Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉሒላ መንግስቲ ንሰራቂ ክፈልጦ ይኽእል’ዩ ክኸሶ ግን ኣየምሕረሉን’ዩ

መራሒ መንግስቲ ወይ ሃገር፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ኣብ መጋባእያ ህዝቢ፡ መግለጺ ክህብ’ዩ ክብሃል እንከሎ ህዝቢ፡ ንኩነታት መነባብርኡ፡ ጸገማቱን መጻኢ ህይወቱን ዝምልከቱ ውሳኔታትን ኣዋጃትን ክለዓል’ዮም ኢሉ ስለዝኣምን ኣእዛኑ ጸልዩን’ዩ ዝጽበ። ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን፡

መራሒ መንግስቲ ወይ ሃገር፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ኣብ መጋባእያ ህዝቢ፡ መግለጺ ክህብ’ዩ ክብሃል እንከሎ ህዝቢ፡ ንኩነታት መነባብርኡ፡ ጸገማቱን መጻኢ ህይወቱን ዝምልከቱ ውሳኔታትን ኣዋጃትን ክለዓል’ዮም ኢሉ ስለዝኣምን ኣእዛኑ ጸልዩን’ዩ ዝጽበ። ካብ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን፡ ብዘይካ’ቲ ዓመት መጸ፡ “ካብ ዝሓለፈ ተሞኩሮና ብዙሕ ተማሂርና ኢና፡ ግዳማዊ ተጻብኦታት መኪትና ሃገር ንሃንጽ ኣሎና፡ ኤርትራ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዕዙዝ ተራ ትጻወት ኣላ” ዝብል ጣቋ ዘረባ፡ ጉድለታትካ ዘይምእማን፡ ንኻልኦት ምጥቃን፡ ዓቅምኻ ዘይምፍላጥ፡ ዘይንስኻ ኮይንካ ምቅራብን ብሓሶታት ምቅያሕን ብርቂ ነገር ኣይስማዕን’ዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ዘካየዶ ነዊሕን ናይ ኣቃጫጭ መልስታትን ዘካየዶ ቃለ-መጠይቅ፡ ሓድሽ ጉዳይ ነይሩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ዝያዳ ምትኳርን መፍትሒ ምንዳይን ብዛዕባ ኣህጉር ኣፍሪቃን ዓለማዊ ጉዳያትን’ዩ ተሓሊቁ። ህውተታ ኢሳያስ ኣብ 4 ነጥብታት ምትኳር ይከኣል።

ቀዳማይ፡ ክምብል በለም’በር ኣይተኻዕወን

መላኺ ኢሳያስ ምስ ካልኦት ሃገራት ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ንስለ ንፖለቲካዊ ሃልኪ፡ “ካብ ዓለምን ካብ ዞባናን ተነጺልና ክንነብርን ክንምዕብልን ስለዘይንኽእል፡ ኤርትራ ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉርን ዓለምን ዕዙዝ ኣበርክቶኣ ንምግባር ኣበርቲዓ ትሰርሕ ኣላ” ኢሉና። ብግቡእ ንዝርድኦ መንግስቲ፡ ኣሽምባይዶ ካብ ባዶ ዝተበገሰትን ብኩናት ዝማሰነትን ኤርትራ፡ እተን ብቁጠባን ስነኪነትን ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ብዘይ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ምንባርን ምምዕባልን ብኣጋ ስለዝተገንዘባ፡ መኽሰብ ጽቡቅ ጉርብትና፡ ሰላምን ሽርክነትን ቀዳምነት ሂበን ብፖሊሲ ደረጃ ይሰርሓሉ ኣለዋ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ክንዲ ቅዱስን ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ሜላ ዝኽተል፡ ብቀጻሊ ኩናትን ተጻብኦን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጎረባቱን ዓለምን ነጺልዎን ንሕሰም ኣቃሊዕዎን። ምስ የመን፡ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዝወልዖ ኩናት፡ ኣብ ሰብኣዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ዓቢ ዕንወት ኣኸቲሉ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ፡ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ኣብ ክንዲ ዶባትና ተኸፊቱ ንዕሙር ንግድን ምትሕግጋዝን ዝዕድምን ሰላም ዝሰፍኖን፡ ዓሰርተታት ሰራዊት፡ ኣጽዋርን ብምስላፍ መወዳእታ ኣብዘይብሉ ተፋጠጥ ንርከብ። ስርዓት ኢሳያስ ምስ ኩለን ጉረባብትና ሃገራት፡ ንተቃወምቲ መንግስታት፡ ብምስልጣን፡ ብምዕጣቅን፡ ኣብ መሬት ኤርትራ መዓስከራት ብምኽፋትን፡ ነቲ ዝምድና ዝያዳ ከምዝሕርፍፍ ይገብሮ ኣሎ። ከምሳዕቤኑ ድማ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ዘራጊ ሰላምን፡ ደጋፊ ኣልሽባብን ተኸሲሱ፡ እገዳን ተነጽሎን ተበይኑሉ። ብዓይኒ ህግደፍ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ማለት ልኡላዊ መሬት፡ ባሕርን ሰማይን ኤርትራ ነተን ኣብ የመን ዘይሕጋዊ ኩናት ኣዊጀን ህዝቢ ዘጽንታን ዝዕንድራን ዘለዋ ሃገራት ንነዳድን ዶላርን ምሻጥ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ኣቦጉድር እንከለዎ፡ ምትሕጋዝ የድሊ’ዩ እንተበለ ንዓይ ነንጭዋ’ዶ ኣብ ሎቆታ’ዩ ትርጉሙ። ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን ከምዝበሃል፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ትርጉም ምትሕግጋዝን ሕማቅ ስም ኤርትራ ኣብ ከባቢናን ዓለምን ናብ ንቡር ክምለስ፡ ብልቢ ዝሓስብን ብህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቅን እንተኾይኑ፡ ዕንደራን ትምክሕትን ደው ከብል፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያውን ቅዋማውን ስርዓት ክትከልን፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከኽበር፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክህልዎን ይግባእ።

