Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሻርለት ፡ ሰሜን ከሮላይና

ቀዳም: ታሕሳስ ዕለት 2፡  ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  ኣብ ከተማ ሻርለት ሰሜን ከሮላይና ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ብተማሃሮን ወለድን መማህራንን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ

ቀዳም: ታሕሳስ ዕለት 2፡  ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  ኣብ ከተማ ሻርለት ሰሜን ከሮላይና ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ብተማሃሮን ወለድን መማህራንን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ ዝተገብረ ተባዕ ሰላማዊ ሰልፍን ዘቲና።

ኣባላት ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  ከተማ ሻርለት ነዚ ተባዕ ስጉምቲ ንዝወሰዱ ተማሃሮን ወለድን መማህራንን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ ኣዚና ነደንቕን ነሞግስን። እቲ ዘልዓልዎ ሕቶ፡ ናይ መሰልን ፍትሕን ሕቶ ስለዝኾነ ናይ ኩላትና ሕቶ እዩ። ወጽዓኹም ወጽዓና፡ ጠለብኩም ከኣ ጠለብና  ስለዝኾነ ኣብ ጎንኹም ከምዘለና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ  ከተማ  ሻርለት  ነቲ ኣብ ልዕሊ ክቡር ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑርን፡ ካልኦት መማህራንን ወለድን ተማሃሮን ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣጥቢቕና ንኹንኖ። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ደላይ ፍትሒ ብሓደ ድምጺ ንባህላውን ሃይማኖታውን ግህሰታት ስርዓት ህግደፍ ንምብዳህ ክልዓል ከኣ ንጽውዕ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንዘመናት ከቢሩን ተኸባቢሩን ብሓባር ክነብር ዝጸንሐን ዘሎን ህዝብና፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ንምንቛት  ዘካይዶ ዘሎ ፍሹልን ሕሱርን ፈተነታት፡ ህዝብና ክነቕሓሉን፡ ብትብዓት ክምክቶን ነማሕጽን።

ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ኣሲርዎም ዘሎ ተመሃሮን ወለድን መማህራንን ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል-እስላምያ ብህጹጽ ክፈትሖም ንጠልብ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኩሉ እቲ ሕልና ዘለዎ ወዲ ሃገር ኣመት ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ቤት-ማእሰርቲ ዕድሚኦምን ህይወቶምን ዝበሊ ዘሎ ፖለቲካዊ እሱራት ክገብርን ብዘይ ውዓል ሕደር ንኽፍትሑ ክቃለስን ነዘኻኽር።  ኩሉ ኣብ ውሽጢን ኣብ ግዳምን ዘሎ ደላይ ፍትሒ ብዘለዎ ዓቕሚ ንዕድመ ናይዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ንምሕጻር ክብገስ ንጽውዕ። ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ግዜ ከይከደ ኣብ ጐድኒ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ደው ብምባል ብረቶም ኣብ ክንዲ ናብቲ ውጹዕ ህዝቢ፡ ናብቲ ግፍዔኛ ስርዓት ህግደፍ ከቕንዑ ነማሕጽን፡፡

 

ዓወት ንተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT