Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገለ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ’ዮም

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ህዝብን ሰውራን ከም ማይን ጸባን ኮይኑ ብሓባር ከምዝተጋደለን ንመግዛእቲ ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ስዒሩ ዓወቱ ከምዝጨበጠን ኩሉ ዜጋ ዝሰማምዓሉ’ዩ። ድሕሪ ናጽነትና ግን፡ እቲ ብዓውታን ብኽቱር ታሕጓስን ኣብ መላእ ኤርትራን ዓለምን ስምዒታትና ዘንጸባረቅናሉ ናጽነት፡

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ህዝብን ሰውራን ከም ማይን ጸባን ኮይኑ ብሓባር ከምዝተጋደለን ንመግዛእቲ ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ስዒሩ ዓወቱ ከምዝጨበጠን ኩሉ ዜጋ ዝሰማምዓሉ’ዩ። ድሕሪ ናጽነትና ግን፡ እቲ ብዓውታን ብኽቱር ታሕጓስን ኣብ መላእ ኤርትራን ዓለምን ስምዒታትና ዘንጸባረቅናሉ ናጽነት፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ ኣንጻር ድሌታትናን መንነትናን ተቀይሩ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ኤርትራ፡ ሲኦል ንዋናታታ፡ መዐንደሪ ንጠላማትን ገነት ንጨፍለቅትን ኮይና። ሃኪክ ሰማይ ዓሪጉ፡ ዘበን’ያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ ኮይኑ። ሰብን እዝግን ዝምስክሮን ዝፈልጦን፡ ስርዓት ህግደፍ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ቀታሊ፡ መቛሒ፡ ዘራፊ ንብረት፡ ገባቲ ስልጣን፡ ጠላም፡ ሎኽመኛ፡ ጨካን፡ ትምክሕታዊ፡ በላዒ ጉቦ ዝብሉ ቃላት ገለ ካብቶም ንሓቀኛ እንታይነቱ ዘቃልዑ ኣምራት’ዮም። ብዛዕባ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ሽሕን ሚእትን ግዜ ስለዝተዘርበ፡ ወግሐ ጸብሐ ምድግጋሙ ኣሰልቻዊ ክኸወን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ከም ቁንቁነ ገረብ ንህዝብና ዘማስን ዘሉ ባልዕ ተወጊዱ ፍትሒ ካሳብ ዝነግስ፡ ብዛዕባ ህግደፍ ምዝራብ ክቅጽል’ዩ። ኣብዚ ከልዕሎ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ ድማ፡ ንህግደፍ ዝምልከት ብዙሕ ንዛረብ ኣሎና፡ ብዛዕባና፡ ብዛዕባ’ቶም ተቃወምቲ ወይ ደለይቲ ለውጢ ንብሃል’ከ ሓቂ ንዛረብ’ዶ ኣሎና? ሕሰም ህዝብና ከብቅዕ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣኼባታትን፡ ምሩጻት ቃላት ካብ ምጥቃም ሓሊፍና ካልእ ተጨባጢ ቁምነገር ኣፍሪና’ዶ? እቲ መልሲ ብዘየወላውል ኣይፋሉን’ዩ። ንምንታይ’ሲ ደምበ ተቃውሞ ንጹር ራእይ እንተዝህልዎን እንተዝጥርነፍን፡ ህግደፍ ዝመልኮ ስኢኑ ኣይምሰወደን። ንስርዓት ህግደፍ፡ ምብልላዕ ደምበ ተቃውሞ ጸባ ዓጓ’ዩ ዘስትዮ።

