Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉዳይ ክሲን ጥርዓንን ብዝዕባ ኩባንያ ነቭሰን ዘውረዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ሰራሕተኛታት – ካብ ኤርትራዊያን ሰራሕተኛታት ዕደና ቢሻ ኢርትራ

ዕለት 15/11/014   ካብ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት  ዕደና  ቢሻ ኢርትራ   ጉዳይ ፥ክሲን ጥርዓንን ብዝዕባ ኩባንያ ኘቭስን ዘውረዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት   እዚ ዝስዕብ ክሲ ኩባንያ ነቭሰን ሪሶርሰስ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ኢርትራውያን ንዝገበሮን/ ንዝፈጾሞን ንዝፍጽሞን ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ

ዕለት 15/11/014

 

ካብ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት  ዕደና  ቢሻ ኢርትራ

 

ጉዳይ ፥ክሲን ጥርዓንን ብዝዕባ ኩባንያ ኘቭስን ዘውረዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኢርትራዊያን ሰራሕተኛታት

 

እዚ ዝስዕብ ክሲ ኩባንያ ነቭሰን ሪሶርሰስ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ኢርትራውያን ንዝገበሮን/ ንዝፈጾሞን ንዝፍጽሞን ዘሎ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት፥ጭቖና፥ ምምዝማዝ፥ ሑሱር፥ ጉልበት፥ ምጥምዛዝን ምምዝማዝን ሕጊ ዕዮ ኢርትራን ኣህጉራዊ ሕጊ ዕዮን ዘመልክት ኮይኑ ነቲ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ዘቓልዕን ኣብ እህጉራዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ /International court of justice/ ብመሰረት ወኪልና ንኸስስ ኣለና

እቲ ዝተገብረ በደላት ከምዚ ዝስዕብ እዩ

  1. ከምዚፍለጥ ብመሰረት ሕጊ ዕዮ ኤርትራ ዕድላት ስራሕ ቕዳምነት ንኤርትራዊያን እዩ ዚብል፤፤ እዚ ጉዳይ እዚ ግን ብኩባንያ ነቭሰን ተመዝሚዙ ተሪፉ፤፤ ንምብራህ ዚእኪል ሓደ ወጻእተኛ ክቑጸር ኣንተድኣ ኮይኑ፡ ኣቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣድቨርታይዝ ዪከዊን ብድሕሪኡ ነቲ ቦታ ዝበቕዑ ኤርትራውያን እንተዘይተረኽቡ ወጻእተኛ ክቑጸር የፍቒድ፤፤ ኩባንያ ነቭሱን ግን ነቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብዝነስ ቪዛ ወይ ኽኣ ኮንትራክቶር ኢሉ ቅድሚ ኣድቨርታይዝ ምግባሩ ነቲ ናይ ስራሕ ቦታ ይመልኦ፤፤ ብድሕሪኡ እቶም ወጻእተኛታት ኣብ ቢሻ ዕደና አንዳሰርሑ ተቖጺሮም ከለዉ ቫካንሲ ኣድቨርታይዝ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ አርትራ ይግበር፤፤ ስለዚ አዚ ምትላል አዩ፤፤ እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ተመሊኡ አንዳሃለወ ናይ አርትራውያን ጊዜን ገንዘብን ሞራልን ንምጥፋእ ዝግበር እዩ። ሓደ ሰብ ስራሕ ከመልክት ከሎ አንተኾይኑ ናይ ሲቪ፥ ፎቶ ኮፕይ ናይ ሰርቲፊካት፥ ወዘተ ጌርካ ኢካ ኣፕላይ ትገብር፤፥ ብተወሳኺ ግዜ ምጥፋእ፡ ተወሳኺ ናይ ሞራል ሕቶ ኣውን ኣሎ ኽዕወት ዶ ይኸውን ኣይዕወትን ዝብል ናይ ኣጉል ትጽቢት ኣሎ፤፤ እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ግን ኣቀዲሙ ብወጻእተኛ ተመሊኡ እዩ፤፤ ስለዚ ኩባንያ ነቭስን በዚ ጉዳይ እዚ ተሓታቲን ተከሳስን ይኸውን።
  2. ኩባንያ ነቭሰን ብዝተፈላለየ ረቂቕ ኣገባብ ሰራሕተኛታት አርትራውያን ናይ ስራሕ ቦትኦም ገዲፎም ስራሕ ከምዝገድፍዎ ይገብር፤፤ ንኣብነት ምድስካል፡ ዝተፈላለየ ናይ መቕጻዕቲ ኣገባባት፡ ፈላሊኻ ግዛኣ ሜላ (ዲቫይድ ኤንድ ሩል ሲስተም ወዘተ
  3. ኩባንያ ነቭሸን ኣብቲ ፊዚቢሊቲ ስታድይ ዝገበሮ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ኣገባብ እካ ኣንተገለጸ ስጋብ ሕጂ ወጻእተኛታት ብኤርትራውያን ክትክኡ ስጋብ ሕጂ ኣይተራእየን። በዚ ምክንያት ሰርሕታኛታት አርትራውያን ናይ ተስፋ ምቑራጽ ስምዒታት ጌሮም ስራሕ ምግዳፍ ብብዝሒ ይገብሩ ኣለው። ስለዚ ኩባንያ ነቭሰን ብብልሽውና ተኸሳሲ እዩ።
  4. ኩባንያ ነቭስን ነዞም ዝስዕቡ ኤርትራውያን ማናጀርስ ኮነ ኢሉ ናይ ስራሕ ቦትኦም ከምዝገድፎ ገበሮም

