Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጌም ኦቨር

ጌም ኦቨር ወድ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 30 ሓምሌ 2018   ሓደ ኢድ ኲና ንህግደፍ ንበሎ ጌም ኦቨር ጌም ኦቨር ንበሎ ዶባትና ክኽበር ጌም ኦቨር ንበሎ ቅዋምና ክትግበር ጌም ኦቨር ንበሎ ነዚ በዓል ኣበር ********** ምሕንጻጽ ዶብ ክብል ልብና ዘሕበጠ ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዘዕለበጠ ኣፍ እንዳ

ጌም ኦቨር

ወድ ዓድ ካብ ስደት

ዕለት 30 ሓምሌ 2018

 

ሓደ ኢድ ኲና ንህግደፍ ንበሎ ጌም ኦቨር

ጌም ኦቨር ንበሎ ዶባትና ክኽበር

ጌም ኦቨር ንበሎ ቅዋምና ክትግበር

ጌም ኦቨር ንበሎ ነዚ በዓል ኣበር

**********

ምሕንጻጽ ዶብ ክብል ልብና ዘሕበጠ

ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዘዕለበጠ

ኣፍ እንዳ ዓበሰ ብማሕዩርን ብጥይትን እንዳ ዘበጠ

እንቋዕ ተቃልዐ ኣርቲፊሻል ቆርበቱ ተቀንጠጠ

**********

ሃየ ንበራበር ይትረፈና ድቃስ

ክነፍስ ጀሚሩ ናይ ምቕያር ንፋስ

ብዙሕ ኣይንፍተዋ ሓንቲ ኢያ ትንፋስ

ሓቢርና ንእለዮ ነዚ ሰንካም ፈስፋስ

**********

ወዮ ዝተሓብአ ምስጢሩ ተቃሊዑ

ተደሚርና ምስ በለና ኣዳዕዲዑ

ሃገርና ከሸይጥ ክልውጥ ሰላሊዑ

ብዙሓት ፈሊጦምዎ ነይሮም ብኣግኡ ብሽዑ

**********

ኣበይ’ሞ ከብል ንህዝብና ኣሽኪዑ

ንኽንደይ የዋሃትን ሃሱሳትን ኣዘንጊዑ

ወዮ ንዓመታት ዝተሓብአ ቁስሉ ነቲዑ

ክሕባእ ይፍትን ኣሎ ምትፍናን ወሊዑ

**********

ንጌም ኦቨር ፈቲኑ ክገብሮ መሸቀጢ

ምስጢሩ ጓሕጒሑ ኣውጺእዎ ካብ ከርሲ ካብ ውሽጢ

እነሆ ኮይንዎ ሓያል መቀጥቀጢ

ናይ ዕርበቱ ዋዜማ ናይ ኣርቲፊሻል ክብረቱ መቀንጠጢ

**********

ጌም ኦቨር ንበሎ ሕጂ’ዩ ሰዓቱ

ናብ ልብኹም ተመለሱ ኩሉኹም ሰዓብቱ

ብናቱ ገበን ከትኽሰሱ ምስኡ ከይትጉተቱ

እንሆ ወዮ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝበልኩምዎ ፋልሶ ኾይንኑ ከንቱ።

* * * * * * * * * *

ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ

ራህዋኺ ቀሪቡ’ሎ

ጠላማይ ክዕሎ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! August 30, 2018

    Ayte Misghina
    Eritrea is not Axum . Get the picture.

    • memhir September 2, 2018

      Ahmed

      What are you talking about regarding this “Ayte Misghina”?

      • AHMED SALEH !!! September 2, 2018

        My response was for deleted comment .

        • Haregot September 2, 2018

          And what was the deleted comment?

  • Eri September 26, 2018

    Medemer malet 1+1 = 2 eyu

POST A COMMENT