Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ግብረ ዘወሃብከነ ፈጸምኩ’: ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ሓላፍነታውን ብትብዓት መዓድን ኣቦ

‘ግብረ  ዘወሃብከነ  ፈጸምኩ’   ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ሓላፍነታውን ብትብዓት መዓድን ኣቦ   9 ታሕሣሥ 2016 ዓ/ም/ፈ ክቡራትን ክቡራንን፡ ንሰብ ከም ሰብ ጥራሕ’ውን እንተረኣናዮ፡ ንባዕሉ እቲ ባህሪ ተፈጥሮኡ፡ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ሓደ ሓላፍነታዊ ፍጡር ምዃኑ ንግንዘብ፤ ዕላዊ መንፈሳውን ማሕበራውን ሓላፍነት ምስዝዕደል ከኣ፡

‘ግብረ  ዘወሃብከነ  ፈጸምኩ’

 

ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ሓላፍነታውን ብትብዓት መዓድን ኣቦ

 

9 ታሕሣሥ 2016 ዓ/ም/ፈ

ክቡራትን ክቡራንን፡

ንሰብ ከም ሰብ ጥራሕ’ውን እንተረኣናዮ፡ ንባዕሉ እቲ ባህሪ ተፈጥሮኡ፡ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ሓደ ሓላፍነታዊ ፍጡር ምዃኑ ንግንዘብ፤ ዕላዊ መንፈሳውን ማሕበራውን ሓላፍነት ምስዝዕደል ከኣ፡ እቲ ሓላፍነት ብዝያዳ ሕጋውን ሕልናውን ክብደት ይውስኽ። ቀናእን ተባዕን ኣቦና ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ካብዛ ዓለም ካባና ካብዝፍለዩ፡ ድሮ ሰሙን ሓሊፉ፤ ንሶም’ውን ካብቶም ቅድሚኦም ዝሓለፉ ብፁዓን ጳጳሳት ዘይፍለ: ንዓና ንደቆም ዘተባብዕን ዝመርሕን: እዋናዊ ተባዕ ሓዋርያውን መንፈሳውን ምስክርነቶም: ኣመዝጊቦም እዮም:: ስለዚ ካብቲ በብእዋኑ ዝፈጸምዎ: መዝነታውን ግላውን ተባዕ ፍጻሜታት: ወላኳ ብመዓልቱ ብምልኣት ክጸሓፍ ምዃኑ ዘየጠራጥር እንተኾነ: ንሎሚ ከም መወከሲ ዝኣክል: ገለ ቁሩብ ምጥቃስ: ግዜኡ እመስለኒ::

ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ብ1981/4 ዓ/ም/ፈ ብቅብኣተ ጵጵስና: ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓዋርያዊ ሓላፍነት ተቐበሉ፤ ክሳብ 16 መስከረም 2001 ድማ፡ ንሓዋርያዊ መዝነት ተልእኮኦም: ብልዑል መፈሳውነትን ትሕትናን ትብዓትን መርሑን ሰርሑን:: ጳጳሳዊ መዝነት ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ክልተ ዓይነታዊ ተርእዮታትን ተረክቦታትን ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ምንባሩ ይፍለጥ፤ እቲ ሓደ ክፋል፡ ኣብቲ ኤርትራ: ንሓያል ደርቅን ኩናት 30 ዓመታትን ሰንጢቓ፡ ናብ ናጽነትን ሰላምን ሓጎስን ዝተሰጋገረትሉ እዋን እንኪኸውን፤ እቲ ካልኣይ ተረክቦ (ክውንነት) ድማ፡ እቲ ሰላምን ናጽነትን ሓጎስን ኤርትራውያን፡ ናብ ሃገራዊ ዕላማ ዘይብሉ: ናይ ቅጥፈት ዳግማይ “ዶባዊ” ውግእን ዳግማይ ዘቤታዊ መግዛእትን ጭቆናን: ብጋህዲ ዝተሰጋገረሉ ካልእ ግዜ ነበረ። ብፁዕ ኣቦና’ውን: ከም ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ከም ዜጋን: ኣብ አእዋኑ: ዝግባእ ሓላፍግነታዊ ኣበርክቶን ቃልስን ፈጸሙ::

