Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገለ ትዕዝብትታት ኣብ “መመዘክርና እንተ ንግንጽል” ትብል መጽሓፍ ናይ መምህር ዘርኡ ገብረየሱስ

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መምህር ዘርኡ ገብረየሱስ ዝጽሓፋ፡ “መመዘክርና እንተ ንግንጽል” ትብል መጽሓፍ ረኺበ ኣንቢበያ። ንመምህር ዘርኡ ኣብ ናይ ቃልሲ ግዜ እፈልጦ ስለ ዝኾንኩ ነታ መጽሓፍ ዓዲገ ቀልጢፈ ኣንቢበያ። ኣብ ትሕዝቶኣ ገለ ርእይቶይ ክህበሉ ዘድሊ ነገራት

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መምህር ዘርኡ ገብረየሱስ ዝጽሓፋ፡ “መመዘክርና እንተ ንግንጽል” ትብል መጽሓፍ ረኺበ ኣንቢበያ። ንመምህር ዘርኡ ኣብ ናይ ቃልሲ ግዜ እፈልጦ ስለ ዝኾንኩ ነታ መጽሓፍ ዓዲገ ቀልጢፈ ኣንቢበያ። ኣብ ትሕዝቶኣ ገለ ርእይቶይ ክህበሉ ዘድሊ ነገራት ስለ ዝረኽብኩ ድማ ነዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ እልእኽ ኣለኹ። ዕላማይ ብዛዕባ ምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፍ ንምትንታን ዘይኮነ፡ ኣብቲ ንዓይ ዝምልከትን ዘገድሰንን ጕዳያት ጥራይ  ርእይቶይ ንምሃብ’ዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Tsighereda May 3, 2016

    “ኣተሓሳስባና እንተ ሃብቲሙ
    ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኽቲሙ” (ካብ ዜማታት ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ)
    እወ ነዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ከምዚ ዝመሰለ ነቐፌታ ኣብ አዋኑ ክወሃብ አንከሎ፡ ከም ሃናጺ ነቐፌታ ብቅዱስ መንፈስ ተቐቢልካ፡ መልሲ አንተሃለወካ’ውን ብግቡአ መርትዖኻ ምቕራብ ናይ ኣተሓሳስባና ምህብታም ኮይኑ ይርኣየኒ። ሓደ ነገር ድማ ብግዚኡ መልሲ አንተዘይተዋሂቡዎ ንኣንባቢ ከጋጊ ይኸል። አዚ ማለተይ ሓደ ሰብ ባዕሉ ብህይወት አንዳሃለወ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዝፈልጦን ብግጉይ አንዳተተረኸ ዓገብ ዘይምባል ንባዕሉ ጌጋ እዩ ስለዝብል፡ ሓው ሙሴ ኣገናዕ፡ ብእዋኑ ዝመለስካ እብል። ከምቲ “ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” አንዳተባህለ ንዘበናት ጌጋታት ብመእካብ ኣብ ዝለዓለ ዕንወት በጺሓ ዘላ ሃገረ ኤርትራ፡ ነዚ እውን ስቕ ኢልካ ምርኣይ ንመጻኢ ትውልዲ ግጉይ ታሪኽ ምትሕልላፍ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ሓደ ጸሓፊ ኣብ ጽሑፉ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ክጠቅስ እንተኾይኑ፡ እሞ እቶም ሰባት ብሕይወት እንተሃልዮም ክውከሶም ነቲ ዝጽሕፎ ተኣማሚኑ ምጽሓፍ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፍቓዶም እውን ክሓትት ግዴትኡ እዩ እብል።
    ብዛዕባ እዚ ብሰፊሑ ተጻሒፉ ዘሎ ክፋል ናይ ሓደ ታሪኽ ዝለዓለ ግምት ብምሃብ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተጠቕሰ ናይ መጽሓፍ መሸጣ ገንዘብ ግን ኣቓልቦ እንተዘይሃብናሉን እንተዘይተዛረብናሉን ይሓይሽ በሃሊት እየ።

  • mussie redab danjew May 4, 2016

    ሰላም ንኹልኻትኩም!
    ኩልኻትኩም ተገዲስኩም ርእይቶታትኩም ዝሃብኩም የቐንየለይ። ዕላማይ ነቲ ዝነብረ ከምቲ ዝነበረ ክፍለጥ ምእንቲ ንምብራህዩ። ካብ ርእይቶታትኩም ከም ዝተረዳእኹዎ፣ ዕላማይ ከመሓላልፍ ክኢለ ኣሎኹ።
    ኣብቲ ዝጽሓፍኩዎ ብሙሉኡ ይኹኑ ኣብ ገለ ክፋላቱ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህልዎም ጽቡቕዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ባህሪያዊ ኢዩ። ፍልልይ ናይ ኣረኣእታትን: ኣራእያታትካ ብግሁድ ምቕራብን ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ ዲሞክራሲን ዕብየትን ኢዩ።
    ዘዝመስለና ንበል። ዘይምባል ቀታሊዩ። ካብ ናይ ዘይምባል ልማድ ክንወጽእ ኣሎና።
    ጽሑፈይ ኣብዚ መዳይዚ ዋላ ካብ ውቅያኖስ ብጭላፋውን ይኹን ገለ ተራ ተጻዊታ ክትከምውን ተስፋ እገብር።
    ካልኦትውን ኣብ ጽሑፈይ ትብልዎ ነገራት እንተልዩ ክሰምዕ ሃንቀው ኢለየ ዝጽበ።
    ሕጂውን ደጊመ ንኹልኻትኩም የቐንየለይ።
    ሙሴ ዳኘው

POST A COMMENT