እቲ ኣብ ምንጋጋ ህግደፍ ብኣድራጋ ዝሕየኽ ዘሎ ህዝብና፡ ብተግባራት ናይዞም ተቃወምቲ ተስፋ ቆሪጹን ብጨካን ግብረ መልሲ ህግደፍ ርዒዱን ምስ ዕድሉ ይራገም ኣሎ፡ እቶም ለውጢ ኣብ ምምጻእ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ተስፋ ዝንበረሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣን መንግስትን፡ ነብሶም ፈትዮምን ጃጅዮምን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ህዝቦም ክሕረድ፡ ክእሰር፡ ብድኽነት ክጣራዕን ክስደድን እንከሎ ጥርቅም ዝብሉ መሻኩትን ስሱዓትን፡ ብኻ ከይተወልዱ ተሪፎም። እቲ ካብ ኩሉ ዝሕዝን ግን፡ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብሩ ኣሳሰይቲ ህግደፍን ብጩቅ ኢሎም ዘይዛረቡ ዝሩጓት ሓሞትን ዘይኮነ፡ ናይቶም ኣብ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ዕድላት ዘለዎ ቦታ ዝቅመጡ “ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ” ኢና ዝብሉ ብተግባራቶም ግን መናዋሕቲ ሕሰም ህዝብና ዝኾኑ ዜጋታት ዝዝውተር ዝምቡዕ ምጉትን ሃልክን’ዩ። “መርዓዊያ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ከምዝብሃል፡ ናይዚ እዋን’ዚ ዝዓበየ ብድሆናን ዕማምናን፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ኣረሜናዊ ህግደፍ ተሳኒኻ ምውጋድን ኣብ ቦታኡ ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን’ዩ። እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ጎሲና፡ ኣብ እዋናዊ ዘይኮነ ብዛዕባ መንነትን ኣመጻጽኣ ባንዴራን፡ ጀብሃ-ሻዕብያ፡ ተጋደልቲ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ነጥብታት ወርቃዊ ግዜና ኣንተኣጥፋእና፡ ካብ ንህግደፍ ምሽዳን ሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ክሳብ መኣስ ሸንኮለልን ከም ዕኮት ምንኻስን? ክሳብ መኣስ ሓንሳብ ምስቶም ሕዱር ናይ ኣውራጃን ሃይማኖትን ሕማም ዘለዎ ጉጅለታት መግልሒ ድምጺ ክንከውን? ክሳብ መኣስ ምስቶም ወደባትናን ባሕርናን ክውንኑ ዝምነዩን መቃብር ስውኣትና ክፍሕሩ ዘይሓፍሩን ጉምብሕ ጥልዕ ክንብል? ብእንፍጽሞ ዘሎና ዘሕፍርን ተግባራት ብታሪኽ ከምንሕተት ስለምንታይ ንዝንግዕ ኣሎና?