ብፁዕ ኣቡነ ዘካርያስ፡ ቅብኣተ ጵጵስና ምስተቐብኡ፡ ነቲ ኣብ 80ታት ኣብ ሃገርና የጋጥም ዝነበረ ድርቅን ማሕበራዊ ሽግራትን ንምቅላል፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝህብ: ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦን ደገፍን ዘለዎ: ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ (Eritrean Catholic Secretariat – ECS) ኣቖሙን፡ ኣብ መላእ ሃገርና ረዲአት ከምዝበጽሕ ገበሩን። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከኣ: ዓሚቕ ትምህርትን ምሕጽንታን ዝሓዘላ: እዋናውያን ዝተፈላለያ ሓዋርያዊ መልእክታት ብምሕታም: ናብ መላእ ካቶሊካውያን ኣመንትን ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሃገርና ከምዝዝርጋሕ ገበሩ:: ገለ ካብዚኣተን እዚኣተን:

1ይቲ፡ – “ሰላምን ምዕብልናን፡ ብዝተሓደሰ መንፈስ ንሓዳስ ኤርትራ” (Peace and Progress: A Renewed Spirit for a New Eritrea) ዘርእስታ፡ ብሓምለ 1991 ዓ/ም/ፈ ዝተሓትመት እንክትከውን፡ ቀንዲ ሕሞረት ናይ ትሕዝቶኣታ: “ውግእ ከይድገም” ዝብል እዩ፤ በዘን ዝስዕባ ክልተ ሓረጋት ድማ ተገልጸት፡-

ሀ) ‘“ዘይተዛዘመ ጉዕዞ”፡ እዚ ማለት፡ እቲ ዝተረኽበ ናጽነት፡ ናብቲ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ንምርግጋጽ: ሓዲሽ ጉዕዞ ዝኸፍት ድኣምበር: መወዳእታ ስለዘይኮነ፡ ብዝተረኽበ ናጽነት ዘስዕቦ ዓሚቕ ስሚዒት ተዘናጊዕና ክንዝንግዖ ዘይግባኣና ጉዳይ እዩ’ ብምባል ዘጠንቅቕ፤

ለ) ‘“ቅኑዕን ብቑዕን ምዕብልና” ሓንቲ ሃገር፡ ክብርታትን መሰላትን ሰብ ዓንዲ ማእከሉ ዝገበረ፣ ብሥነ ምግባርን መንፈሳውን ኣገባብ ዝተሓንጸ፣ ከምኡ ጥዑይን ጽፉፍን ዕርቂ ተገይሩ፡ ሕዝቢ ሃገሩ ንምሕናጽ ዘኽእሎ፡ ሕጋዊ ኣገባባት ኣብ ግብሪ ክውዕልን፡ … እሞ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ሕብረተሰብ ክሕነጽ ከምዘድሊ’ ብማለት እትላቦን እትምህርን መልእኽቲ።

ብሓጺር ኣዘራርባ፡ በታ 1ይቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ “መድረኽ እዋን ናጽነት፡ መጀመርታ ድኣ’በር መደምደምታ ከምዘይኮነ፤ ንዝሓለፈ ተዓዚብና ትምህርቲ ክንቀስም፣ ንዝመጽእ ኣማዕዲና፡ ንወድሰብ ዝበቕዕን ዝግባእን፡ ጽፉፍ ስልጣኔን ምዕብልናን ዘኽእለና መሰረት ከነቐምጥ፡ ጽቡቕ ዕድል ዝረኸብናሉ እዋን ምዃኑ ግልጺ ክኸውን፡ ንኹሉ ነማሕጽን” በሉ።

