Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግጉይን ዘየልቦን ስእልታት

ኣማኑኤል ሳህለ ሓምላይ ወይ ቀጠልያ መነጽር (ኮክያለ) ገይሩ ዚዛወር ሰብ: ኩሉ ሰብን ከባቢኡን ቀጠልያ ኾይኑ እዩ ዚረኣዮ። ቀዪሕ መነጽር ዚገብር ሰብውን ከምኡ: ኩሉ ቀዪሕ ኮይኑ ይረኣዮ። ብሓጺሩ እቲ ሕብራዊ መነጽር ዚገብር ሰብ: ሓደ ዓይነት ሕብሪ ጥራይ

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓምላይ ወይ ቀጠልያ መነጽር (ኮክያለ) ገይሩ ዚዛወር ሰብ: ኩሉ ሰብን ከባቢኡን ቀጠልያ ኾይኑ እዩ ዚረኣዮ። ቀዪሕ መነጽር ዚገብር ሰብውን ከምኡ: ኩሉ ቀዪሕ ኮይኑ ይረኣዮ። ብሓጺሩ እቲ ሕብራዊ መነጽር ዚገብር ሰብ: ሓደ ዓይነት ሕብሪ ጥራይ እዩ ክርእይ ዚኽእል: ስለዚ ነቲ ኣብ ዕምባባታት መሮርን ኣብ ዕራርቦ ጸሓይን ኣብ ኣዕዋፍን ዘሎ እተፈላለየ ሕብርታት ኪርእዮ ኣይክእልን።
ብዘይ እቲ ሓደ ሕብሪ ጥራይ ዘርእየና ቀያዲ ዝኾነ ሕብራዊ መነጽር: እተፈላለየ ሕብሪ ክንርኢ ብምኽኣልና ኣብ መንጎ ነገራት ዘሎ ፍልልያት ኣነጺርና ክንግንዘብ ንኽእል። ካብቲ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ጥራይ ዝርኢ ሰብ ንላዕሊ ድማ: ዝያዳን እተፈላለየን ሓበሬታ ንረክብ ማለት እዩ።
ብተመሳሳሊ መገዲ: ናይ ሓደ ሰልፊ ወይ ፓርቲ (ከም ህግደፍ) መነጽር ሒዙ ዚጎዓዝ ሰብ: ንኹሉ ነገራት ብናይቲ ሰልፊ ኣመለኻኽታ እዩ ዚርእዮ። ወላ ናይቶም ካልኦት ሰልፊ ኩነታትውን ብናይቲ ኣብቲ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣመለኻኽታ እዩ ዚርእዮ። ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ መነጽር ስለ ዝወደየ።
ብዓይንን ብልብን ዝዓወረ ሰብ ከኣ ኣሎ። ክርእን ከስተውዕልን ዘይክእል። ከምዚ ዝበለ ሰብ ነቶም ሓርማዝ እንታይ ከም እትመስል ክፈልጡ እተበገሱ ኣርባዕተ ዕዉራት ሰባት የዘኻኽር። እቶም ዕዉራት ወይ ዓይነስዉራት ነታ ሓርማዝ በብሓደ ምስ ተንከፉዋን ምስ ኣረምሰሱዋን ምስ ዳህሰሱዋን: ሓርማዝ እንታይ ከም እትመስል ንምዝታይ ዕላል ጀሚሮም። እቲ ነቲ ጭራኣ ጥራይ ዝዳህሰሰ: ሓርማዝ ገመድ እያ እትመስል: ዚብል ርእይቶ ሂቡ። እቲ ንኣእጋራ ዝረምሰሰ: ሓርማዝ ጉንዲ እያ እትመስል: ብምባል ተማጕቱ። እቲ ንኣእዛና ጥራይ ዝተናኸፈ: ሓርማዝ ሰፍኢ እያ እትመስል ብምባል ደሪቑ። እቲ ነቲ ኸብዳ ሃሰስ ዝበሎ ድማ: ኣይፋልን ሓርማዝስ ፍስቶ እያ እትመስል ብምባል ደምዲሙ።

ስለዚ: ሓደ ሰብ ነቲ ናይ ሓደ ሰልፊ ኩለንትናዊ ኣሰራርሓ ክንዲ ዝርእይ: ኣብታ ብናይቲ ሰልፊ ፕሮፓጋንዳ ጎሊሓ እትቐርበሉ ፍጻመ ወይ ስራሕ ጥራይ ብምትኳር: ንኣኣ ከም መረጋገጺ ዓወታት ናይቲ ሰልፊ ገይሩ ይወስዳ። እቲ ጽርግያታት ኪስራሕ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ዝረኣየ ሰብ:

ሃገርና ደኣ ማዕቢላ እንድያ: ጽርግያ ንጽርግያ ኾይና ይብል። እቲ ነቲ ዘይበልዖ ናይ ቢሻ ዕደና እተዓዘበ ድማ: ክላ ዓድና ንኣመሪካ ከተርክባ ቅሩብ እዩ ተሪፉዋ ብምባል ይማጎት። እቲ ኣብ ሳዋ ኪዕለሙን ኪምርሹን ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ እተኸታተለ ድማ: እንታይ ኢልካዮ ኢኻ ..ሃገራት ኣፍሪቃ ብኤርትራ ኪርዕዳ ጀሚረን ኣለዋ….ብምባል ይድምድም።
ልቢ እዩ ዚርእይ ዓይኒ ኣይኮነን ዚብል ዘረባ ነዚኣቶም ግርም ገይሩ እዩ ዚገልጾም። ኣዒንቶም ነቲ ሕማቕ ነገራት ይርእያኦ እየን: ልቦም ግን ድፉን እዩ። ኣዒንቶም ነቲ ዝዓነወ ከተማታትን ነቲ ኣብ ኩሉ መዳይ ግሉሕ ዝኾነ ውጽኢት ቁጠባዊ ዕንወትን ይርእያኦ እየን: ቀልቦም ግን ብናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ እተዓዘመ እዩ። ኣዒንቶም ይጥምታ: ግን ኣይርእያን። ኣእዛኖም ጽን ይብላ: ግን ነቲ ዝደልዩዎ እምበር: ነቲ ሓቅስ ኪሰምዓ ኣይደልያን።
ንዋዛ ኪኾነኩም: ሓደ ሰብኣይ ናይ ኣዒንቲ መጥባሕቲ ኪገብር ናብ ሆስፒታል ይኣቱ። ነቲ ኣዒንቱ ኣውጺኦም ኣዓሪዮም ኪመልሱዎ እዩ እቲ ዘካይዱዎ መጥባሕቲ። ንኣዒንቱ ኣውጺኦም ኣዓሪዮም ክሳዕ ናብ ቦታኡ ዚመልሱዎ: ኣብ ሓደ ንእሽቶ ሸሓኒ የቐምጡዎ። ወይዘሪት ድሙ ድማ ሰላሕ ኢላ ኣትያ ነተን ኣዒንቲ ትወስደንን ትበልዐንን። ግን ቅሩብ ከይጸንሐት ትተሓዝ። ኣዒንታ ኣውጺኦም ድማ ናብቲ ናይቲ ሰብኣይ ናይ ኣዒንቱ ቦታ ይመልሱዎ። ሰብኣይ ሕክምናኡ ወዲኡ ይትንስእ። እንታይ ትርእይ ኣሎኻ ይብሎ እቲ ሓኪም ንኸረጋግጽ። ደሓንየ… ምርኣይስ እርእይ ኣሎኹ: ግን ዳርጋ ኩሉ ዝርእዮስ ኣንጭዋ ኾይኑ እዩ ዝረኣየኒ ዘሎ: ብምባል ሓበሬታኡ የቕርብ።

ናይቲ ስርዓት ኣዒንቲ ገይሩ ዚርእይ ሰብ፡ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ናይታ ኣብ ደልሃመት ዘላ ሃገር ክርእዮ ዚኽእል: ልምዓትን ደሞክራስን ሃብትን ሽሻይን…. ጥራይ እዩ። ኣዒንቱ ኣውጺኡ ብናይ ህግደፋውያን ኣዒንቲ ስለ ዝተከኦ። ንኹነታት ከም ስእሊ ኣድሪቖም ዚሕዙዎ ኸኣ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቶም: ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ ዝባን ውቤ ኪብል ሞተ: ዚብል ምስላ ግርም ጌሮም የንጸባርቑዎ።

