Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ: ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ንዕለት 17 ጥሪ 2016  ሕዝባዊ  ኣኼባ ከም እነካይድ ሓቢርና ኔርና። ከምቲ ዝመደብናዮ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ዜተባብዕ፡ ዉዕዉዕ ተሳታፍነት ውን ተዓዚብና። ኮሚቴና ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝፈጸመቶም ዕማማት ጸብጻብ፡ ናብ ሕዝቢ ኣቕሪባ። ኣብ ዝመጽእ

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ንዕለት 17 ጥሪ 2016  ሕዝባዊ  ኣኼባ ከም እነካይድ ሓቢርና ኔርና። ከምቲ ዝመደብናዮ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና፥ ዜተባብዕ፡ ዉዕዉዕ ተሳታፍነት ውን ተዓዚብና። ኮሚቴና ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝፈጸመቶም ዕማማት ጸብጻብ፡ ናብ ሕዝቢ ኣቕሪባ። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ዝሳለጡ ዕማማት እውን ምስ ተሳተፍቲ ተላዚባ። ካብ ሕዝቢ ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሕቶታት  መሊሳ፡  ሓናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ከኣ ተቐቢላ። ኣብ መወዳእታ ሕዝቢ መሪቑ፥ ተወሰኽቲ ኣባላት መሪጹ፡ ዝያዳ ክትሰርሕ ዳግም ልኢኹዋ ኣሎ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊምና ዝበልናዮ፥ ብዙሓት ኤርትራውያን በብውልቆም ወይ ብጉጅለታት ኮይኖም ይጽዕሩ ምህላዎም ኩላትና ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ግን፥ ኣብ ባይታ እንተ ርኤናዮ፥ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ሥቓይን ዕንወትን ዝመጣጠን፡ ዝጭበጥ ለውጢ ኣይተረኽበን ኣሎ። ኮሚቴና ከተስምረሉ እትደሊ ጉዳይ እምበኣር፥ ብምንታይ ምኽንያት ኢና ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ወሪዱና ዘሎ ጸገማት ዝማጣጠን ግብረ-መልሲ ክንህብ ዘይንበቅዕ ዘለና ዝብል ሕቶ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፥ ሥምረትን ምትእምማንን ስለዝጎደለና ጥራሕ ኢዩ። ነንሓድሕዱ ዝተፈላለየ ተቓዋማይ፥ ሕዝቡ ኣኪቡ ክምርሽ ኣይክእን ኢዩ። ሕዝቢ ፍልልይ ኣይቅበልን ኢዩ፥ ናብ ዝተመቓቐለ ኣካላት ድማ ኣይዓስልን ኢዩ።  ስለዚ ሕጂውን ፍልልይና ኣጽቢብና፥ ብሓደ ኴና እንሠርሓሉ ኣገባብ እንተ ዘይምሂዝና፥ ነቲ ኣብ ሕዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ መወዳድርቲ ዘይርክቦ ጸልማት ክንቅንጥጥ ኣይክንበቅዕን ኢና ዝብል መደምደምታ ሂባ ኮሚቴና።

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡  ከም ፍታሕ ይኸውን ኢልና ዝኣመናሉን፥ እንሠርሓሉን እዚ ዝስዕብ ኢዩ። ሕዝቢ ባዕሉ ዝመረጾም ዜጋታቱ ልኢኹ፥ ሓቢሩ ጸገማቱ ክፈትሕ ኣለዎ። በዚ መሠረት፥ ሓደ ንምሉእ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓቁፍ ብሕዝቢ ዝምረጽ ዓብዪ ኣካል ክነቕውም እሞ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ጸገም ኣብ ምቅላል ብዝሓየለ ኣገባብ ክንሳተፍ ዝብል ኢዩ።  ነዚ ንምፍጻም፡ መደብ ዕዮ ኮሚቴና፥ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡወን  ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ እንዳኸደት፥ ሕዝባዊ ኣኼባት ብምክያድ፡  ናይ ሓድነት ኮሚቴታት ብምርጫ ሕዝቢ ክቖማ። ብድሕሪኡ እተን ኮሚቴታት ተጠርኒፈን ንምሉእ ዓባይ ብሪጣንያ ዝውክል ሓደ ድልዱል ኣካል ከቑማ። ሕዝቢ በቶም ዝመረጾም ሰባት ክውከል፥ ንሳቶም ድማ ተሓታትነቶም ናብ ሕዝቢ ኮይኑ፥ በብግዜኡ ብምርጫ ሕዝቢ ክቕየሩ። እቲ ተመሪጹ ዝቐውም ኣካል፥ ንሕዝቢ ግሉጽ ብዝኾነ፥ ብሕጋውዊ ኣገባብ ክሠርሕ።