2ይቲ: – “መሰልን ግቡእነትን” (Rights and Duties) ዘርእስታ: ብ18 ሚያዝያ 1993 ዓ/ም/ፈ ዝተሓትመት: ንረፈረንደም እትምልከት ኢያ። እዛ ሓዋርያዊ ሰንደ እዚኣ: ዳግም ብዛዕባ እቲ ልሙድን ምልኣት ዘለዎን ትርጉም ሰላም ብዕምቝት ብምግላጽ ጀሚራ:  ብዛዕባ  ሓላፍነት ፖሊቲካዊ መሪሕነትን መሠረቱን፤ ተልእኮ ቤተክርስትያንን፤ ናይ ምምራጽ መሰልን ግቡኣትን ኣብ ረፈረንዶም፤ ካልእ ንኡስ ኣርእስታት ድሕሪ ገሊጻ: ቀጺላ “ብለበዋ ዝተቐበልናያ ሃገር” ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ እያ ትድምድም:: ኣብዛ “ብለበዋ ዝተቐበልናያ ሃገር” ትብል ንኡስ ኣርእስቲ: ተሰኒዱ ከምዘሎ: “ብባህልና: ለበዋ ክቡርን ዘይገሃስን እዩ:: ንለበዋ ዜዕብር ከኣ: ከም ሓደ ጠላምን ንሕጊ ዘይሕሉ ገበነኛን እዩ ዝቚጸር:: መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ከኣ: ኣብ ዘሎ ይሃሉ: ዘለዎ ግላዊ ኣረኣእያ ብዘየገድስ: ምእንቲ  ሰላም ሕዝቦም ደሞም ናይ ዘፍሰሱን: ሸዊት ሕይወቶም ዜወፈዩን: ንሕዝቦም ካብ ስቓይን ግፍዕን ንምውጻእ ኣካሎም ዝሰንከሉን: ከም በጊዕ ማሕረዲ ተሳሒቦም ዝተቐትሉን ዝተገርፉን ዝተኣስሩን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ለበዋ ኣሎዎ:: እምበኣርከስ: ነዛ ብለበዋ ተቐቢልናያ ዘሎና ናይ’ዞም ስውኣትናን ስንኲላትናን ናይ ሓደራ ንብረት ዝኾነት ሃገር: ብዝግባእ ለበዋኦም ንኽንፍጽመላን ናይ ሰላምን ሰብኣዊ ምዕብልናን መርኣያ ምስክር ክንገብራን: እግዚኣብሔር ባዕሉ ኃይልናን ብርሃናን መራሒናን ይኹን” ብምባል ተማሕጺኖም ነበሩ::

3ይቲ:ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣቕዋም” ዘርእስታ: ብ1996 ዓ/ም/ፈ ዝተሓትመት: መልሲ ንናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣዋጅ ቁጽሪ 73/1996 ንጥፈታት ሃይማኖታትን፣ ሃይማኖታዊ ትካላትን ብሕጊ ንምንጻርን ንምስራዕን ዝወጸት ኣዋጅ ኮይና፤ብዛዕባ ናይ ቤተክርስትያን መሠረትን መንነትን (ተልእኮኣን ዕላማኣን)፤ ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ፍልልይ፤ ሰብኣዊ ምዕብልና፤ ምስዳዕ (ብዝኾነ ዓይነት መልክዑ) ክልኩል ምዃኑን: እትግለጽ ሰነድ እያ::

4ይቲ: – ነዛ ሃገር’ዚኣ፡ እግዚኣብሔር የፍቅራ እዩ” (God Loves this Country) ዘርእስታ፡ ብ24 ግንቦት 2001 ዓ/ም/ፈ (ምስ ኣቡነ ተስፋማርያም በድሆን ኣቡነ ሉቃስን ሓቢሮም)፡ ከም መዘከርታን ገምጋምን ናይ ዓሰርተ ዓመት ናጽነት ንምግባር ዝተሓትመት እያ። ቀንዲ ምሕጽንታን ደወልን ናይዛ ሓዋርያዊ መልእኽቲ’ዚኣ፡ እቲ ኣቐዲሞም “ውግእ ከይድገም” ቢሎም ዝተማሕጸንዎ፡ ጸማም እዝኒ ስለረኸበን: ሕዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮን መማዝንቲ ዘይብሉን: ኣብ ዳግማይ ውግእ ስለዝጠሓለን፡ “ወዮ ድኣ ካብ ታሪኽ ዝተማሃርናዮ እንተሃልዩ፡ ካብ ታሪኽ ከም ዘይንመሃር እዩ’ምበር፡ ብ1991 ዓ/ም/ፈ ሓዋርያዊ መልእኽትና፡ ‘ውግእ ከይድገም’ ተማሕጺና ነበርና” እያ ትብል። ሽዑ ግዜ: እቲ ደማዊ ‘ዶባዊ’ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ: ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ስለዝተበጽሐ: በዛ ሓዋርያዊ መልእኽቲ’ዚኣ እዋናውያን መሰረታውያን መልእኽቲ ንምምሕልላፍ: ከምዚ ዝብል ስምዕታ ነንብበላ፥

  • “… ምእንቲ ሓቀይና ሰላም ምስራሕን፤ ዕርቂ ድማ ምስ ጸላኢኻ ጥራሕ ዝፍጸም ዘይኮነስ፡ ምስ ገዛእ ርእስና’ውን ክንዕረቕ ከምዘሎና”፤
  • “ኣብዚ ዓለም’ዚ፡ ኩሉ ምእንቲ ሰብ ዝመጸ ስለዝኾነ፡ ከም ሳዕቤኑ፡ ሰብ ምእንቲ ሃገር ዘይኮነስ፡ ሃገር ምእንቲ ሰብ ከምዝተተኽለት ምርዳእ ከምዘድሊ”፤
  • “ሰብ ናይ ስርዓታትን ኤኮኖምያዊ ማሕበራዊ ኣገባባቶምን መሳርሒ ንኸይከውን፤ እዚ ንሰብ መሳርሒ ዝገብር መደባት ንኸይስዕርር ድማ፡ እቲ ቀንዲ ፈውሲ፡ ፍትሓዊ ኅብረተሰብ ምትካል ምዃኑ፤ ምትካል ፍትሓዊ ኅብረተሰብ ዝረጋገጽ ከኣ፡ ብቅዋማዊ ሥርዓት ከምዝኾነ”፡ …: ብሓጺር ኣዘራርባ፡ “ንሰብ እተገልግል ክብርትን ፍትሓዊትን ቅዋማዊትን: ሃገርን ሕብረተሰብን ምህናጽ: ከምልጠና ዘይብሉ ወርቃዊ መድረኽና እዩ: …” ብምባል: ብግልጺ ሓቢራን ኣዘኻኺራን እያ።

እዘን ክሳብ ሕጂ ዝተጠቅሳ 4ተ ሓዋርያዊ መልእኽታትን ሰነዳትን: ናይ ጳጳሳዊ መዝነት ኣቡነ ዘካርያስ ፍረታት እየን፤ እዚ ክበሃል ከሎ ግና: ብቑዕ መራሒ፡ “ስለቲ ዕላማኡ ይሰርሕን የስርሕን” ቢልና ስለ ንኣምን: ውልቃውን ወሳንን ተራ መሪሕነት ኣቡነ ዘካርያስ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ: ፍረ እቲ ስራሕ: ብኣስተዋጽኦ መላእ ኣባላትን መራሕትን ሊቃውንትን ካቶሊካዊት ቤተክርትያን ኤርትራ ምዃኑ ኣይስሓትን::

