Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዳይ ባድመ፡ ዳግማይ መጻወድያ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

ጉዳይ ባድመ፡ ዳግማይ መጻወድያ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣዕሩኽ፡ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃለዋት ቀደም ዝፈልጥዎም ሰባት በብሓደ ኣስማቶም እናጠቀሱ የዕልሉ ነበሩ። ኣብ መንጎ ዕላሎም ግን ዝበዝሑ

ጉዳይ ባድመ፡ ዳግማይ መጻወድያ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣዕሩኽ፡ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም ብዛዕባ ሃለዋት ቀደም ዝፈልጥዎም ሰባት በብሓደ ኣስማቶም እናጠቀሱ የዕልሉ ነበሩ። ኣብ መንጎ ዕላሎም ግን ዝበዝሑ እቶም ቀደም ዝፈልጥዎም ሰባት፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተኣስሩን ድሃዮም ዝጠፍኡን ኮይኖም ምስረኸብዎም፡ እቲ ሓደ፡ “እሞ ዝተረፈ ሰብ የለን ድኣ ዘይትብል” ክብል ሓተተ። እቲ ብጽሞና ክሰምዕ ዝጸንሐ ትቅብል ኣቢሉ፡ “ዋላ ኣነን ንስኻን’ውን፡ ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ብሰንሰለት ስለዘይተኣሰርናን ኣብ ጎደና ንዛወር ስለዘለናን እምበር” እሱራት እኮ ኢና” ኦሉ መለሰሉ። ብርግጽ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ዝኾነ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል ስለዘይብሉ፡ ነታ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍላ መሬት ቀሲኑ ስለዘይረግጻን ብሕጊ ስለዘይመሓደርን፡ ንግዚኡ ህግደፍ ዘይውንና ብርሃን ጸሓይ ስለዝርኢ እምበር ኩሉ ኤርትራዊ ሕዩር’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎን ርእይዎን ዘይፈልጥ ኣደራዕ፡ ሕሰም ናብራን ስደትን፡ እናኣሕለፈ እንከሎ፡ እቲ ትማልን ቅድሚ ትማልን ዝበሎ ዘይፈልጥ መላኺ ኢሳያስ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ኣብታ ባዕሉ ዝውንና ተለቭዥን ህግደፍ ቀሪቡ፡ ብዛዕባ ዘይምልከቶ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ዓለምን መእሰሪ ዘይብሉ መግለጺ ኣቅሪቡ። ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ መላኺ ኢሳያስ ዝጽበዮ ቁምነገርን ሓቅን ከምዘይጽበ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ምናልባት ደኾን” ኢሉ ኣእዛኑ ዝጸለወ ኤርትራዊ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ “ጤል ዘይትበልዖን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘይዛረቦን የለን” ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ መሰረታዊ ጉዳያት ዝዛረብ፡ ሓሶትን ዝተቆራረጸን ጉዳያትን ከምኡ’ውን ዝያዳ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ጥራሕ’ዩ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ለፍሊፉን ተሓሊቁን።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝወስለቶ ቀንዲ ጉዳይ እንተነይሩ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብሰበብ ዶብ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዳግማይ ኩናትን ጥፍኣትን ክሸሞ ይዳሎ ከምዘሎ’ዩ። እቲ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግን ሓደ ሕቶ ንምምላስ ካብ ኣስመራ ተበጊስካ መንደፈራ በጺሕካ ክሳብ ትምለስ ከይወድአ ይጸንሓካ። እቲ ኣሰልቻዊ መልስታቱ ብዘይካ “መጽናዕቲ ነካይድ ኣለና፡ ከምቲ ዝመደብናዮ ኣይሰለጠን” ዝብል ንዓመታት ዘደንገለና ኣጉል መብጽዓታት፡ ሓድሽ ነገር ኣይነበሮን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብገዛእ ርእሱን ብሓይሉን ንህዝቢ ኤርትራ ይገዝእ ስለዘሎ፡ ብዛዕባ ሓዳሩን ደቁን እምበር ብዛዕባናን ሃገርናን ወኪሉ ክዛረብ ዝኾነ መሰልን ሓላፍነትን የብሉን። ደጊም መላኺ ኢሳያስ፡ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ብዛዕባ ንነዊሕ ዓመታት ዝፈጸሞ ገበኑ ክናዘዝ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከምዝደሊ ክነግሮ ሕጋውነት የብሉን። ግዜ ኣኺሉ’ዩ፡፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሸፈጥን ስርቅን መላኺ ኢሳያስ ቦታ የብሎምን።