ኮሚቴና ነዚ ዕማምዚ ጀሚራቶ ኣላ። ኣብዘን ዝስዕባ ቁሩባት ኣዋርሕ ካኣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እናኸድና፡ ሕዝባዊ ኣኼባታት ክነካዪድ መደዲብና ኣለና። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኮሚቴታት ሓድነት ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ብዛዕባ ሓድነት ኤርትራውያን ዝግደሱ ዜጋታትና ንዝገብሩዎ ምንቅስቓሳት ድማ ክንከታተል ኢና። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ብዝለዓለ ደረጃ፡ ንኤርትራውያን ዝውክልን ዘመሓድርን ዓለምለኻዊ ኣካል ክቐውም ክንጽዕር ኢና።

ክቡራትን ክቡራንን፥ ሓልዮትኩምን ደገፍኩምን ኣይፈለየና። ነቶም ክሳዕ ሕጂ እጃምኩም ዘበርከትኩምልና ድማ ምስጋናና ነቕርበልኩም። ሓድነት ሓይሊ ኢዩ፥ ኣሕዋት ምዝዝሓብሩ ኢዮም ድማ ጸላእቶም ዜባርሩ።

ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ዝኽርን ነቶም ምእንቲ ሃገር ዝሓለፉ፡

ሰላምን ራውዋን ነቲ ፍትሒ ስኢኑ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ፡

ነቶም ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርበዳን ዝጠፍኡን፥ ብኢድ ግብረ-ሽበራውያን ዝብደሉ ዘለዉን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ብፍሉይ እናዘከርና፥ ኩላትና ኤርትራውያን ሓቢርና ክንሠርሕ፥ ዘለናዮ ህጹጽ እዋን ዝጠልቦ ኢዩ ንብል።

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

ጥሪ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • k.tewolde January 30, 2016

    One commune at a time , never give up , HASAB LIBNA YESMRELNA.

  • negusse January 30, 2016

    ዓባይ ብርጣንያ ፤

    ፤ ዘይከምዚአሲ እንታይ ደለዬ ፤ ዘይ ደለይቲ ፍትሒስ ነዚአእዮም ዝጠልቡ ዘለው። እወ ሕጅውን ከምትማሊ ብሐባርን ስለቲ ሐደራ ስውአትናን ፤ሐውኻ አበይ አሎ ?ሐብትኻ አበይ አላ? ክቡራት ስውአትኻ ነታ ክብርትን መተካእታ ዝይርኸባን ህይወቶም አውፍዮም ዘረኸብኻ ብርኽቲ ሀገርኻ ኤርትራ አብምንታይ ኹነታት አላ? ዝብሉ ሕቶታት ክሳብ ዘይመለስና ከቶ ዓውት አብልዕሊ ህግደፉውያን ብፍላይ ጭኻንን አረሜንን ናይ ኤርትራ ሂትለር ብቕሊል ዝርኸብ አይኾነንሞ አገናዕ ይብለኹም ዓባይ ብርጣንያ እንታይ ክወጾ አብመጨረሽታ አብትግባረ ከተርእዩናን ምስጊዜ ክትቐዳደሙን ሕውነታዊ ሐደራ ይብለኹም።
    ፤ይንዋሕ ይሕጸር ክሳብ ሕጂ ንቓልሲ ሕዝቢ ዝሰዓረ የለን።
    Viva Great Britain.

  • ኣርዓዶም January 30, 2016

    ጽቡቕ ዜና፡ ዘተባብዕ ተስፋ ዝህብ ኢዩ፡
    እቲ ሽግር ግን
    1) ዝሑል ውደባ ህላዉ
    2) ኣይጠቕሙን ኢዮም ኢልካ፡ ንኣገደስቲ ሰባት ጎሲኻ ምሕላፍ፡ ወይ ሰብ ዘይምፍላጥ፡ ንዝልፍልፉ ከም ኣገደስቲ ወሲድካ ኣብ ጥውይውይ ምውዓል
    3) ሰባት ብ ኣንጻር እቲ ትገብሮ ምንቕስቓሳት ይንቓሳቐሱ ምዅኖም ምዝንጋዕ፡ ንኣብነት ህግደፍ ዝገብሮም ስልኵታት ጸኒዕካ ዘይምምካት፡ ኣዚ ድማ፡ ሕጹያት ኣባላት ድኽመት ስለዝህልዎም ይኸውን።
    4) ፊናንስ ንዝንቐሳቐሱ፡ ናይ ግዚኦም ክትሽፍን ዘይምኽኣል
    5) ኩሉ ኣብ ክንዲ ንጹር ሕጊ ንኹሉ ዝዝርጋሕ፡ ምስጢራዊ ብምግባር ኣብ ህዝቢ ምትእምማን ዘይምፍጣር ዝበሉ ድኽመታት
    6) ርትዓዊ ዝኾነ ሓገዛትን ንጹር ዝኾነ ሕገ-ህንጻን ዘይምህላው
    7) ሓድነታዊ ጻውዒት ንኹሉ ህዝቢ እንዳጸዋዕካ፡ መንግስታዊ ሓገዛት ዘይምትላብ
    8) መጻ ኢ ስትራተጂ ሓንጺጽካ፡ ባይታ ንምፍጣር፡ ርጡባት ኣባላት ከተጥሪ ዘይምኽኣል

    እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐስክዎ ብውሑድ ኮይኑ፡ ከም መእተውን ትዕዝብተይን ግን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድኽመታት ኣለኩም። ምክንያቱ ምዓስ ከም ዝተመስረተን እንታይ ዝበለ ተስፋ ከምዝነበሮን፡ ኣይንርስዖን ኢና።

    ኣምላኽ ይሓግዝኩም፡

  • REPULSED CITZEN January 30, 2016

    “እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፥ ሥምረትን ምትእምማንን ስለዝጎደለና ጥራሕ ኢዩ።”

    እወ ሓቂ ፣እቲ ዝዓበየ ዘይምትእምማን ዓዳዊ ምዃኑ እቲ ኣብ መቐበል ኣጋይሽ ዘሎ ቀይሕ ሓርማዝ ክንሪኦ ስለ ዘይደለና እዩ።ሓቢርና ኣምሓአኡ ጸሊእናን ተጋሩ ኣናሺንና፣ንሓድሕድና ንፋቶን ንት ኣማመንን ኣየስምዕን እዩ። እዛ ኣውራጃዊት ሕማም ኣብ ቅሉዕ ኣውጺእና ከይፈታሕናያ ድማ ናይ ሓሶት ፍልልይ ዲሞክራስን መትከልን ሸፊና ክትቃላቐል እያ።

  • Hagherawi January 30, 2016

    “ሓቢርና ኣምሓአኡ ጸሊእናን ተጋሩ ኣናሺንና፣ንሓድሕድና ንፋቶን ንት ኣማመንን ኣየስምዕን እዩ።”

    REPULSED CITZEN

    Dear Assenna, the guy is a notorious anti-Eritrea, know mostly as Cow-Face and many other nicknames. Please block him, because he won’t stop his divisive activities.

    • TIME BOMB January 31, 2016

      Hagerawi,

      I respect Assenna for having the opinion not all Eritreans have HERD MENTALITY and all Eritreans have the right to love the people and resent the country. It is called Democracy tolerating what you find repulsive.n Get usede to it.

      thanks for being “super” Eritrean

  • Afom January 31, 2016

    Congratulations for you all who have done so much to bring this great idea of a united force that will bring a real change to our country and people.
    Please make sure there is a financial contribution to support to all the people who have dedicated their time to achieve that goal. Every peace loving Eritrean must be a member and contribute money regularly to this great call.
    I hope such work will start in Australia and others too with out any delay.
    Unity is power
    Afom from Australia

  • Genet-orginal January 31, 2016

    Repulsed Ethiopian “citzen”
    Eritrean issue is None of your business. Be yourself. it is ok.

    • TIME BOMB January 31, 2016

      Dearest Genet original,

      Did you tell Meles zenawi none of his business when he signed the CHARITY independence.I am Eritrean ,If DAN CONNEL,Abona Woldean Woldemariam ,Isaias & Hagos Kisha are in EWritrean business ,As for me only my grandma is from Tigray.It is paiful when I expose regionalist opposition that hate Isaias for being from the center,I oppose him for his deeds,I would have done the same if it were HAILE DURUE or GENERAL OQBE..would you ???

      Thank you for your concern though

      • Genet-orginal January 31, 2016

        Repulsed Ethiopian citzen/Time BOMB.
        Eritrean issue is None of your business. You are such a joker. “CHARITY” Independence. And you think you are Eritrean. Are you Ok? Go back to the hatemonger web site tigray online. At your disgraceful site, you can be any one you want. You can use Oromia name, Amharic name even Somalian name to torment None Tigrayan Ethiopian or belittle Eritrean, just because our independence doesn’t include the Tigray province of Ethiopia. We can’t do that.
        Please don’t try to associate yourself with those great people.
        Mind your business.