እቲ ብፍላይ ክጥቀስ ዘለዎ ምስክርነት ናይዞም ተባዕን ፈታው ፍትሕን ሃገርን ሓላፍነታውን: ትሑት ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቦና: ካብድሕሪ’ቲ ዘይምኽኑይን ንረብሓ ስልጣን ሓደ ሰብን ንምቁጽጻር (ምድኻም) ዜጋታትን ተባሂሉ ዝተማህዘ “ዶባዊ” ውግእ ምውልዑን: ፖለቲካዊ ዓመጽን ብልሽውና ሕዝባዊ ሥልጣንን ሕግን ሃገርና ግሁድ እናኾነ ምስመጸን እዩ:: ኣቡነ ዘካርያስ’ምበኣር: ነቲ ብፖሊቲካውያን መራሕቲ ሃገርና: ብፍላይ ብቀይዲ-በተኽ ኣከያይዳን ክንዲ ፍረኣድሪ ትኸውን ናይ ሕዝቢ ሓላፍነት ዘይርከቦን ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ: ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ንዝፍጸሙ በደላትን: ብስቕታ ከሰንይዎ ኣይመረጹን:: ምእንቲ ፍትሕን ኣንጻር ዓመጽን ሕዝቦም: ብግሎም’ውን ተባዕን ሓናጽን ተግባራት ከምዝፈጸሙ: ብዙሓት እንምስክረሉ ሓቂ እዩ:: ካብዚ ሓደ-ሓደ ምዝካር ጥራሕ ይኣክል፤ ንኣብነት፥

1) ብ2000 ዓ/ም/ፈ: ኣብ በዓል መድሃኔ ዓለም ገጀረት (ኣስመራ): ኣብ ስብከቶም: ንግፍዒ ሰበ-ሥልጣን ሃገርና: ብትሪ ገሰጹን መዓዱን (እዚ: ሽዑ ብረድዮ ቫትካን: ትግሪይና ፕሮግራምም: ብቕዳሕ ድምጺ ተቃሊሑ እዩ)::

2) ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ: ንብዊንታኡ ዝኸይድ: ከም መቕጻዕቲ ምስተበ በየነሎም: ብፁዕ ኣቦና: ንብዊንታኡ ዝኸይድ: ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ: እቲ ተግባር ጌጋ ምዃኑ ሓበሩን: ክግበር ንዝግባእ ሰናይ ምኽሮም ለገሱን::

3) ካልእ ተመሳሳሊ ትብዓት ዘልዎ ምኽርን ተግሳጽን’ውን: ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታትን: ብፍላይ ኣብቲ ማእሰርቲ ዜጋታት ዝዓመረሉ ግዜ 2001 ዓ/ም/ፈ: ከምኡ ኣብቲ ሓዋርያዊ መዝነቶም ናብ ኣቡነ መንገስተኣብ ዘመሓላለፍሉ ዕለት: ንተግባራት ቀይዲ-በተኽ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንናይ ጭቆና ኣገባባት እቲ ሥርዓትን: ሓላፍነታውን ኣባታውን ተግሳጾም: ብዓውታ ኣስሚዖም እዮም::

4) እቲ ምግባትን ዓመጽን ዝወኑ ኣቶ ኢሳያስ: ኣብ ውሽጣዊ ሕይወትን ጉዳይን ቤተክርስትያን ብምእታው: ንሕይወት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ሕዝባውያን ተካላታን ክራሲ’ውን ፈቲኑ እዩ:: ኣቡነ ዘካርያስ ከም ሓላፊ ክቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ምስ ፈለስቶምን ምትሕብባር ካልኦት ኣቡናት ኤርትራን: ብመገዲ ሓቂ: ዝግባእ መልስን ሕቶታትን ኣቕረቡ:: ብመዓልዩ ከኣ: እቲ ሰነዳት ክወጽእ እዩ::

