Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኣሰና ፋውንዴሽን ሓድሽ ቦርድ ዳይረክተራት የቕውም።

ኣሰና ፋውንዴሽን ሓድሽ ቦርድ ዳይረክተራት ከምዘቖመ ብሓጎስ ይገልጽ። እቲ ሸሞንተ ኣባላት ዘለዎ ቦርድ፡ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኤርትራ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ንምዕንባብ ንዘለዎ ዘይሕለል ተልእኾ ንምዕዋት መሪሕ ተራ ምጽዋት ክቕጽል እዩ። ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ኣቦ ወንበር ቦርድ

ኣሰና ፋውንዴሽን ሓድሽ ቦርድ ዳይረክተራት ከምዘቖመ ብሓጎስ ይገልጽ። እቲ ሸሞንተ ኣባላት ዘለዎ ቦርድ፡ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኤርትራ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ንምዕንባብ ንዘለዎ ዘይሕለል ተልእኾ ንምዕዋት መሪሕ ተራ ምጽዋት ክቕጽል እዩ።

ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ኣቦ ወንበር ቦርድ ኣሰና ፋውንዴሽን ኮይኑ ከገልግል ተመሪጹ ኣሎ።

ቦርድ ኣሰና ፋውንዴሽን፡ ፕሮፌሰር ኣርኣያ ደበሳይ፡ ኣቶ ያቆብ ገብረስላሴ፡ ኣቶ ዓሊ ህንዲ፡ ዶር ሳራ ዑቕባይ፡  ወ/ሮ ኣኽበረት ስዩም፡ ኣቶ ጴጥሮስ ተስፋፊዮርጊስ ይርከቡዎ።

ነቲ መዝነት ብምቕሉልነት ዝተቐበለ ኣቶ ሃብተ ሓጎስ፡ ምስ ኣባላት ቦርድ ኣሰና ሓቢሩ፡ ነቲ ብሓያል ጻዕሪ ዝተመዝገበ ዓወታት ኣሰና ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ንምስግጋሩ ብዝለዓለ ከምዝጽዕር ተመባጺዑ።  ኣሰና ፍሉይ ጸብልለታ ዘለዋ ማዕከን ዜና ምዃና ብምንኣድ ድማ፡ ` ንመሰረታ መበገሲ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ዘበነ ኢሳይያስ ምስ ኣብቀዐ፡ ጩራ ተስፋን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ህዝብና ዝኾነት ፈላሚት ነጻ ማዕከን ክንሃንጽ ዓቢ ዕድል ኣለና` ኢሉ።

መስራትን ዋና ኣካያድን ኣሰና ፋውንዴሽን፡ ኣማኑኤል ኢያሱ ብወገኑ፡ ኩሎም ኣባላት ቦርድን ኣቦ ወንበር ቦርድ ኣሰና ኣቶ ሃብተ ሓጎስን ብሓላፍነት ከገልግሉ ብዘርኣዩዎ ቅሩብነት ሓጎሱ ገሊጹ።

ቀጺሉ፡ ኣሰና ፋውንዴሽን፡ ልቦናን ክእለትን ናይዞም ኣባላት ቦርድ ምስቲ መተካእታ ዘይብሉ ደገፍ መሓዙትን ኣዕሩኽን ኣሰና ተደሚሩ፡ እቲ ኣሰና ድምጺ ዕቡሳት ኮይና ከተወፍዮ ዝጸንሐት ኣበርክቶ ናህሩ ዓቂቡ ክቕጽል፡ ኪኖኡ፡ ነቲ ኣብ ድሕረ-ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ሓድሽ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ሚድያ ንምዕንባብ ዘለዎ ተልእኾ ከዐውቶ ከምዝኾነ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ከምዝለዎ ገሊጹ።

ኣሰና ፋውንዴሽን

27 ሕዳር 2018

 

ዝርዝር ኣባላት ቦርድን መቖምያን ብእንግሊዝኛ ንምውካስ ኣብዚ ሊንክ`ዚ ጠውቑ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Awet Haile November 27, 2018

    Well done Amanuel. Congratulations! This is a huge step in the right direction.

  • ዮውሃንስ ጸጋይ November 28, 2018

    ኣገዳሲ መድርኻዊ ዝነኣድ ስጉምቲ ኢዩ።
    ኣጆኹም ከይተሓለልኩም ቀጽሉዎ
    ናጽነት ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን ይዓምብብ!
    ዮውሃንስ ጸጋይ
    http://www.snitna.com

  • Hagherawi November 29, 2018

    Next step:

    All opposition media should coordinate its activity,
    Send to Eritreans a unified message.
    Different means and ways but one message.
    Only then many people, in particular those silent or confused, will join the battle for freedom.
    The enemy has a lot of resources and tools to keep people divided. It has an army of agents on the net who spread hopelessness, fear, hate, confusion etc.
    For instance, a Youtube site “nEW eRITREAN” signed by a notorious liar that calls himself “Mr Binmar” is a good example of regime’s dark propaganda engaged in spreading false news..
    So, please unify the message as soon as possible.

POST A COMMENT