Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ: ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ዘወግዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽቡቕ ተኻይዱ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ኒደራድ - ፍራንክፎርት 2012 ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት 2012 ካብ ሰዓት 12 ክሳብ ስዓት 15 (3 ድሕሪ ቀትሪ) ዝተመደበ፡ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ዘወግዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽቡቕ ተኻይዱ። ካብ መዓርፎ

ጋዜጣዊ መግለጺ

ሰላማዊ ሰልፊ ኒደራድ – ፍራንክፎርት 2012

ንቀዳም ዕለት 24 መጋቢት 2012 ካብ ሰዓት 12 ክሳብ ስዓት 15 (3 ድሕሪ ቀትሪ) ዝተመደበ፡ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ዘወግዝ ሰላማዊ ሰልፊ ብጽቡቕ ተኻይዱ።

ካብ መዓርፎ ባቡር ምድሪ ኒደራድ-ፍራንክፎርት ተበጊሱ ክሳዕ‘ቲ ኣኼባ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተጋቢኦምሉ ዝነበሩ ቦታ ተኻየደ። እዚ ንርእሰ-ንጻነት ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ብምጭራሕ ዝተሰላሰለ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ጀርመን ዝተጸውዐ፡ ኵሎም ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበራት መንእሰያትን ደቀንስትዮን ከምኡ‘ውን ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ዝተሳተፍዎ ይኹን‘ምበር ካብ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ማለት ካብ ጣልያን ስዊጸርላንድ ሆላንድ ውዘተ…. እውን ዘማዕረግዎ ብምንባሩ ክብ ዝበለ ተቀባልነት ዝነበሮ እዩ ኪበሃል ይከኣል።

ቀንዲ ሸቶ‘ቲ ሰላማዊ ሰልፊ‘ቲ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ካብ 2001 ብዙሓት ንለውጢ ዝጠለቡ ፖለቲከኛታትን፡ ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ዓበይቲ ዓድን ከምኡ‘ውን ኣባላት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ብሰንኪ እምነቶም፡ ብዘሳቒ ኣተሓሕዛ ህይወት፡ ክሳብ‘ዛ ሰዓት እዚኣ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ብጽኑዕ ተኣሲሮም ምህላዎም ጥራሕ ዘኰነስ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገር ጀርመን ንዝርከባ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ናይ ቁጣባ ምንጩ ንምሕካም ተዋፊሩ ከም ዘሎ ንኣህዛብን መንግስታትን ዓለም ብሕልፊ ድማ ንህዝብን መንግስትን ጀርመን ንፍላጥ ነበረ።

ቆንስልን ካልኦት ወከልቲ ኤምባሲ ህግደፍን ዝመደብዎ ሽርሒ ከም ዘይሰልጦም ስለ ዝፈለጡ ናይ ምክፋል መደቦም ሰሪዞም ዓዲ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፡ ገለ ደቅንስትዮ እውን እቲ እከይ ግብሪ ቆንስል ህግደፍን ሰዓብቱን ኣስደሚሙወን ብኽያት ንብኽያት ከም ዝዀና ክፍለጥ ተኻኢሉ። ናብ ኣኼባ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ኪካፈሉ ካብ ዝተመደቡ ልኡኽ ህግደፍ ዝዀኑ ኣቡን መጺኦም ነበሩ፡ ንሶም ክፍቀዶም እንከሎ ጸሓፊኦም ግን ኣባል ኣይኰነን ተባሂሉ ብመራሕቲ ማሕበር ተኸልኪሉ። እዚ ኣብ ቱቢንገን ዝምቕማጡ ኣቶ ክብሮም ዑቕባዝጊ (ሕሉፍ) ዝበሃል ሰብ‘ዚ ካብ ተሓኤ ወዶገባ ኰይኑ ናብ ደርግ ብምዝባል ኣብ ኤርትራ ብሞት ብዙሓት ተቓለስቲ ሓርበኛታት ዝሕተት እዩ። ኣብ‘ቲ ግዜ‘ቲ ቀጥታ ብነፋሪት ሮማ ኣተወ‘ሞ ቀጺሉ ኣብ ሃ. ጀርመን ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ኣባል ሳግም (ደግሓኤ) ድሕሪ ምዃን ብሕቡእ ምስ ኤምባሲ መንግስቲ ደርግ እናተራኸበ ስለያኡ ቀጸለ፡ ምስ ተፈልጠ ከኣ ካብ ኣባልነት ሳግም (ደግሓኤ) ብወግዒ ከምዝሰናበት ገበርዎ። ምስ ህግደፍ ኪሰርሕ ምስ ጀመረ‘ውን ብዙሓት ተቓለስቲ ኤርትራውያን ካብ ጀርመንን ኤርትራን መንነቱን ግብሩን ብምግላጽ እንተ ኸሰሱ‘ኳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምኡ ዝኣመሰሉ ገበነኛታት ስለ ዘድልይዎ፡ እዝኒ ኣይሃቦምን። እንሆ ድማ ወዮ ዕሉል ገበነኛ ጽሓፊ ኣቡን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ንኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ከገልግል ንረኽቦ።