ክቡራትን ክቡራንን፡ ሎሚ ነዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምን ብዝተፈላለየ መገድን፡ ዝተፈጸመን ዝቐረበን: ናይ ሓላፍነታውን ተባዕነትን ፍቕርን ምስክርነት ኣቦና: ክሳብ ብመዓልቱ ኩሉ ብዕሊ ተዘርዚሩ ንሕዝቢ ዝቐርብ (ከምዝቐርብ’ ውን ኣይጠራጠርን): ሕጂ ከም መወከሲ ጠቂሰዮ ጥራሕ ሓሊፈ ኣሎኹ:: እቲ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝምንጩ መትከላትን ትምህርትን ቤተክርስትያን ኣብ ጉዳይ ሕብረተሰብ ተመርኲሶም: ብፁዕ  ኣቦና: ምእንቲ ሕዝቦም “ኩሉ ፈጺሞም እዮም” እኳ እንተዘይበልና: ብዙሕ ኣብነታዊ ምስክርነት ከምዝገደፉልና: ብዙሓት እንምስክሮ ሓቂ እዩ:: ብፁዕ  ኣቦና: በዚ ፖሊቲካዊ ስንክልናን ብልሽውናን ዝጠንቁ፡ ኣብ ሕዝብናን መንእሰያትናን ሃገርናን ወሪዲ ዘሎ ስቓይን ውድቐትን ሕስራንን፡ ብዙሕ ጉሁይ ምንባሮም ርኡይ ነበረ:: ብሓቂ ድማ፡ እዚ ንግዚኡ ንሃገርና ኣጓኒፍዋ ዘሎ ወጽዓን ጥልመትን: ንሓደ ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ንበዓል ሕልናን ጥዕና ዘለዎ ሰብን፡ ዘሕዝን ተረክቦ እዩ፤ … ምእንቲ ፍትሕን ሰናይን ሕብረተሰብ (ብጾት-ብጻይነት) ጽሙእን ቀናእን ዝኾነ ልቦናን ሰብኣውነትን ምውናን፡ ናይ ሓደሰብ ጸዋዕታ’ምበር፡ ካልእ ኣገላልጻ የብሉን። እቶም ምእንቲ ሕዝቦም ዝተበጀዉ ኩሎም ዜጋታት’ውን: እዚ መለኮታዊ-ሰብኣዊ ኃይሊ’ዚ ስለዝገዝኦም እዮም ምእንቲ ሕዝቦም ዝተበጀዉ::

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ፈለስታን: ምስ ዝኾነ ይኹን ፖሊቲካዊ ጉጂለ ኣይትተኣሳሰርን (ወላዃ ሓደ-ክልተ ዝዓወሩ ካህናት/ ደናግል: ካብ ጀነራላት ኢሳያስ ንኽትፈልዮም ዘጸግሙኻ እንተዘይተሳእኑ)፤ ግን እንኮስ ናይ ሰብ ሕይወት ብቐንዱን ናይ ኩሉ ሰብ ክብርን ናጽነትን (dignity & freedom) ዝሕለወሉን ዝምዕብለሉን ኩነታት ድኣ ይኹን እምበር፥ ምስ ዝኾነ ይኹን ፖሊቲካዊ ስርዓት ትሰርሕ:: ከም ተልእኮኣ: ነቲ ትፍጽሞ: ሓናጽን ኣወንታውን መልክዕ ከምዘለዎ ብምርግጋጽ: ኣብ ናይ ደቂ ሰባት (መእመናን) ሕልና: መንፈስ ፍትሕን ርትዕን: መንፈስ ቅንዕናን ኣገልግሎትን: መንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን ምእንቲ ክሰርጽ: ብሞራላዊ ትምህርቲ ክትኩስኩስ:  ንጌጋን ግሕሰት ክብሪ ደቂሰባትን ከኣ: ብስቕታ ንከይትሰግሮ: ግዴታ ኣለዋ:: ስለዚ: ነዚ ስነ-መለኮታውን ስነ-መጎታውን ኣምር’ዚ: መሰረትን ሚዛንን ናይ ምንባርና ብምግባር: ኣብ መንጎና ሓድሕዳዊ ምክብባርን ናጽነትን ሕውነትን ዝሰፈኖ ፍትሓዊ ማሕበራዊ ናብራ ክህልወና: ምእንቲ ፍትሒ ዝሰኣኑ ወገናትና’ውን: ከም ኣቦና ሠናይ ቃልሲ ክንፍጽም ጸዋዕታናን ግዴታናን እዩ:: ኣማልድነት ብፁዕ ኣቦናን ኩሎም ኣቦታትና ጻድቃንን ኣይፈለየና::