ኩነታትን ነገራትን: ወትሩ ዚውሕዝን ተለዋዋጥን እዩ። ኣብ ፍጥረት: ደው ዚብል ነገር የልቦን። ወላ እቲ ዝዓበየ ጎቦ ሃገርና: ቀደም ኣብኡ ኣይነበረን። ኣብዛ ብታሕትን ብላዕልን እትገላበጥ ምድርና: ቆይሙ ወይ ጸኒዑ ዚነብር ዝኾነ ይኹን ነገር የልቦን።
ገለ ሰብ ግን ንግዜን ንኹነታትን ደው ከብሎ ይጽዕር እዩ። ነቲ ናይ ቀደም ናይ ሓርነታዊ ተጋድሎ ስእሊ ኣብቲ መናድቕ ናይ ሓንጎሉ የቐምጦ እሞ: ኣተኩሮኡ ኣብኡ ገይሩ ይሓስብ። መብዛሕትኦም ኣባላት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት: ነቲ ኤርትራ ብ1960ታት እተሳእለቶ ስእሊ ኣብቲ መናድቕ ሓንጎሎም ብምንጥልጣል: ነዚ ዘሎ ኩነታት ኪርእዩዎ ኣይደልዩን እዮም።

ንኣታቶም ኤርትራ ማለት: እታ ናይ ሜዳ ኤርትራ እያ። ሽዑ ብእተፈላለየ ምኽንያታት: ደሞክራስያዊ ትካላት ኣይነበራን: ማይን ምግብን ድሩት እዩ ነይሩ: ኲናት መዓልታዊ ስራሕ እዩ ነይሩ: ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሓለዋ ሃገር እዩ ነይሩ፡ እቲ ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት ዲፕሎማሲ ንሕድገት ወይ ንምምስሳል (compromise) ቦታ ኣይነበሮን: ካብ ናይ ቁጠባ ስልቲ ንላዕሊ ናይ ኲናት ስልቲ ቀዳምነት ይወሃቦ ነይሩ: እቲ ኩነታት ንቕዋም ወይ ንኻልእ ህዝባዊ መሰላት ንምርቃቕን ንምጽዳቕ ግዜን ፖለቲካዊ ድልየትን ኣይነብሮን። ኣብቲ ግዜቲ እዚ ኹሉ ቅቡል እዩ ነይሩ።
ይኹንምበር: እቲ ኣብ መናድቕ ሓንጎል ህግደፋውያን እተንጠልጠለ ስእሊ ኤርትራ: ካብቲ መንደቕ ከይወርድ ውጉድ እዩ። እዛ ናይ 2015 ኤርትራ ኸኣ ነቲ ኣብ ሓንጎል ህግደፍ እተንጠልጠለ ግዜኡ ዘሕለፈ ስእሊ ንኽትመስል ስለ እተደልየ እዩ እዚ ኹሉ ጸገም ዚጓነፋ ዘሎ።
ብምሳሌኣዊ መገዲ ድማ ከብርሆ። ናብ ናይ 60ታት ቦዪንግ ጀት ነፈርቲ ዝዓለመ ናይ ምዝዋር መምርሒታት ኣሎ። እዚ ናይ ምዝዋር መምርሕዚ: ኣብተን ኣብዚ ግዜዚ ዚስራሓ ዘለዋ ጀት ነፈርቲ ኣይሰርሕን እዩ። በቲ ግዜኡ ዝሓለፎ መምርሒ ጌርካ ነዘን ሓደስቲ ጀት ምስ እትዝውረን: ዕድለኛ እንተ ኾንካ ሒዘናኻ ናብ ባሕሪ ይድርገማ: ክትጸንት እንተ ኢሉካ ድማ ናብ ጎቦታትን ስንጭሮታትን ወዲቐን ይኽስክሳኻ።
ህግደፍ ኣብዚ ግዜዚ ዚኽተሎ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን መምርሒታት: ምስዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዘይቃዶን ስግንጢርን ብምዃኑ ንኤርትራ ሒዙዋ ከይጠፍእ ዘስግእ እዩ።
እቲ ናይ መወዳእታ ስእሊ: እቲ ዘየልቦ ስእሊ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ወድሰብ ኣእምሮ ንኽታለልን ንኽዕሾን ዘለዎ ቅሩብነት ዚገልጽ እዩ። ኣእምሮ ወድሰብ ንኺታለል ድሉው እዩ: ከምኡ መኾኒኡ ድማ ነቲ ዘርኡ/ዓሌቱ ንምዕቃብ እዩ ተባሂሉ ይግመት: ማለት ኢቮሉሽናዊ ጥቕሚ ኣለዎ።
ኣብ መገዲ ክትከይድ ከሎኻ: ብዙሕ ሰብ ናብቲ ዝመጻእካሉ ሸነኽ ኪጎዪ እንተ ርኢኻ: ንድሕሪት ተመሊስካ ምስቶም ዝሃድሙ ኢኻ እትሃድም። ወላውን እቶም ዝሃድሙ/ዚጎዩ ህጻናትን ኵዕሶ ዚጻወቱን እንተ ኾኑ። እዚ ተርእዮዚ: ናይ መጓሰ ደመነፍሲ (herd instinct) እዩ ዚብሃል። ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት ዘይኮነስ: ምስ ህዝብኻ ህድማ ዳርጋ መዓር ማለት እዩ። እዚ ተግባርዚ ንድሕነትካ ውሕስነት እዩ።
