Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ብዛዕባ`ቲ ን 31 ነሓሰ 2018 ኣብ ጀኔቫ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን

ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ`ቲ ን 31 ነሓሰ 2018 ኣብ ጀኔቫ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ  ንዕለት 31 ነሓሰ 2018 ንኹሎም ኤርትራውያን ዝሓቆፈ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ንምግባር ስርሓት ብምውህሃድ ሓይሊ- ዕማም : ሰንበት ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ብምርኻብ ነዚ ዝስዕብ መደብ ዕዮ ነጺራ:: ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ (ስዊዝ)

ጋዜጣዊ መግለጺ

ብዛዕባ`  31 ነሓሰ 2018 ኣብ ጀኔቫ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን

ኣብ ጀነቫ  ንዕለት 31 ነሓሰ 2018 ንኹሎም ኤርትራውያን ዝሓቆፈ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ንምግባር ስርሓት ብምውህሃድ ሓይሊ- ዕማም : ሰንበት ዕለት 12 ነሓሰ 2018 ብምርኻብ ነዚ ዝስዕብ መደብ ዕዮ ነጺራ::

  1. ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ (ስዊዝ) : ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ደለይቲ ሰላም ምኻንና ኣብ ቅድሚ ዓለም ብምርግጋጽ እቲ ብውልቀመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ምስ መንግስቲ ኢትዯጵያ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘየቀደመን ዘየንጸባርቅን: ግሉጽነት ዘይብሉ ንልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእተወ ምኻኑ ምቅላሕ እዩ:: ሕጅውን ኣብ ኤርትራ ፍትሐዊ ሰላምን ቅዋማዊ ምሕደራን ክረጋገጽ ሓቢርና ድምጽና ነስምዕሉ እዩ::
  2. ኣብ ጽባሕ ሰላማዊ ሰልፊ ( 1 መስከረም 2018) ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ብድሆታት ክንምክቶ ምእንቲ ሓንቲ ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ምምራጽ መደብ ክህሉ እዩ:: ዕማም ናይዛ ግዝያዊት ሽማግለ ኣብ ውሽጢ 3-6 ኣዋርሕ ናይ ኩሎም ደምበ ፍትሒ ዓለምለኻዊ ሓባራዊት መሪሕነት ትምረጸሉ ኮንፈረንስ ምድላውን ንዘሎ እዋናዊ ጉዳያት ናይ ምዕማም ግዝያዊ ሓላፍነትን ዘለዋ ክትከውን እያ::

ነዚ ኣኼባ ክዉንን ዕዉትን ንምግባር ካብ ነፍሰውከፍ ሃገራት (ኤውሮጳ ኣውስትራልያ ማእከላይ ምብራቅ ኣፍሪቃን ካናዳ)  ሸሸውዓተ (7) : ካብ ሕቡራት ሀገራት አሜሪካ ድማ ሰለስተ (3) ካብ ነፍሲወከፍ  ክፍለሃገር ( state) ወከልቲ ክሳተፉ/ክሳተፋ ነማሕጽን:: እቲ ውክልና ንሱታፌ ብዙሕነት ኤርትራን (diversity) ንኽልቲኡ ጻታን ዝሓቆፈን ዘንጸባርቅን :  ብቅዓትን ክእለትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ንላቦ::

ንሰላማዊ ሰልፍ ቅጥዕታቱን ዘድሊ ሓገዛትን ምትሕብባርን ብዝምልከት ነቲ ስርሓት ንምውህሃዱ ሰሰለስተ ተወከልቲ ከካብ ሃገራት ክሕበረና  ንጽውዕ::

 

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለኹም ስነጥበበኛታት፡ ጋዜጠኛታትን፡ ናይማሕበራዊ መራኸቢታት ተነጣጠፍትን ንሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ንምዕዋትበብኽእለትኩም ከተበርክቱ ትዕደሙ።

 

ንተወሳኺ ሓበሬታን ኣበርክቶን ምስ ሓይሊ ዕማም ጀኔቫ በዚ ዝስዕብ ኢመይልክትራኸቡ ትኽእሉ።

 

 

ርግኣት ሓድሽ: gualafrica@gmail.com                                             +41798207493

ግርማይ ኣብርሃ:                                                                    +41764592654

ዓብደልረዛቅ ስዒድ: w_glway@hotmail.com                               + 41794588268

ዮሱፍ ባሲሊ: yousufboulisi@gmail.com                                  + 41799631862

 
.