ሀ፡ ዶክተር የማነ ዘካርያ (ናይ መጀመሪያ ኣከባብን ማሕበራዊን ማናጀር ነበር (former environmental &social manager)

ሀ፡ መለስ ሓጎስ ኣርሆ ፡ ናይ ዳህሳስ ማናጀር (former Bisha Exploration manager) ዝነበረ

ለ፡ ገዛኢ ዓንዶም፥   ናይ ኮፐር ኾንስትራክሽን ማናጀር (copper process Plant construction manager) ዝነበረ

ሐ፥ ጳውሎስ ግርማይ ምክትል ማናጀር ክፍሊ ዓቕሚ (former Vice HR manager) ሰብ ዝነበረ

ስለዚ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን በዚ ዝተጠቕሰ ተኽሳስን ተሓታትን እዩ፤፤

  1. ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ነዞም ዝስዕቡ አርትራውያን ማናጀርስ ነበር ብዘይ ቕድመ ኩነትን ምኽንያትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ስራሕ ኣባሪርዎም፤፤

ሀ፥ ኣቶ ኣፈወርቒ ክብርኣብ ሓላፊ ዓቅሚ ሰብ (Human resource manager) ኣብ ዕለት 29/11/2014 ዝተባረረ

ለ፡ ኣቶ ሃብታብ ሓላፊ ኣከባብን ማሕበራውን (Environmental and social Manager) ኣብ መፋርቕ 2014 ዝተባረረ

N.B ኣቶ ሃብተኣብ ድሕሪ ዶክተር የማነ ዘካርያስ ዝተቆጽረ እዩ።

ሐ፡ ኣቶ ኢዮብ ሃይለ ናይ ቢሻ ቪለጅ ኣግልግሎት ማናጀር ዝነበረ (Bisha Village services manager)

መ፡ ክብረኣብ ኢሳቕ ሱፐርቫይዘር ናይ ክፍሊ ኣገልግሎት ጽገና (supervisor of maintenance services) ዝነበረ

ስለዚ ኹባንያ ዕደና ነቭሰን በዚ እውን ተኸሳስን ተሓታትን ይኸውን።

 

  1. ኩባንያ ነቭሰን ንኢርትራውያን ሰራሕተኛታት ናይ ደሞዝ ምዝመዛ ኣካይዱ። ናይ ወርቕን ነሓስን ምህርቲ ካብ ዝጅምር ስጋብ ሕጂ ንኣስታት ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣይተወሰኸን፤፤ ኹባንያ ነቭሰን ኣብ አርትራ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን ክብሪ መነባብሮ ከይዓጠጦ ሰርሕተኛ ደሞዝ ከይወሰኸ መዝመዞ፤፤ በዚ መሰረት ኩባንያ ነቭሰን ተኸሳስን ተሓታትን ይኸውን።
  2. ኹባንያ ዕደና ነቭስን ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብወጻእተኛታት (Expat) ሰራሕተኛታት እንዳተበደሉ መሰሎም አንዳተጋህሱን ሱቕ ኢሉ ይርኢ ንኣብነት ወጻእተኛታት ሰርሕተኛታት ንኢርትራውያን ትረይኒንግ ወይ ክኣ ስልጠና ሂበካ ኢሎም ኣገዲዶምን ተመሻጢሮምን የፈርምዎም፤፥ ወጻእተኝታት ሰራሕተኛታት ስጋብ ሕጂ ከይትክኡ ስለዝፈርሑ ፍልጠቶም ከምዘየካፍሉ ኣንተኾነ ግን ኢርትራውያን ሰራሕተኛታት ነቲ ካብ ተመክሮኦምን ጻዕሮምን ካብ ሑሉፍ ተመክሮኦምን ዝፈልጥዎ ፍልጠት ስራሕ ወይ ተመክሮ እቶም ኣብ ልዕሊኦም ኮይኖም ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ምሂረካ እየ ወይ ኣሰልጢነካ እየ ኢሎም ኣገዲዶምን ተመሻጢሮምን የፈርምዎም፤፤ በዚ መሰረት ኢርትራውያን ሰራሕተኛታት ዕግበት ስራሕ ስኢኖም ስራሕ ናይ ምግዳፍ ስጉምቲ ይወስዱ፤፤ ስልዚ ኩባንያ ነቭሰን በዚ ጉዳይ እዚ ተሓታትን ተኸሳስን ይኸውን።
  3. ኩባንያ ነቭሰን ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ክውደቡ፡ ክጥርነፉ፡ ማሕበር ክምስርቱ ኣየፍቕድን። መርኣያ ናይዚ እኣ ሰራሕተኛታት ኢርትራውያን መሰሎም እንዳተገፈፈ ኽጣበቑ ከምዘይክእሉን ኣብ ሕጊ ዕዮ ዝሰፈረ መሰሎም ከምዘይክበረን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሃንደበት ብማናጀርስ ናይቲ ኩባንያ ይስጎጉን ክባረሩን ይርከቡ፤፤ በዚ መሰረት ኩባንያ ዕደና ብሻ ተሕታትን ተኸሳስን ይኸውን።
  4. ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ብጉዳይ ኣፈላላይን ወገናዊ ሰርሕተኛ ኣቆጻጽራ (ዲስክሪምናሽን) ኽኽሰስን ኽሕተትን ይግብኦ፤፥ ኣብ ምቑጻር ሰራሕተኝታት እቲ ዝወጽእ ዝሕተት ብቅዓት ካሊፊኬሽን ከየማልኡ ሰባት ብወገንነት ብዓርከይ ዓርክኻ፡ ዘመደይ ዘመድካ ነቶም ብቑዓት ሰባት ሓሊፎም ይቁጸሩ፤፥ ንኣብነት እቲ ኢንተርናል ቫካንስይ ዝብሃል ዝወጽእ ናይ ስራሕ ቦታ መምልኢ ብፍላይ ኣብ ኤች ኣር ደፓርትመንት ዝርከቡ ሰባት ማዕርነት ዘይብሉ ወገናዊ ኣቕጻጽራ ይኽተሉ። ንኣብነት ን BMSC (bisha mining share company) brothers, mothers, sisters, cousins ዝብል ቕጽል ብኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ተዋሂብዎ ይርከብ። በዚ መሰረት እውን ተኸሳስን ተሓታትን ይኸውን
  5. ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ንሰራሕተኛታት መዓልቱ ዝሓለፈ ቢራ ሽይጡ ኣብ ሰራሕተኛታት ዝኾነ ግዚያዊ ናይ ጥዕና ጸገም ኣምጺኦ ሓያል ናይ ሰራሕተኛታት ቑጥዐን ሕቶን ኣስዒቡ። ብገለ ሓልፍነት ዘይስሞዖም ሓለፍቲ ግን መንዶ ገዲዱኩም ኣዩ ክትሰትይዎ ተባሂሉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እውን ሰራሕተኛታት ይሓሙ እሞ ኣብ ሕክምና ኮንታሚናት ዝኾነ በሊዕካ ይብሃሉ። መብዛሕትኡ መግቢ ናይ ብሻ ዕሹግ ኮይኑ ካብ ደገ እዩ ዝመጽእ። ኣገልግለት ግዚኡ (expire date) ዝሓለወ ምዃኑ ናይ ሳልሳይ ኣካል ምስክርነት ኣሎ ድዩ የለን ፍሉጥ ኣይኮነን። ስልዚ ኩባንያ ነቭስን ኣብ ጥዕና ተገዳስነት ከምዘይብሉ የርኢ። በዚ ጉዳይ እዚ ተሓታትን ተኸሳስን ይኸውን።
  6. ኩባንያ ዕደና ነቭስን ፐርፎርማንስ ኢቫሉዌሽን ብዝብል ኣገባብ ንኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ናይ ጭቆናን ምዝመዛን ዓመጽን ብወጽእተኛታት ሱፐርቪዞርስ ወይ ማናጀርስ ኣብ ነቭሲ ወከፍ ሹድሽተ ወርሒ ገምጋም የካይድ፤፤ እቲ ዝግበር ገምጋም ዝቐነነ (biased) ፍርዲ ኮይኑ እቶም ገምጋም ዝገብሩ ኣካላት ብጀካ ድኹም ጎኒ እንዳዘከሩ እቲ ጽቡቕ ጎኒ ንጎኒ ገዲፎም ዝተሓተ ገምጋም ስራሕ ሂቦም ብሓይሊ የፈርምዎም፤፤ በዚ ምኽንያት ክኣ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ናይ ተስፋ ምቑራጽ፡ ነብሰ ምትሓት፡ ምብስጫው ስምዒት የሕድሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኽኣ ስራሕ ኣብ ምግዳፍ ይኣትዉ። ስለዚ ኩባንያ ዕደና ነቭሰን በዚ ነጥቢ እዚ ተኸሳስን ተሓታትን ይኸውን።
  7. ኩባንያ ዕደና ነቭስን ንብዙሓት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ናይ መስበርቲ ወይ ጉድኣት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋናት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣይተሰበርካን ወይ እይተጎዳእካን ኢሉ ይጥልሞም እሞ ናይ ኢንሹራንስ ወይ ኻሕሳ መሰሎም ዝተኸልከሉ ኣለዉ። በዚ መሰረት ኹባንያ ዕደና ብሻ ተኸሳሲ ይኸውን።
  8. ኤርትራውያን ሰርሓተኛታት ናይ ኢንሹራንስ ካሕሳ መሰል ዳርጋ የለን ክብሃል ይክኣል። ኹባንያ ዕደና ብሻ ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ሓደ ሰዓት ብዘይዕረፍቲ የስርሕ። ምስ ሃገራዊ መድሕን ኤርትራ ዝኣተዎ ውዕል ግን ናይ ሸሞንተ ሰዓት ጥራይ እዩ። ኹባንያ ዕደና ብሻ በዚ ጉዳይ እዚ እውን ተኸሳስን ተሓታትን እዩ።
  9. ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ካብ ብሻ ክወጹን ክኣትዉን ከለዉ ክለተ ናይ መፈተሺ ቦታ ተጌሩ ብብርቱዕ ይፍተሹ። እቶም ወጻእተኝታት ግን ኣይፍተሹን። ሰብ ኣገዛእ ሃገሩ ክብሪ ስኢኑ። በዚ እውን ማዕርነት ዘይክተልን ዘይብሉን ምኻኑ ክኽሰስ ይግባእ።
  10. እቲ ብሙሉኡ HR rules ዝብሃል ሕጋጋት ኣብ ግብሪ ኣይውዕልን እዩ። እቶም ኣብ ኣብ HR department ዘለዉ ኢርትራውያን እውን ብወጻእተኛታት ዝተበሃልዉ ዝገብሩ ብዛዕባ ሕጊ ዘይጣበቑ ባምቡላ እዮም ስላዚ ሕጊ ዝብሃል የለን ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ስዓት ይቅጻዕ ይድስክል ይባረር። ስለዚ በዚ መሰረት ኩባንያ ዕደና ነቭሱን ተኸሳሲ ይኸውን።

 

ስለዚ በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ግፍዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕደና ንኤርትራ ጸጋ ዘይኮነ መርገም ወይ (curse) ኮይኑ ይርከብ። ስለዚ ኩባንያ ዕደና ብሻ ብውሕዱ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዓሰርተ ሓሙሽተ (15) ነጥብታት ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ወይ ቤት ፍርዲ ኽኽሰስ ንሕና ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን በመሰረት ወኪልና ንሓትት።

 

ብተወሳኺ እቲ ኣሕዋትና ኢርትራውያን ናይ ሰገን ሰራሕተኛታት ነበር ኣብ ቫንኮቨር ካናዳ መስሪቶሞ ዘለዉ ክሲ ሙሉእ ሓቅነት ከምዘለዎ በዚ ኣጋጣሚ ምስክርነትና ንህብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Mesinas December 13, 2014

    ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን እዚ ወሪዱኩም ዘሎ ግህሰት መሰል መንግስቲ እንተ ዝህልወና ኔሩ ኣምበይምወረደኩምን ኔሩ! እንተኾነ ከምቲ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ኣብ ገለ ዓንቀጻት ጽሑፋቱ፥ “ኤርትራውያን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይመንግስትን ተቓዋምቲ ውድባትን ኣለና!” ዝበሎ ስለ ዚኾነ ኣውያትን ጥርዓንን ዜጋታቱ ሰሚዑ መሰሎምን ክብሮምን ንምሕላው ‘እሕሕ’! ዝብል መንግስቲ ይኹን ተቓዋሚ ውድብ ስለ ዘይብልና ብኹሉን ኣብ ኩሉን ግዳይ ዓመጽን ሕስረትን ንኸውን ኣለና። ጠንቂ’ዚ ኩሉ ኣደራዕ ግን ንሕና ባዕልና ኤርትራውያን ኢና! ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መንጎ መንግስትን ፈያትን (ሽፍታን) ዘሎ ፍልልይ ክንግንዘብ ዘይንኽእል ከም ኣባጊዕ ሞራ (ምልምል ስላዕ) ዚሓዘ ጓሳ ጥራይ ዝብራሃና ድሑራት ኤርትራውያን ኢና! ብሕልፊ ድማ እቶም ዘጽልሉላ ገረብ ቈሪጾም ‘እዚኣ መኾብኮብ ዘይምእዙዛት ኣባጊዕ ኪትኮነካ’ ብምባል ነዚ ጨካን ጓሳ ሞራ ዘቐብሉ ዘለዉ ሃዚላት! ጽንዓት ይሃብኩም ፍቑራት ኣሕዋት! ነቲ ሰብ ዘይብሉ እዝጊ ኣሎዎ!

  • Solomir December 13, 2014

    They are there to make business and maximize their profit, it was the responsibility of the dictatorial regime to monitor and review each and every activities in the camp. However, hgdf is the cause of the problem not the company. we need to work out what we could do ourseve. it is better to support the legal proceedings in canada and US.

  • ERITRAWIT December 13, 2014

    All this not been done just by the company. I believe Isaias is behind all this.
    Hade afetew hager yeblkumen tezblena do mhashe gele fenterter knble?

  • ERITRAWIT December 13, 2014

    Dekey hager sorry netey tgebrwo zelekum keyemesgenkew hrkaney tray gelese thank you good luck.