መረረ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ’ውን ካብ ናጽነት ክሳብ ሎሚ እናሻዕ ዝኮማሳዕ ነጥቢ’ዩ። እቲ ካብ 1961 ዝፈትዋ ህይወቱ ወፍዩ በረኻ ዝወፈረ፡ ዝተሰውአን ዝሰንከን፡ ብዕዙዝ ሞያኡ ክኸብርን ክምስገንን ዝግብኦ፡ ገለ ወገናት ብግርህና ወይ ድሕሪ ናጽነት እቲ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ራህዋን ብልጽግናን ስለዘይሰፈነ ካልኦት ድማ ብፍላጥ፡ “ተጋደልቲ ዘይተወድአ ናጽነት ኣምጺኦሙልና፡ ደርጊ ምሓሸና፡ ደቅና ንብላሽ ተሰዊኦም” ዝብሉ ኣለዉ። ብግብሪ ግን፡ ተጋዳላይ ካብ ጽባሕ ናጽነት ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ልዕሊ ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብና ግዳይ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምዃን፡ ሓለፋ ይገበረለይ ኣይበለን፡ ልዕሊ ሰቡ’ውን ንብረትን ገንዘብን ኣይወነነን። ክጋደል እንከሎ ብቅንዕና መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምስዓር እምበር፡ ናይ ኢሳያስ መሽጎራጉር ዝመልኦ ኣሰራርሓ ክፍትሽ ዓቅሚ ኣይነበሮን። ብርግጽ ውሑዳት ተጋደልቲ፡ ዝተዋህቦም ሓላፍነትን ምስ’ቲ ስርዓት ዘለዎም ምትእስሳርን ተጠቂሞም፡ ብኣቋራጭ ሃብቲሞም ጥራይ ዘይኮነ፡ ድኻ የንብዑ ኣለዉ። ገና ካብ ቅድሚ ናጽነት ክሳብ ሕጂ መተርኣስን ኣጎዛን መላኺ ኢሳያስ ኮይኖም፡ ንመልክዕን ኣብ ቅድሚ ካሜራን ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት መደረ ኢሳያስ ጥራይ ዝሰምዑ ቦጅባጃትን ልሙሳትን ኣለዉ። እቲ ምስኪን ተራ ተጋዳላይ ግን ማዕረ’ዞም ኣብ ክሊ ኢሳያስ ዘውደኽድኹ ክውንጀልን ክሕመን ኣይግብኦን’ዩ። እቲ ካብ መስዋእቲ ዝተረፈን ብሰሪ ተደጋጋሚ መውጋእቲ ኣብ ኣካላቱ ጠያይትን እስኮጆን ጸይሩ ብዕረፍቲ ዘይብሉ ስቃይ ዝነብር ዘሎን፡ ንድኽነትን ጭንቀትን’ዩ ዝተፈርደ’ዩ፡፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ሰንኩላን ማይ ሓባር ንመሰሎም ሕቶ ስለዘቅረቡ ብጥይት ተረሺኖም። ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኤውሮጳን ዝነብሩ ኣካለ- ስንኩላን ኣባላት ተጋደሎ ሓርነት፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣጠማምቶኦም ዝፈትውዋ ሃገሮም ካብ ምርኣይ ተሓሪሞም። ናይ ቀደም ተጋዳላይ ናይ ሕጂ ሰራዊት ኤርትራ፡ ፍትሕን ሰላምን ንምስፋን መሪሕ ተራ ክጻወት ዝግብኦ’ኳ እንተኾነ፡ ብዘይ ልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ለውጢ ክረጋገጽ ኣይክእልን’ዩ። ሕግን ፍትሕን ኣብ ዘይነገሰሉ ሃገር፡ ጽፉፍ ኣሰራርሓ ክሰፍን ዘይሕለም’ዩ። ሜላታት ስርዓት ህግደፍ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ፡ ብግዕዙይ ኣሰርራሓ፡ ብዘይግሉጽነትን ተሓታትነትን ስለዝተመልአ፡ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ጉዳያቱ ከሳልጥን ጸገማቱ ክፈትሕን፡ ነቶም ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ክገብሩዮም ዝብሎም ሰባት ብገንዘብን ብዓይነትን ብላዕ ምሃብ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ’ሎ። ኣብ ሓደ ሃገር ጉቦ እንተሳዕሪሩ ድማ ምቅትታል፡ ሕጊ ምርጋጽን ቁጠባዊ ቅልውላውን ይነግስ። ስርዓት ህግደፍ ብጉቦ ዝተጠላቀየ ስርዓት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡፡ ይኹን እምበር ዝምጥዋ ኣእዳው እንተዘይህልዋ፡ ጉቦ ዝምጅርጣ ኣእዳውን ኣዒንትን ህግደፍ ኣይምነውሓን ወይ ኣይምበዝሓን። ውልቃዊ ድሌታትና ወንዚፍና ኣብዛ ሰዓት’ዚኣ ንህዝብና ተድልዮ ዘላ ሓንቲ ኣገዳሲት ጉዳይ ንጸመድ፥ ንጓዕጻጺ ፍትሕን ሰላምን ህግደፍ ንምምካት፡ ስምረትን ቀዳምነታትና ምስራዕን የድልየና ‘ሎ። ህግደፍ ዝጥቀመሉ ኩሉ ዓይነት ማሕለኻታትን ተንኮላትን ንምብርዓን ኩልና ብዛዕባ ኤርትራን መጻኢ ወለዶን ንሕሰብ። ካብዚ ወጻኢ፡ ስርዓት ህግደፍ መልክዕ ኤርትራ ንምድዋን መንነት ህዝባን ንምምርሳሕ ለይትን መዓልትን እናሰርሐ እንከሎ፡ ንሕና ኣብ ጓል መንገዲ ምህውታትን ከም ደቂ ዛግራ ምብትታንን እንተመሪጽና ግን፡ ሕሰም ህዝብና ምንዋሕ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መጻወድያን መደባትን ህግደፍ ኢና ንኣቱ ዘለና። እዚ ባዕልና ንፈጥሮ ዘሎና ጸገማት’ዚ ፍታሕ ክሳብ ዘይረኸበ ድማ ጸላእቲ መጻኢ ዕድላት ህዝቢ ኤርትራ’ምበር፡ ተቆርቆርቲ ኤርትራ ክንብሃል ኣይንኽእልን ኢና። ካብ በላዕቲ ክልተ ጻሕሊ ንኸውንን ነንቃላውጥን ድማ ዝባንና ቀሊዕና ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮና ነፍልጥ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (3 መስከረም 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Fiterari September 6, 2016

