Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ሀገራዊ ጽላል መጠን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ብመሰረት ቀዳማይ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወጠነ መደብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካላኣይ ሰሚናር ብምጽዋዕ ካብ 14-17/10/2016

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ሀገራዊ ጽላል መጠን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ብመሰረት ቀዳማይ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወጠነ መደብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካላኣይ ሰሚናር ብምጽዋዕ ካብ 14-17/10/2016 ኣብ ዘሎ ግዝያት ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ተሰላሲሉ።

ካልኣይ ሰሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ቀዳማይ ሰሚናር ክሳብ ካልኣይ ሰሚናር ኣብ ዝጸንሑ ግዝያት፡ እቲ ናይ ምስንዳእ ዝነበረ ውጥናትን ዝተሰላሰሉ ዕማማትን ዝጸንሕዎ ባዕላውን ወድዓውን ጸገማትን ንምእላዮም ዝተገብሩ ጻዕርታትን ንቕድሚት ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማትን ብዕምቆት ዳህሰሰ።

ሰፊሕ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢት ቃልሲ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ-ሰባትን መንእሰያትን ደቀ-ኣነስትዮን ምሁራንን ህዝብን ኮይኑ ዝተበገሰ ናይ ቃልሲ መሳርሒ መጠን፡ ሕጂ’ውን ንዘጋጥሙዎ ጸገማት እናኣለየ፡ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዘቕነዐ ሃገራዊ ውጥናቱ ክውን ክገብር ብሓፈሻ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ካኣ ሓያል ጻዕርታት ናይዞም ተሻረኽቲ ማሕበራዊ መሰረታቱ እዚኣቶም ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ብቅድመ-ግንባር ክረባረቡ ህጹጽ እዋናዊ ዕማም ናይዚ መድረኽ እዚ ምዃኑ ሰሚናር ኣስሚሩሉ ሓሊፉ። በዝን ብዝሰፍሐ ናይ ደምበ ተቓውሞ ዝተወሃሃደ መኸተን ካኣ እዩ ኣማስይኡ ኣብ ደሞክራስን ሰላምን ፍትሕን ዘትከለ ደሞክራስያዊ ሰርዓት ንምትካል ጥጡሕ ባይታ ክምድመድ ዝካኣል።

ሰሚናር፡ ኣብ ምስንዳእ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከይተፈጸሙ ተሪፎም ዘለዉ ዕማማት ንምፍጻም ጥጡሕ ፖለቲካዊ ባይታታት ንምንጻፍን፡ ንጉባኤ ዘድልዩ መሳለጥያታት ምምላእን፡ ዝምልከቱ ለበዋታት ናብ መሪሕነት ባይቶ ኣሕለፈ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ተዓዋትነት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገዳሲ ፍሉይ ታሪኻዊ ምዕራፍ ስለ ዘለዎ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብዚ ሰሚናር እዚ ዝተሳተፉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዕዮ ሰሚናር ንምዕዋት ዘካየድዎ ጻዕርታትን ንተዓዋትነት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘለዎም ጽንዓትን ኣሞጐሰት።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

18 ጥቅምቲ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT

POST A COMMENT