Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ : ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ። ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጂያ)፡ ካብ ሰነ 27 ክሳብ 29 2014፡ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳላሲሉ።  ውህሉል ናይ ሓባር ተመኩሮታት ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ ንምስናድን ብመንጽር

ጋዜጣዊ መግለጺ

ሳልሳይ ዳግመ-ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ  ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ።

ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጂያ)፡ ካብ ሰነ 27 ክሳብ 29 2014፡ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሳላሲሉ።  ውህሉል ናይ ሓባር ተመኩሮታት ብስእሊ፡ ብቃል፡ ብጽሑፍ ንምስናድን ብመንጽር ዝተፋላለየ ኣረኣእያታትን ተመኩሮታትን  ንምድህሳስን ትርጉም ንምሃብን ዝዕላማኡ ዳግመ- ርኽክብ፡ እዚ ዓመት እዚ`ውን ፍናን ዝመልኦ ኮይኑ ተጸንቢሉ።

ዓርቢ ሰነ 27/2014፡  ንሓርበኛውን ማሕበራውን ውዕሎታት ተጋድሎና  ዘዘኻኽር፡  ንኣድላይነት ዳግመ-ርኽክብ ዘጉልሕን ሸውሃት ዝኸፍትን ወግዒታት ቀሪቡ።

ቀዳም ሰነ 28/2014 ናይ ንጉሆ፡  ብኣሳናዳእቲ ዳግመ-ርኽክብ፡ ንካብ ርሑቕን (ካብ ኤውሮጳ ከይተረፈ) ካብ ቀረባን ኣብ ሳልሳይ ዓመታዊ ርኽክብ ብተገዳስነት ክሳተፉ ምኽኣሎም ዕዙዝ  ምስጋና ቀሪቡ። ብድሕሪ`ዚ፡  ዓሰርተ- ሓደ ገዳይም ተጋደልቲ፡ – ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ዘበርከቶ ህዝባዊ ኣገልጉሎት፣ ንመግዛእቲ ንምሕምሻሽ ዝተኻየደ ቅያታት ዝመልኦ  ወተሃደራዊ ስርሒታት፣ ናይ 1975 ስርሒታት ምውጻእ እሱራት ሰንበልን ዓዲዃላን፣  ጸጥታውን ስለያን፣ ፖለቲካዊ  ህዝባዊ ስርርዓትን ዕዉት ምድልዳል መሬትን፣  ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ህዝቢ ኣብ ውሽጢን መደበር ስደተኛታት ሲዳንን፡  ከምኡ`ውን ኣብ ወጻኢ  ዘሳላሰሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት፣   ግደ ኣገልጉሎት መጓዓዝያን፣ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ዝቐረበ  ንተዘክሮታት ተሳተፍቲ ልዑል ፍናን ዝሃበ ናይ ዓይኒ ምስክር ተመኩሮታት ብቓል ተተሪኹን ኣብ ቪድዮ ተሰኒዱን። እዚ ናይ ኣፋዊ ታሪኽ ናይ ምስናድ ፕሮጀክት ንመጻኢ  ወለዶ ኤርትራውያን ብሓፈሽኡ ንተመራመርቲ ታሪኽ ድማ ብፍላይ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከም ዘለዎን፡ ከም ማእከላዊ ዕማም ዳግመ ርኽክብ ተወሲዱ ንክቕጽልን፡  ኣኼባ ኣስሚሩሉ።