ኣብ ምርኢት ተዋስኦ ኣቲኻ ኩሉ ሰብ ኪስሕቕ እንተ ርኢኻውን ክትስሕቕ ኢኻ እትደሊ። ኣይተረደኦን ከይብሉኻ። ሓደ መዓልቲ ምስ ብጾትና ካብ ከተማ ውጽእ ኢልና ክንዛወር ከሎና: ኩሉ ሰብ ናብ ሰማይ ይጥምት። ንሕና ድማ ደው ኢልና ናብ ሰማይ ንጥምት። ዝሓልፍ ሰብ ኩሉ: ነቲ ጠማታይ ምስ ረኣየ: ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ይጥምት። እንታይ እዩ ዚብል ሰብ ውሑድ እዩ። መታን ደንቆሮ ከይብሃል። ግን ገለ ካብ ብጾትና እንታይ እዩ ዚብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ሓደ ናታሊኖ ዚብሃል ወድቲ ገዛውቲ: ኣይትርእዩዎን ዲኹም: እታ ነፋሪት ነታ ዲስኮ ቮላንተ (UFO) ትትኩሰላ እያኮ ዘላ: ይብለና። ገለ ኣብ ዘይምልከቶም ዚኣትዉ ሰባት ድማ: እንታይ ዲያ ትገብር ዘላ እታ ነፋሪት?
ኣዒንትኹም ጠሊሙኩም ድዩ? ይብሉ። ኩሉ ሰብ ድማ ይጥምተና። ጽንሕ ኢልና: ንሕናውን ኣብቲ ሰማይ ገለ ክንርኢ ጀሚርና። እቲ ጽላለ ለኺፉና ማለት እዩ።
ካብ ኩሉ ዘገርም ግን: ንገዛውትና ምስ ተመለስና: ነቲ ጭብጢ ዘይነበሮ ወረ ክንነዝሖ ምጅማርና እዩ። ነንሕድሕድና: ኣታ ርኢኻያዶ እታ ዲስኮ ቮላንተ ነታ ነፋሪት ክትጎያ ኸላ? ንበሃሃል። ኖ ኖ እታ ነፋሪት እያ ትጎያ ነይራ……። ሓባራዊ ጽላለ (collective madness)። ሓደ ሰብ በቲ ካልእ ሰብ ደንቆሮ ኪብሃል ኣይደልን። አረ ገሊኦምሲ መታን ናይቲ ወረ ቀንዲ ወነንቲ ኾይኖም ኪረኣዩ ነቲ ዘይነበረ ተርእዮ ይውስኹሉን የጸባብቑዎን እዮም ነይሮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት: እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ መታን ኪበልጽ: ምግናን ባህርያዊ እዩ። እቲ ዘይነበረ ተርእዮ ወይ ስእሊ ድማ ሓቅነት ይለብስ። ኩሉ ሰብ ይኣምኖ። ንኣኡ ዘይኣመነ ድማ ከም ጊንጢ ይውሰድ። ሆየና ዘይበለ ካባና ይፈለ እዩ ነገራቱ።
እዚ ሕማምዚ ሎሚ ኣብ ገሌና ኤርትራውያን ሰፊኑ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ብህግደፍ እተኣልመ ዘየልቦ ስእሊ ኤርትራ እዩ። ንኣኡ ዝኣመነ ሃገራዊ እዩ። ንኣኡ ዘይኣመነ ድማ ከሓድን ሸያጥ ዓዱን ተበላጽን ተባሂሉ ይንጸል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde August 10, 2015

    I can imagine the folks back home under the repressive rule , and limited access to media except EriTv , there are college educated people here in diaspora in their respective trade who have the same mind set as those you mentioned above.Some of the households have EriTv on 24/7 like Fox News for Republicans. It is mind boggling. Emanuel, keep performing your craniotomy until you evacuate the stale blood deep in the ventricles that’s distorting their vision. It is a daunting task!

  • weygud2015 August 11, 2015

    mejemereya memeher Amanuel betaemi yemesgeneka behaqhi abzi gzeyena dealo akayeda beqhelil menegedi sebat kimeharulu dekieilu agebab sele dekone ezi astemehero ezi mealetawi ab kulen ezen delewa website deyen radio tedemehalalef bezuh hagazi mekone debel areaeya aleni emo eten tereyefen delewa website aser asena teketeyelen ezi astemehero ezi kemehalalefeo tesfa yegebr

  • Stefanos Temolso August 11, 2015

    ከም ቀሊል ኣብነት መንገዲ ባጽዕ ተሰነይ ካብ ኤውሮጳ ብዝተረኽበ ናይ ዳግመ ተሓድሶ ፕሮግራም ገንዘብ ተመዊሉ እዩ ተሰሪሑ፡ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ብዙሕ ቦታታት ባርካን ደቡብን በሽሓት ንዝቝጸሩ ህዝቢ ዒላታት ኵዒቱ፡ ቤትትምህርቲ፡ መንበሪ ገዛውቲ፡ ሕክምና ክሰርሕ ከሎ፡ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸራ ከብትን ጤለበጊዕን ድማ ኣንጻር ዝተፈላለየ ሕማማት ከቲቡ። ብኻልእ ሸነኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዒላታትን ክሊኒካትን ሰሪሓ ክተብቅዕ ህግደፍ ህዝብን መንግስትን ከም ዝሰርሖ ኣምሲሉ ኣብ ቲቢ ኤረ ስለ ዘቕርቦ ዳርጋ 90% ካብ ህዝቢ ኤርትራ መንግስትና ሰሪሑዎ ኢሉ ይዛረብ። ካብዚ ዝኸፍእ ዕውንና የሎን። ህግደፍ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ግዜ ምስኣል ታቤላታት ናይቲ ዝሰርሐ ትካል ወይ ውድብ ከይርአ ቭዙሕ ጥንቃቐ ይገብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ክምርቑ ዝመጽኡ ሓለፍቲ’ውን ኣብቲ ንዜና ዝቐርብ ስእሊ ከም ዘይረኣዩ ይገብሮም። ክገርመኩም ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ስለምንታይ ዘይኮነ ሓበሬታ ትህቡ ኢሎም ምስ ተሓለሉ፡ ሓደ ግዜ ዝምረቕ ናይ ማይ ውራይ ቤትትምህርቲ ምስ ኣጋጠመ፡ ነታኢ ቦታ ብታቤላን ጽሑፍን ናይ ቀይሕ መስቀል መሊኦሞ። ሰኣላይ ድማ እቲ ምልክት መታን ከይርአ ብዅሉ ሸነኽ ተጠዋውዩ ክስእል ፈቲኑ ምስ ረብረበ ከይፈተወ ስኢሉዎ። ማዕረ ክንድዚ እዩ ዝኸይድ እቲ ምድንጋርን ሸጠፍን ናይዚ ሕሱም ሰይጣናዊ ስርዓት። ካልእ እዋናብ ገምሩክ እናሰራሕኩ ከለኹ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘመዝገቦ ዓወታት ከቃልሑ መንከኒኖን ሓደ ስሙ ዘይዝክሮ ካልኣዩን ናብ ቤትጽሕፈተይ መጺኦምኒ። ዘምጽኦም ጕዳይ ምስ ገለጹለይ፡ “እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ብኣሉታን ብእወታንዩ ዝግለጽ፡ ምኽንያቱ ማክሮ ኣብ ግምሩክ ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ፈጢሩ ኣሎ” ምስ በልኩዎም፡ “እሞ መጀመርያ ድምጺ ከይቀዳሕና ኵሉ ኣዕልለና’ሞ ድሕሪኡ እተን ዝድለያ ጥራይ ክትዛረብ ክንሕብረካ” ኢሎምኒ። ሕራይ ኢለ ምስ ኣዕለልኩዎም፡ ነተን ዝደልዩወን ክዛረብ ሓቢሮም ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ፍርቂ ጸብጻብ ጥራይ ኣቃሊሖም። ኣብ ካልእ እዋን ኣስመሮም ሃብተማርያም ብዛዕባ ሓደ ሓደ መረረታት ወኪላት ምስላጥ ስራሓት ግምሩክ (ትራንዚተራት) ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ እቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጸሉ። ሕራይ እምበኣር ቃለ መሕትት ክንገብረልካ ኢና ኢሉ ጸኒሑ ቅንይ ኢሉ፡ እቲ ቃለ መሕትት ገዲፍናዮ ኣለና ምኽንያቱ ንመንግስቲ ዘምርር ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ፋይዳ የብሉን ዝብል ዘረባ ኣስሚዑኒ። ህግደፍ ውዳሴ ማርያም ጥራይ እዩ ዝደሊ። ከም ሳዕቤን ድማ ደገፍቱ ወላ ትንፈር ጤል’ያ ናብ ዝብል ኣተሓሳስባ ክዝንብሉ ይረኣዩ።

  • Bergense August 11, 2015

    Thanks “teacher”….it is enlightening.

  • ራፉ August 13, 2015

    የቐንየልና መምህር ኣማኑኤል ሳህለ
    ሓንጎልና ማዕረ ክንደይ ብፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተደፊኑ ከምዝጸንሐ ግልጺ ኮይኑ ኣሎ።ምኽንያቱ ኣብዚ ሃገር ኣብ ሓደጋ ወዲቓትሉ ዘላ ግዜ፡ መንኣሰያት ዓቕሎም
    ጸቢብዎም ኣብ ባሕርን ሰሃራን እናጠፍኡ፡ ሃገር ትምዕብል ኣላባ ግርም ኣላባ ክትብል ሓይሊ ፕሮፓጋንዳ ህግደፍ ኢዩ ዘርእየና። ስለዚ ንህዝብና ክንጸርፎ ዘይኮነ ካብዚ ለቢስዎ ዘሎ ሓደገኛ ኡክያለ ነውጽኣዮ።ኣነ ርግጸኛ እየ በዛ ሎሚ መምህር ጺሕፍካያ ዘለኻ ክንደይ መንእሰያት ተገላጊሎም ኣሎዉ። እዚ ክብል ከሎኩ ግን እቶም ኩሉ እናፈለጡ ብህግደፍ ተዓሲቦም ክክሕልዎ ዝውዕሉ ዘሎዉ ከም ብዓል ፕሮፈሶር ኣስመሮም ለገሰ ገዲፍካ ማለት ኢዩ። ነዚኦም ክንነቕሓሎም ኣለና። ኣብ ኤርትራ እንታይ ይግበር ኣሎ ጠፊእዎም ኣይኮነን፡ ልዕሊ ማንም ንሳቶም ይፈልጡ። ግን ነብሶም ሕልንኦም ሽይጦምን ተገዚኦምን ኣብ ምብዳል ህዝቦም ተዋፊሮም ይርከቡ።ስለዚ ኩሉ ክነቕሓሎም ይግባእ። ሎሚ ኣዚና መስተውዓልቲ እንተዘይኮይና ከም ብዓል መስከረም ነት ብስም ደለይቲ ፍትሒ ዝሽቅጣ ከደናግራና እየን ማለት እዩ።
    ስለዚ ጸላኢኻ ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ። ህግደፍ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ሓያላት እዮም።ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንሕናውን ዓዊርና ከም ዝነበርና ንዘክር። ንሓሶታት ህግደፍ ክንቃለሶ ኣለና።ኣብ ደቀቅቲ ነገራት ሸንኮለል ኣይንበል።እዚውን ህግደፍ ብመንገዲ መስከረም ዶት ነት ኣቢሉ ብዙሕ ባጀት ሰሊዑሉ ኣሎ። እምበር ሎሚ ጉዳይ ዶክተር ዳኒኤል ካብ ጉዳይ ሃገር ምኣስ ምዓበየ፡ ዘየቕስን ኩነታት ሃገር ከሎ ጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምዓስ እዋናዊ ዛዕባ ምኮነ። ግን ኣብ እዋናዊ ኩነታት መታን ከይንሰምር ዝግበር ዘሎ መፈንጥራ ኢዩ።

  • hagos August 19, 2015

    thanks memeher amanuel for ur special brain wash lecture I could say it.hanti alem ketedalu jkeleka athize eye azye zegrem nere tsehufatka watru mahari eu ab lebena teray yehdro kino mesgana kebeka zekeal heyab yebeleyen .aemuro sebat tenekeh abi memeher eka emo I am proud of u great man of Eritrea .kulu gize aytetsemewena
    shekuren b arebic.

  • awer September 15, 2015

    የቐንየልና መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ንስካ ትህበና ኣሰየምህሮ ብታሚ አዩ ደስ ዝብለኒ ሃናጺ አዩ ሰላመን ከሳነተን ይምነየልካ ኣይተትፋና

POST A COMMENT