    ኣንቲ ጽላል ሓብተይ፤
    እሞ በዓል መን እዮም: ነዚ ኹሉ ዕግርግር ዝምህዙ ዘለዉ? እዚ ኹሉ ቀደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጎሓፎ ዝፍሕሩ ዘለዉ? በዓል መን እዮም፣ ነቶም ትማሊ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመተ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ግበኦም ፈጺሞም፤ ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ክንደይ ግፍዒ ናይ ደናቑር ሰጊሮም ንዝኣተዉ መንእሰያት ኤርትራ፣ ነዛ ዓለም ዝፈልጣ ባንዴራ ኤርትራ: “ፎእ በልዋ፤ ናይ ህዝባዊ ግምባር እያ፤ ብሓዊ ኣቃጽላዋ:” ኢሎም ብድሕሪት ዝእዝዙ ዘለዉ ንዱያት።
    በዓል መን እዮም ብድሕሪት ተሓቢኦም ወረ ገሊኦም ዝባኖም ዝቐልዑ ሽዩጣት: “ቋንቋ ትግርኛ ኣይት ዛረቡ፣ ቋንቋ ትግረ ካብዚ እለይዎ።” እናበሉ ንነኣሽቱ መንእሰያት ካብቲ ዝፈልጦን ዝዓበየሉን መንነትን መለለይን ባህልን ታሪኽን ከምዝርሕቅን ከም ዝጸልእን ዝገብሩ ዘለዉ?

  • k.tewolde September 8, 2016

    Tsilal,the odds seem to be stacked up against you and the very ideals of peace and unity you profess for now,but only time will determine before it becomes the tenet upon which our homeland will stand upon. Keep echoing the good news,the prudent minded is listening.God bless.

  • Hidmona September 8, 2016

    For half a century the history of Eritrea has been a history of perpetual war, killing and wanton destruction. Its people had been subjected to endless suffering, exile, and displacement.
    Poor Eritrea has no enemy, but itself! This has to be admitted! Prove it otherwise without tantrum – the field is wide open. It requires deep knowledge, ingenuity, and above all a sense of REALITY.
    In any case, failure to be self-saviour would be a testimony that Eritrea sooner or later will fall into its familiar and comfortable pit, that is under the influence of external forces as always.
    The Eritrean invincibility myth which was championed by the mindless gedli (mainly Sha’bia) is one of the toughest struggle that sensible Eritreans are fighting to bury it for once and for all.

    • k.tewolde September 8, 2016

      A rare introspective glimpse of our woes by a conscientious Eritrean,Yes indeed Hidmona. Hopefully someday we will wake up from this nightmare and gaze to a clear blue skies and thank our almighty God for nudging us to open our eyes.We need this divine intervention desperately.

  • Simon G. September 10, 2016

    There is this cafe I frequently visit on the weekends in Oakland, CA., and as soon as I get in I heard this loud argument, in Amharic. I knew those 3 are Eritreans but I guessed the other one must be Ethiopian. So he was. I grabbed a cup of coffee and joined them. I asked what is this about. One of them told me that our Ethiopian friend (Daniel) just asked us a weird question. I was anxious to know.
    The question (rather a comment) was “Eritreans are like dumb students who couldn’t figure out just one big question from the teacher, for so many years”. This comment upset the Eritreans and they were arguing Eritreans are so smart (naturally) and how dare you call us dumb students.
    His reply: well, it has been 25 yrs since you can’t answer one question. How to defeat one and only one teacher (isayas).
    The Eritreans reply was all over and there was no substance to it and Daniel replied with just one word “exactly!”. The 3 of you now making no sense and I am not sure the new guy has anything to add. I told him that I have none. His last comment amused me above all—>he told me my answer was much better than the 3 of these guys, for the last few hours. You didn’t waste your’s and my time. Saying I don’t know is nothing wrong. That way, you are open to learn. Then he he turned his face to the other three and he told them “if you Eritreans learn to say we don’t know, by this time you would have learned the solution from some wise people”. So, act as you don’t know, because you really do not know.
    I said quietly to myself, this wise Gonderie (they told after he left) may have a point. What do you think?

    • rezen September 12, 2016

      Simon G,
      Greetings! Be patient with me. Please go to the following Item [on this site] and you find the whole story:
      “How the world forgot “Africa’s North Korea” Eritrea, and what this means for migration
      September 10, 2016:
      With best regards,
      (confused) rezen

POST A COMMENT