ለቡ፡ እዚ ጽሑፍ እዝይን፡ ፍሉይ ናይ ኣገላልጻ፣ ቃላት ወይ ኣረኣእያ ምስ ዘንጸባርቕ፡ ናይ ጸሓፊኡ ጥራሕ ምዃኑ እሕብር።

ክብርኣብ ይሥሓቕ (ዶ/ር) – ለንደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! December 13, 2016

    Interesting article which doesn’t surprised me because religious leaders of Catholic church recent call
    ” HAWKHA ABEY ALLO ‘ was powerful feelings to resonate within us . God fearing holy men pursue
    the policy of truth . Lies suppressed truth in Eritrean environment and many of them lost the battle to
    pay heavy price on their lives .

    • zeray December 14, 2016

      You are a follower of the biggest cult and hoax known to mankind that is your barbaric backward 7th century savage evil vicious cancer Islam. In future, just stick to your satanic barbarian your savage evil moslem Arab slave masters cancerous Islam and Arabic shit language and leave the peace loving God fearing civilized Christian and its leaders to the beautiful/humans (unlike the savage barbaric Moslems) the Christians of this world.
      We don’t need disgusting filthy cancerous moslem WHORES getting involved in our religion.

      • AHMED SALEH !!! December 15, 2016

        By disobeying the teachings of holly book some people do the work for DEVIL to make our world a living hell . Stupidity by choice is SIN .

  • Amare Resom December 14, 2016

    Thank you Dr Kebreab for letting us know and remember how much abune Zekarias Yohanes contributed to the promotion of the rule of law, human dignity and peace in our country and at the same time leading the Catholic Church during the time he was the head of the Catholic Church of Eritrea.
    But I found out one outstanding contribution Abune Zekarias did during the Derg era is missing; his condemnation of the Derg in removing the properties of the Asmara University to Arusi, Ethiopia and I hope you will. find the message he sent to the Derg which was read on radio EPLF at the time.
    . I am sorry I don’t have it but I hope you can find it and use it to complete his lifetime achievements
    Thank you again,
    Amare Resom

  • Amare Resom December 14, 2016

    I remember that Abune Zekarias’s message to the Derg strongly objecting to the removal of books and scientific teaching materials to Agarfa, Ethiopia had historic significance. One reason it stated thatt bluntly indicated to all that the Derg’s action amounts to abandoning not only the University but also the country.. EPLF somehow got hold of it and read it on it’s radio.. Many of us were afraid at the time that the Derg would harm him.

  • Teklay December 14, 2016

    ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዓሪፎም! ወይውን ከምቲ ዶ/ር ክብረኣብ ዝበሉዎ፥ ዝተዋህቦም ምድራዊ ዕዮ ፈጺሞም!

