Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ: ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ንዕለት 17 ጥሪ 2016  ሕዝባዊ  ኣኼባ ከም እነካይድ ሓቢርና ኔርና። ከምቲ ዝመደብናዮ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ዜተባብዕ፡ ዉዕዉዕ ተሳታፍነት ውን ተዓዚብና። ኮሚቴና ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝፈጸመቶም ዕማማት ጸብጻብ፡ ናብ ሕዝቢ ኣቕሪባ። ኣብ ዝመጽእ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ንዕለት 17 ጥሪ 2016  ሕዝባዊ  ኣኼባ ከም እነካይድ ሓቢርና ኔርና። ከምቲ ዝመደብናዮ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ዜተባብዕ፡ ዉዕዉዕ ተሳታፍነት ውን ተዓዚብና። ኮሚቴና ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝፈጸመቶም ዕማማት ጸብጻብ፡ ናብ ሕዝቢ ኣቕሪባ። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ዝሳለጡ ዕማማት እውን ምስ ተሳተፍቲ ተላዚባ። ካብ ሕዝቢ ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሕቶታት  መሊሳ፡  ሓናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ከኣ ተቐቢላ። ኣብ መወዳእታ ሕዝቢ መሪቑ፥ ተወሰኽቲ ኣባላት መሪጹ፡ ዝያዳ ክትሰርሕ ዳግም ልኢኹዋ ኣሎ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝበልናዮ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን በብውልቆም ወይ ብጉጅለታት ኮይኖም ይጽዕሩ ምህላዎም ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ግን፥ ኣብ ባይታ እንተ ርኤናዮ፥ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ሥቓይን ዕንወትን ዝመጣጠን፡ ዝጭበጥ ለውጢ ኣይተረኽበን ኣሎ። ኮሚቴና ከተስምረሉ እትደሊ ጉዳይ እምበኣር፥ ብምንታይ ምኽንያት ኢና ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ወሪዱና ዘሎ ጸገማት ዝማጣጠን ግብረ-መልሲ ክንህብ ዘይንበቅዕ ዘለና ዝብል ሕቶ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፥ ሥምረትን ምትእምማንን ስለዝጎደለና ጥራሕ ኢዩ። ነንሓድሕዱ ዝተፈላለየ ተቓዋማይ፥ ሕዝቡ ኣኪቡ ክምርሽ ኣይክእን ኢዩ። ሕዝቢ ፍልልይ ኣይቅበልን ኢዩ፥ ናብ ዝተመቓቐለ ኣካላት ድማ ኣይዓስልን ኢዩ።  ስለዚ ሕጂውን ፍልልይና ኣጽቢብና፥ ብሓደ ኴና እንሠርሓሉ ኣገባብ እንተ ዘይምሂዝና፥ ነቲ ኣብ ሕዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርክቦ ጸልማት ክንቅንጥጥ ኣይክንበቅዕን ኢና ዝብል መደምደምታ ሂባ ኮሚቴና።

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡  ከም ፍታሕ ይኸውን ኢልና ዝኣመናሉን፥ እንሠርሓሉን እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ሕዝቢ ባዕሉ ዝመረጾም ዜጋታቱ ልኢኹ፥ ሓቢሩ ጸገማቱ ክፈትሕ ኣለዎ። በዚ መሠረት፥ ሓደ ንምሉእ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓቁፍ ብሕዝቢ ዝምረጽ ዓብዪ ኣካል ክነቕውም እሞ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገም ኣብ ምቅላል ብዝሓየለ ኣገባብ ክንሳተፍ ዝብል ኢዩ።  ነዚ ንምፍጻም፡ መደብ ዕዮ ኮሚቴና፥ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡወን  ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ እንዳኸደት፥ ሕዝባዊ ኣኼባት ብምክያድ፡  ናይ ሓድነት ኮሚቴታት ብምርጫ ሕዝቢ ክቖማ። ብድሕሪኡ እተን ኮሚቴታት ተጠርኒፈን ንምሉእ ዓባይ ብሪጣንያ ዝውክል ሓደ ድልዱል ኣካል ከቑማ። ሕዝቢ በቶም ዝመረጾም ሰባት ክውከል፥ ንሳቶም ድማ ተሓታትነቶም ናብ ሕዝቢ ኮይኑ፥ በብግዜኡ ብምርጫ ሕዝቢ ክቕየሩ። እቲ ተመሪጹ ዝቐውም ኣካል፥ ንሕዝቢ ግሉጽ ብዝኾነ፥ ብሕጋውዊ ኣገባብ ክሠርሕ።

ኮሚቴና ነዚ ዕማምዚ ጀሚራቶ ኣላ። ኣብዘን ዝስዕባ ቁሩባት ኣዋርሕ ካኣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናኸድና፡ ሕዝባዊ ኣኼባታት ክነካዪድ መደዲብና ኣለና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኮሚቴታት ሓድነት ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ብዛዕባ ሓድነት ኤርትራውያን ዝግደሱ ዜጋታትና ንዝገብሩዎ ምንቅስቓሳት ድማ ክንከታተል ኢና። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብዝለዓለ ደረጃ፡ ንኤርትራውያን ዝውክልን ዘመሓድርን ዓለምለኻዊ ኣካል ክቐውም ክንጽዕር ኢና።

ክቡራትን ክቡራንን፥ ሓልዮትኩምን ደገፍኩምን ኣይፈለየና። ነቶም ክሳዕ ሕጂ እጃምኩም ዘበርከትኩምልና ድማ ምስጋናና ነቕርበልኩም። ሓድነት ሓይሊ ኢዩ፥ ኣሕዋት ምዝዝሓብሩ ኢዮም ድማ ጸላእቶም ዜባርሩ።

ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ዝኽርን ነቶም ምእንቲ ሃገር ዝሓለፉ፡

ሰላምን ራውዋን ነቲ ፍትሒ ስኢኑ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ፡

ነቶም ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርበዳን ዝጠፍኡን፥ ብኢድ ግብረ-ሽበራውያን ዝብደሉ ዘለዉን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብፍሉይ እናዘከርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ሓቢርና ክንሠርሕ፥ ዘለናዮ ህጹጽ እዋን ዝጠልቦ ኢዩ ንብል።

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ጥሪ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • aus 17 February 1, 2016

    It is true there are many Temben Boys originally, nothing wrong with it, the problem is when they turned out to be criminals, theifs, manipulators, liars: and never truth speakers, then their origin is irrelevant.
    Kisha finance minister embezels Eritrea’s economy, Isayas head chief ruined the country and put the whole population in prison; thereby the country is in the verge of a Cliff, should we add Another Temben General philipos cousin to Isayas Afewerki fro TSELOT! the same group from the same origin. yes, join your hands to liquidate them, not because they are from Tigray but they are criminals.

Post a Reply to aus 17 Cancel Reply