢ ኤርትራ ሓቅን ፍትሕን እዩ ዝደሊ።

      • Wuu June 22, 2015

        ስለዚ ኣብ ገድሊ ኤርትራ “ሻዕብያ ወይ ኢሳያስ ጥራይ ኩሉ ዕንወት ፈጺሞም” ኢልካ ምሽቃጥ፤ “ንሕና ግና ንጹሃት” ኢልካ ምድንጋር ይትረፍ። ህዝቢ ኤርትራ ሓቅን ፍትሕን እዩ ዝደሊ።

        Sefa aka Teclay, Kombishtato, Massawa ..etc

        You are a Tigreyan, now almost everybody on this forum knows that. So, please mind your business. As a son of an Ethiopian who lived in Eritrea, probably you were fighting out of enemy trench. Don’t try to pose as Eritrean because you are not cheating anyone.

POST A COMMENT