Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ግልጽ መልእክት ለክቡር ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር ( ምስናይ ትርጉም ትግርኛ -)

ግልጽ መልእክት ለክቡር ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር   ብቅድሚያ ዝቅ ብየ ሰላምታየን ለማቅርብ ይፈቀድልን። ቀትየም ለእርስዎና ለማከብረውና ለምወደው የኤርትራና የኢትዮጵያና ህዝብ የኣዲስ ዓመት መልካም ምኞቴን እገልጻለሁ። ክቡር ዶክተር ዓቢይ ይህንን መልእክት ለእርስዎ ለተከበሩ የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር ለማስተላለፍ የምፈልገው፡ በኢትዮጵያ

ግልጽ መልእክት

ለክቡር ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ

የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር

 

ብቅድሚያ ዝቅ ብየ ሰላምታየን ለማቅርብ ይፈቀድልን። ቀትየም ለእርስዎና ለማከብረውና ለምወደው የኤርትራና የኢትዮጵያና ህዝብ የኣዲስ ዓመት መልካም ምኞቴን እገልጻለሁ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

ይህንን መልእክት ለእርስዎ ለተከበሩ የኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር ለማስተላለፍ የምፈልገው፡ በኢትዮጵያ ህዝብ ላይ ኣጥልቶበት  የነበረውን የሰው ህይወት መጥፋትና ምስቅልቅልን ለማስከትል የሚችል ኣደገኛ ኣዝማምያ፡ ኣራት ወር ባልሞላ ግዜ ውስጥ ለማስቆምና  ህዝቡንም የብሩህ ተስፋ ባለቤት ሊሆን እንደሚችል ማሳመን በመቻልዎ፡ ህዝቡንም በፍቅርና በሰላም ወደ ኣዲሱ ዓመት ለመሸጋገር ያለውን ተስፋ ስላለመለሙት፡ በዚህ ተግባርም ከፍተኛ ድል ለማስመዝገ ስለቻሉ፡ ያለኝንን ኣድናቆትና ኣክብሮት ለምግለጽ ነው። በተጨማሪም ለኣደጋ ተጋልጦ የነበረው የኢትዮጵያ ህዝብ እንኳን ዶክተር ዓቢይን የመሰለ መሪ ለማግኘት በቃህ ለማለት ጭምርም ነው። የጀመሩት የተቀደሰ ተግባር ለኤርትራና ለኢትዮጵያ ህዝብ ብቻ ሳይሆን በኣካባቢያችብ የሚኖሩ ህዝቦች ጭምር  ኑሮኣቸውን ወደ ተሻለ ደረጃ ሊያደርስ የሚችል ራእይ የሚፈነጥቅ ነው። መልካም እቅድዎን ለመፈጸም ፈጣሪ እንዲረዳዎ፡ ወደ ቀና መንገድ እንዲመራዎና ህዝቡም የኣብሮ መስራትና መረዳዳት ጥረት ውጤት ለማፈስ እንዲበቃ ያለኝን መልካም ምኞት እገልጻለሁ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

ጳጉሜ ኣምስት ቀን በሚለንየም ኣዳራሽ ብህዝቡ መካከል ተገኝተው፡ የኤርትራ የኢትዮጵያና ባንዴራ ያለበት ልብስ ለብሰው፡ ለህዝብ ያሰሙት ንግግር ለኣዲሱ ዓመት ተስፋ ሰጭ ነው። የህዝብ ልብ ትርታ የሚያዳምጡና መፍትሔ የማምጣት ልዩ ችሎታ እንዳልድዎት ስለ ሚያስረዳም  ከፕረዚደንት ኢስያስ ጋር ብመመካክር ለኤርትራ ህዝብም ከወደቀበት ኣሰቃቂ ችግር ለማላቀቅ የሚያስችል መፍትሔ ማምጣት የሚችሉ መስሎ ስለ ተሰማኝ ነው ለእርስዎ መልእክት ለማስተላለፍ የተነሳሁት። ከድፍረት እንደማይቆጥሩትም ተስፋ ኣለኝ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

በሚልየነም ኣዳረሽ ያስተላለፉት የኣዲስ ዓመት መልእክት፡ ህዝብ ኣዲሱን ዓመት የብልጽግና፡ የመረዳዳትና ኣብሮ ለማደግ ቆርጦ እንዲነሳ የሚያነሳሳ ነው። የኢትዮጵያን ህዝብ፡ “በፍቅር እንደመር በይቅርታ እንሻገር!” የሚል ልብ የሚነካ መፈክር ኣንግቦ ደስታውን  በተለቪዥን በምግለጽ ላይ እያለ ስመለከት፡ መልካም ቅናት ኣደሮብኝ፡ ነሽጦኝ፡ ነበር። በደስታ ተውጦ ይደሰት የነበረውን ህዝብ በቲቪ እያየሁ ለመጨፈርም ሞክሬ ነበር። ግን ከዛሬ ከነገ እታሰር ይሆን? በሚል ፍርሃት የተዋጠ፡ እንደ ቀበሮ ብጉድጓድ እየተሰቃየ እንዲኖር የተፈረደበት የኤርትራ ህዝብ እሮሮ ናላየን ኣዞረው። ስለዚ መጨፈር ኣልቻልኩም። ሰላም የናፈቀው ህዝቤ በደም እምባ እየታጠበ ፊቴ ተደቀነብኝ! ኡኡታው ባለሁበት ኣስቀረኝ! ለማን ኣቤት እንድሚል እንድጠፋውም ተረዳሁ። እንደ ኢትዮጵያዊ ወንድሙ የኤርትራ ህዝብም ያለ ስጋት በሰላምና ፍቅር የሚኖ!ርበት ቀን ማየት ናፈቐኝ! ኣብሬው ኣዲሱን ዓመት በፍቅር በደስታ ለመሸጋገር የምችልበትንም ቀን ተመኘሁ! የኤርትራ ህዝብም ሊወክልኝ ባይችልም፡ ጭንቀቱ ኣላስተኛ ስላለኝ ነው ዛሬ ጭሆቱን ወደ እርስዎ በድፍረት ያስተላለፍኩት። የጨነቀው ሰው የባጡን የቆጡን ያስባል እንድሚባለው፡ እኔም፡ ‘ምናልባት ህዝቡን ክስቃይና ከመከራ ለመገላገል የሚያስችል ጠበል ካልዎት ወደ ኤርትራ ሲሄዱ ቢረጩበት የሚል ሓሳብ  ተፈታተነኝ።’

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

መልክቴን ኣጠር ኣድርጌ ጥቂት ጥያቄዎች ላንሳ። ምነው ይህ በኢትዮጵያ የሚሰማው የሰላምና የፍቅር ነጋሪት ወደ ኤርትራ መሻገር ኣቃተው? የኤርትራ ህዝብኮ በእስር ቤት ነው የሚማቅቅ ያለው። እንደሚወቃ እህል ተሰጥቶ የዱላ መዓት እየወረደበት ነው። የሚጠብቀው ሕገ መንግስትም የለውም። የተወካዮች ምክር ቤት የለውም። እርስዎ፡ የኢትዮጵያ ህዝብን ኣንገት ያሰለለ ቢላ ወደ ኣፎቱ መግባቱን ገልዋል። በኤርትራ ያለው ስለት ግን ለምን በህዝብ ደም መታጠብ ይቀጥላል? ለምንድነው በኢትዮጵያ ያለው የእርቅና የፍቅር መንመፈስ ከኤርትራ ድንበር ኣላልፍ ያለው? ለምን ከማዶ የሚሰማ የገደል ማሚቶ ሆኖ ቀረ? በኤርትራ መረዳዳት መተሳሰብ ቀርቶ፡ ህዝቡ በሰላዮችና ጀሮ ጠቢዎች የተከበበ ስለሆነ ሓሳቡን መግለጽ እንኳን ኣይችልም። ኣፉን ዘግቶ ነው እንዲኖር ነው ተገዶ ያለው። በጣም የመረረውም በኣገሩ መኖር ስላቃተው የሚወዳትን ኣገሩን ጥሎ ወደ ባእድ ሃገር ለመሰደድ ተገድዋል። ብሃገሩ የሚኖረውም ህይወቱን ለማቆየት ሌሊቱን ሙሉ ለኣንድ ዳቦ በተራ ተሰልፎ ነው የሚያድረው። ብዙ ሞትን የሚመኝ ብኖርም  በሚፈልጋት ግዜ ኣያገኛትም። ህዝቡ የቀረው ምርጫ ወደ መስጊድ ወይም ቤተክርስትያን በመሄድ መጸለይ ብቻ ነው። ተሰብስቦ መጸለይ እንደ ወንጀል ተቆጥሮ የሚታስርበትም ግዜ ኣለ። ይህም በደርግ ግዜ የወሎ ህዝብ በድርቅ በተጠቃበትና ከገበያ ታፍሶ ወደ ሰፈራ ብሚወሰድበት ግዜ፡ ህዝቡ፣ ‘ወደ ላይ ሳይ  ሰማዩ ቀለለኝ ኣንተንም ሰፈራ ወሰዱህ መሰለኝ!’ብሎ ነበር የተባለውን የሚያስታውስ ክስተት ነው። ስለዚ የኤርትራ ህዝብ ከፍተኛ ግፍና ስቃይ እየደረሰበትና  የተስፋ ጭላንጭል እንኳን በማያይበት ጨለማ ውስጥ እየኖረ  በኢትዮጵያ ውስጥ ብቻ ስለ ስላምና ፍቅር የሚጎሰመው ነጋሪት ለኤርትራ ህዝብ ትርጉም እንድለሌለው ለሚያስተውል ሰው ግልጽ ነው። ስለዚህ ለኤርትራ ህዝብ ስላም የሚያስቡ ከሆነ፡ ከላይ የጠቀሱትን ነጥቦች መሰረት በማድረግ ጭቁኑ የኤርትራ ህዝብም ከሰላሙ ተቋዳሽ እንዲሆን የበኩሉዎን ኣስተዋጽኦ እንዲያደርጉ እማጸናለሁ። ኣዲስ ዓመት የፍቅርና የሰላም ወደ ህዝቦች የጋራ ዕድገትና ብልጽግና ለመራመድ የምንችልበት ዓመት እንዲሆን መልካም ምኞቴን እገልጻለሁ።

