Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጓል ትረኽቦ + ወዲ ዝረኽቦ = ወይ’ዛ ኤርትራ ትረኽቦ

ጓል ትረኽቦ + ወዲ ዝረኽቦ = ወይ’ዛ ኤርትራ ትረኽቦ ታሕሳስ 26/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ሳዕስዕ’ሞ ሳዕስዕ፡ ሓዳርካ’ይትረስዕ! ኣብዚ ቅነ ኣውድኣመት ኣይ ፌሰታ ኣይ ቃልሲ ከይንኸውን፡ ነዚ ሓድሽ ኲነታት ናይ ብዓል ጀነራል ስብሓት ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ግዜና ኣይነጥፍኣሉ። እዞም ቀዳሞት’ሲ

ጓል ትረኽቦ + ወዲ ዝረኽቦ =

ወይ’ዛ ኤርትራ ትረኽቦ

ታሕሳስ 26/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ሳዕስዕ’ሞ ሳዕስዕ፡ ሓዳርካ’ይትረስዕ! ኣብዚ ቅነ ኣውድኣመት ኣይ ፌሰታ ኣይ ቃልሲ ከይንኸውን፡ ነዚ ሓድሽ ኲነታት ናይ ብዓል ጀነራል ስብሓት ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ግዜና ኣይነጥፍኣሉ። እዞም ቀዳሞት’ሲ ብዙሕ ዘይበሊ ውሓለ ዝዀነ ምስላታትን ኣበሃህላታትን ነይርዎም። ደፊሮም ኲነታቱ ዘይፈለጥዎ ነገር ከጋጥሞም ከሎ፡ “ እንታይ’ሞ ክንብል ኢና፡ ባዕሉ እቲ ኣምላኽ ብጻይ ቅኑዕ ይኹን’ምበር” ኢሎም ይሓልፍዎ።

ሕማቕ ኣይተዛርቡና ንግዚኡ ስቕ ይሓይሽ ማለቶም ኢዩ። ንሕና ክኣ ብመጠኑ ገለ ካባታትና እንድሕሪ ጠቓቒሶሞ እኹል ስለዝዀነ ንእረ-መንገድና ልክም ከነብሎ እንተዘይኰይኑ፡ ክንደጋግሞ ግዜና ከነጥፍእ ይብልናን። ብፍላይ ናይ ዜና ማዕከናት ብዙሕ ምንጭታት ስለ ዘለዎም ርእይትኦም እንተሂቦምሉ እኹል’ዩ። እንተ ተኻኢሉ ክኣ ዘጻርዩ ምግባር’ዩ፡ ዘጻርዩ ክኣ ግዲ የብልኩምን መሊኦም ኣለዉ። ዓቕሊ ዋጋ በቕሊ ከምዝብሃል፡ እቲ መስርሕ ናይ ዓወት ዲዕ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ማእከል ዓዲ ከምዝኣተወ ዓጊብና፡ ኣብ ውራይና ምድሃብ ጥራይ’ዩ ዘዋጽኣና። እቶም ትከታተሉ ትዝክሩ እንተ ድኣ ኰንኩም እታ “ኣባት ነገር”ዝበልናያ ኣይንረስዓያ። ኣብቲ ቀንዲ ዕማምና ድኣ ነድህብ ማለተይ ኢየ።

“ተዛሪቦም የዛርቡኻ”! ብዓል ዶ/ኣብይ ምድማር ዝብልዎ ናይ ውቃበ ፍልስፍና ካብ ኣምጽኡስ ንሕና ክኣ ናትና ፍልስፍና ሃሰስ እንተበልናስ እንታይ ክብል ኢሉ። በዚ ምኽንያተ’ዚ’የ ነዛ ኣርእስተይ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረያ ዘለኹ። ንዂነታትና ክመዝኖ ከለኹ ንዓይ ከም ዝመስለኒ ነዛ ኣርእስተይ ናተይ ድኣ ኰይና “ዓሻስ ጸብሓ ይጥዕማ” ከይትብሉኒ’ምበር ግርም ጌረ ዓጊበላ ኣለኹ። መቸም ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ናይ ብዓል ኢሳያስ ፍልስፍና፡ ንኢትዮጲያ ፈቲኻ ንትግራይ ምጽላእ፡ ንጣይታ ፈቲኻ ንመጎጎ ምስባር፡ ኣይ መጎጎ ኣይ ጣይታ ኰንካ ገጋንታኻ ሒዝካ እግረይ ኣውጽእኒ እንተዘይኰይኑ፡ ክሰርሕ ከምዘይክኣለ ኩሉ ኣዳም መዘናግዒ እንዳ ሻሂ ገይርዎ’ሎ። ኣብ ጒዳይና ክንኣቱ ግን፦

