Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ገረብ ብእዝና

ገረብ ብእዝና፡ 23,11.2018፡ ብዛዕባ’ዛ ሕልፈት ኣምባሳድሶር ዓንደሚካኤል ዝምልከት ሓበሬታ ብዮሃንስ ስባህቱ ሃብተስላሴ ዝተጻሕፈ ኣንቢበ። ዮሃንስ፡ እቲ ኣርእስቲ ተወንዚፉ ከይተርፍ ምዝኽኻርካ አመስግነካ። እንተኾነስ ውድባት ህግደፍ ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ኣም ባሳዶር ከርድኡኻ ትጽበ እንተሊኻ ተጋጊኻ። ምኽንያቱ ንሳቶም ፈቲኖሙኻ እንተኾይኖም’ሞ ዝተዓደሎም

ገረብ ብእዝና፡ 23,11.2018፡

ብዛዕባ’ዛ ሕልፈት ኣምባሳድሶር ዓንደሚካኤል ዝምልከት ሓበሬታ ብዮሃንስ ስባህቱ ሃብተስላሴ ዝተጻሕፈ ኣንቢበ።

ዮሃንስ፡ እቲ ኣርእስቲ ተወንዚፉ ከይተርፍ ምዝኽኻርካ አመስግነካ። እንተኾነስ ውድባት ህግደፍ ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ኣም ባሳዶር ከርድኡኻ ትጽበ እንተሊኻ ተጋጊኻ። ምኽንያቱ ንሳቶም ፈቲኖሙኻ እንተኾይኖም’ሞ ዝተዓደሎም ዕዮ ሰልፊ ክ ዝርጉሑ ስለዘለዎም ጥራይ’ዮም። እንተ’ቶም ደመኛታት፡ ደም ከምዘይሰዶም ተረዲኦም ብምሽቓል’ዮም እንታይ ይባሃል ከምዘሎ ክፈልጡ ብወሰን-ወሰን ሓበሬታ ክረኽቡ ነገር ይፈራፍዑ ዎ ከም ዝህልዉ ኣይጠራጠርን። ምኽንያቱ ክድፈን ተደሊዩ ዘሎ እ ቲ ብግሩህ ፌርማ ስዉእ ከምተፈቕደ ተመሲሉ ‘ዝተጓሕፈ ሓተላ ኑ ክሌር’ ዘይኮነ፡ ብቀንዱ እቲ ኣብ ኩሉ መልክዕ ናብራና ዝደፍኑዎ ዘ ለዉ ዱቛ ሓተላ ጸረኤርትራውነት ምዃኑ ስለዝተጋህደ።

እምበርከ እንተሓሰብካዮስ ነታ ዝበልካያ መርከብ ሓተላ ኑክሌር ዘተ ኣናግድ ቦታኸ ኣሎዲዩ ኣብቲ ፊት ቤት ናይ ኣብሻ-ሜሎቲን ስግሩ ዘ ሎ ርእሲ ምድርን?

ከምኡ ካብ ሰማዕካግና እቲ ቡርኩታታት’ኮ ግድን ኣእማን ኣለዎ! እ ሞ ብዛዕባ መስዋእቲ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ካብ ውድባት ህግደፍ ክትርዳእ እንተዘይተጸበኻ ይምረጽ።

ኣብ ርእሲ ትግሃትካስ ሓደ ካብቶም ኣብታ ናይ ጣሊያን ኤምባሲ ኤርትራ መሳርሕቶም ዝነበረ ብጻዮም’ውን’ኮ ኣብ ሰ ሙን ሓመድ ድበ ኣምባሳዶር ዓንደሚካኤል ካብ ዓዲ ጥልያን ኣብ ሳንዱቕ ተዓሺጉ ኣስመራ ብምምጻእ ኣብ ጎድኒ መራሒ ኡ ከምተቐብረ ስለዝሰማዕና ንእግረ መገድኻ እንተትሓተሉ ክንደይ ምጸበቐ። እንተ ብወገነይ እቲ ከምዝመተ ዝተወርየሉ ሰብ ዳግማይዶ ተፈጢሩ ወይስ ከይመተ ምዉት ተወርዩሉ ከየገደሰ ብሂወት ምህላዉ’የ ዝፈልጥ። ንምንታይ ከምዝመተ ከምተወርየሉ ንዝምልከት ግና ንጉጅለ ባዶ ሰለስተ (03) ሓቲተ ዘጣለልኩዎ ነገር እንተሊዩ፡ 03 ተገምጢላ ኣነ፣ ኣነ ኢየ ዝብለካ ሓሲየ ዘውረኹዎ ከይኸውን ንነብሰይ ክሓታ ሓቢራትኒ ጥራይ ዘይኮነ ከተፋጥጠለይ’ውን ፈቲና 03!