 

 

تصريح صحفي

 بخصوص التظاهرة الكبرى المزمع تنظيمها في جنيف بتاريخ الحادي والثلاثين من شهر اغسطس الجاري

أصدرتت اللجنة المنظمة للتظاهرة الكبرى المزمع تنظيمها في الحادي والثلاثين من الشهر الجاري خلال اجتماع عقدته يوم الاحد الثاني عشر من اغسطس التوضيحات التالية:

1- أن النظاهرة الكبرى التي ستنتظم بجنيف السويسرية بحضور دعاة العدالة تهدف في المقام الاول الى التأكيد للعالم اجمع ان الارتريين هم دعاة  للسلام وان الاتفاقات التي يعقدها نظام الهقدف الديكتاتوري مع الحكومة الاثيوبية لاتراعي ولا تعكس مصالح الشعب الارتري وتفتقد للشفافية وتعتدي على سيادتنا الوطنية. وهي في نفس الوقت، فرصة للتأكيد على مطالبنا في تحقيق السلام العادل والتأسيس للنظام الدستوري في بلادنا.

2- وفي اليوم التالي، اي الفاتح من سبتمبر، سيعقد دعاة العدالة والتغيير أجتماعا لاختيار لجنة مؤقتة للتصدي لجل التحديات التي تواجهنا. ومهمة هذه اللجنة المؤقتة يتمثل في تنظيم مؤتمر تداولي لاختيار قيادة عالمية يشترك فيها كل أطياف معسكر العدالة والتغيير خلال فترة تتراوح بين ثلاثة الى ستة اشهر.

ومن اجل إنجاح هذا الاجتماع الهام، تدعو اللجنة المنظمة للتظاهرة وفعالياتها الى ارسال سبعة اشخاص من كل دولة ( اوربا، أستراليا، الشرق الاوسط، افريقيا وكندا ومن كل ولاية امريكية ثلاثة اشخاص)، تراعى عملية التمثيل فيها التنوع في بلادنا والجنس – النساء والرجال-  والكفاءة .

وتدعو اللجنة المنظمة للتظاهرة الى تزويدها بثلاث اشخاص  من كل دولة للتنسيق في تسيير اعمالها وكذا في تسهيل عمليات التبرع التي نقوم بها.

وبهذه المناسبة تدعو اللجنة الى اسهام جميع الفنايين والصحفيين وناشطي وسائل التواصل الاجتماعي في انجاح التظاهرة كل حسب قدراته.

وللتواصل مع اللجنة نرجو التواصل مع الاشخاص الاتية اسمائهم  عبر الاميل التالي:

رقأت حديش

عبدالررزاق سعيد

يوسف ابراهيم بوليسي

E-mail: yousufboulisi@gmail.com

Phone Nr: 0041799631862

E-Mail  w_glway@hotmail.com

 Tel. 0041794588268

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde August 14, 2018

    Gulti nay abotatkum iyu, it is yours,fight for it, don’t give it away.They are excavating the graves of our martyrs.It is time we come together and put a stop to it.

  • Tesmin August 14, 2018

    It is time to react
    It is time to neglect
    It is time to respect
    each one except
    those with mind twist.

  • Senkam August 15, 2018

    Viva Geneva !!!

    Time to forget our political , philosophjcal, and other differences.
    come together, unite, act in unison and save our country from tyranny and delusional & ambitious Aby.

Post a Reply to Tesmin Cancel Reply