  • haddnet January 31, 2016

    ዝኸበርኩም ደቂ ሃገርና፥
    ንኩልኻትኩም ምዉቕ ሰላምታን፥ ልዑል ምስጋናን ነቕርበልኩም። እዚ ዕማምዚ ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ኢዩ፥ ኩላትና ድማ ክንሳተፎ ኣለና። ከም እትፈልጡዎ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝመልኦ ኢዩ። ንሕና እውን በዚ ሕልኽላኻት’ዚ ኢና ሓሊፍና፥ ጌናውን ንሓልፍ ኣለና። ሓለይቲ ተምሲሎም ዝሕንኩሉ ሰባት ተጋጢሞምና ኢዮም። ተማሂርና ኣለና ዝብል ዕግበት ኣለና። ከምቲ k. tewolde ዝበሉዎ ግን፡ ክንቅጽል ኢና; we will ‘never give up’ and we know that common sense will prevail. እዚ ዝሃብናዮ መግለጺ ሓጺር ኴይኑ እምበር፥ ንኹላቶም ነባራት ተቓወምቲ ይኹኑ፥ ሓደስቲ ኣካላት ዝተፈላለየ ዕጹው ኣኼባታት ጌርና ተራኺብናዮም ኢና። ማለት፥ ንሕና ዝንኣምነሉ ነገር፥ ኩላትና ኤርትራውያን ክቡራትን ክቡራንን ኢና፥ ዘይጠቅም የብልናን ኣብ ዝብል ሠረት-ሓሳብ ኣሚና ኢና እንንቀሳቐስ ዘለና። ሥራሕና ብግሉጽን ብሕዝባዊ ተሓታትነትን ዝኸይድ’ዩ።
    ብሓጺሩ ክቡራትን ክቡራንን፥ ኣብ ዘዘሎኹምዎ ኴንኩም በብዓቕምኹም ክትሕግዙና ንጽውዓኩም። ኣቶ ኣርዓዶም ዘርዚርኩምዎ ዘለኹም ትዕዝብትታት ንውሕ ዝበለ ኢዩ። የቐንየልና። ቁሩብ ውስኻ ኣብሉሉሞ፡ ካብ ተዓዛባይ ትኾኑስ፥ ቅርብ ኢልኩም ኣማኽሩና፥ ኣብቲ ሕዝባዊ ዕማም ድማ ተጸምበሩና። ኣብ ከተማ ሎንዶን እንተለኹም ዛየደ! ኣቶ ንጉሠ፥ ናብ ትግባረ ተሳጊርና ስለዘለና፥ ሕጂ ብዙሕ ግዜ ኣይወስደልናን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለና፥ ንቕድሚት ክንጉዓዝ ኢና። እቶም ኣብ ዘለናዮ `ጋም ማን` ክንብል ዝደልዩና ደጊም ኣይክቕይዱናን ኢዮም። ሓገዝ ኩልኻትኩም ግን ኣይፈለየና።

    Repulsed citizen፥ ንሕና እንጸልኦ ወይ እነናሽዎ ሕዝቢ የብልናን። ስልዚ ጽሑፍኩም/ክን ሃናጺ ኣይመስለናን። `ኣፍካ ጥዑም ብልዓሉ፡ ክፉእ ግን ኣይትዛረበሉ` ዝብሉዎ ምስላ ንዘክር።

    • Genet-orginal January 31, 2016

      Haddnet
      Repulsed citizen and Time bomb are one person and he is not Eritrean.

  • TIME BOMB January 31, 2016

    Dear Haddnet ;

    I was not reffering to your organization that is trying to do the right thing. I was geberally ciommenting our Eritrean negative anti social mentality..people learn…ኣነ ንባዕለይ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከለኹ ካብዘን ዓጋመ እዚ ኤንሲ ኣምሓሩ እኳ ይሕሹና ኢለ።ሕጂ ግን ህዝቢ ክልቲኦምሓለይትና ምዃኖም ተረዲኡኒ።

    I do not have to hate other people to love my people.

    With the utmost respect

    • AHMED SALEH !!! February 1, 2016

      You are too obsessed with Tigray and Ethiopia and you are at wrong
      forum to get attention . By now people realized your presence with arrogant attitude has to do with confusion based in identity crisis
      complexion . I think Tigray online and aiga forum might help you cure
      the emotional stress .

  • merhawi February 1, 2016

    Dear Haddnet,
    This is actually great news, well done, It is about time we Eritreans come together and hold our destiny in our hand. No one can stop the mass if organised defectively with clear aim. This is not a responsibility should be left to Haddnet all of us should join and help this movement to get us to get us where we want to get.

POST A COMMENT