ኣቐዲሙ ካብ ዝነበረ ኲነታት ኣነባባርና ክርአ ኸሎ፡ ወይ’ዛ ጓል ትረኽቦ ዝተባህለ ብዘይ ምኽንያት ኣይነበረን። እቲ ኹሉ ወጽዓ ደቀ-ንስትዮ ዝብሃል ተደርዲሩ እንዳሃለወ፡ ጓል ኣንስተይቲ ክሳዕ ንጒቦ ዝኣክል እትኽፈል መደቀስ ዕዳ ወይ መደቀስ ደም ከይተረፈ’ውን ትኸውን ከምዝነበረት ኣብ ታሪኽና ኣሎ።

ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ባእሲ ኣትዮም፡ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ቅትለት ወይ ናይ ሞት ሓደጋ እንተተረኺቡ፡ ሕነ ምፍድዳይ ስለዘኸትል፡ ነቲ ሕነ ምፍድዳይ ደው ንምባል መደቀስ ደም ጓል ብዘይ ድልየታ ናብ መውስቦ ከም ጒቦ ትምጠወሉ ግዜ ነይሩ።

እዚ ካብ ገንዘባዊ ካሕሳ ንላዕሊ ዝግምገም ክፍሊት ኢዩ። ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብቲ ዘበን እቲ፡ ካሕሳ ምብላዕ ከም ነውርን ሕመቕን፡ ሕኔኻ ምፍዳይ ክኣ ከም ጅግንነትን ሓበንን ስለ ዝቝጸር ዝነበረ፡ ገንዘብ ከም መተካእታ ደም ኰይኑ ንበተሰብን ኣዝማድን ዘቕስንን ዘደቅስን ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ናይ መውስቦ መትእስሳር ከም ፍታሕ ኣብ ዘበኑ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ደም ከምዝዓርፍ ስለ ዝገብር፡ መዘና ዘይብሉ ንጽልኢ ናብ ፍቕሪ ዘሰጋግር ዓቢ ጥበብ ወይ መስርሕ ሰላም ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይክኣል።

ብሓቂ’ውን ህዝብና ኣብ መድረኹ ክምዘን ከሎ፡ ሓያል ህዝቢ  ንሰላም ክሳዕ ክንደይ ይቃለሰላ ከም ዝነበረ ዘመልክት ኢዩ። እቲ ሕቶ ግን፡ እቲ ኹሉ ዕዳ መን ተሰኪሙዎ ምስ ዝብሃል፡ ምዓት ዝወረዳ ጓል ኣንስተይቲ ስለዝዀነት፡ “ዒራ ዘይኲርምትኻስ ሕጻ ቆርጥመሉ” ኰይኑ፡ ኩሉ ደማሚርካ ክትርእዮ ከለኻ፡  ወይ’ዛ ጓል ትረኽቦ እንተተባህላ ዘስተንትን እምበር ዘገርም ኣይኰነን። ስለ’ዚ ጓል ኣንስተይቲ ሓቃ ኢያ፡ ምስ መረራ ኢያ ባዕላ መሲላታ ትኸውን ኢለ እግምት።

ታሪኽ ዘምጽኦ ታሪኽ እንዳጎሓፎ ኣብዝኸደሉ እዋን፡ ከም ውጽኢትን ፍረን ሓባራዊ ህዝባዊ ተጋድሎና፡ ደቀ ’ንስትዮ ትንፋስ ዝረኽባሉ፡ ደቂ ተባዕትዮ ክኣ ልቢ ዝሰዂዕሉ፡ ታተ ክብሃል ተጀሚሩ እንዳበልካ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ድማ፡ እንሆ እዚ ክብሃል ዘይክኣል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ግፍዒ ተደሚሩዎ ወይ’ዚ ወዲ ዝረኽቦ’ውን ዘየብል የብልናን። ምኽንያቱ ወዲ’ውን ይሽየጥ ይልወጥ ስለ ዘሎ ንኹላትና ዝተረፈና የብልናን።