ምስሉ ተኪኤ

 

ግሉጽ መልእክቲ

ናብ ክቡር ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ

ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር

 

ብመጀመሪያ ጉምብስ ኢለ ሰላምታይ ክቕርብ ፍቐዱለይ። ቀጺለ ከኣ ንዘኽብሮን ዝፈትዎን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝብን ንዓኹምን  ናይ ሓዲሽ ዓመት ጽቡቕ ትምኒት እገልጽ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

ነዚ መልእኽሪ ናባኹም ናብ ክቡር ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር ንምሕላፍ ዝደረኸኒ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ  ኣንጸላልዩ ዝነበረ ናይ ሰብ ህይወት ዘጥፍእን ሕንፍስፍሽ ከኸትል ዝኽእልን ኩነት ዘምርሕ ዝነበረ ሓደጋ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክገትዑዎን ህዝብ’ውን ወናኒ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣምንዎ ስለ ዝኸኣሉ፡ ንህዝቢ’ውን በፍቅርን ሰላምን ናብ ዝመጽእ ሓዲሽ ዓመት ንምስግጋር ዘለዎ ሰናይ ትምኒቱ ይልምለም ከም ዘሎ ከእምኑዎን፡ ዓቢ ዓወት ከመዝግቡን ስለ ዝኸኣሉ፡ ንዓኹም ዘለኒ ኣድናቆትን ክብርን ንምግላጽ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን ንሓደጋ ተጋሊጹ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ እንቋዕ ብሰላምን ፍቕርን ምድማርን ዝምራሕ መራሒ ንምርካብ ኣብቅዓካ ንማለት ኢዩ። ዝጀመርኩሞ ቅዱስ ውጥንን ተግባርን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣካባቢና ንዝነብሩ ህዝብታት ከይተረፈ ናብርኦም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከብጽሕ ዝኽእል ራእይ ከም ዘለኩም ዘመልክት ስለ ዝኾነ ነዚ ጽቡቕ መርሓ ግብር ንምፍጻም ፈጣሪ ክሕግዘኩምን ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሓኩምን ህዝቢ’ውን  ብሓባር ናይ ምትሕግጋዝን ምስራሕን ጻዕሪ ፍሬ ንምሕፋስ ክበቅዕን ዘለኒ ተስፋ እገልጽ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