ኣባላት ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ኣለም ፍራንክፎርት፡ ገንዘቦም ካብ ጀርመን ክወጽእ ከምዘይብሉን ንጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ጥራሕ ክውዕል ከምዘለዎን ብምውሳኖም ተወሳኺ ዓወት ስላማዊ ሰልፍና ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ፈለማ ስጉምቲ ንርእሰ ነጻነት ትካሎም ብምዃኑ ነሞግሶም።

 

ውድቀት ንጉጅለ ህግደፍ

ርእሰነጻነት ሃይማኖታዊ ትካላት ኤርትራ ይተሓሎ

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • M I March 30, 2012

    ኣብየቴ፡

    እቶም ፖለቲከኛታት ድኣ መባዝሕቲ ድዮም ዋላስ ቅድስና ከም ተወሳኺ ትምህርቲ (As a Minor course) እዮም ክወስድዎ ጀሚሮም?

    ድሓር ድማ ክንደሻዕ ክንዛረብ ኢና። ስለዝጌሄር እቲ ጭርሖን ኣብ ጭርሖ ዝጽሓፍ መልእኽቱን ኬፍ ዘይብሉ፡ ንዓና ነዞም ህግደፋውያን ድማ ክንዲ ዘሕርቐና ዘስሕቐና ይኽወን ስለዘሎ፡ እቲ ዘሎና ምፍጣጥ ኬፍ ዘለዎ ክኸውን ሕደራኹም ኣብ ኣሰኣእላን ኣጸሓሕፋ ጭርሖታትን ተገዳስነት ይሃልኹም። ተማዊትኩም ከተሕርቑና ክትፍትኑ ኣለኩም።

    ከም ኣብነት ኣብዛ ናይ ሎሚ ጭርሖ ከምዚ ይብል፡

    “ምትእትታው፡ ህግደፍ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን፡ ጠጠው ይበል”

    “ቤተክርስቲያን” ኣይኮነን ዝብሃል። ቤተክርስትያን ኣዩ ዝብሃል
    “ጠጠው ይበል” ኣይብሃልን’ዩ። የቋርጽ ምሓሽ እብል ኣነ። ኣቶም ካኢላታት ቋንቋ ድማ እንታይ ይብሉ ኣንድዒ።

    እቲ ኣብ ሞንጎ ሞንጎ ቃላት ኣትዩ ዘለ ክልተ ነጥቢ ትርጉም ናይ’ቲ መልእኽቲ (ጭርሖ) ዘስሕት’ዩ። ኣብ ዘይ ቦትኡ’ዩ ኣትዩ ዘሎ።

    ብዙሕ ዝእረም ኣለዎ። ንሕጂ ኣብዚ ይኣክል ‘ዞም ኣሓትና (ኣንጻርና)።

    ኣነግን እታ ጭርሖ፡ ኣብ ክንዲ-

    “ምትእትታው፡ ህግደፍ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን፡ ጠጠው ይበል”

    “ምትእትታው፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኣብያተ-ክርስቲያን የብቅዕ” ብእትብል ዝተምሓይሸት ጭርሖ ጌርኩም እታ ሰለማዊ ሰልፊ ከምእንደገና ንጽባሕ ቀዳም ‘ቢስ’ ኣንተትብልዋ (እንተትደግምዋ) ኣሸበሸብ ዝያዳ ተደናገጽቲ ምርኸበት ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።

    ሃየ ሓደራኹም

  • hzbawi March 30, 2012

    good job Germeny

POST A COMMENT