ካልኣይ፡ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ

ሎኽሞኛ ኢሳያስ፡ ለባምን መስትወዓልን መራሒ ክመስል፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ 60 ሚእታዊት ጸጋታት እንከለዋ፡ ብደገፍ ካልኦት ክትነብር፡ ህዝባ ክስደድን ክጠምን ከምዘይግባእ ኣምሪሩ ገሊጹ። እዚ ጨለ መግለጺ’ዚ፡ ካብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብቀጥታን ኣውራን ንህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝምልከት። ኤርትራ ዘላተን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ ጠንቂ ስደትን ጥሜትን፡ እቶም ንዓመታት ስልጣን ንህዝቢ ኣይነረክብን ዝበሉ ውልቀ መለኽቲ፡ በላዕቲ ጉቦ፡ ጨፍለቅቲ ህዝቦምን ንብረት ሃገር ኣብ ወጻኢ ዝሓብኡን መራሕቲ ስለዘለዉ ጥራሕ’ዩ። ሎሚ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ስደት፡ ጥሜትን ግዱድ ዕስክርናን’ዩ ዝነብር። ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ለባም መራሒ፡ ቅርዑይ ምምሕዳርን ሰላምን እንተዝህሉ ነይሩ፡ ኤርትራ ብዘለዋ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ፡ ኣብ ከርሳ ዘሎ ጸጋታትን ኣፍደገ ባሕርን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣኺሉ ተሪፉ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ነብሰን ክኢለን ዝነብራ ሃገራት ምኾነት ነይራ። ሳላ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ኤርትራ ካብተን ካብ ዓለም ዝደሓራን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጣን ሃገር ኮይና። ኢሳያስ ቀንዲ ጠንቂ ሕሰምን ስደትን ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ምዃኑ ንነብሱ ረሲዑ፡ ኣፍሪቃ ኣኽል ታርፍ ሃብቲ እንከለዋ ህዝባ ክስደድ፡ ናብ ሓድሽ መግዛእቲ ክትኣቱ፡ ተመጽዋቲት ካልኦት ክትከውን ኣይግባእን፡ መንእሰያት ናብተን ዝኣርጋ ዘለዋ ሃገራት ወልወልቲ ገዛ ክኾኑ ክኸዱ የብሎምን ክብል እንከሎ፡ ናይ ብሃም ኣዘራርባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣይትብከ እንድዮ ዘብክየኒ ዘሎ’ዩ።

ሳልሳይ፡ ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን

ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ’ቲ ዓምጣርን ግዕዙይን ቁጠባዊ ምሕደራን ሜላታትን ስርዓት ህግደፍ፡ መነባብሮ ህዝብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓሰመ፡ ክብሪ ዋጋ ሃለኽትን ክራይ ገዛን ሰማይ እናዓረገን ስለዝመጸ፡ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ዜጋ ማእለያ የብሉን። እቲ ብሕርሻ ዝናበር ዝዓበየ ክፋል ህዝብና ድማ ክሰርሕ ዝኽእል መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝተቆርነን ስለዝተሰደን፡ ዝዓዪ ጉልበት ቀውጢ’ዩ። እቲ ቀደም ምልማን ነውሪ ዝነበረ ሎሚ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ዝባንካ ቀሊዕካ ትኾቡለይ ምባል ልሙድ ኮይኑ’ሎ። ካብኡ ናብኡ ግን እቲ ኣብ ወጻኢ ቤተሰብ ዘለዎ፡ ቁሩብ ቁራቦ ዝለኣኸሉ ገንዘብ ገለ ነዃላቱ ይሽፍንን ግዝያዊ ትንፋስ ይረክብን ኣሎ። እቲ ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ ጨካን ኢሳያስ ግን፡ ነዞም ደም ርሂጾምን ሳንቲም ጓል ሳንቲም ኣጠራቂሞምን ስድራቤቶም ንምሕጋዝ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ዝልእኩ ኤርትራውያን፡ ተሻረኽቲ ከተርቲ ባንክታት፡ ኣኽሰርቲ ሃገርን ዘይሕጋውያንን ኢሉ ገሊጽዎም። እቲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብመንገዲ ቁጠባዊ ትካላቱን ኤምባሲታቱን ኣቢሉ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዘሰጋግር፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስቱር ባንክታት ዝሓብእ፡ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ እቲ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ኮይኑ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ዕዳጋታት ከዋቅዕን ንሓይሊ ዕድጊ ናቅፋ ክቀትልን ዓቅሚ የብሉን። ስርዓት ህግደፍ ብሕግታት ስለዘይምእዘዝን ንብሕታዊ ክፋል ቁጠባ ሃገርና ስለዝዓብለሎን ብዘይ ርትዒ ስለዘልመሶን፡ ዓቅሚ ዘለዎ ርኹብ ኤርትራውን ብሕታዊ ትካላትን፡ ካብ ኤርትራ በሪሩ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት’ዩ ትካላት ከፊቱ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ፡ “ስሱዓት ነጋዶ ንምቁጽጻርን ዕዳጋታት ንምርግጋእን” ብዝብል ሸፈጥ፡ ኣብቲ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ዘዳልዎ ጓይላታት፡ ኣኼባታትን በዓላትን ተገዲዱ ዝጨደረን ህግደፍ ወይ ሞት ዝበለን ዜጋ፡ ብመቁነን ካብ ዱኳን ሕድሪ ቁንጣሮ መቁሽሽ ይወሃቦ። ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን ከምዝብሃል፡ መላኺ ኢሳያስን እቶም ብዶላር ዝጻፍዑ ውሑዳት ኮራኩሩን፡ እታ ብኣፍ ጾማን ብዕሩቅ ዝባናን ትነብር ዘላ ኤርትራዊት ስድራቤት፡ እቲ ኣብ ስደት ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ዜጋ፡ እቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮምን ካብ ቤተሰቦም ተጨውዮምን ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት ሓለትን ስቃይን ስለዘይዓጦ፡ ኣፉ ዝሃቦ እንተተዛረበ ዘኽፍኣሉ ኣይኮነን።

ራብዓይ፡ ውሓጥዮ እንተበልክዋስ ትጎስሞ

መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ቅርጡውን ኣፍራይን ምምሕዳር ከምዘየለ ኣፉ መሊኡ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ንህዝብናን ሃገርናን ንድሕሪት ዝመልሳን ንድኽነት ኣቃሊዕዋን ዘሉ፡ ብልሹው ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ባዕሉ ስለዝኾነን፡ እቲ ብግዳም ቅርጺ መንግስቲ ዘለዎ ዝመስል ሚኒስትሪታትን ክፍልታትን ስማዊ’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ጥራይ፡ ኤርትራ ሓንሳብ ናብ 4 ካልእ እዋን ድማ ናብ 6፡ ብዞባታትን ወተሃደራዊ እዝታትን ክመቃቅላ ጸኒሑ። ይዝከረኒ ቅድሚ ናጽነት፡ ንመንግስቱ ሃይለማርያም፡ ኣዛዚ ሰራዊት፡ ኣቦ መንበር ባይቶ(ሸንጎ)፡ ሊቀ መንበር ኢሰፓ፡ መራሒ ሃገር ኮይኑን ስልጣን ገቢትዎን ኢልና ንሕጭጨሉን ንኸሶን ኔርና፡ መላኺ ኢሳያስ ግን መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ዝነበሮ ስልጣናት ንላዕሊ’ዩ ገቢቱ ዘሎ። ኢሳያስ ክሰርሑ ዝኽእሉ ክኢላታትን ሰብ ሞያን ዕድል ኣይህብን’ዩ። ብዛዕባ ኣተሃናንጻ ዲጋታትን ምልማዕ ጀራዲንን ቅየሳ የውጽእ፡ ነዛ ንእሽቶ ሃገር ኤርትራ ከምሓድር ዘይክኣለ፡ ኣፍሪቃ ብኸመይ ትምዕብል ጸጋታታ ትጥቀምን፡ መደረ ይህብ፡፡ ኣጠቃቅማ ዘመናዊ ኪነጥበብን ኣመላምላ ዓቅሚ ሰብን ይዛረብ። መደረ ኢሳያስ ግብራዊ እንተዝኸውን ዘረብኡ ዝብላዕ’ዩ። እንተኾነ፡ ጠንቂ ገስረጥ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ፡ ካልኦት ብሞያኦም ናጻ ኮይኖም ንኸይሰርሑ ዕድል ዘይህብን ተሓታትነት ዘይብሉን ስርዓት ስለዘሎን’ዩ፡፡ ከምቲ ገለ ተዋዘይቲ ዝብልዎ፡ ህግደፍ ሕግታቱ ብርሳስ ስለዝጽሕፎ፡ መዓልቲ መዓልቲ ክቅይሮ ጸገም የብሉን፡፡ ስለዚ መላኺ ኢሳያስ፡ ቅርጡው ምምሕዳር የለን፡ ማይ ዝመልአ ዲጋታት ጸገም ዝስተ ማይ ክንፈትሓሉ ኣይክኣልናን፡ ጸሊም ዕዳጋ ሳዕሪሩ ክብለና እንከሎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሰልቸወ መግለጺታት ስለዝኾነ፡ ውሓጥዮ እንተበልኩዋ ትጎስሞ’ዩ ነገሩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ዝገልጸሉ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ፡ ወናኒ ጉዳዩ ክኽወንን ሽግራቱ ክፍትሓሉን እምበር።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 14 ጥቅምቲ 2017

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • amanuel October 15, 2017

    Always to the point. Benali, mubarek, gadafi….dictators fall in few days. Eritrea- no exeption!!! History repeats itself. Ashmelash ahzinuni. Zeyamnelu kubur president kibil mokh elu.

    • Yitbarekh October 15, 2017

      How do you know what Asmelash Ziaminelun Zeyamenelun kubur president kibil mokh elu?
      Are you related to Mr Asmelash then? If yes, were you also his assistant of misinformation?

  • AHMED SALEH !!! October 15, 2017

    Sometimes loyalty leads to blind support that opens the door for slavery . Our country situation has proven us exactly what it means .
    Unless our people inside Eritrea try to realize their
    current miserable life conditions , change can not
    come out of blue from sky . Unconditional praise
    for an individual led to create our own monsters was man made failure in first place .

    • Bini October 15, 2017

      Ahmed, you are not seriously saying that the Eritrean people inside Eritrea have not yet realized their current miserable life conditions???? And that they have to realize it fast before change can come out to their way???????????? Are you that stupid ignorant or just stupid arrogant outsider?
      Please grow up (intelligence & maturity wise), you sound like a typical African chauvinist dictator. I really don’t know if you are really awake or sleeping and having a nightmare! Otherwise, what is this other than a nonsense word spinning? Just don’t insult the Eritrean victims.

  • Danilo October 15, 2017

    Ahmed, ” man made failure ” indeed! Which means our fault. I remember when I returned home shortly after independence to be lucky enough observing the society in general finding us ( expatriates ) as the only means to be manipulated. I think all brothers and sisters / no matter civil or tegadalay, where after me, instead asking their respective right to whom belongs which is iseyas’s government. but they don’t and things are going up to date. Every body has politics of escape! Nothing else. However, assuming inside, the society is dead, but we in outsider have a big roll if we unite, to glorify the dead.

    • Yitbarekh October 15, 2017

      Danilo and your partner in crime and in spreading false informations Ahmed Saleh,
      It’s about time that you Muslim guys stop acting like your ISIS murderers. You can’t keep
      defending the indefensible and yet unashamedly pointing your fingers by blaming the real
      victims our people inside Eritrea. I would agree with you two about the many sold out opportunists Eritrean diaspora but the unfortunate Eritrean people (poor victims) inside Eritrea
      DON’T give “unconditional praise to an individual” at all. Get real and face the real world.

    • AHMED SALEH !!! October 15, 2017

      Selamat Danilo
      Obviosly if our people in general tried to
      question the demonstrations held by
      TEGADELTI and disabled veterans instead loyalty to Issayas Afewerki , I
      believe the outcome could be different.
      Nowadays we observe Sawa recruits
      generation join forces of oppression against their own brothers/sisters while
      the rest become hostages for some reason . It is as it is . We can’t hide from
      facts that people create own monsters .
      More than 300 prisons for what ?Thousands fled the country , why ?
      Issayas succeed to accomplish his sinister agenda only after he realized
      our people weakness , period .

  • AHMED SALEH !!! October 15, 2017

    Name calling and insults are the work of wicked people and I refuse to follow that kind path because
    I didn’t raise in atmosphere with street boys manner
    but with love and respect . Therefore such language
    doesn’t bother me since I am not part of it . thank you

    • Yitbarekh October 16, 2017

      Who are you calling the wicked people then? Why do you have to talk too much about yourself, claiming to have been raised in a better atmosphere and arrogantly accusing others as having street boys manner? Who gives a damn where you were raised or if you indulge with street boys? So far from what I gather about you, you are just a talkative and big head with nothing to show for it. When you are unable to win political argument you start talking like a street scum. Simply, what are your assumptions based on? Wrong assumptions lead to wrong conclusion.

    • Danilo October 16, 2017

      Ahmed, you have to be proud commenting here despite attached by irresponsabile agents. having Islamic name got a burden but we share it too. so, it is absolute necessity to ignore street boys.

      • Yitbarekh October 17, 2017

        Are you two from the orphanage club who specialize in street boys life and manners? You two are the most confused muslim outsiders that I have ever come across to the cyber world. Just like yourselves, your filthy Arab leaders and bosses are the number one enemies of our Eritrean people by continuously supporting the brutal Higdef regime. What has he got to be proud commenting here? You should be thanking us for allowing you two to comment on our Eritrean websites. About having Islamic name; people who use their full names are the ones who desperately seek for some cheap fame and name but end up showing their sheer ignorance and insecurity. If you share the Islamic name with him then why the fuck are you using European Danilo? Tell him to use Camilo in future as well!!!!!!!!!

        • Danilo October 17, 2017

          I am not suppose to respond you but an necessarily forced to respond you. First of all you can not blame my mam and dad. you know what! I am mix of italo eritreo but you you! ,are bearing Arabic name. If you want to correct it go buck to your municipality. You know what I mean, you are bearing Arabic name. Don’t forget tigrigna terms. you supposed to be named ይባረኽ not yitbarek which is arabic term ይባርክ ኣላህ!

  • Simon G October 16, 2017

    ጽላል ናይ ኣመሪካ:
    ነጊረካ ‘ኳ ‘የ ትማሊ: ኢሳያስ እንታይ ከምዝብል። ናቱ ጌጋ ኣይኮነን። ካልኣይ ‘ስከ ኣንብባ በጃኻ
    ======================================================
    ዝበልኩዎም: ዝምእዘዙ ኣለውኒ
    ኣብ ኮፍ ዘበልኩዎም: ዝጸንሑኒ
    እንዳዋረድኩዎም: ዘሞጉስኒ
    ንዓይ እንታይ ትብለኒ?

    እብለካ ኣለኹ: እንዳ ጸረፍኩዎም ዘጣቕዑ
    እንዳ ዘለፍኩዎም: ዘይሰምዑ
    ሓዎም ቀቲለሎም: ዘይነብዑ
    መታን ክነብሩ ክበልዑ

    እንታይ ግበር ትብሉኒ?
    ኣነ ኢሳያስ ኣይኮንኩን ጸገም ዘለኒ
    ህዝቢ ኤርትራ ‘ዩ ምርዳእ ኣብዩኒ
    ከላ: በጃኻ ግደፈኒ
    ‘ዛሕማቕ መርዘን ከይትትሰኣኒ

  • k.tewolde October 16, 2017

    It is another staged mesmerizing monologue for his revelers,a semi annual ‘state of the dictatorship address’. they should put commercials in between,it would have generated much needed revenue to their individual accounts.

POST A COMMENT