ንስኻ ግዱስ ዜጋ ድማ ብዛዕባ ናይ’ቲ እዋን ፍጻመታት ባጽዕ ካብ በጻሕካዮስ ንኣንፈይ ንእሽቶ ክውስኸካ፡ ብዛዕባ ሕልፈ ት ሓርበኛ ስነ-ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቂ’ውን ክትውከስ ከምዝነበረካ መሲሉ ተራእዩኒ ከምዘሎ ሕሹኽ ክብለካ ምደለ ኹ። ከምኡ እንተትገብር ኣይምሳኣንካዮን እቲ ጉድ ወደባዊት ከተማና። ምናልባሽ ካብ ሰብ እንተዘይረኸብካዮ ካብቶም ኩሉ ዝተዓዘቡ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ’ውን ምረኸብካዮ። ንዓታቶም ክትረኽቦም ድማ ኣይምጸገመካን።

ከምዝፍለጥ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብኡ ዓስኪሩ እንከሎ ደቂ’ቲ ዓዲ ዓሳ ከይገፉ ስለዝተኸልከሉ፡ ዓሳታት ድማ ድሃይ ሃ ደንቶም ደቂ ባጽዕ ሓርቢትዎም ሃለዋቶም ክፍትሹ ናብቲ ገማግም ክቀላቐሉ ኣብዝጀመሩሉ፡ ከይሓሰቡሉ ኣብ ዝተተኽለ ዘራእቲ ኣልቃም ኣትዮም ከምተኣርበዱ ሰሚዕካዮ ትኸውን። እሞ ኣብኡ እንተኔርካስ ምስ’ቶም ድሃይ ናይ’ቶም ድሃይ ሃደ ንቶም ክገብሩ ክብሉ ተገዲዮም ጻዕዳ ከብዶም ብምግልባጥ ኣብቲ ባሕሪ ጸምበለል ዝብሉ ንዝነበሩ ኣሕዋቶም ክገብሩ ም ስ ዝመጹ ዓሳታት ምተራኸብካ’ሞ፡ እቲ ስራሕሲ እንኮላይ ንኣብራሃም’ውን ከምዝበጽሖ ምነገሩኻ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ!

እንተ’ቲ ኣምባሳዶር ዓንደሚካኤል ካብ ኣስካላ ከምዝጸደፈ ዝሰማዕካዮ’ሞ ንሕና’ውን ብእዋኑ ሰሚዕና ክዒብናዮ ኢና።

ጉዳም፡ ከምኡ’ኳ ዝደነቐና ነገር ነይነበረ! ይብሉዎ እቶም ፈነውቲ ሓሶት፡ ኣምባሳዶርሲ ብከምዛ ኣብዛ ስእሊ ትርእዩዎ ኣ ከዳድና ማዕሪጉ ነታ ኣብቲ ጥርዚ ዓቢ ሆቴል (ኒያላ) ኮይና ትጽበዮ ዝነበረት ጓል እኖኡ ዝኸውን ሕቛፍ ጉራ-ጉራን በዓ ል ጥዑም ሽታን ዕንባባ ሓቚፉ ደረጃታት እናተጠዋወየ ንዕቅብ ኣብዝህንፈፈሉ ህሞት፡ ‘ሸተት’ ክብልን፡ ኣብዛ ጥርዚ በ ላሕ መራግጾ ደረጃ ክስጣሕን ከምዛ ሓንቲ! በሉና። ብኣ ንብኣ ድማ ቀረንቀራ ርእሲ ኣምባሳዶር ከምዛ እንቁላሊሕ ከየድ ለወት ተጀፊዓስ፡ እቲ ሃገር ዘመሓድር ትሕዝቶ ሽክና ርእሲ ኣብ ኣስካላታት ተኻሲሱ ንቁልቁል ከምዝዋሓዘን እቶም ‘በጋ ጣሚ’ ዝሰዓቡዎ ናይ ገድሊ ብጮቱ ድማ በቲ ዝተረኽበ ክፋእ ምሒር እናስቆርቆሩ ብከቢድ ሓሊዮት ንዝተኻዕወ ትሕ ዝቶ ሓምሓም ርእሲ ሓፊሶም ግቡኡ ከምዝገበሩሉ ሰምዐት እዝኒ።

መቸን ምጽናሕ ጽቡቕ እንዲዩ፡ ኣእዛንና በቲ ናይ’ቲ እዋን ስማዕ ተደፊነን እንከለዋ እዚ ናይ ሎሚ ማይ ዘይጠዓመ ዕላል ክንሰምዕ’ውን ተኣዚዙ’ዩ’ሞ፡ ካበይ ምምጽኡ’ኳ እንተዘየገደሰ ስለምንታይ ምምጽኡ ንዝምልከት ግና ጽንሕ ጥራይ!

“ኣይትዛረብ እዝኒ ኣለዎ ገረብ” ክባሃል ንሰምዕ ኢና። እንኮላይ ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ከምዘይሰድድ ንሰምዕ። እቲ ንሰምዖ ድማ ዝበዝሐ እዋን ከምቲ ዝተባህለ ምዃኑ እናረኣና ንከመይነቱ ክንፈትሖ ኣይንኽእልን ንኸውን። ግና ድማ ገረብ ኣእ ዛን እንተልይዋስ ኣዒንቲ ክህልዋ’ውን ንትስፎ። እንተኾነስ እዘን ክልተ ኣካላት ገረብ፡ ብስም ህዋሳት ንኩሉ ዝስማዕን ዝ ርአን ክሰምዐዖን ክርእኦን ዘይክእላ፡ ወይ’ውን ክምስክራ ካብዘይምድላይ ደናቑርን ዕዉራትን ኮይነን ዝተርፋ ከምዘለዋ ምፍላጡ’ውን ጽቡቕ’ዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቡኽረት፡ ኣገልግሎት ንተጸበይቲ ምትእንጋድ ዚያዳ ሕልናዊ ጉዳይ ምዃ ኑ’ውን ክደግሞ እመርጽ።

ወያ ሞት ኣምባሳዶር ዓንደሚካኤል ዝራኣየት ዓይኒ እምብኣር ተጋሪዳ ወይ ኣፍ ስኢና ግዲ ክሳብ ሎሚ ኣየድመጸትን።

እንተ’ታ ዝሰምዐት እዝኒ’ሞ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከተቃልሖ ንሰምዕ። ናይ ሎሚ ዕላል’ዛ ኣዘንታዊት ሓደ ኣብነቱ ኢዩ።

ታሪኽና ግና ታሪኽ ሓደ ስዉእ ኣምባሳዶር ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ጥራይ ኣይኮነን።

ንሓንሳብሲ ንበይነይ እጠራጠር እብለኩም። ጸላኢ ዝቐተሎም ብቑዓትናዶ ይበዝሑ ብውሳነ ኢሳይያስን ብፈጻምነት’ቶም ብጾትና ክመስሉና ዝጸንሑ ዕሱባት ዕሱብ ኢሳይያስ ሰብናን ስለዘይራኸብ!

ንነገሩ እታ ሰራም ሰልፊ ኣንጻር ብጾቶም ዝቐንዑ ፈዳኢን ስለዝነበሩዋ ንኩሉ’ቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክእለ ዝፈረዶ ሰብና ክትኣሊ ምጽናሓን ምህላዋን በጺሕኩሞዶ? ንሕና’ሞ ነዚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዚ ብእፍሪ ተኽሉ ኮኒንናዮን ገና’ውን ን በኽየሉን ንሓፍረሉን እነና። ከመይሲ ወያ ስውርቲ ሰልፊ “እለይዎ” እንተኢላ ብግሩህ ኣተረጓጉማ፡ “ምዓዱዎ፣ ቅጽዕዎ፣ እንተሃበረ ድማ ናብ ሓለዋ ሰውራ ልኣኽዎ፡ ሽዑ ተኣሪሙ ምስመጸ ምስ ብጾቱ ሓውሱዎን ሓብሕቡዎን” ዝዓይነቱ ትር ጉም ጥራይ ይዋሃቦ ምንባሩ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦ ኣጸቢቐ ድማ እጉህየሉ ምንባረይን ምህላወይን ክጠቅስ እፈቱ። “እለይ ዎ” ማለትሲ ካብ ኣርምዎ ንላዕሊ “ኣጸግዕዎ፣ ወግንዎ” ዝዓይነቱ ናይ ቅትለት ትርጉማት ይዋሃቦ ምንባሩ ልዕለይ ዝፈለጦ ሰብ ዘሎ ስለዘይመስለኒ። እዘ መከረኛ ዓይነይ እምባኣር ስለኡ ኢያ ለቖታ ንብዓት ደሪቑዋ ዘሎ! ተስፋ ድማ ኣለኒ’ታ ዝረ ኣየት ዓይኒ ዕድመ ክትረክብ’ሞ ዋላ ብመስፈ እንተንቆሩዋ ብኒሕ ተደጊፋ ንነበርነቱ ብትኽክል ከተዘንቱ። ተስፋ’ውን ኣ ለኒ ኩለን ብዘቑጸልጸለ ስማዕ ዝተደፍና ኣእዛን ብሓቀኛ ስማዕ ዝድበሳሉ እዋን ክመጽእ!