    ብመጀምርያ ዝተሰምዓኒ መሪር ኀዘን ኢዩ። ኣብ ዕድመ ንእስነተይ ንእቡነ ኣብርሃ ተኪኦም፥ ኩሉቲ ዝግባእ መንፈሳዊ ጓስነት ሂቦም ዘዕበዩኒ ብምዃኖም፥ ናፍቖት ኔሩኒ ኢዩ። ወላኳ ሕጂ ዕድመ ደፊኦም እንተኾኑ፥ ኣብቲ ግዜቲ ጨብጨብ ዝብሉ በዓል ምሉእ ጉልበን ግርማን፥ እሞ ትጉህን ትሑትን ዝርእዮም ዝነበርርኩ፥ ኣብ ሓንጎለይ ብኣኡ ኢየ ቀሪጸዮም ዘለኹ። በሓቅ መንፈሳዊ ኣቦ ኢዮም ኔሮም። ቅድሴ፥ ስብከት ኣቡነ ዘካርያስ ኩሉ ግዜ ብዉዕዉዕ ስምዒት እየ ዝዝክሮ። ፈታዊ ዜማ፥ ፈታዊ መቖምያ፥ ፈታዊ ጸናጽል፥ ፈታዊ ጸሎት፥ ፈታዊ ንስሓ፥ ኣማን በኣማን ሓዋርያ ክርስቶስ ነበሩ።

    ነዚ ዶ/ር ክብርኣብ ጽሒፎምዎ ዘለዎ ካም ምስጋና ሓሊፈ ዝውስኸሉ የንለይን።

    ኣብ ዘመን ደርጊ፥ ኣቡነ ዘካርያስ፡ ኣብ ሓደ በዓል ዓመት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፥ ስብከትውን ሰቢኾም ነበሩ። ኣብቲ ስብከቶም፥ ንሰበ ሥልጣናት ብትሪ ወቒሶም እዝከረኒ። እተን ዝዝከራኒ ቃላት እዚኤን ኢየን፥ `ሰላም . . . ብዛዕባ`ዚ ዘሎ ኩነታት ከልዕል ስለዝደለኹ ኢየ. . . ሰላም ይበሃል ኣሎ፥ እዚ ግን ብገለ ናይ ፖለቲካ ውዝግብ እንተዘይኮይኑ፥ ብሓቂ ምእንቲ ሰላም ኢሉ ዝሠርሕ የልቦን . . . ኩሉ ናጻ ከውጽእ እየ ክብል ንሰምዕ ኣለና። እቱ ናጻ ዝወጽእ ዕጨ-ማይ እንተኾይኑ ኣይንፈልጥን፥ እምበር ሰብ ይመውት ኢዩ ዘሎ . . .` ቢሎም ዝተዛረቡዎ፥ ጓሳ ነፍሳት፡ ጠበቓ ውጹዓት ምንባሮም የዘክረኒ።

    ተኸታል ክርስቶስ፥ ኣብ ጸሎት ዘውግሓ
    ወዲ ኣቡነ ዓውሎስ፡ መዘና ኣቡነ ተስፋማርያም፡
    ምዕባይ ኣቡነ መንግሥትኣብ፡ ምንኣስ ኣቡነ ኣብርሃ
    ሚእቲ ከይመልእ ቁሩብ ከይጸንሓ
    መዋእል ደቂ ሰብ ካብኡ ዘይበዝሓ
    ኣብ ቴስዓን ሓደኑ ንዓለም ራሕርሓ
    ብጸሎት ጨቢጡ ንሰማይ መፍትሓ
    ማርያም ትቀበሎ ኣእዳዋ ዘርጊሓ
    ኣንስቲ ሃገረይ ሃየ ከይትነብዓ!

    • zeray December 14, 2016

      Bravo, bravo highly respected brother Teclay the great – Abi seb as usual.
      Keep it up and lets have more of your wonderful wisdom and positive contributions/inputs.
      You are truly the additional warmth and light to the criminal barbaric moslem and deKhalu ELF corrupted and manipulated poor assenna website. God bless you brother & stay healthy.

  • k.tewolde December 14, 2016

    This homeland that I was raised, grew up in and fought for is unrecognizable today.Norms,logic,sense,prudence,decency,wisdom……..have left town,and replaced by humiliation,futility,sarcasm,bribery,lies,torturing and killing your own kind,lawlessness……….it became a petri dish where HGDEF can only thrive and it is becoming more and more resistant to the antibiotics of reason.God bless Abune Zekarias,we need more of you.

POST A COMMENT