  • Antonio Tesfay December 14, 2014

    መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብህጉዳይ መሰል ሰራሕተኛታት ነቭሰን ንህዝቢ ሓበሬታ ንህልዉ ኩነታት ህዝብና ዝገልጽ ንሓደ ክፋል ኤርትራውያን ዝገልጽ ሂወት ማሕበራዊ ናብራ ሃገርና’ዩ። ኣገዳስነቱ ከኣ ልዑል’ዩ። ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፎ ዝጸንሐን ዘሎ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማሕበራዊ ናብራ፡ ማሕበራዊ ዕብየት፡ ማሕበራዊ ነጻነት ካብ ዘጋልጾ ንጹርን ግሉጽን ሓደ እዚ ናይ ነቭሰን ኩባኒያን ንዕኡ ዝኣመሰሉ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፉ ኩበኒያታት ብተምሳል ነቭሰን ክግመትን ክምዘንን ይኽእል። እዚ ንኩባኒያ ነቭሰን ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ ርእዩን ርዱእን ክስታት እዚ ዕማም ዕደና ብሻ ከተበገሰ ከሎ ዘእወናሉን ዝተዛረብናሉ ኮይኑ፡ ሎሚ እቲ ሓቕታት ብጸብጻብን ብኣካል ብዝተሳተፍዎ ኣካላት ንዝቀርብ ክሲ ነቲ ናይ ኤርትራዊ ዜጋ ብጃምላ ዝቐርብ ዝነበረ ክስታት ሎሚ ደቂቕ ቀሪቡ ይርከብ። እዚ ከኣ ነቶም ተባዓት ኤርትራውያን ዜጋ ንመሰሎም ሓደ ሸአንኽ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍን ሽርሕታቱን ብኻልኣይ ሸነኽ፡ ነታ ዲሞክራውያዊት ኤርትራ ንምህንጽ ኣብ ዝካይድ ቃልሲ መላእ ደላይ ፍትሒ ሓደ ኵርናዕ ናይቲ መግለጺ ምዃኑ ታሪኻዊ’ውን እዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ ነቭሰን ግን ከየተግለጽ ዝሓለፈ ዓብይን ኣገዳስን ጉዳያት ከም ዘሎን፡ እቶም ነዚ ክሲ እዚ ዘቕረቡ’ውን ኣጸቢቆም ዝፈልጥዎን ክገልጽዎን ዝኽእሉ ጉዳያት ከም ዘሎ ዝርድኣኒ ጉዳያት ኣሎ። እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ንዓይ ከም ዝርድኣኒ ኣብ መንጎ ወሃቢ ስርሓን ሰራሕተኛን፡ መሰል ሰራሕተኛ ምፋግ፡ ሌላን ጉሌላን ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት፡ ኣፈላልይ ከም ዘሎ ጥራሕ ገሊጹ። እዚ ጉዳይ እንተዘይተጋጌየ ኣብ’ቲ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ክሲ ጥራሕ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ክሲ ኣብ መንጎ ወሃቢ ስራሕን ሰራተኛን ወይ ኣብ ምንቦ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝረኤ ግርጭት ስለ ዝዀነ። እዚ ጉዳይ ግን ካብ ኣብ መንጎ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ዘሎ ግርጭት ኣብ ኣህጉራዊ ስርሕታትን፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ንስለ ዝሰጋግር እቲ ክሲ ካብ’ዚ ሕጂ ቀሪብሉ ዘሎ ኣገባባት ኣሰራርዓን ንላዕሊ ኮይኑ ክቀርብ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ ኮይኑ ንስለ ዝስማዓኒ ገገለ ካብ ተሞክሮ ወስ ከብል ምደለኹ። እቶም ነዚ ክሲ ዘቕርቡ ኣካላት ነቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክሲ ከቕርቡ እንከለዉ፡ 1. ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰል International Human right law 2. ብኣህጉራዊ መሰል ሰራሕተኛታት International laber right law 3. ብኣህጉራዊ መሰል ዜጋታት International citzen right law 4. ኣህጉራዊ መሰል ከባቢ International Environmental right law ዘጠቀላለን፡ ነቲ ኣህጉራዊ ውዕላት ጥሒሱ ንስልጣኑ ዝሰርሕ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ቅደመ ከም መእተዊ ገገለ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ Political Historical background ዘስፈረን ዘቐመጠ ኩነት ክኸውን ዝነበሮ እዩ በሃላይ እየ። እዚ ጉዳይ’ዚ ከይዱ ከይዱ ኩለንተንኡ ጸብጻባት ዘቕረበ ክኸውን ይኽእል። ይኹን’ምበር በዚ ቀርብዎ ዘሎ ጉዳይ፡ ከም’ቲ ኣቕረብቱ ዝሓጸርዎ፡ ዝተወሰነ መልሲ’ዩ ዝቐርበሉ፡ ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛን ነቭስን እዩ። ኣብ’ዚ ዓብይን ኣገዳስን ሃገራውን ኣህጉራውን ፖለቲካዊ ጉዳይ፡ ብሰንኪ እቲ ዘይምምኽራን፡ ነቲ ክሲ ብመሰረቱ ዘይምርኣይን ግደን ተራን ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተረሲዑ ኣሎ በሃላይ’የ። እሞ እቲ ጉዳይ እንታይ ዝብል ሓታት ክህሉ ግድነት እዩ። እቲ ጉዳይ ዶ እዚ ጉዳይ ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ጉዳይ ምዃኑ ብንጹር ምግላጽ’ዩ። ካልኣይ ኣንጻር ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣንጻር ምጽናት ብሄራትን ወይ ዓሌታት ውርድ እንተበልና ዓድታት፡ ኣንጻር ከባቢያዊ ብከላ፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ስምምዓት፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ኣንጻር መሰል ሰራሕተኛታት ነቭስን ዝተገገብረ ሽርሒታት ከም ጭብጢ ምቕራብ’ዩ። ኣብ ምዕራብ ሃገራት ንነብር ኤርትራውያን ብዛዕባ ፍሉይ ጉዳይ ክንዛረብ ዘግድደና ጉዳይ እንተደኣ ሃልዩ፡ ኣብ’ዚ ንነብረሉ ዝተፈላልየ ኣገራት ኤውሮጳ ይኹን ሰሜን ኣሜሪካ ብምንጽጻር ዝረአ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ክሲ ዝቀርበሉ ቦታን ገበን ዝፍጸመሉ ቦታ ዝተፈላልየ ድሕረ ባይታን ኣመጻጽኣ ስለ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ምዕራብ ሃገራት ብትካላት institution ደረጃ ዝማዕበለ ስለ ዝዀነ እቲ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ንዝተፈጸመ ገበን ንዘቕርቦ ክስን፡ ኣብ ኤርትራ ንዝተፈጸመ ንዘቕርቦን ክሲ ክፈላል ይኽእል። በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዝተፈጸመ ገበን ከም’ቲ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝተፈጸም ገበን ብቀሊሉ ምቕራብ ተመራጺ ኣይከውንን። እዚ ጉዳይ ከኣ ከይዱ ከይዱ ከም ኣቐራርብኡ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ሃገርን ህዝብን ዘይኮነስ ናይቶም ዝኸሱ ዘለዉ ኣካላት ብናይ ደረጃ ውልቃዊ ካሕሳ ዝፍጸም ፍርዲ’ዩ ዝመስል። ምእንቲ’ዚ እቲ ክሲ ምስ ናይ ሕጊ ምሁራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሰብ ሞያ ምምኽኻር ዘድልዮ ዓብይ ሃገራዊ ኤርትራዊ ጉዳይ’ዩ በሃላይ’የ። ናይ ገገለ ሰብ ሞያ ስም ምርቛሕ፡ ናይ ገገለ ፍሉይታ ሰባት መሰል ጥዕና፡ መሰል ስራሕ ምጥቃስ ኣኻሊ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውያን ዜጋታት ዘውረዶ ኣህጉራዊ ጥሓሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ መሰል፡ ናይ ሰራሕተኛታት ውዕል መሰል፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ከባቢ ኣሕጉራዊ ምጥሓስ መሰል፡ ወዘተ ሓቢሩ ሙሉእ ስእሊ ክህብ ዝኽእል ክሲ ምስ ዝቀርብ ጥራሕ’ዩ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ክረክብን ናይ’ቶም ከሰስት ናይ’ቲ ጉዳይ ውጺዓት ዝኰኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ሙሉእ ሃገር ዘዕግብ መልሲ ክረከበሉ ዝኽእል ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። እዚ ወድሓንኩም ኣንቶንዮ ተስፋይ ካብ ሽወደን

  • AHMED SALEH December 14, 2014

    The root problem of forced labor lies to political clout behind national service based in
    Sawa military training camp . Our people missed to identify the intended damaging
    practice of cheap labor which caused great concern to it’s consequences since 1990’s .
    Tragically , Sawa is the moment for our youngs the people should recognize to look
    for chance to see change . The place become shame on us all to contribute easy access
    for injustices that troubled the whole society .
    Stupidity might force us to incline on simply deflecting attention from its real nature
    unknown that we together are the only losers as a nation .
    WELCOME TO DIRTY POLITICS LAUNDRY OF TREASON FROM HGDF STYLE .

  • Mokonen December 14, 2014

    SHIM KESASI ZEYBELU HASEWITI

  • helen December 21, 2014

    kulu haqi ymesel!!!!!
    Anne zfeltho kzareb
    ATO Eyob Haile hade kab itesegu elu intekonne gn sereqi ke sirah kqtsl yfeqedelu malet diyu Anne n Ato Eyob Haile kem seraqi kem meza’i kem feger kea yfeltho slezi itom tethabeqti sebawi meselat tbulu n ntsuhat sebat dea tethabeqlom imber nsereqti aytthabequ kulu seb kea yfelth iyu Eyob blshuw mkanu

POST A COMMENT