ጳጉሜ ሓሙሽተ ኣብ ዋዜማ ሓዲሽ ዓመት ኣብ ሚለንየም ኣዳራሽ ምስ ህዝብኹም ተራኺብኩም፡ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባንዴራ ዘለዎ ክዳን ለቢስኩም፡ ንህዝብኹም ዘስማዕኩሞ ቃል፡ ናይ ሓዲሽ ዓመት ተስፋ ዘበስር ኢዩ። ትርታ ልቢ ናይ ህዝቢ ምስማዕን ጸገሙ ናይ ምፍታሕ ፍሉይ ክእለት ከም ዘለኩም ዘረድእ ስለ ዝኾነ ከኣ ምስ ፕረዚደንት ኢስያስ ብምምኽኻር ናይ ኤርትራ ህዝብ’ውን ካብቲ ወሩዱዎ ዘሎ ዘሰቅቕ ህይወት ንምንጋፍ ዘኽእል ብልሓት ናይ ምፍጣር ክእለት ዘለኩም ኮይኑ ስለ ዝተሰመዓኒ’የ ናባኹም መልእኽቲ ንምስዳድ ዝተለዓልኩ። ድፍረት መሲሉ ከይርኣየኩም ከኣ ተስፋ ኣለኒ።

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

ኣብ ሚልየነም ኣዳረሽ ንህዝቢ ዘመሓላለፍኩሞ ናይ ሓዲሽ ዓመት መልእኽቲ፡ ህዝቢ በዚ ሓዲሽ ዓመት ክተሓጋገዝን ብሓባር ብምስራሕ ናብ ጎደና ልምዓት ክግስግስን ዘለዓዕል ኢዩ።  ንኢትዮጵያ ህዝቢ፡ “ብፍቕሪ ንደመር ብይቕረታ ንሳገር!” ዝብል ልብ ሰብ ዘረስርስ ጭርሖ ብምልዓል ሓጎሱ ብተለቪዥን ክገልጽ ምስ ተመልከትኩ ቅዱስ ቅንኣት ኣሕዲረ። ወነይ ተላዒሉ ብሓጎስ ተዋሒጡ ምስቲ ብቲቪ ዝረኣኹዎ ዘጣቕን ዝወዛወዝን ዝነበረ ህዝቢ ክስዕስዕ ፈቲነ ኔረ። እንተኾነ ግን ናይቲ ሎሚ ወይ ጽባሕ ምእሳረይ ኣይተርፈንን’ዩ እናበለ ብፍርሃት ዝተዋሕጠ፡ ከም ወኻሩ ኣብ ጎዳጉዲ እናተሰቃየ ክነብር ዝተገደደ ናይ ኤርትራ ህዝቢ ኣውያት ንኣእምሮይ ስለ ዝናወጾ ክስዕስዕ ኣይከኣልኩን። ሰላም ዝናፈቕ ዘሎ ህዝበይ ገጹ በደም ክሕጸብ ቅጅል ኢሉኒ! ኣውያቱ ኣብታ ዘለኹዋ ነቒጸ ከም ዝተርፍ ጌሩኒ። ድቃስ ከሊኡኒ። ህዝበይ ናብ መን ከም ዘእዊ ከም ዝጠፍኦ’ውን ተረዲኡኒ። ከም ሓው ናይ ኢትዮጵያዊ ህዝቢ ናይ ኤርትራ ህዝብ’ውን ምዩቕ ከይበለ፡ ብሰላምን ፍቅርን ዝነብረሉ መዓልቲ ናፊቐ። ሓቢረ ሓዲሽ ዓመት በፍቅርን ሓጎስን ንምስግጋር ዝኽእለሉ መዓልቲ ተመንየ። ናይ ኤርትራ ህዝቢ ክውክለኒ’ኳ እንተዘይከኣለ ስቓዩ ድቃስ ስለ ዝኸልኣኒ’የ ሎሚ ደፊረ ኣውያቱ ናባኹም መልእኽቲ ዘመሓልፎ ዘለኹ። ዝጨነቖ ሰብ፡ ብክኸውንን ክኸውን ዘይክእልን ሓሳባት’ዩ ዝጥሕል ከም ዝብሃል ኣነ’ውን፡ ‘ምናልባት ዶክተር ዓቢ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ስቓይን ሓሳረ-መከራን ንምንጋፍ ዘኽእል ጸበል እንተለዎም ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ እንተዝነጽጉሉ ዝብል  ሓሳብ’ዩ ዝፈታተነኒ ዘሎ።’