ስዉእ ተረሳዒ እንተበልናስ እቶም ረሳዕቲ ነቲ ታሪኽ ብሞት ግዳያትን ፈጸምቱን ዝድፈን ንዝመስሎም ዝምልከት ጥራይ ኢዩ። እንተ ንዓና ምዉት ዝያዳ ተማጓቲ ምዃኑ ኣጸቢቕና ስለንፈልጦ፡ ሓንቲ መዓልቲ እዞም ብሂወት ዘለዉ ገበርቲ እከይ ኣብ ቅድሚ ምዉታን ክሳዶም ከምዘድንኑ ስለዝርዳኣና ብግዜያዊ ዓወታቶም ከምዘይንስነፍ ከተንብህ ኢለ ኢየ።

እሞ ብወገነይ ከምሓደ ተዓዛቢ ብኣጋጣሚ’ዛ ንኩሉ ክብል ዝዓደመትኒ ዛንታ ናይ ሓሶት ናይ ኒኩለር ፌርማ ኣምባሳዶር ዓንደሚካኤል ካሕሳይ ንዝወለደቶ ዕላል ንኩሉኹም ተገደስቲ ክሓተኩም ዝደልዮ ድማ ኣሎ።

“እንታይ’ዩ ረኺብዎ ህዝብና ብዝኸዶ ዝጠፍእ ዘሎ? እንታይ’ዩኸ ረኺብና ንሕና’ዞም ህሉዋት ብዛዕባ ጥፍኣት ህዝብና እናረኣናዮ ልብና ደፊንዎ ዘሎ?

ገረብ እዝኒ ካብሃለዋስ ኣዒንቲ ከምዘለዋ’ውን ምንም ኣየጠራጥርን። ከምኡ ካብኮነ ገረብ ንዝሰምዐቶን ዝረኣየቶን ከይተ ውሪ ምእንቲ መልሓሳ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ጉንዳን ሱራን ብገዛእ ሓኽላ ክትቁረጽ ተወሲኑ ካብዘይተኻእለ፡ ትረኻ ገረብ ናይ ምእማኑ ነገር’ዩ ሕጂ ዝስዕብ። ሰብና ነየናዩ’ዩ ዝኣምን? እንተ’ታ በዓልቲ እዝኒ ገረብ ኣዒንቲ ከምዘለዋውን ርጉጽ’ዩ ። ክልቲኡ ትውንን ገረብ ብህዋሳታ ንዝዳህሰሰቶ ጭብጢ ብዝድርጉሕ ገዛእ መልሓሳ ከምተዘንትዎ ድማ ኣየጠራጥርን።

ናይ መወዳእታ ሕቶይ፡ ክንደይ ዝኣክል ሰብናኸ ብተንኮል ስሩያት ሰብና ተወጊኑ ይኸውን?

የቐንየለይ ዮሃንስ ስባህቱ ሃብተስላሴ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ወዲ ጥሮታ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde November 24, 2018

    Indeed,this is the black shroud and the dark story which shaped the tyrants enterprise since its infancy,it killed and kept on killing nobody but its own blood to the point it became desensitized, numb and indifferent to the pain and suffering of its own people and left the hearts of those who committed the heinous crimes and those who looked on stiff as a rock,this is the reason why the nation maintains the aloof stance today while it is bleeding profusely. The writer poses this daunting question, “ክንደይ ዝኣክል ሰብናኸ ብተንኮል ስሩያት ሰብና ተወጊኑ ይኸውን?”

POST A COMMENT