Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግፋ አብ ኤርትራ

ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዘለው ሓበሬታት ከምዘገንዝቡዎ፣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ዝተእኾኡ ፖሊሲ መሰረት፣ አብ መላእ ኤርትራ ብቐጻሊ ከቢድ ግፋ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ንጸልማት ጉልባብ ጊርካ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዕድሜኦም ካብ 18

ካብ ኤርትራ ዝመጹ ዘለው ሓበሬታት ከምዘገንዝቡዎ፣ ስርዓት ኢሳይያስ በቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምኽላእ ዝተእኾኡ ፖሊሲ መሰረት፣ አብ መላእ ኤርትራ ብቐጻሊ ከቢድ ግፋ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ንጸልማት ጉልባብ ጊርካ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ዕድሜኦም ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ዝኸኑ ሰባት ዝቐንዐ ኢዩ።

ካብዞም ዝግፈፉ ዘለው ሰባት መብዛሕትኦም እቶም ቅድሚ ሕጂ ሳዋን ካልእ መዓሰከራትን ንታዕሊም ወሪዶም ብዘለዎም ናይ ጥዕና ጸገማትን ስንክልናን ካብ ሰራዊት ብሓኻይም ብዘተገብረ ምጽራይ ብቦርድ ተፋንዮም ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ሰራዊት ብዙሕ ዓመታት ዘገልገሉ ከም ሕማም ሽኮርያ ብዝኣመሰሉ ሕዱራት ሕማማት ዝተፋነው ሓያለ ‘ውን ኣለዉዎም።

እዞም ብጸልማት ብሃንደበታዊ ግፋ ካብ መንገድን ካብ ገዝኦምን ዝውሰዱ ዘለው ሰባት ብዘይ መድሃኔት ክነብሩ ዘይክእሉ ብምዃኖም፤ አብቲ ዝኸድዎ መዓሰከራት ናይ ሞት ዕጫ ክገጥሞም ኢዩ ዝብል ስክፍታ አሎ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ፣ ነቲ ድሮ ሳዕሪሩ ዘሎ ብኣጋ መንገድኻ ምጽራግ ይሓይሽ ዝብል ተስፋ ምቕራጽ ዘበገሶ ዋሕዚ ስደት ብዝተዓጻጸፈ ከምዝውስኽ ክገብሮ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ብዙሓት ካብዞም ተገፊፎም ከይዶም ዘለዉ ልዕሊ ዕድመ አቦታት፤ ደቆም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውትህድርና ንዓመታት ዝላደዩ ኮይኖም፣ ሕጂ ድማ አቦታቶም ይጽንበርዎም አለው። እዚ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት ንህዝብና ብግፋን ወረ ግፋን ረቢሹ ናብ ኣውያትን ምፍልላይን ሸሚሙዎ ምህላዉ፣ ቅሳነትን ሰላምን ህዝቢ ዘየብህጎ ሓሳድ ስርዓት ምዃኑ ደጊሙ ዘረጋግጽ እዩ።

እቲ ውድቀቱ ዝረኣዮ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ክገብር ይኽእል ኢዩ ዝብሎ ክፋል ሕብረተሰብ ካብ ከተማታት ኣርሒቑ ኣብ መዓሰራት ከርዲኑ ከም እሱር ብምሓዝ ስግኣቱ ንምጕዳል እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ቀጻሊ ግፋ ዘካይድ ዘሎ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • AHMED SALEH January 25, 2015

    The picture looks familiar with those Zemecha
    army of Ethiopia at Mengustu government ,
    forced peasant army .
    As an Eritrean it break my heart to say that, but
    hey , it is what it is as far as I look at it .
    Well done the fake lion of Nakfa to produce fake
    army .

  • siraj January 25, 2015

    Oqbai
    Kkkkkkkkkkkkkkkkkk well said

  • matusala January 25, 2015

    eti medhanit hji wn ab ed kulu eritrawi eyu zelo nsu wn neti sreat mbunqaru tray.it should be uprooted

  • Halibai January 25, 2015

    That’s the only solution!!!

  • sammy January 26, 2015

    is any body tell me what happed to us we was strong now we are nothing I could no’t fger out? man

  • teckle January 26, 2015

    Who is leading the country?
    Is it Isayas or Amanuel?

    Why why why????

  • tekle January 26, 2015

    ኢዚ ኢኩይ ብልሹው ሬሳሕ ባዓሌጌ ጌቤኔኛ ስርዓት አስሜራ ንህዝቢ ኤርትራ ሒቍኡ ክሴብርን ክህልቅን ናቴይ ኢሉ ዝሓዞ ዒላማ ኢዩ

  • Eritrea January 26, 2015

    The Picture is from Independence day parade!

  • Biniam Kidane January 26, 2015

    In its 24 years of rule, Higdef has never stopped to amaze us by the next trickery or scheme that it comes up to perpetually dislocate the people. Higdef’s central logic as how to keep the masses perpetually disoriented goes as follows : if the people can’t be made to go to Sahel or Sawa, then Sahel or Sawa has to be brought to them that is to their cities and towns. Once a devil always a devil mafia higdef.

POST A COMMENT