ክቡር ዶክተር ዓቢይ

መልእኽተይ ኣሕጽር ኣቢለ ካብቶም ዘጨንቑንን መልሲ ክረኽበሎም ዘይከኣልኩን ሕቶታት ቁሩብ ከቕርብ። ስለምንታይ ኢዩ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ናይ ሰላምን ፍቅርን ነጋሪት ናብ ኤርትራ ዘይሳገር? ህዝቢ ኤርትራኮ ከም ኣብ ዓውዲ ዝተሰጥሐ እኽሊ ይቕጥቀጥ’ዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ይሳቕ’ዩ ዘሎ።  ዝሕልዎ ሕግን ቅዋምን የብሉን። ባይቶ የብሉን። ንስኹም ክውም ዝገለጽኩሞ፡ ናይ ኢትዮጵያን ህዝቢ ክሳዱ ዝሕርሕር ዝነበረ ካራ ናብ ቆፍኡ ተቐሚጡ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ካራ ግን ሎሚ’ውን ብደም ህዝቢ’ዩ ዝሕጸብ ዘሎ። ንምዃኑ ስለ ምንታይ ኢዩ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ዘስተማቕሮ ዘሎ ናይ ዕርቅን ፍቅርን መንመፈስ ኣብ ዶብ ኤርትራ ምስ በጽሐ ዝኹለፍ? ስለ ምንታይ ኢዩ ብማዕዶ ዝስማዕ መቓልሕ ጥራይ ኮይኑ ዝተርፍ? ኣብ ኤርትራ ኣሽንኳይ ምርድዳእን ምትሕልላይን ክህሉስ ፡ ህዝቢ ብሰለይትን ኣፍ ሰብ ዝሕልዋ ኣእዛንን’ዩ ተኸቢቡ ዘሎ። ስልዚ ሓሳቡ ክገልጽ ኣይኽእልን ኢዩ። ኣፉ ተለጉሙ ምዝራብ ስኢኑ’ዩ ዝነብር ዘሎ። ዝመረሮ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ምባል’ዩ ዕድሉ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበር ሰብ ብህይወት ንምቕናይ ሓንቲ ባኒ ንምርካብ ተራ ሒዙ ተሰሊፉ’ዩ ዝሓድር ዘሎ። ሞት ዝምነ’ውን ብዙሕ ኢዩ። ንሳውን ኣብ ትድለየሉ መዓልቲ ትረከብ ኣይኮነትን። ህዝቢ ዝተረፎ ምርጫ ናብ መሳጊድ ወይም ቤተክርስትያን ብምኻድ ምጽላይ ኢዩ። ተኣኪብካ ምጽላይ’ውን ከም ገበን ተቖጺሩ ዝተሓዘሉ ግዜ ኣሎ። እዚ ከኣ ብግዜ ደርግ ናይ ህዝቢ ወሎ በድርቅን ጥሜትን ይጥቃዕ ከም ዝነበረን ንዕዳጋ ምስ ወረደ’ውን ተሓፊሱ ናብ ሰፈራ ይውሰድ ስለ ዝነበረ፡ ‘ንሰማይ እንተጠመትኩ ሰማይ ቀሊሉኒ፡ ንኣኻ’ውን ናብ ሰፈራ ወሰዶምኻ መስለኒ!’ ይብል ኔሩ ዝብሃል ዘዘኻኽር ተርእዮ ዝመሳሰል’ዩ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስቓይ እናወረዶን ናይ ተስፋ ብርሃን ክርኢ ኣብ ዘይክእለሉ እዋንን እናነበረ፡  ኣብ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ናይ ስላምን ፍቅር ነጋሪት ንኤርትራ ህዝቢ ትርጉም ከም ዘይብሉ ንዘስተውዕል ሰብ ግልጽ ኢዩ። ስለዚ ክቡር ዶክተር ዓቢይ ንኤርትራ ህዝቢ ብስላም ክነብር ዝሓስቡን ዝምነዩን እንተኾንኩም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ነጥብታት መሰረት ብምግባር ነዚ ተጨቁኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ናይ ሰላምን ፍቕርን ተረባሒ ክኽውን ዝከኣላኩም ኣስተዋጽኦ ክተበርክቱ እናተማሕጸንኩ እዚ ሓዲሽ ዓመት ንኹልና ናይ ሰላምን ፍቕርን ክኾነልና  ትምኒተይ እገልጽ።

ምስሉ ተኪኤ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • መድሃኔ ተኽለማርያም September 13, 2018

    የቐንየልና ምስሉ ተኪኤ.ይበል ስነ ጽሑፍ። አንተኾነ ጠፊኡካ ኣይኾነን ሓላፍነትካ ከተራግፍ ኢልካ ምበር፡ ሰማዒ አዝኒ ኣይተዕደሉን ደኣ ኮይኖም አበር ይርእይዎ ዶኸ የለዉን፡ ብዝኾነ ሕጂ ውን ንፍትሒ ምቅላስ ጥራሕዩ ዘዋጽእ፡ ኣጆኻ ህዝበይ ምቕናይ ጥራሕ ምቕናይ።

  • መድሃኔ ተኽለማርያም September 13, 2018

    የቐንየልና ምስሉ ተኪኤ.ይበል ስነ ጽሑፍ። አንተኾነ ጠፊኡካ ኣይኾነን ሓላፍነትካ ከተራግፍ ኢልካ ምበር፡ ሰማዒ አዝኒ ኣይተዓደሉን ደኣ ኮይኖም አበር ይርእይዎ ዶኸ የለዉን፡ ብዝኾነ ሕጂ ውን ንፍትሒ ምቅላስ ጥራሕዩ ዘዋጽእ፡ ኣጆኻ ህዝበይ ምቕናይ ጥራሕ ምቕናይ።

  • Hidat September 16, 2018

    የተከበሩ ኣቶ ምስሉ ተኪኤ ኣሁን ባለው በኤርትራና በኢትዮጽያ መካከል በመካሄደ ባለው የሰላም ስምምነት በጣም እንደተደሰቱና ከፕረስደንት ኢሰያስ ጋር ለዘላቂዉ ሰላም ኣብረን እንድንሰራ ኣሳስበዉ ለኔ ያለዎትን ኣድናቆት በመግለጽዎ ኣመሰግናለሁ። በቅድሚያ ሊመሰገን የሚገባው ግን በስንት መስዋእትሃገሩን ነጻ ኣውጥቶ ጦርነቱ ካስከተለዉ ሰለባ ሳይወጣ ዳግም ጦርነት ታዉጆበት ላገሩ በሂወቱ በጉልበቱ በንብረቱ ዳግምለመላዉ ዓለም ኣለሁ ያለዉ የኤርትራሕዝብ መሆኑን ሳልገልጽ ባልፍ ይቆጨኛል።በኤርትራ መሪዎች ኣርቆ ኣሳቢነት በሕዝቡና በሰራዊቱ ኣልበገር ባይነት ኤርትራን ብቻ ሳይሆን ምስቅልቅልዋን ልትወጣ ትንሽ ቀርተዋት የነበረችው ኢትዮጽያ ለማዳን
    አንደዱና የመጨረሻዉ ፈተና ከዚህ በፊት በነበረዉ ስርኣትሊታሰብስ ይቅር ኤርትራን ብቻ ለማንበርከክ ታቅዶ ሲሰራበት የቆየ ለማንንም የማይበጅ የእልክ ኣሰራር በጥሰን ኣገራችን በኣልጀርሱ ስምምነት መሰረት ከኤርትራ ጋር መታረቅ ከኤርትራ በላይ ላገራችን ኢትዮጽያ ከማንም በላይ የሚያዋጣት መሆኑን ኣምነን በጋራ በመስራት ላይ እንገኛለን።ይህ እኛንብቻ ሳይሆን የገዛ ዓላማቸው ለማሳካት እኛን የሚያግዙ መስለው የኣፍሪቃን ቀንድ ሲያተራምሱ የቆዩት ሃያላን መንግስታት ሳይቀሩ ዲክታቶርያዊ መንግስት እያሉ ዓለምንእንዳላደነቆሩ ሁሉ ኣሁን በይፋ ባይናገሩም ኣምነዉ ተቀብለዉታል።እኔን ለመቀበል ከቤቱ ሆ ብሎ የወጣዉ ሕዝብ ኣልበገር ባይ ብቻ ሳይሆን ሰላም ፈላጊ ርህሩህ ይቅር ባይ መሆኑን ሳየዉ ያለፈዉ የዉግያ ጊዜ ያጠፋዉ ሕዝብ የባከነዉ ንብረት እያደረ እያሳሰበኝ መሆኑን ስገልጽልዎት ባለፈዉ ሰሙን ዛላንበሳ ያዪሃቸዉ የተጎሳቖሉት ወታደሮች በዓይኔ እየተቀጀሉብኝ መሆኑን ልገልጽልዎ እፈልጋለሁ።ብዙ ለማለት ይቻላል ካለኝ የጊዜ ኣንጻር ግን ኣሁንም ቢሆን ከሰላም ፈላጊዉ የቀጠናችን መንግስታትና ሕዝብ ተደምረን ለእድገት ቆርጠን እንነሳ እላለሁ።……………………….Dr.A.A……..ኢለ ዶ ምጽሓፈ ይከውን