ቅድሚ ዓመትን ፈረቃን ኣቢሉ፡ መላኺ ኢሳያስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ዝኸተሞ ውልቃዊ ስምምዕ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ መዋእል ሰላም ስለዝተፈጥረ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን” ከምዘይበለ፡ ሎሚ እቲ ክሕሱን መልሓሱ ክዓጽፍን ዘይሓፍር ኢሳያስ፡ ዶብ ከይሕንጸጽ ጉጅለ ወያነ ስለዝሓንገደን ኣብ መሬት ኤርትራ ባድመ ብወያነ ምህናጽ ሓደስቲ ኣባይትን ምስፍሕፋሕን ይፍጸም ስለዘሎን ኣእዳውና ኣጣሚርና ኣይንዕዘብን ኢና” ክብል ነጋሪት ኩናትን ተጻብኦን ጻሕቲሩ። መልእኽቲ ኢሳያስ ንጹር’ዩ፡ ማይ ዘይጥዓመ ኩነት ምምሃዝ፡፡ ነቲ ካብ ስደት ተሪፉ ኣብ ኤርትራ ብጥሜትን ብሕማምን ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ዘተኩርን ንኣበራት ህግደፍ ዝቃለስን “መሬትካ ብወያነ ተታሒዙ” ብዝብል ምትላል ናብ ህልቂትን ዕንወትን ምብጋስ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ምሩጻት ደቁ ትሕቲ መሬት ዘስፈረ፡ ናብ ድኽነት ዝሸመመ፡ ፍርቂ ሚልዮን ካብ ህዝብና ናብ ስደት ሃጽ ዘበለ ኩናትን ወረ ኩናትን ክሰምዕ ኣይደልን’ዩ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ልምዓትን ሰላምን’ዩ። ንዝቀደመ መስዋእትና፡ ሓንሳብ ኣይከሰርናን ካልእ እዋን ድማ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናት ሕጂ ክንሓስቦ እንከለና ትርጎም ኣይነበሮን፡ ጸኒሑ’ውን ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዮም ዝብል ንታሪኽ ኣጸቢቁ ዘይፈልጥ ኢዩ” እናበለ ታሪኽናን ጅግንነትናን ከማራስሕን ጥልመትን ክድዓትን ዘሳሲ፡ ምስ ደመኛታትና ጉምብሕ ጥልዕ ዝብል ዘሎ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ብዕሽሽታ ንሓልፈሉ እዋን ኣይኮነን። ኩልና ኤርትራውያን ንመሰልናን ንክብርናን ደው ክንብልን ንመንሽሮ ህዝብና ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ክንጉሕፎን ብስውኣት ንሕተት ኣለና።

ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝኽሰት ዘይምርግጋእ ከም ጎረባብትና ንዓና ብኣሉታ ዝጸልወና’ኳ እንተኾነ፡ ውሽጣዊ ጉዳያትናን ቀዳምነትናን ኣቀሚጥናን ረብሓና ወንዚፍናን ኣብ ናይ ካልኦት ውራይ ኣቲና ብልዑ ከይበሉና ጽብሑልና ክንብልን ካብ ዋናታቱ ንላዕሊ ክንሓመሉን ክንግደስን ግን ምስሉይነት ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ንተቃወምቲ ስርዓት ወያነ ዝብሎም ኣብ መሬት ኤርትራ መዓስከራት ሂቡን ብኣፍ ጾም ህዝብና ሚልዮናት ገንዘብ ዝመጠዎን፡ ካብ ዕንደራን ጽልእን ሓሊፉ ዘፍረዮ ቁምነገር የለን። እዚ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ወጠምጠም’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘነጽሎን ዘድክዮን እምበር ዘርብሖ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ፡ “ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ጠንቂ ሰላም ኮይኑ’ሎ” ኢሉ ከፈራርሕን ክኸስስን ዝያዳ ዘገርም’ዩ። ወያነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ገበንን ኣበሳንን እንተሎ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራሕ’ዩ ዝምልከት። መላኺ ኢሳያስ ኤርትራ ንኢሳቶ ኣብ ኢትዮጵያ ፈራድን ወሳንን ክኸውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢዬ ኣሕመድ ስልጣን እንተሂብዎ ድማ ብወግዒ ክግለጽ ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ መሬቱን ዕድሉን ስለዝኾነ ንጉጅለ ህግደፍ ደጋጊሙ ብትብዓት ክሓቶ ዘለዎ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክልን ብሕጊ ዝምእዘዝን ስርዓት ክትከል፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ዝተነጸለ ቦታ ተሓይሮም ዘለው ዜጋታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑን ገበን እንተለዎም ናብ ሕጊ ክቀርቡን፡ ካብ ንቡር ህይወቶምን ስድራቤቶምን ተነጺሎም ኣብ በረኻ ብዘይ ኣፍራይነት ኣብ ገደብ ዘይብሉ ወትህድርና ከርተት ዝብሉ ዘለው መንእሰያት ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ጥጡሕ ባይታ ክፍጠረሎምን፡ ብሰሪ ብልሹው ምምሕዳር፡ ስእነት ስራሕን ዕድላትን ተሓሪምዎም ኣብ ስደት ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ናብርኡ ክመርሕን ኣብ መንጎ ዜጋታት ጽልእን ቅርሕንትን ተወጊዱ ዕርቅን ይቅረን ክሰፍን ክተባባዕ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ መሰል ሰብ ክረጋገጽን ጎደና ብልጽግና ንምምራሽን፡ ኣብ ቦታ ጨፍላቂ ጉጅለ ህግደፍ ፍትሒ ክነግስን፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና’ዩ ዝመጽእ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ደገ እንርከብ ዜጋታት፡ ነተን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብቁጠባን ብዲፕሎማስያዊ ርክባት ዘለወን ሃገራትን ትካላት ወድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ክፈልጣ ጎስጓስ ምክያድ ሓጋዚ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዝብላዕ ቁራስ እንጀራን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተሓሪምዎን እንከሎን እናተረግጸን፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓቀኛ ባህርያቱን እከይ ተግባራቱን ንምጉልባብ ኣህጉራውን ዞባውን ዋዕላታትን ሰሚናራትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ምክያድ ኣመሉ’ዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ጸገም ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ስለዘይምልከት ኣእዳውና ኣጣሚርና ኣይንዕዘብን ኢና” ብምባል ምስ’ዚ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዓቢዪ ኣሕመድ ኮሸምሸም ምባል ኣግሂድዎ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ምዕልባጥ ድማ ንዕድመ ጉጅለ ህግደፍ ዘሓጽር ጥራይ ዘይኮነ ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ዘየድሊ ህልቂት ክሸሞ ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ድማ ብፍላይ ንትእዛዛት ህግደፍ ዕጭ ክብልን ኣብ ዘይምልከቶ ሃገርን ጉዳይን ህይወቱ ከሕልፍን ኣብ ዘይወጾ ጸልማት ክኣቱን የብሉን፡፡

ጉጅለ ህግደፍ፡ ግብኣተ መሬቱ ተቃሪቡ ከምዘሎ ስለዝፈልጥ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ንሓድሕዱ ከናቁቶ ድሕር ከምዘይብል ብምግንዛብ፡ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ኣፈሙዝ ብረቶም ናብ ህዝቦምን ወገኖምን ክቅንዕዎ የብሎምን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ረጊጹ ብዛዕባ ለውጥን ሰላምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሕለቅ፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባር ሕቡእ ኣጀንዳ ኢዩ። ጠላም ኢሳያስ፡ ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ሜላ ብምኽታል ንወያነ ንምጥፋእ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ይተዓራረኽ ኣሎ። ብጉዳይ ባድመ፡ ንወያነ ምኽሳስን ደወል ኩናት ምእዋጅን ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ህልቂት ምእዋጅ ስለዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ መጻወድያ ጉጅለ ከይኣቱ ክጥንቀቅ ኣለዎ። ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንኣከያይዳ ዘራጊ ኢሳያስ ብግቡእ ክርድእዎን ንዝገብሮ ጣልቃ ምእታው ወጊድ ክብልዎን ክነቅሕሉን እምበር፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዝበልዕን ሃብቲ ሃገር ዝመጽን ደም ምፍሳስ ከይኣትዉ ልቦና ክህልዎም ይግባእ። ምኽንያቱ ስርዓታት ሓለፍቲ ኢዮም ኣህዛብ ግን ነበርቲ ስለዝኾኑ፡ እሾኽ ጽልኢ ክዝራእ የብሉን

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 10 ለካቲት 2020

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Alula February 18, 2020

    The next Ethiopian government would give the irrelevant Badme to Eritrea
    but would also take back Ethiopian Afar’s Asseb by force or by UN order.

    • k.tewolde February 18, 2020

      You have to deal with the UAE naval forces there before you satiate your salivating appetite there aba nega.

      • k.tewolde February 18, 2020

        If in doubt call the capo in adi I halo he will feel you in about the deal.

  • Danilo February 19, 2020

    BADME will be liberated soon. It is just a matter of time thanks to reorganazing . ELF ( true) motivation since the beginning ( despite conspiracy had ) now could start the true struggle that wasn’t finished. If Ethiopia wishes to exist too, must respect eritrean sovereignty otherwise the lion is due to wake up!

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply