Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዳይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት)

እዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ምንቅቓስ ምስቲ ቀደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ባህሪ ናይቲ ግጭታት ዝተፈላለየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን፣

እዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት እነካይዶ ዘለና ምንቅቓስ ምስቲ ቀደም ኣብ እዋን መግዛእቲ ስለ ናጽነት ኤርትራ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ባህሪ ናይቲ ግጭታት ዝተፈላለየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን፣ እዚ ናይ ሕጂ ቃልሲ ግን ኤርትራዊ ምስ ኤርትራዊ ስለዝኾነ ከቢድ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ሃሱሳትን መዋቐርትን እቲ ስርዓት ኣብ ዝጋለጹሉ እዋን፣ ደቂ ዓዲ፣ ቤተሰብ ወይ ኣሕዋት ስለዘለዉዎም ነቲ ጉዳይ ብቐሊሉ ምቕባል ክኸብድ፣ ካብኡ ሓሊፉ ምክልኻል ከጋጥም  ልሙድ እዩ። እዚ ባህርያዊ ጠባይ ወዲ ሰብ ምዃኑ ተረዲእካ ብመጠኑ ሸለል ክብሃል ዝኽእል ‘ኳ እንተኾነ፣ ካብዚ ኣመና ሓሊፉ፣ እቲ ክዉንነት ብዘየገድስ ብጻይነት ብዋጋ ሕውነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ክፍተን ከሎ ግን ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። በቲ ሎሚ ተኽለዝጊ ዝገበሮ፣ ነቲ ናይ ግንባር ናቕፋ ዱባለ ክንከሶ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓቂ፣ ፍትሕን ሓርነትን ናይ ምርግጋጽ ድሌት እንተደኣ ሃልዩና፣ ሓውና ይኹን ወዲ ዓድና ብዘየገድስ፣ ኣብ መትከል ዝተመርኮሰ ቃልሲ ኢና ከነካይድ ዘለና።

ኣቐዲመ: ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብቴለፎን “ተኽለሰንበት” ብዝብል ስም ድሕሪ ምልላዩ፣  ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ገዓዘ ‘ውን ርክቡ ዝቐጸለ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት) ዘለኒ ትዕዝብትን ዝተኻየደሉ ተወሳኺ መጽናዕትን ኣመልኪተ ብጋህዲ ንዘቕረብኩዎ መተሓሳሰቢ፣ ዝሃቦ መልሲ ርእየዮ።

እቶም ካልኦት ኣስማቶም ሓቢኦም፣ ብስም ‘ደለይቲ ፍትሒ ሚላኖ’ ኣብ ክንድኡ ዝሃቡዎ ምስክርነት ‘ውን ከምኡ ኣስተብሂለሉ። ይኹን’ምበር፣  ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ለንደን ጽዕቕ ዝበለ ኣኼባታትን ኣጋጣሚታትን ስለዝነበረ ዕድል ስለዘይረኽበኩ ከም ጫለዳ ኣወንዚፈዮ ዝቐነኹ ጉዳይ ተኽልዝጊ ዑቕባልደት (ሰንበት) ብቐጥታ ንትሕዝቶ ደብዳቢኡ ብዝርዝር መሊሰ ንምቝያቝ ዘይኮነ፣ ነቲ ዕላምኡ ንኻልኦት መተሓሳሰብን መጠንቀቕታን ስለዝነበረ ብሓፈሻዊ መንገዲ ዘቕረብኩዎ ትሕዝቶ፣ ብዝያዳ ዝርዝራት ከብርሆ እየ።

ብኻልእ መንገዲ ደኣ ምሉእ ስሙ ረኺበዮ እምበር፣ ንሱ ባዕሉ ቴለፎን ደዊሉ ምሳይ ኣብ ዝተላለየሉ እዋን ሓቀኛ ስሙ ሓቢኡ ተኽለሰንበት ከምዝብሃል ጠቒሱ “ሰንበት” ኢለ ክጽውዖ ከምዝደሊ እዩ ሓቢሩኒ።  ዋላ ስሙ ፈሊጠዮ ከለኹ ክሳብ ሎሚ በታ ንሱ ዝሓረያ ኮድ “ሰንበት” ኢለ ክጽውዖ ስለዝጸናሕኩ ሕጂ ‘ውን “ሰንበት” ኢለ ኣብዚ ጽሑፍ ክጠቕሶ እየ።

ሰንበት፣ “እወ ኣነ ሰላዪ ህግደፍ እየ” ኢሉ ኢዱ ከልዕል ብቐደሙ ‘ውን ትጽቢት ኣይነበረንን። ኣብ መደምደምታ ናይቲ ጽሑፍ ‘ውን ከምዝጠቐስኩዎ፣ ነቲ ትዕዝብቲ ክዝርግሓሉ ዝተገደድኩሉ ምኽንያት ብቐንዱ ምስኡ ዝራኸቡ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ክጥንቀቑ፣ ህዝቢ ብሓፈሻ ድማ ኣመት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ሕልኽላኻት ረኺቡ ክልብም፣ ንምዝኽኻርን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ዕላማ የብሉን። ኣርእስቲ ስለዝወሓደኒ ወይ ከኣ ግዜ ስለዝበዝሓኒ ‘ውን ኣይኮንኩን ንሰንበት ዝምልከት ዓንቀጽ ጽሒፈ። ንምዃኑ ካብ ‘ዞም ኣማኢት ምስ ኣሰና ዝተሓጋገዙ ተሓባበርቲ ንሰንበት ዝሓርየሉ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ?

ዝፈለጥኩዎ ነገር ንውሽጢ ውሒጠ፣ “እንታይ ገደሰኒ” ኢለ፣ ርክበይ ብምቍራጽ ስርሐይ ምቕጻል እቲ ዝቐለለ ምርጫ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፣ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህርይ የብለይን። ካልኦት ሰባት ካብ ተመሳሳሊ ሓደጋ እንተዘየድሒነ ሓላፍነተይ የጕድል ኣለኹ ማለት ስለዝኾነ ‘ውን ኣይወዓልኩዎን።

ስም ሰብ፣ እሞ ኸኣ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ ጽሑፍ ‘ውን ዝጠቕስኩዎ “ብዓቕሙ ይተሓባበር ኣሎ” ኢለ ኣሚነዮ ናይ ዝነበርኩ ሰብ ኣልዒለ ንህዝቢ ክነግረሉ ምውሳነይ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነን። ናብቲ ነጥብታት ንኺድ።

  1. እቲ ናይ ጥርጣረ ደወል ኮይኑ ጉዳዩ መጽናዕቲ ክገብረሉ ዝደረኸኒ ነጥቢ፣ ምስታ ከም ዋና ስለያ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝተጋለጸት ናጽነት ተኽለ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብን፣ ንዓይ ከም ተቓዋሚት ኣእሚኑ ነቲ ብመንገዳ ዘምጽኦ ዝነበረ ሽርሓዊ ፖለቲካዊ ዕላማታት ዝነበሮ ፈጠራዊ ሓበሬታታት ከእምነኒ ዝገበሮ ጻዕርን እዩ።

ሰንበት ስለምንታይ እዩ፣ ነታ ከም ሰላዪት ናይቲ ስርዓት ዝተኣወጀላ ናጽነት ተቓዋሚት ምዃና ከእምነኒ ፈቲኑ?

ነቲ ብመንገዳ ረኺበዮ ኢሉ ዝሃበኒ ሓበሬታ ሃንደራእ ኢለ ክዝርግሖ ዶ ኣይኮነን። ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መልሱ “ኣብ ሜዳ ዝፈልጣ ‘ያ፣ ከምሰላዪት ኣይፈልጣን እየ፣ …” ክብል ኣፋዅሱ እዩ ክሓልፎ ፈቲኑ ‘ምበር ብቑዕ መግለጺ ኣይሃበሉን። ይኹንምበር፣ “ብዓልቤታ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት ስለዝኾነ” ምእንቲ ከይሰምዖም፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ገዛ ከምዝወጽእ ድሕሪ ምግባራ ብኣካልን ብቴለፎንን ኣጸምዮም ይዘራረቡ ምንባሮም ባዕሉ ሓቢሩኒ ስለዝነበረ፣ ጥቡቕ ርከብ ከምዝነበሮምን ብዛዕባ እንታይነታ ዓሚቝ ፍልጠት ከምዝነበሮን እየ ተገንዚበ።

  1. ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ዝተባህለ ኣብ ስዊዘርላድ ዝነበር ሰብ ኣብ ፓልቶክ ንሰለይቲ ህግደፍ የቃልዕ ከምዘሎ ልቡ እናመመሎቐ ዝሓበረኒ “ሰንበት” ባዕሉ እዩ። ይኹን ‘ምበር ሽዑ ነታ ቀደም ተቓዋሚት ምዃና ኣዳዕዲዑ ዝገለጸለይ ናጽነት፣ ነጋሲ ኣብ ፓልቶክ ከም ሰላዪት ህግደፍ ኣቃሊዑዋ ክንሱ ሰንበት ኣይጠቐሰለይን። ስለምንታይ?

ቅንዕና እንተዝነብሮ፣ ብመንገዳ ረኺበዮ ኢሉ ዘምጽኣለይ፣ ድሒረ ዝጠቕሶ ሓቅነት ዘይነበሮ ሓበሬታታት፣ ገሊኡ መረጋገጺ ስለዝሰኣንኩሉ፣ ገሊኡ ድማ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋጊጸ ስለዘይተጠቐምኩሉ፣ ሕርኽርኽ ይብለኒ ከምዝነበረ ኣጸቢቑ ሰለዝግንዘብ፣ ኣብቲ ቴለፎን ደዊሉ ብዛዕባ ምግላጽ ሰለይቲ ህግደፍ ዝሓበረኒ እዋን፣  “ሰላይት ህግደፍ እያ ኢሉ ንናጽነት ኣጋሊጹዋ ኣሎ፣ ተጋግየ ኣጋግየካ ነይረ” እንተዝብለኒ፣ ቴለፎን ኣብ ምዕጻው ኣይምበጻሕኩን፣ ኣይምተጠራጠርኩሉን፣ ይኹን ኣይኹን፣ “ዘይግራህን ዘይጋገን ሰብ የለን” ኢለ ሸለል ክብሎ ‘ውን  ኣይምተጸገምኩን።

ድሒረ ንነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ቃለመጠይቕ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበርኩ እዋን፣ ናጽነት ዋና ሰላይት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ምስ ገለጸ፣ “ሰንበት” ብኡ ንብኡ ተዘኪሩኒ። ኣቐዲሙ ተሃንዲዱ ብዛዕባ ደምበ ፖሊስ ኣብ ፓልቶክ ዝገበሮ ዘረባ ክሕብረኒ ከሎ፣ ብዛዕባ’ቲ ምግላጽ ክሕብረኒ ዘይኮነ፣ ነቲ ደምበ ፖሊስ ኣብ ፓልቶክ ዝተዛረበሉ ጉዳይ ምስምዐይን ዘይምስምዐይን ንምርግጋጽ፣ ከምኡ ‘ውን መረዳእታይን ስምዒተይን ክመዝን ዝወሰዶ ፈተነ ምንባሩ ‘ውን ተረዲአ። ምኽንያቱ፣ ኣነ ነቲ ዘረባ ከምዘይሰማዕኩዎ ብምጥቃስ፣ ናይ ደምበ ፖሊስ ቴለፎን ከምዝጽኣለይ ምስሓተትኩዎ ሽሕ ‘ኳ እንተተሰማምዐ፣ ብኡ ኣቢሉ ተሸሪቡ ስለዝጠፍአ፣ ብቐጥታ ካብቶም ኣብ ፓልቶክ ዘዛረቡዎ ኣመሓደርቲ ሓደ፣ ካብ “ጆን ብላክ” እየ ንቴለፎን ደምበ ፖሊስ ረኺበዮ።

ደምበ ፖሊስ ኣብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለመጥየቕ ፣ እንታይነት ናጽነት ደጊሙ ምስ ደርጎሖ ከኣ ‘ዩ፣ እቲ ጠፊኡ ዝቐነየ “ሰንበት” ንዓይ ክረክብ ተደጋጋሚ እዋን፣ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ብምድዋል ክርበጽ ዝጀመረ። ብወገነይ ግን መስመር ድሮ ተበቲኹ እዩ።

  1. “ሰንበት” ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኡ ካብ ለንደን ወጻኢ (Outside London) ብናይ ሰብ ቴለፎን ደዊሉለይ፣ ኣብ ለንደን ምስ መጸ ክንራኸብ ስለዝሓተተኒ ድማ ቆጸራ ጌርና። እንተኾነ፣ ደጊሙ ኣይደወለለይን፣ ኣይተራኸብናን። ናብ ስዊዘርላድ ተመሊሱ ድሕሪ ቁሩብ ግዝያት ቴለፎን ምስ ደወለ፣ “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንለንደን መጺእካ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ደኣ ምጥዓም ዲዩ ኣብዩካ ዘይተራኸብና” ኢለ ኣብ መንጎ ዘርባና ምስ ጠቐስቁሉ ግን፣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዘይመጽአ ኣሉ ምስ በለኒ፣ ኣዝዩ ደንጽዩኒ። ኣብ መገሻ፣ ግዜ ምሕጻርን ዘይምጥዓም ኣሎ። ኣሉ ግን ካልእ ትርጉም ኢዩ ዘለዎ። ስለምንታይ መጺኡ፣ ስለምንታይ ደዊሉለይ፣ ስለምንታይ ዘይረኸበኒ፣ ስለምንታይ ከ ኣሉ ኢሉ? ሕቶታት ገዲፉለይ። ብፍላይ እታ ምስኡ ጥቡቕ ርከብ ዝነበራ ናጽነት ድሕሪ ምግላጻ፣ ነቲ ጉዳይ ኣተኣሳሲረዮ።

ውዲታዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮ ዝንቡዕ ሓበሬታ 

  1. ሓደ ካብቲ ብመንገዲ “ሰንበት” ዝረኸብኩዎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ፣ ሓደ ስሙ ክዕቅቦ ዝደለኹ ነባርን ውሩይን ኤርትራዊ ደራፋይ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ሓቲቱ ዝብል እዩ።

ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓታቲተ፣ ሓሶት ምዃኑ ስለዘረጋገጽኩ ነቲ ሓበሬታ ናብ እንዳ ጓሓፍ ከእትዎ ቀልል ‘ኳ እንተነበረ፣ እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ካበይ ተበጊሱ፣ ስለምንታይ ተደልዩ፣ ስለምንታይ ከ ብመንገዲ ኣሰና ክዝርጋሕ ኣድልዩ ምሕታት ግን ኣየቋረጽኩን።

ብዘይካ ‘ቲ ተኣማንነት ኣሰና ከም ትካል ሚድያ ንምድኻም ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብቲ ሃገር ክህልዉ ዘይደልዮም፣ ብኡ ኣቢሎም ክርሕቁሉ ዝደልዮም ኣገደስቲ ዜጋታት ናይ ሓሶት ወረ ዘርጊሑ ከምዝማትኡን ካብ ሕብረተሰብ ከምዝንጸሉን ጌርካ ናይ ምምካኖም ልምዲ ከምዘለዎ ንዝርዳእ፣ እቲ ጉዳይ ብሓደ እምኒ ክልተ ረጋቢት ናይ ምህራም መደብ ከምዝነበሮ ዘማትእ ኣይኮነን።

  1. እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ውዲት ዝነበሮ ዝንቡዕ ሓበሬታ ግን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ነቲ ስርዓት፣ ብፍላይ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ናይ ማእከሎት ሓለፍቲ ዝተወደበ ውጥን ዕልዋ እዩ። ሰንበት፣ ኣብዚ ምንቅስቓስ ‘ዚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 5 ማእከሎት ሓለፍቲ ንሓደ ዝኣመኑዎ ካብ ዝለዓለሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት “እዚ መደብ’ዚ ሓንጺጽና ኣለና ‘ሞ ምሳኻ ኴንና ጥራይ ኢና ክትግብሮ እትኽእል” ኢሎም ምስ ቀረቡዎ፣ ንኢሳይያስ ሓቢሩ ንኹሎም ከምዘእሰሮምን እቲ ጉዳይ ከምዝፈሸለን ‘ዩ ገሊጹለይ።

ሞት ናይቲ ኣብ ከረን ዝዓረፈ ሚኒስተር ነበር ወለንኪኤል ገረማርያም፣ ከምኡ ‘ውን ናይቶም ናብ ጽምብል ዝኽሪ ውቃው እዝ ንሰሜናዊ ሳሕል እናተጓዕዙ ብሓንሳብ ዝጠፍኡ፣ብሪጋደር ጀነራል ቫይናክ፣ ብሪጋደር ጀነራል ኣማኑኤል ሃንጀማን ደሱን ምስዚ ምንቅስቓስ ‘ዚ ምትእስሳር ስለዝነበሮም ብውዲት ናይቲ ስርዓት ከምዝተቐንጸሉ ‘ውን ኣዘንትዩለይ።

ነቲ ሓበሬታ ካበይ ከምዝረኸቦ ኣጥቢቐ ምስ ሓተትኩዎ፣ ናጽነት ተኽለ ከምዝሓበረቶ ኣረጋጊጹለይ። ንሳ ንባዕላ ካበይን ብኸመይን ከምዝረኸበቶ ምስ ሓተትኩዎ ድማ፣ ክልተ ካብቲ ኩነታት ዘምለጡ ኣባላት ናይቲ ምንቅስቓስ ኣብ ስዊዘርላንድ ምስኣ ከምዝተራኸቡ ገሊጹለይ።

ሽዑ፣ ነቲ ጉዳይን ኪኖኡ ዘሎ ኩንታትን ድሕረ ባይታን ንምፍላጥ፣ ምስ ናጽነት ከራኽበኒ ‘ኳ እንተሓተትኩዎ፣ ተመሊሱ ፍቓደኛ ከምዘይኮነት ሓቢሩኒ። “ሰንበት” እታ ድራማዊት ዛንታ ቅሂማ ክትርሳዕ ይደሊ ‘ኳ እንተነበረ፣ ኣነ ግን ኣይረሳዕኩዋን። ሓሓሊፈ፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይሓቶ ስለዝነበርኩ፣ ኣብ መወዳእታ ከቕበጸኒ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ 5 “ተንቀሳቐስቲ” ከምዝተፈትሑ ኣብዚ ዳሕረዋይ ኣዋርሕ ሓቢሩኒ።

እቶም ንኢሳይያስ ኣኼባ ክገብር ዝሓተቱዎ ጉጅለ 15 ኣብ ቤትማእሰርቲ እናሓቐቑስ ያኢ፣ ንኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክዓልዉዎ ንዝፈተኑ ሰባት ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለወሉ እዋን ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑዎም? እቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ እምብኣር ምስኦም ተፈቲሑለይ።

እቲ ስርዓት ተቓወምቲ ዝመስሉ ወይጦታት ኣዋፊሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምምጣው ንተኣማንነትና ከፍኵስ ከምዝፍትን፣ ብተዘዋዋሪ ሓቅነት ዘለዎ ሓበሬታ ብምሃብ ንርእሱ ከረጋግጾ ዝደለዮ ጉዳያት ከመጻሪ ፣ እንተኾይኑሉ ነቶም ኣብ ታርጌት ዘእተዎም ኣገደስቲ ባእታታት ዋጋ ከምዘይብሎም ገይሩ ንምምካን፣ Nutralize ንምግባሮም ከምዝፍትን ’ውን  ኣብ ተመክሮ ተማሂርናሉ ኢና። ንብዙሕ ካብቲ ፈተነታት ኣፍሺልናዮ ‘ኳ እንተኾና፣ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎ ‘ውን ኣይንርስዖን። ዝተማሃርናሉ ጌጋ ክንደግም ስለዘይደለና ኸኣ ኢና ሕጂ ክንጻወሮ ዘይመረጽና። ሕጂ ምህሮ ግደ ናይቶም ዝለኣኹን ዝተላእኩን እዩ።

(ኣብዚ ንእገረ መንገደይ ከስምረሉ ዝደሊ፣ ሰንበት ኣብ መልሱ፣ “ እቲ ሓበሬታ ዘጠራጥር እንተነይሩ፣ ስለምንታይ ትዝርግሖ” ንዝበሎ፣ እዚ ገለ ኣብነታት ናይቲ ሓሶት ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ዘይዘርጋሕኩዎ እዩ። ሰንበት ግን፣ መታን ክእመን ዝኾነን ዘይኮነን እዩ ከለጋግብ ፈቲኑ። ነዚ ንሱ ዝሃበኒ ሓበሬታ ከምዘይዘይዘጋሕኩዎ እናፈለጠ እዩ ከም ገርሂ ክኸኣኸል ዝፍትን ዘሎ።)

በዚ ዝጠቐስኩዎ ነጥብታት ‘ውን እንተኾነ፣ “በቃ፣ ሰንበት ሰላዪ ስርዓት ህግደፍ እዩ” ኢለ ናብ መደምደምታ ኣይበጻሕኩን። ዓቢ ጥርጠራ ስለዝሕደርኩ፣ መጽናዕቲ ከካይድ እየ ወሲነ። ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ መረጋገጺ ምስ ረኸብኩ ጥራይ ከኣ ‘የ ነቲ ጉዳይ ምእንቲ ’ቲ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ ዕላማ ተዛሪበሉ።

ካልእ ዕላማ ርክቡን ምንቅስቓሱን ክፋእ ከምዝነበሮ ተወሳኺ መርትዖ ዝኾነኒ፣ እቲ መልሲ ኣብ ምሃብ ነገራት እናሓዋወሰን እናመሳሰለን ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ንምውጻእን ንምትላልን ዝገበሮ ፈተነ እዩ።

ኣብ ክንዲ ተኽ ኢሉ ነቲ ኣለኒ ዝብሎ ክከላኸል ዝፍትን፣ “ኣማኑኤል ኢያሱ ብገንዘብ ህዝቢ መርበብ ሓበሬታ ወኒኑ ንሰብ ብሓሶት ኣጸሊሙ”…ክብል መልሱ ምጅማሩ ንባዕሉ ሓደ ኣብነት ናይቶም ፈኵስ ርእሲ ንምድንጋር ብምዕላም ዝገበሮም ብዙሓት ፈተነታት እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዳት ኮም ብገንዘብ ህዝቢ ኣይተፈጥረትን፣ ብሰሪ ሕጽረት ገንዘብ ህዝቢ ድማ ኣይክትዕጾን እያ። ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ዘለዎ ሰብ እንተልዩ ይሓልም ጥራይ እዩ ዘሎ። ገንዘብ ህዝቢ ምእንቲ ‘ቲ ናብ ኤርትራ ዝፍኖ መደብ ራድዮ እዩ ዝልገስ። እዚ ንሰንበት ዝምልከት ጽሑፍ ከኣ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ደኣ ‘ምበር ኣብ ራድዮ ኣይተፈነወን። ገንዘብ ህዝቢ ደኣ ኣብዚ ጉዳይ ‘ዚ እንታይ ዘምጽእ ኔይሩዎ? ንኣንባቢ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ኣውጺእካ ኣብ ስምዒት ንምእታው።

ኣብ መወዳእታ መልሱ 4 ሰባትን ትካላትን (መድረኽ፣ ኤልሳ፣ ታደሰ፣ ዮናታን) ጠቒሱ ብኣንጻር ናይቲ ክዉንንት ገልቢጡ፣ “ዝለገስኩሉ ምኽሪ ኣቐይምዎ ከይከውን ይግምት” ክብል ዝሃቦ መደምደምታ ንገዛእ ርእሱ፣ ተወሳኺ መርትዖን ኣብነትን ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፈይ፣ “ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ….ተልእኾኡ”  ክብል ንዝጠቐስኩዎ እኩይ ስርሑ ደጊሙ ዘረጋግጽ ከይኑ እየ ረኺበዮ።

ንነገሩ ሰንበት ከምቲ ዝበሎ ነዞም ሰባት ብዝምልከት ዘቕረበለይ ምኽሪ ስለለዘቐየመኒ ይርሕቆ እንተዝህሉ፣ ስለምንታይ ነዚ ኹሉ መዓልታት ተጸብየ፣ ኣብቲ ዝተቐየምኩሉ እዋን ርክብ ካብ ምቍራጽ እንታይ ዓንቂጹኒ።

ሰንበት፣ ሓበሬታ ካብ ምቕባል፣ ነቲ ድሮ ህዝባዊ ዝኾነ መርገጺየይ ደጊፉ “ጽቡቕ ገበርካ” ካብ ምባል ሓሊፉ ከማኽርን ርእይቶ ክህብን ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ኪኖኡ ዓቕሙ ከጋንን ምፍታኑ ግን ካብኡ ክርሕቕ ንዝወሰንኩሉ ምኽንያት ንዕኡ ብዝጥዕሞ ሓድሽ ጥበብ ኣቃሙሙ ለባም ብምምሳል፣ ነቲ ከም ደላዪ ለውጢ ቀሪቡ ዝፈተኖ ግርጭታት ናይ ምብላሕ ዕማም፣ ውጥኑ ኣብ ዝፈሸለሉ ግዜ’ውን ከይተረፈ ክቕጽሎን መሸፈኒ ሃሱሳዊ ስርሑ ክኾኖን ስለዝደለየ እዩ።

ሓንሳብ ብገንዘብ፣ ሓንሳብ ብሓዘን፣ ሓንሳብ ብዘቐይም ምኽሪ፣ ሰንበት ልዕሊ ጉጭ ትሕቲ ጉጭ እንተበለ፣ እቲ ኣነ ርክበይ ክቋርጽ ዝወሰንኩሉ ዝተቖጣዕኩሉን ምኽንያት እዚ ብኣብነታት ዝጠቐስኩዎ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ መልሱ ግን፣ ነቲ ኮነ ኢለ ዝዓቀብኩዎ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ዝተዛረብኩሉ ነጥብታት ከይተረፈ ሸፈፍ ኢሉ እዩ ሓሊፉዎ።

ኣነ በዚ ዝጠቐስኩዎ ምኽንያታት፣ ብሕልፊ ብሕልፊ፣ ናጽነት ተኽለ ሰላዪት ናይቲ ስርዓት ከምዝኾነት ኣብ ፓልቶክ ምግላጻ እናፈለጠ፣ ባዕለይ ክሳብ ኣብ ቃለመጠየቕ ነቲ ጉዳይ ዝረኽቦ ክሓብኦ ምፍታኑ፣ ኩነታቱ ንምርግጋጽ መጽናዕቲ ኣብ ዘካየድኩሉ፣ እቶም ሰላዪ ህግደፍ ምዃኑ ዘረጋገጹ ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎ ምንጭታት “ከመይ ጌርኩም ደኣ ፈለጥኩሞ? ኣንታ እዞም ተቓወምቲ ዓይንን እዝንን እምብኣር ኣለኩም እዩ፣ ኣለኹም እምብኣር ኢኹም!” ብምባል እዮም ከይተማትኡ መስኪሮም።  እቲ ሓቂ እዚ እዩ፣ ምእማንን ዘይምእማንን ንኣንባቢ ንሓድጎ። ደጊም ንሕና ምስ ሰንበት ዘመላልስ የብልናን።

ኪኖ ጉዳይ ሰንበት በዚ ኣጋጣሚ ምድጋምን ምኽራርን ዘድልዮ ነጥቢ ግን፣ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስኩዎ፣  ኣብ መትከላዊ ሕቶታት ኣብ መንጎ ብጻይነትን ሕውነትን ክህሉ ዘለዎ ፍልልይ እዩ።  ናብ ካልኦት ተመሳሳሊ ወቐሳታት ክመጽእ ከሎ፣ ጭብጢ ከይሓተቱ፣ ብኡንብኡ በትሪ ኣልዒሎም ከም ተመን ዕዳጋ ጦፋዕ ጦፋዕ ዘብሉ፣ ወረ ገሊኦም ሲ ኣስማቶም ሓቢኦም ሰባት ክኸሱ ድሕር ዘይብሉ ኣብ ደምበ ተቓወሞ ዝርከቡ ብጾት፣ ሕጂ (ንሰንበት) ተኽለዝጊ ዑቕባልደት መቕርቦም ስለዝኾነ ምውሓጥ ኣብዩዎም ጭብጢ ኣመኽንዮም ዋጭዋጭ ክብሉ ምስማዕ ዘተዓዛዝብ እዩ። ጭብጥን ምኽንያትን ክሕተት ግቡእ እዩ። ፍርድን ፍትሕን ግን ኣብ መንነት ናይ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ፖለቲካዊ መስመር፣ ኣብ ጉድጓድ ከምዘይተሸኽለ ፓርታ ኩዕሶ እግሪ፣ እንተደሊኻ እተቕርቦ፣ እንተደሊኻ እንተርሕቖ ክኸውን የብሉን። መን ወዲ መን ብዘየገድስ፣ ስለ ፍትሕን ሓርነትን ዝሓንጸጽካዮ ዕላማን ዝጨበጥካዮ መትከልን ቀዋሚ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ንቓልሲ መሪር ዝገብሮ ድማ እዚ እዩ። ዕላማን መትከልን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ናብ ሓውኻ ናብ ብጻይካ ክትቀርብ ዘገድድ ጠለባት ስለዘለዎ።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ !

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • Dala Ksha April 22, 2016

    Sorry i mean,there are people willing …

  • Tes April 22, 2016

    Aman

    The numbers of hgdef spies are too many with different colour and types. Being vigilant is good. Especially those who came for medical reason they are in mission to do us harm. They bark loud whenever get exposed. My advise to you is that not yo get into game of accusations and counter accusation. Just ignore them
    Cheers

  • mehari gebre April 22, 2016

    ከም በዓል ተኽለዝጊ ሕልና ኣልቦ ኢዮም ነዚ ኣረመን ጉጅለ ተሓባበርቱን ተግበርቲ ገበን ከምቲ ኣቦይ ሃ/ማርያም
    ዝበልዎ በዓልመን’ዮም ደቂ መንዮም ክንፈልጦም አለና እዚ ኩሉ ግፍዒን ስቃይን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ክከፍልሉ ምኻኖም ክሐስብሉ ይግብኦም!!!!!
    ኣማኑኤል/ኣሰና ተበርክቶ ዘላ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ኣሰተዋጽኦ አለዎ ነዞም ሰነፋት ሕልና ኣልቦ ብዙሕ አይትገደሰሎም ሓፋሽ አኣብ ዘለውዎ ይፈልጦምዩ ባዕልና ኣለናዮም።

  • Teages April 22, 2016

    This guy looks like he is a cheap pfdj spy. No question. But, am more surprised by why some people who claim to be in the justice camp came in defense of this cheap pfdj messenger. specially, a guy by the name Mesinas or Misnas .. am not really sure vehemently attacks Assenna for unveiling the spy on its page. I wonder why mr M would intervene in matters he has no knowledge of. Or if has one let him present them to the open and argue against those of Assenna’s. It was much better to let the spy defend himself using evidence than some one jump to his rescue. But, why is mr M touched by this ? He is inviting more suspicion and doubt about himself. Even for the good or unity of the majority of justice seekers he shouldn’t meddle. If he tries he should present his case with evidence. no polemics.

    • AHMED SALEH !!! April 22, 2016

      Guys
      I keep telling you that we have a commentator who copy assenna forum
      participants names for his sinister motives . And it isn’t first time
      to come in disguise of Mesinas.

  • Ahferom Melekino April 22, 2016

    I like the analysis and critique given from Amanuel Eyasu. Thanks for your kind advice and we have to be vigilant on the PFDJ spies. They are meant to extend divisions and weaken the opposition groups. Let’s us be vigilant. Aynitehambel friends and expose to the public those that do such ugly deeds. The Isayas regime infiltrates every right mind who thinks and works to fight him and finances billion of dollars who collected it from our mining Bisha for such devilish actives to put all true Eritreans to suffer for decades. But we have to strengthen our hearts, minds and hands more than ever to fight the people who want our graves to last for ever.

  • ኣርዓዶም April 22, 2016

    ብቐዳምነት ኣሰና ስለቲ ቕኑዕ መትከላን ዕላምኣን ክትምስገን ዝግባእ ዌብሳይት ኢያ፡ ብፍላይ ክኣ ኣማኒኤል ኢያሱ በቲ ነቅ ዘይብል ሃገራዊ ሓልዮቱ፡ ሃብሮም ኮርዒዳ ወዲ ህዝቢ ኤርትራ ክብሃል ይክቕኣል።

    ቐጺለ ብዛዕባ እዚ ብተደጋጋሚ ዝዝረበሉ ዘሎ ሰብ (ተኽልዝጊ ወይ ሰንበት) ብውልቐይ ዝፈልጦ እኵ እንተዘይኮንኩ፡ በዚ ጽሑፋት ግን መን ምዅኑን ጠባያቱን ካላስ ኩሉንትኑ ክርድኣኒ ክኢሉ ኢዩ።

    እዚ ሰብ ተጋዳልይ ከም ዝነበረን፡ ስንኩል ከም ዝኾነን ኣብ ምዝራብን ምጽሓፍን ዘይንዓቕ ታራ ከም ዘለዎን፡ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ`ውን እንተስ ብጠቕሙ እንተስ ብፍሒ፡ ኣብ ላንግላንጋ መርገጽ ሒዙ ዝኸይድ ምዅኑን ካብ ኩሉ ጽሑፋት በጺሕናዮ።

    ተጋደልቲ ክብሃል ከሎ፡ መቸም ሓደ-ሓደ ከም ብዓል ኣማኒኤል ኢያሱ ገዲፍካ፡ መብዛሕትኦም ብሩዛት ሓንጎልን ስሱዓትን ኮይኖም ረኺበዮም። ከምኡ`ውን ኣብ መብዛሕትኦም ድንቑርናን ዕሽነትን ክሳብ ሕጂ ተሰኪሞመን ካብ ዝከዱ ዘለዋ ኢንታታት ኢየን። ከምኡ` እንትዘይከውን ክኣ፡ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ደሞም ዘፍሰስሉ ሓርነትን ናጽነትን ረጊጾም፡ ንሓደ ሰብ ተጎምቢሖም ክሰግድሉ ኣይምኽኣሉን ኣይምርኣናዮምን። እዚኦም ግን መግለጺኡ ክሳብ ዝጠፍኣካ፡ ንሓደ ውልቐ-ሰብ ኢሎም ከም ዝተቓለሱ፡ ነቲ ቐንጻልን ጨዋይን፡ ነቲ ብዘይሕጊ ህዝቦም ዘጋፍዕ፡ ተመሊሶም ከገልግልዎን፡ ነቲ ንሱ፡ መሰሎም ገፊፉ፡ ከም ዝስደዱን ተሰዲዶም ከምዝነብሩን ዝገበሮም፡ እወ ብዘይቐልዓለም ተመሊሶም ከገልግልዎን፡ ብምድንጋርን ብስርቕን ነቲ መሰሎም ክረኽብዎ ምፍታኖም፡ ክሳብ ክንደይ ፍንፉናት ፍጥረት ምክውኖም የርእየካ።

    ስለዚ ተኽልዝጊ በይኑ ዘይኮነስ፡ ብዙሓት ከምኡ ዝኣመሰሉ፡ ምእንቲ መሰል ህዝቢ ተቓሊስና እንዳበሉ ተሰዲዶም ክነሶም፡ መሰሎም ሰብ ብምግፋዕን ህዝቢ ኤርትራ ብምምዝባልን ደስ ዝብሎም፡ ብኸምኡ ዕድል ዝኽፈተሎም ዝመስሎም፡ ቖራይ ይኹን ሓንካስ፡ ፈጣጥ ይኹን ዕዉር ብዙሓት፡ ጸማም ይኹን ገለ፡ ብሕልሚ ዝነብሩ ኣለዉ። ብሰንኪ እዞም ንፈልጥ ኢና ዝብሉን፡ ብሰንኪ ተጋደልቲ ነበር፡ (ተጸበይቲ መሰሎምን)፡ በቓ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዓመታት ተጎቲቱን ይጉተት ኣሎን።

    ተኽለሰንበት ወይ ተኽልዝጊ፡ ዋላ ሓያል ተዋግኣይ ይንበር፡ ንመሰል ህዝቡን ንሓርነትን ፍትሕን ክሳብ ዘይሰርሐ፡ ገና መደናገሪ መቓጠሪ መለኽቲ ኢዩ። ጽሑፉ ዝብሎን ዝገብሮን፡ ከም`ቶም ኣብ ኩሉ ከተማታት ኢሮፕን ኣመሪካን ተዘርዮም፡ ብኣፎም ተደናገጽቲን ተቓወምትን ዝመስሉ መበጻጻሕትን ዘረግትን ዓይነት፡ ልቦም ብኢንክሒራን ሓሶትን ዝዘቕበበ፡ ብዙሓት ሓደ ኢዩ። ዳሕራይ ጉዶም ምስ ወጸ ዓፍ-ዓፍ ምባል ትርጉም የብሉን። ኣብ ቓልሲ ንሓርነት ከፊኦምና ዘለዉ እምበኣር፡ መብዛህትኦም ከም ተኽልዝጊ ተጋደልቲ ነበርን ፡ ብጥልመቶም ዝተማህሩ ናይ ሳዋን ምዅኖም፡ ኣዝዩ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

    ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ እግዚኣብሄር ካብ`ቲ ሒዝካ ዘሎ ገበል የላቕቕካ፡

    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ነቶም ምእንቲ ሓርነትን ፍትሕን ሕግን ዝተሰውኡ ደቒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡

  • TSELOT April 22, 2016

    History has taught us a lot, many gave their lives for a wrong cause. Millions of people scacrificed their lives for communism, thousands gave their lives to invade and suppress innocent people. So many spies gave their lives to defend hitler, mengistu, polpot, pinoche and others. This shows us Senbet can commit himself to defend our dictator. Hope he can learn and make u-turn.

  • ruth April 22, 2016

    pfdj spies need to be exposed regardless of their region, ethnic group, or religion.

  • Saul April 22, 2016

    Dear Amanuel
    Issaias and his evil circle are results of “Taygedeseni or abey keybetsih” and deliberate coverups.In those decades he became strong enough to sabotage our independence and drive us to his goals. There could be a probability you are wrong about “Senbet” which I don’t think so, but let he prove his innocence (it is up to him). As you said today’s struggle is very complicated than ever because the war is information vs misinformation. Our struggle should start with the trained dogs before we reach to their owner. I am glad that you stated with one, “Senbet”.

  • Tzighe April 22, 2016

    አዚ ኩሉ ኒ ኣሰና ራዲዮ ኒ ምዊድቅ ዝካይድ ዊዲት ዝይ የሳሓት ኢዩ ኒ ኩሉ መሳናክልት ሰጊሪና ኪን ኢወት አና ኣሰና ፋዊንደሺን ኣብምስኩም ኣልኩ ። ጽገ ሃንቲ ካብ ኣባል ህዝባዊ ማህበር ሚላኖ ።

POST A COMMENT