እዚ ናይ ጾታ ፍልልይ ዘይብሉ፡ ህዝባዊ ጥፍኣት፡ ህዝባዊ መቕዘፍቲ፡ ወይ’ዛ ጓል ትረኽቦ + ወይ’ዚ ወዲ ዝረኽቦ = ወይ’ዛ ኤርትራ ትረኽቦ እንተበልናዮ ጌጋ የብልናን ብሃላይ ኢየ። ስሊኡ ክኣ ኢና ሕጂ ኲላትና ሓቢርና ብዘይ አፈላላይ ንኤርትራ ሃገርና ካብ ዘመተ ነድሕና ዝብል ናይ ተልዓል ጐበዝ ጭርሖ ኣልዒልናሻማ-ሻማ ንብል ደለና። ዘይሰማምዑ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን፡ ኢሳያስን ኣብታ ትነጽፍ ደላ ዒላ መለኽትን ጨርባሕ-ባሕ ዝብሉን ክዀኑ’ለዎም።

ፍልስፍናና ኣብ ሓቂ ዝተሰረተ ስለዝዀነ ብሩህ ናይ ምልዕዓል መምርሒ ኰይኑና ኣሎ። እንሆ ድማ ካብ ደምበታት ናብ ቍሸታት፡ ካብ ቍሸታት ናብ ዓድታት፡ ካብ ዓድታት ክኣ ናብ ሕመብርቲ ኤርትራ ኣስመራ ከተማና ክኣቱ ይርአን ይስማዕን ኣሎ። ፍልስፍና ብዓል ዶ/ኣብይ ግን መትሓዚ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ትንቢት ስለ ዝዀነ፡ ኣይ ሰሙን ኣይ ክልተ-ቕነ ናብ ምግምማዕ ክኣቱ ግድን ኰይኑ፡ ሕጋውነቱ ፈሪሱ፡ ሃገራዊ ትርጒም ስኢኑ ብህዝቢ ክንጸግ ኣብ አደባባይ ይርአ’ሎ።

ምቅላስ መሪሪ ኢዩ፡ ግን ድማ ዓቢ ዘይበርስ ሃብቲ ኢዩ። ጸላእትና ካብ መጀመርያ ክሳዕ ሕጂ ዘበነ ኢሳያስ፡ ኩሉ ንብረትናን ሃብትናን ክዘምቱ ኸለዉ፡ ናይ ምቅላስ ሃብትና ግን ከብርስዎን ክዘምትዎን እኳ እንተፈተኑ፡ እንሆ ክዀነሎም ከምዘይክእል ግህዶ ኰይኑ’ሎ። በቲ ናይ ቃልሲ ተመኲሮናን ሃብትናን ዝኣክል፡ ሕጂኣዋልድና እንተተደመሮ አወዳትና  ይኸውን ኤርትራ ሃገርና ኰይኑ እንሆ ሎሚ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም እንርከበሉ ናይ ስደት ምዓርፎታት፡ ናብ ናይ ቃልሲ ኲጀታት ተቐይሩ ንርእዮ ኣለና። እዚ ብጥራዩ ዝተቐበልናዮ ህያብ ዘይኰነስ ተቓሊስና ዘመዝገብናዮ ደረጃ ናይ ቃልሲ ኢዩ።

እቲ ዘይበርስ ሃብትና እምብኣር ንጸላእትና ኣብ ኮርዶን ኣእትይዎም መውጽኢ ስኢኖም ፎቖዶ ጎረባብቲ ቀልባዕ-ባዕ ክብሉ ይርከቡ ኣለዉ። እቶም ዓበይቲ ጐይቶቶም ውሽጣዊ ሕማም በርቲዑዎም ከምቲ ዝጀመሩዎ ኣድህቦ ክገብርሎም ኣይክኣሉን።

ማእከላይ ደርቢ ህዝቢ ዓለም ናብራ ከቢሩዎ፡ ዓበይቲ ምሁራት ተመራመርቲ ከይተረፉ ኣንጸርጺሮም፡ ብፍላይ ፖለቲካ ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት መትሓዚ ተሳኢኑዎ በሽቀጥ-ቀጥ ኢሉ፡ ገበትቲ መንግስታት ናብ ውሻጢኦም ኣድሂቦም፡ ወዮ ምድማር ናይ ብዓል ክናናን ምናናን ዋጋ ስኢና፡ ናብ ቆሎ-ጥጥቖ እንዳተቐየረት ከም እትኸይድ ኰይና ኣላ። ኢሳያስን ዶ/ኣብይን “ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ” ኰይኑዎም ጒድ ኢዮም ረኺቦም ዘለዉ።

ሎሚ ተርእዮታት ኣዚዩ ይቀላጠፍ ስለዘሎ፡ ዓመታዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ናብ ዕለታዊ ገምጋም ይቕየር ብምህላዉ ንሕና ክንቀላጠፍ ድኣ ንጓየ’ምበር እቲ ቃልስስ እንዳተወገነ ይኸይድ ምህላዉ ንግንዘብ ኣለና።ንዂነታት ዝረሓቑን ዝቐረቡን ጐረባብትናን፡ ንዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ቀጨውጨውን ናብ ረብሓና ክንልውጦ መታን ክንበቅዕ፡ ጸላእቲ ከነውሕድ ፈተውቲ ክኣ ከነዋህልል ፖለቲካዊ ልቢ ከነዕቢ ከድልየና ኢዩ። እዚ ማለት ክኣ ብቛንቋ ህግደፋውያን ካብ ምዝራብ ክንቊጠብ ዘድልየና መዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። በሊሕን ንቑሕን ተቓላሳይ ፐለቲካን መድረኻዊ ፖሊስን ከተኣሳስርን ከወሃህድን ክበቅዕ ኣለዎ።

ፖለቲካዊ ቃል-ኪዳንን ፖለቲካዊ ምሕዝነትን ኣብ ግምት እንዳእተና፡ ቀላይ ከምዘይነጽፍን ዓሳ ከምዘይመውትን ክንገብር ይግባእ። ኣብዛ ፖለቲካዊት ዓለም ብምሕዝነት ከይተፈተንካ ናብ ቃል ኪዳን እንድሕሪ ተሃዊኽካ ወያ ምድማር፡ መውስቦ ኢሳያስን ዶ/ኣብይን ኰይና ኢያ ትተርፍ። ኣብ ደምበ ተቓውሞና ተመሊስና እንተ ተመልኪትና ተመክሮና ካብ ምሕዝነት ውድባት ክሳብ ባይቶ ኣዋሳ ጽቡቕ ታሪኻዊ መረዳእታ ክዀነና ይኽእል ኢዩ።

ስለዚ ክኣ’ዩ ኣብ ስርዓተ-ምሕደራ ጥንቃቐ ስለዘድሊ ናይ ፖሊሲ ሊቃውንቲ ዘድልዩኻ። ኣብ ፖለቲካ ኣፍካ ዝሃበካ እንዳደረፍካ ኣይክየድን ኢዩ። ኣብ መንፈስ ከምቲ ንጉስ ሰለሙን ዝበሎ መጀመርያ ጥበብ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ኢዩ፡ ኣብ ፖለቲካ ክኣ መጀመርያ ጥበብ ፖሊሲ ኢዩ። ኣብ ምንቛት ዘእቱ ንውሽጣዊ ሓድነትካ ዝዘርግ ፖሊሲ ክህልወካ ኣይግባእን ኢዩ።

ሎሚ ውድባትና፡ ሲቪካዊ መሕበራትና፡ ሰብኣውያን ማሕበራትና ይኹና ናይ ዜና ማዕከናትና፡ ዋላ’ውን ውልቀ ሰባት ከይተረፉ፡ ብልሳን ህግደፍ ዝዛረቡ እንተድኣ ኰይኖም፡ ሰብ ዘይበለየ ሕማም ስለዝዀኑ፡ ኪዱ ትሓኪምኩም ተመለሱ ክንብሎም ክንበቅዕ ኣለና። ሎሚ ኢሳያስ ዝበለ ይተኣለ፡ ኤርትራ ዘይበለ ክኣ ካባና ይፈለ ዀይኑ ስለዘሎ እቲ መንገዲ ብሩህ ኢዩ። ነዊሕ ዓመታት ወሲዱልና መሪር ተቓሊስና፡ ነታ ምድማር ናይ መለኽትን መደናገርትን ኣፍሺልናያ ኣለና።

ከምቲ ኹሉ ግዜ ንደጋግሞ፡ ንሕና ምስ ስርዓት ኢትዮጲያ’ምበር ምስ ህዚቢ ኢትዮጲያ ሽግር የብልናን። ኢትዮጲያዊ ክኸውን ዝደለየ፡ እንሆ ሜዳ እንሆ ጐልጐል የማን ጸጋም ዘይብላ ከምዛ ናይ ኢሳያስ ይድፈራ። ብዝተረፈ፡ ደይ ሰላም እንታይ ይድለ፡ ኢሳያስ እኮ ሕጂ ኢዩ እምበር ንኣስላምን ንኽርስትያን ኣሰማሚኡ ዝኣተወ መራሒ ኢዩ፡ ሕጅስ ክንጥርጥሮ ጀሚርና፡ ቀደም ገለ ናይ ኣንድነት ዘረባ በጨቕ የብል ነይሩ፡ ናይ ሲ.ኣይ.ኤ. ይብልዎ ነይሮም፡ ኮንፈደረሽንባ፡ ፈደረሽን ናይ ቀደም ክፈርስ ኣይነበሮን፡ ሕጂ ግን ዘድሊ ኣይኰነን፡ እንዳበልካ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ሃበስ ቀደስ ፖለቲካ ምዕላል ቦዀራ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግብኣና።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ንታሪኹን መርገጹን ተሞኲርኡን ሰጋእ ዝብለሉ እንተ ድኣ ዀይኑ ተአማንነት (credibility) የብሉን።

እንዳነቓሕካ ኣብ ትኸደሉ እዋን ኢትዮጵያዊ ምዃን እንድሕሪ ኣሚንካሉ ዘሐብን እምበር ዘሕፍር ኣይኰነን። ታሪኽካ ምስክር ናይ ሂወትካ ስለዝዀነ ካብኡ ክትሕባእ ምፍታን ብዓቲ ኣይኰነካን ኢዩ።

እቶም ካብ ህጻንነትና ኤርትራ ክንብል ይውሓድ ይብዛሕ ብዘየገድስ ዝተኣሰርናን ዝተመቛሕናን፡ ዝተጋደልናን ዘሰልኬናን፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክኣ ትሕቲ መሬት ዘስፈርናን፡ ብከድዓት ማሕበር ኣንድነትን ብወረራን ውዲትን ምዕራባውያንን ንጉስ ሃይለ ስላሴን፡ ተጓዕጺጽና ከይፈተና ኢትዮጵያውያን ዝነበርና፡ እምቢ ኢልና ኣሰር ጀጋኑ ኣቦታትና ስዒብና ፈለግ ሰውራና ተኸቲልና ብቕልጽም ኤርትራውያን ምዃና ንጸላእትና ኣሜን ኣቢልና፡ ንዓለም ዘመስከርና ከም ምዃንና መጠን፡ ሕጂ’ውን ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሕርኽራኽ ፖለቲካ፡ ቍልቍል ኣፉ ናብ ምድፋእ ከም ቀደምና ሒዝና ከምዘይንገድፍ፡ እንደገና ንዓለም ከነመስክር ምዃና ሰጋእ ንብለሉ ጒዳይ ኣይኰነን።

እዞም ብድለየቶም ኢትዮጲያውያን ዝዀኑ ማሕበር ኣንድነታውያን፡ ኣብ ስርዓት ኢትየጵያ ኣብ ዲዕ ዝበለ ናይ ገዛእቲ ስልጣን ኲድጭ ኢሎም ዝነበሩ ስርዓቶም ምስ ፈረሰ ኣራግጽ ዝገበሩና፡ ብኣጒል ፖለቲካዊ ሽጣራታት ከደናግሩና ኣይንፈቅድን ኢና። ስደት ሕጂ ኣይኰነን ጀሚሩዎ ኤርትራዊ። እዚ ኹሉ ዑናን በሲግዲራን ክባራዕ ከሎ፡ እዚ ኹሉ ህዝብና ህዝቢ ዓሳውርታ ክበርስ ከሎ፡ እዚ ኹሉ ሰፈር ዓሶ መሬት ሱዳን ህዝብና ብሕማምን ጥምየትን ከቕዘፍ ከሎ፡ ኣበይ-ኣበይ ከምዝነበርናን እንታይ ንገብር ከምዝነበርናስ ንዘክር ድኣ።

ንኢሳያስ ነዚ ሰይጣን ኣስላምን ክርስትያንን ኣሰማሚዑ መሪሑ ዝኣተወ ዝብሉ እንተድኣ ኣሊዮም፡ ብኣንጻሩ ነስላምን ንኽርስትያንን ኣፋሊሱ ከምዝኣተወ ኢልና ንምስክርን ንኣምንን ከም ዘለና ክኣ ክፈልጡ ኣለዎም። ንሕና ታሪኽና ንፈልጥ ኢና። ብዓል መን ዓዲ ክርስትያን መሲሉዎም ናብ ገበላ ኢሳያስ ዝተጸግዑ’ውን ማዕረ-ማዕሪኡ ዝጠፍኣና ኣይኰነን። ምኽንያቱ ገና ብሂወቱ ዘሎ ