Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዘጣዊ መግለጺ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሎንደን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ዕለት 07/04/2019 ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰፊሕ ኣኼባ ጸዊዑ ምንባሩን፥ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶንን ከባቢኣን ከምዝተሳተፉዎን ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 22 ሓደስቲ ኣባልላት ኮሚቴ ከምዝተመርጹ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ዕለት 07/04/2019 ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰፊሕ ኣኼባ ጸዊዑ ምንባሩን፥ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶንን ከባቢኣን ከምዝተሳተፉዎን ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ኣስታት 700 ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ 22 ሓደስቲ ኣባልላት ኮሚቴ ከምዝተመርጹ እውን ትዝክሩዎ ትኾኑ። ምስቶም ዝጸንሑ ኣባላት፡ ብጠቕላላ 30 ዝኣባላታ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ቆይማ ኣላ ማለት ኢዩ።

እቶም ህዝቢ መሪጹ ዝመዘዞም ኣባላት ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ሎንደን፡ ምስቶም ናይ ቅድም ተሓዊሶም፡ ብምልኣት፡ ብዕለት 27/04/2019 ስሩዕ ኣኼባ ኣካዪድና። ኣብዚ ኣኼባዚ ኮሚቴና፡ ቅድም ክብል ዝመምናዮም ስራሓት ገምጊሙ፡ ናይ ቀረባን ርሑቅን መጻኢ መደባት ስራሕ ከኣ ተሊሙ።

ኣብዚ ኣብ ምዕራባዊ ሎንዶን ዝተኻየደ፡ ምሉኣት ኣባላት ዝተረኽብሉ ኣኼባ ነዚ ኤርትራውያን በጺሕናዮ ዘለና ውዕዉዕ ናይ ለውጢ መድረኽ፡ ብግቡአ ብምግንዛብ፥ ኩነታት ዝጠልቦ ህጹጽነትን ሓላፍነታውን ዕማማትን ቀዳምነታቱን ሰሪዑ፡ ኣድላዪ ምውድዳባት ገይሩ ድማ ህዝቢ ዝጽበዮ ዕማማት ከሰላስል ወሲኑ።

ኮሚቴ ሓድነት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝዕመም ፍሉይ ስራሕ ኣቐዲሙ ከኣ፥ ነዚ ዓመት መጸ ኣብ 24 ግንቦት እንጽንበሎ ሃገራዊ ናይ ናጽነት በዓልና ዝምጥን፡ ዝክሪን ኣበዓዕላን ንምውዳብ መደባት ሓንጺጹ ንዕዑ ተወሃህድ ሓይሊ ዕማም መዚዙ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍርትሒ፥ ንኹሉ ግዱስ ዜጋ፡ ብፍላይ ድማ ንሕዝቢ ሎንደንን ከባቢኣን ዕድመን ምሕጽንታን የቕርብ ኣሎ። ብምልኡ ኤርትራዊ፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ካልእ ከተማታት እትነብሩ፡ ነዚ ክቡር ሃገራዊ በዓል`ዚ ዝመጣጠን ጽንብል መታን ክንቅርብ ብዝከኣለኩም ክትሕግዙና ብትሕትና ንሓትት። ብዘይ ዕቃበ ሓገዝኩም፥ ብሞራል፡ ብንዋት፡ ብጥበባዊ ስርሓትን ካልእን ኣድላዪ ምውሳእ ክትከብሩ ንጽውዕ።

እቲ ጽንብል ዝግበረሉ ቦታን ዕለትን ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንህዝቢ ክነፍልጥ ኢና። ንሕጻናትን፡ ንዓበይትን ዘሐጉስ መዓልቲ ክንቅርብ መዲብና ኣለና፡ ክትሳተፉ ድማ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

 

ሎንደን 27 ሚያዝያ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Alazar May 2, 2019

    Show offs, show offs, what have you achieved so far after so much advertising of London conference?

    • Selam May 3, 2019

      You will know what we have achieved when the time comes! Why don’t you join us before it is too late… don’t understand the reason even now you support One single person your Goddess ?? If you are really Eritrean please wake up and stand by your people! Thanks

      • Alazar May 3, 2019

        When did you wake up then? We’ve also heard so many times in the past of your successful meetings/seminars and other secretive achievements!

    • Haben May 3, 2019

      Eritrean brothers and sisters, let’s commemorate OUR INDRPENDENCE DAY
      Edey edka nbel
      Ajokum Ajokn Ajona
      Qeribna ena

POST A COMMENT