Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ንደለይቲ ፍትሒ፡ ንደገፍቱ’ውን ስቃይ’ዩ

ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብዓይኒ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ደገፍቲ መንግስቲ ወይ ተቃወምቲ መንግስቲ” ኢልካ ኣብ ክልተ ደምበ ክትመቅሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ፡ ብሕጊ ኣልቦን ትዕቢትን ዝጓዓዝ ቀታሊ ሰብን ዘማቲ ሃብትን ጉጅለ እምበር፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን

ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብዓይኒ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ደገፍቲ መንግስቲ ወይ ተቃወምቲ መንግስቲ” ኢልካ ኣብ ክልተ ደምበ ክትመቅሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ፡ ብሕጊ ኣልቦን ትዕቢትን ዝጓዓዝ ቀታሊ ሰብን ዘማቲ ሃብትን ጉጅለ እምበር፡ ብህዝቢ ዝተመርጸን ቅርጺ መንግስቲ ዘለዎን ስለዘይኮነ፡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ “መንግስቲ ኤርትራ” ኢልካ ክትጽውዖ ማዕቀኑ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ከም መንግስቲ እንተተቆጺሩ ድማ ነቶም ብግብሪ ብሕጊ ተገዚኦም ህዝቦምን ሃገሮምን ዘማሓድሩ ቅኑዓት መንግስታት ኢድ ምስባርን ትርጉም መንግስቲ ምቅያርን ኢዩ። ኣብ ኣሻኽ ዕድመ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቶም ሞቶምን ሕየቶምን ምስ ጠላምን ውልቀመላኽን ኢሳያስ ክኾኑ ዝመረጹ፡ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ፈተውቲ ነብሶምን ከውሒ ልቦምን፡ እቲ ዝበዝሕ ኤርትራዊ ግዳይ ኩሉ ዓይነት በደልን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን’ዩ። እዞም ኣብ መሳኹቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓኪሎም፡ ወይ’ውን ኣብ እኩብ ሰብ ቃላት ጉጅለ ህግደፍ ዝደግሙን ዝዝምሩን ውልቀሰባት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ብልክዕ ክምልሱ ብቅዓት፡ ድፍረትን ሞራላዊ ሓላፍነትን የብሎምን።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ’ቲ ስማውን ግሉጽነት ዝጎደሎን፡ “ስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ” ዝብል ስም ኣጠሚቁ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝፈረሞን ብስዑድ ዓረብያን ብሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝተባረኸን ሓድሽ ፖለቲካዊ ቀበዝበዝ፡ ሓቀኛ እንታይነት መላኺ ኢሳያስ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተቃሊዑ ኢዩ። ዕድመ ንግዜ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝጥቀመሉ ዝነበረ መሕብኢ መሽጎራጉር ተፈሊጡ’ዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ካብ ዲፕሎማስያዊ ኮሸምሸም ኢሳያስን ስዓብቱን፡ ንቅሓት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝበረኸ፡ ምንቅስቃስ ይኣክል ክምዕብል ደሪኹ፡፡ ብፍላይ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ስደት ዝነብር ዜጋ፡ ናይ ምዝራብን ምእካብን መሰል ስለዘለዎ፡ ኣንጻር ዓማጺ፡ ግስሩጥን ንልኡላውነትን መንነትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ውዕላት ጠጠው ክብል፡ ብስም ምንቅስቃስ ይኣክል ተቃውሞኡ ገሊጹ። ብተወሳኺ ምንቅስቃስ ይኣክል፡ ኩሉ ኤርትራዊ ፍልልያቱ ወንዚፉን ቀዳምነታቱ ኣነጺሩን፡ ንመንነቱ ብዓውታን ብዝተወደበ ኣገባብን ቃልስታቱ ከሐይል የተባብዕ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ዜጋታትን ሓንቲ ሃገር፡ ብፖለቲካዊ ፍልልያትን ካልእ ጠንቅታትን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ሓሊፎም ምርጻምን ምቅትታልን ይበጽሑ ኢዮም። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ውን፡ እቲ ካብ ሓንጎልና ዘይሃስስ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ንዓመታት ብዝተኻየደ ሓድሕድ ኩናት፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ቀዚፉ፡ ብሚልዮናት ዶላር ዝግመት ገንዘብ ባኺኑን ንብረት ዓንዩን። ብሰንኪ’ዚ ድማ ዕድመ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክነውሕ ዕድል ፈጢሩን ህይወት ህዝብና ክመርር ክኢሉን፡፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገርና ምስተጸርገ፡ ኣብ ክንዲ ህዝብና ክብረት፡ ፍቅሪ፡ ምዕባለን ፍትሕን ዝፍደ፡ ካብ ተግባራት ገዛእቲ ዝኸፍአ ብደቀይ ዝብሎም ስቃይን ሞትን ይረክብ ምህላዉ ኢዩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪኡ፡ ብምሩጻት ቃላትን ሓረጋትን፡ “ኤርትራ ማዕረ ሲንጋፖር፡ ማሊዥያን ደቡብ ኮርያን ክትከውን’ያ” ኢሉ ኣጉልን ዘይትግበርን መብጽዓን ተስፋን ዝህብ ዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ናብ ኣራዊት ተቀይሩን ጉልባቡ ዝቀልዐ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኮይኑን።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ረብሓ ፍልልይ ዘይብሎም ኣሕዋትን ስድራቤትን ሓንቲ ሃገር፡ ከም ባልዕ ኣብ ሓንጎል ሰብ ተጸፍዩ፡ ሃገር ኣዕንዩ፡ ወለዶ ኣብሪሱን ጽልእን ቅርሕንትን ኣጉዱን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብቀረባ ዝፈልጦ መተዓብይተይ ንሞት ወላዲቱ “ጽንዓት ይሃብካ” ክብሎ ምስደወልኩ፡ ንሱ ደላይ ፍትሒ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሕማምን ኣብ ሓመድ ድበ ወላዲቱን ክካፈል ከምዘይከኣለ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹለይ። ብኣንጻሩ ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ወዲ ኣቡኡ ግን ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣዲኡ ንምስታፍ ናብ ኤርትራ ከምዝገሸ ምስ ሓበረኒ ግን፡ “እንታይ እዋን ኢና በጺሓና፡ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ክንሶም ኣብ ቀብሪ ወላዲቶም ብፖለቲካ ጉጅለ ህግደፍ ተፈላልዮም ውዒሎም” በልኩ ብልበይ። ህዝብና፡ ኣብ ኤርትራ ገዛን ትካልን ዝውንን እንተኾይኑ፡ ናብ ኤርትራ ዝመላለስ እንተኾይኑ፡ ብኽልተ ወገን‘ዩ ተቀርቂሩ ዝነብር። ምእንቲ ገዛን ትካልን ከይውረስን ናብ ኤርትራ ምምልላስ ከይክልከልን፡ ብመትከልን ብሕልናን ዘይኣምነሉ ዕላማ ክቅበሎን ክትግብርን ይቅሰብ። ብደለይቲ ፍትሒ ሞሳን እምነትን የብሉን። ሎሚ ብሰንኪ ሰንካም ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ፡ ወላድን ውሉድን፡ ሓውን ሓፍትን፡ ዘመድን ፈተውትን፡ ከብድን ሕቆን ኮይኖም ከምዝነብሩን ሓድሕድ ምትእምማን ጠፊኡ ከምዝረሓሓቁን ምርኣይ ንቡር ኮይኑ’ሎ። ጉጅለ ህግደፍ ሓንቲ ካብተን ዝሓየላ መሳርሒታቱ ድማ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምልሕላሕን ከፋፊልካ ምግዛእን ኢዩ። ኣብ ምንቲ-ምንታይ ግን? ንረብሓ መን’ከ፡ ኣሕዋት፡ ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ ደቂ ሓንቲ መሬትን ተኻፈልቲ ሕሰምን ሓጎስን ክንስና፡ ጓናን ጠላምን ኣብ ዝኣጎዶ ሓዊ ንልብለብን ግዳይ ንኸውን ኣለናን። ብዛዕባ’ዚ ኤርትራውያን ክሳብ ሎሚ ብቁዕ መልሲ ኣይረኸብናሉን ኣይለበምናሉን።

“ዓሻ ክጸልእ ሰላም ናይ እዝግሄር ይኸልእ” ከምዝብሃል፡ ንራህዋን ንፍትሕን ድምጽኻ ስለዝሃብካ “ተቃዋማይ” ዝብል ስም ተዋሂቡካ ካብ ፈታዊኻን ዓርክኻን ከምትግለል ይፍተን። ኢሳያስ ናብ ስዑድያ፡ ሱዳንን ኢማራትን ምምልላስ ካብ ዝጅመር፡ ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ “ጡሩፋት” ትብል ስም ንግዚኡ ኣቀሚጥዋ ኣሎ። እታ “ብወያነ ተመዊሎም” ትብል ቃል ግን፡ ኣብ መዓልቲ ምስ ቁርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ንጉሆን ምሸትን ትደጋገም ፍትውቲ ሓረግ’ያ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር “ደጋፊ መንግስቲ” ዝብሃል ግን፡ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ጸገም ኣለዎ። እቶም መቀባበልቲ ናይ እዝኒ ህግደፍ፡ “እገለ እገሊት ምስ ተቃወምቲ ከዕልል ርኢናዮ፡ ኣብ ኣኼባ ተቃወምቲ ተሳቲፉ” ዝብል ዘባህርር ጸብጻብ ናብ ሰለይቲ ህግደፍ ጸብጻብ ከይመሓላለፍ ራዕዲ ስለዘሎን፡ ዓዲ ምስከደ ከይእሰርን ገዝኡ ወይ ትካሉ ከይውረስን፡ ተሓቢኡን ብምሽቁራርን’ዩ ዝንቀሳቀስ። ብዘይካ’ቶም ኣብ ዓንኬል ኢሳያስ ዘለው ብኣጻብዕ ዝቆጸሩ ኣሳቀይቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ  ብሕሙም ከብዱን ብጓህን ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ሎሚ ደገፍቲ ህግደፍ ከም ሰረቅቲ፡ ካብ ተቃወምቲ ተሓቢኦም’ዮም ኣኼባታትን ጓይላታትን ዘካይዱ። ስለዚ ኤርትራ ካብ ንደለይቲ ፍትሒ ንደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ’ውን ቅሳነት ኣይሃበትን። ስለምንታይ’ሲ ጉጅለ ህግደፍ ንጥፍኣት እምበር ንረብሓን ንሰላምን ህዝብና ዝምልከት ኣጀንዳ ስለዘይብሉ።

ጉጅለ ህግደፍ ብሓባር እናኣዕነወናን ካብ ሃገርና ከምእንስደድ እናገበረናን እንከሎ፡ ስለምንታይ ብደገፍትን ተቃወምትን ንፈላለ? ስለምንታይ ኢና “ንብረተይ ከይውረስ፡ ዓዲ ምእታው ከይክልከል፡ ቤተሰበይ ከይእሰሩ” እናበልና መንነትና ክንሸይጥ፡ መሰልና እናተረገጽና ከነስቅጥ፡ ንኽብርና ጠጠው ክንብል ዘይንኽእል? ጉጅለ ህግደፍ እኮ ጸላኢ ናይ ኩልና ኢዩ። ናይ ግዜ ሕቶ እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ብግዝያዊ ረብሓ ኣታሊሉ ተጠቂሙ ከምዝመንወናን ከምዝጉሕፈናን ብግብሪዶ ንዕዘቦ የለናን ኢና? ክሳብ መኣስ ኢና ተሸቁሪርና፡ ካብ ኣሕዋትና ተነጺልና ኣብ ስደት ክንነብር? መላኺ ኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን ኣብ መንጎና ኣትዮም ፋሕ ብትን ከእትዉልና ዕድል ክንህቦም ኣይግባእን። ንሕሰብ እባ ኣብ ሊብያ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጥይት እናተቀዝፉ፡ ብጥሜት እናረገፉ ብሕማም እናተሳቀዩ፡ ኣብ መአጎሪ መዓስከራትን ዓድታትን ትግራይ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ነብሰ-ጾራት ብሕዱር ሕማም ዝሳቀዩ ኤርትራውያን ተስፋ ቆሪጾም ቀንፈዘው ምባሎም ከይኣክል፡ ናይ ስደተኛ ሕጋዊ መሰሎም ተመንጢሎም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክብሉን ብኡ ኣቢሎም ክጠፍኡን ክንሰምዕን ክንዕዘብን እንከለና ሕልናና ብኸመይ ይቅበሎ ኣሎ? እቲ ብህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ግፍዐኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጸማም እዝኒ ክህቦም እንከሎ ንሕና ከነእውየሎም ኣይግባእን? ካን ኣኺሉና? ኣብ ስደት ህዝብና እናጠፍአ ከም ህግደፍ ከነስቅጥ ዓገብ’ዩ። ንኽእሎ ዘይምግባርና ብመጻኢ ወለዶ ክንክሰስ ኢና። ብደውና ንዝመት ኣለና። ጅግንነት ቀዳሞት ኣቦታትና ኣዴታትና ኣሓትናን ዝዓጠቅዎ ዝናር ንጸላኢ ነረክብ ኣለና። ስለዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ንሓድሕድና ኤርትራውያን ኣይኮናን፡ ኣሕዋት ኢና ኣይንፈላለ መስሓቅ ሕማቅና ዝምነዩ ኣይንኹን። ተሓፊርናን ከቢርናን ኣብ መሬትና ክንቅመጥ፡ ንናይ ኩልና ሕማም መንሽሮ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ሓቢርና ንጉሓፎን ዕምሩ ነሕጽሮን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 11 መጋቢት 2020  

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde March 18, 2020

    ‘ጉጅለ ህግደፍ ብሓባር እናኣዕነወናን ካብ ሃገርና ከምእንስደድ እናገበረናን እንከሎ፡ ስለምንታይ ብደገፍትን ተቃወምትን ንፈላለ?’>>> it is one of the most tantalizing Eritrean question of the century,indeed Tsilal,HGDEF is an equal opportunity slayer like the corona-virus,the only difference is,it does’t have peak and troph it just keeps gobbling you steady and burps his own brothers blood every now and then and sells his own children’s body parts when desperate……it is an Eritrean specific deadly corona-virus which replicates from within which virologists can not find a cure,50 plus years and counting,the virus keeps mutating because of the host it resides in.This ain’t no seasonal virus!!!

POST A COMMENT