ስዒቡ፡  ብናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ ፡ ንሃለዋት ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ-ሱዳን ዝምልከት ጸብጻብ ቀሪቡ።  ካብ ምምሕዳር ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ`ውን፡  ብተሌፎን ንኣኼበኛታት ቃል ኣስሚዖም። ተሳተፍቲ ዳግመ-ርኽክብ፡ ንሞያ ምጥዋር ውጉኣት ሓርነት ኣገዳስነቱ ገሊጾም። ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብውልቃዊ ተበግሶኦም፡ ኣብ`ዚ ዕማም`ዚ ክነጥፉን ቃል ኣትዮም። ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ፡  ኣብ ህዝቢ ኣድማዒ ጎስጓሳት ከካይድ ተማሕጺኖም።  ውጉኣት ሓርነት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ንምጽጋንን ንምልማጽን፡ ሓደሽቲ ክፍሊታት ንምውሳኽን  ንኤየር ኮንዲሽነር ዘገልግል ጀነሬተር መግዝኢ ንዝኸውንን ገንዘብ ሽዑ ንሽዑ $5,670.00 ክዋጻእ ከሎ ፡ ካብ ከተማ ሲያትል ተዋጺኡ ዝመጸ $2,300.00 ተወሲኽዎ፡  ብድምር 7,970.00  ኣታዊ ኮይኑ።

ድሕሪ ቀትሪ፡  “ምሕራር ኣእምሮ“ (De-colonizing the Mind)፡  ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነዚ ዓመት`ዚ ዝተዳለወ ፍሉይ ፓነል ዘተ ቀሪቡ። እቶም ኣቕረብቲ በብወገኖም  ምሕራር ኣእምሮ  ከም ኣምር ድሕሪ ምትንታን፡ ኣገዳስነት ናይ`ቲ ኣምር ወይ ፍልስፍና፡ ምስ ኩነታት ኤርትራ ብምዝማድ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ትንተና ኣቕሪቦም። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን መግዛእቲ ባዕዳውያን እቶም ቀንዲ መሰረት ስቓይን ድሕረትን ኤርትራ እኳ ይኹኑ እምበር፡ በቲ ብቐሊሉ ዘይረአ ሕቡእ ናይ ሓንጎል መግዛእቲ፡ ኤርትራውያን ነጻ ዜጋታት ኮይኖም ከይሓስቡን ብተበላሕትነት ሃገሮም ከየማዕብሉን ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ በሪሁ። ናይ ኣተሓሳስባ “ግዙእ ምዃንን“ ንሱ ዝፈጠሮ ሳዕቤናትን  ብነጻን ወድዓዊ ነቐፌታዊ ዓይኒ  ብምምርማር  ካብኡ ተበጊስካ ሓንጎልካ ንምሕዳስ ዝሕግዙ ኣስተምህሮን ጎስጓሳትን ክካየድ  ኣድላዪ ምዃኑ ተገምጊሙ።

ሰንበት ሰነ 29 2014፡ እዚ ንሳልሳይ ዓመት ዝሳለጠ ምትእስሳር ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.፡ ነቲ 50 ዓመት ካብ ሂወቱ ንሃገር ዘወፈየ ሓርበኛ  ነፍሲሔር ኣሕመድ ናስር ታሪኻዊ ናይ መራሒ ተርኡ ዘንጸባርቕ መደረታት ከምኡ` ውን ብኣካል ኣብ`ዚ መዓልቲ`ዚ ክርከቡ ዘይከኣሉ መቓልስቱ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ተነቢቡ።

ድሕሪ ርኽክብ ኣትላንታ 2013፡ ዝተሳለጠ  ንዕላማታት ምትእስሳር ገዳይም ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ.  ዝገልጽ ጽሑፋት፡ ቃለ-መጥይቓት፡  ብስልኪ፡ ብኢመይል…  ንዝተሳላሰለ ናይ ርኽክብ ንጥፈታት ብዝርዝር ቀሪቡ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሕጂ`ኸ ናበይ? ዝብል ዘተ ተኸፊቱ። ናይ`ዚ ዓመት ዳግመ ርኽክብ፡ ከም`ቲ ኣብ ዚሓለፈ፡ ንመጻኢ ክትኮረሉን ንዕብየቱ ክተኣታቶ ዘለዎ ለውጥታትን ኣብ ክትዕ  ወሪዱ፣ ዘድሊ ውሳኔታት`ውን ሓሊፉ። ንተሳታፍነት ኣብ`ዚ ምትእስሳር`ዚ ብዚምልከት፡ ንኹሉ ኣባል ተ.ሓ.ኤ. ነበርን ንካልኦት ኣብ`ዚ ዕላማ`ዚ ዚኣምኑን ክፉት ኮይኑ ክቕጽል ወሲኑ። ከምኡ`ውን ኩሉ ዕማማት ዳግመ ርኽክብ ብወለንተኛታት (Volunteers)  ብዚቖመት ሽማግለ ክመሓደር ተሰማሚዑ።

ምእካብ ተመክሮታት ተ.ሓ.ኤ.  ብጽሑፍ፡ ብስእሊ፡ ብቪድዮ፡ ውልቃዊ ተዘክሮታት ናይ ብኣካል ዚወዓሉ ተጋደልቲ  ማእከላዊ ዕላማ ናይ`ዚ ርኽክብ`ዚ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።  ኣብ ርእሲ`ዚ፡ ሃገርና እትሓልፎ ዘላ ኣዚዩ ፈታኒ ዚኾነ ኩነታትን ህዝብና  ዚምኮሮ ዘሎ ኩሉ ሸነኻዊ ኢሰብኣዊ  ፍትሒ -ኣልቦ ሂወት፡ ኣገንዝቦኡ መዝጊቡ። እዚ ምትእስሳር`ዚ ኣብ ግዝኣተ-ሕጊ ዚተሰረተ ምሕደራ ምርግጋጽ ዚዓለመ፡ ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ፡ ሃናጺ ክትዓትን ናይ ርኢቶ ምልውዋጣትን ናይ ሓበሬታ  ምዝርጋሕ  ከካይድ ዘለዎ ተደላይነት ኣስሚርሉ።  ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኩሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ብምጥቃም፡ ብጽሑፍ፡ ቪድዮ፡  ብድምጺ ከምኡ`ውን ብኮንፈረንሳትን ስይፖዚዩማትን ንፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝግበር ዘሎ ጸዓት ግደኡ ከበርክት ወሲኑ። ከምኡ`ውንናይ ፍልልይ ተጻዋርነት ከተባብዕ፡ ናይ ርኢቶ ነጻነት ከኽብር ንቀጻልነትን ዕብየትን ዳግመ ርክብን ኣድላዪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንፖለቲካዊ ባህሪያት ዘለዎ ታሪኽ ጠቀስ ተመክሮ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ናይ ምስናድ ዕላማ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሮቛሒ ምዃኑ መዝጊቡ። ኣብ ውሽጢ ዳግመ-ርኽክብ፡ ኩሉ ክትዓትን ናይ ርኢቶ ምልውዋጣትን፡ ንሓባራዊ ረብሓ ተሳተፍቱን ንመንፍዓት ሃገርናን ህዝብናን ደኣ እምበር ንጥቕሚ ዚኾነ ውልቀሰብ ወይ ፖለቲካዊ ጉጅለ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹ።

ወለንታዊት ሽማግለ ዳግመ ርኽክብ

ሓምለ 10 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • sara gual ertra July 15, 2014

    wey seb dekey !
    nay 40 amet dankera bologna kikayed hanti zeyghebrkas
    bzaeba n natsnet eritra zitekalesu btemokuroOm entetezarebus
    ezi kulu
    nhade hade sebatsi ISAYAS eqa kiwhdekum
    beka seb keteqanabtsu kitnebru
    zegerm iyu

  • heyawie July 18, 2014

    There are a lot of things going on at this moment in time. Especialy on the whole situation of eritrea and those who contrbuties to the suffering of our by people intertwined with their selfish interest and some of them are to cover their hiddous deeds. Hence instead of fighting the dictator, cronies and also shaming those who danced over the death of those who died in italy.
    I support If you write the historical events and heroic acts of The E.L.F rather than meeting of those and discussed about E.L.F ideolgy and so on it departs from the main challenges faced eritreans today.
    Please forget about meeting of those and those groups rather than concentrating to the main core.

POST A COMMENT