Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ሎሚ’ውን ከም ትማሊ

ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸስቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ለውጢ ንምምጻእ ዓቢ ተስፋ ዝህብ’ዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ

ጋዜጣዊ መግለጺ
ሎሚ’ውን ከም ትማሊ
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸስቱ ዘሎ ህልው ኩነታት ለውጢ ንምምጻእ ዓቢ ተስፋ ዝህብ’ዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ክብገስ እንከሎ ኣትሒዙ ሕድሪ ስውእት ይተግበር፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ነጻ ክልቐቑ ወይ ኣብ ነጻ ቤትፍርዲ ክቐርቡ፣ ቅዋም ተግቢርካ ስልጣን ንህዝቢ ይረክብ። በቲ ቅዋም ዘፍቅዶ መሰረት ድም ሰልፍታት ቆይመን ዝተዓወተት ሰልፊ ሃገር ንኽትመርሕ ሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ኣብ ምክያድ ካብ ንርከብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ’ዩ።

ቅዋም ማለት ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዝግበር ናይ ምሕደራ ውዕል ኮይኑ ንደሞክራስን ግዝኣተ ሕግን ንምንጋስ ውሕስነት ዝህብ ማለት’ዩ። ደሞክራሲ ማለት ድማ ህዝቢ ብዝመረጾም ወከልቱ ዚመሓደርሉን ከምኡ`ውን መሰሉ ዘረጋግጹሉን፣ ንሰበስልጣን መንግስቲን`ውን ዜቆጻጸረሉን ኣገባብ`ዩ። ቅዋም መንግስትን ሕብረተሰብን ዝመሓደረሉ መሰረታዊ ሕጊ`ዩ። መንግስቲ ብኸመይ ከም ዝቐውምን ዝመሓድርን ዜጋታት እንታይ መሰልን ጉቡኣትን ከምዘለዎምን ዝድንግግን እቲ ዝለዓለ ሕጊ ሃገር`ዩ። ኣብ ቅዋም ስልጣንን ሓላፍነትን መንግስቲ ኸኣ ብሕግታትን ሕጋጋትን ይዝርዘር።
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እንትርፎ ሓቅነቱ ካልእ ኣበር ዘይብሉ ክንደይ ሓጎጽጎጽ ሰጊሩ በዚ ህግደፍ በቲ ሓደ ድማ ተበለጽትን ብሞቕሺሽ ተደናገርትን ገጢሙ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ይቃለስ ኣሎ።

ጥሪ 21/2013 ብምዑታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ብቴለቪዥን ኤርትራ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ናይ 1997 ይተግበር፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ይለቐቑ፣ ሃገራዊ ምርጫ ይገበር ክብሉ እንከለዉ፣ ውጺኢት ናይ’ዚ ነካይዶ ዘሎና ጻዕሪ ምኻኑ ማንም ዘይስሕቶ’ዩ።

ቃልስና ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ነዚ ቁዱስ ዕላማ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ነዚ ብምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ኣብ ጎድኖም ደው ኢልና ከምዘሎናን ኩሉ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብሓባር ክለዓልን ነቶም ዓንቀፍቱ ኣላልዩ ኣብ ልዕሊኦም ኣድላይ ዘበለ ጎነጽ ምጥቃም’ውን ሰላማውን ሓላልን ምኻኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።

ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑዋ ዝርከብ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ውሑዳት ሰዓብቱን፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱሎም ብኽንደይ ቃልስን መስዋእትን ዝተረኽበት ሃገር ቀጻልነታ ኣስጋኢ’ዩ። ሓደ ውልቀ መላኺ ንኽጥዕሞ ህዝብን ሃገርን ክንሸመም ዘይፍትሓዊ ስለዝኾነ፣ ሃየ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንርከብ ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ንዕምሪ ውልቀ መላኺ ንምሕጻር ንለዓል። ሕጂ’ውን እንተኾነ፣

1. ቅዋም ይተግበር።
2. ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ነጻ ይለቐቑ
3. ሃገራዊ ምርጫ ይካየድ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!!
ቅዋም ይተግበር ብዘይ ውዓል ሕደር!!!

ክፍሊ ዜናን ሓቤሬታን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ
ሰሜን ኣሜሪካ
ጥሪ 28/2013
Email; Selfidemocracy@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • selam February 9, 2013

    I would like to see this organized by you ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ in Alberta, British Colombia and other part of Canada.

  • habrom February 9, 2013

    We should include, Ginni Rometty, IBM’s chief executive, as a new weyane trying to work with AWASH INTERNATIONAL BANK,Quoting Katrina Manton…”In this case, it’s an IBM server, which powers Awash International Bank. But soon it could be a lot more if Ginni Rometty (pictured) has anything to do with it.

    Rometty, IBM’s chief executive, is spending a week in Africa with her top 15 executives. It’s the first time so many of them have been in one place outside New York. It’s also the first time IBM has convened its chief executives from all over the continent.” END OF QUOTATION.
    Dont those Ethiopians have anything valuable to do apart ,from fighting poverty, developing education & maximizing productionm ? I am getting tired.
    ወጋሕ ትበል ለይቲ ትመጽእ ኣላ ጉንበት ፣እምባሕ በል፣እምባሕ በል ወዲ ሃገር of course, it is sarcasm. ጥዕና ጥራይ

  • belay nega February 9, 2013

    TO WHOM IT BELONGS
    IS THERE ANY BODY WHO CAN TELL ME WITH EVIDENCE WHAT IS BEING SAID THROUGH TV ERE BY THE HIJACKERS?
    TV ERE IS 24/7 NO BODY COULD HAVE DUBBED WHATEVER IS BEING SAID REDUCULES.

POST A COMMENT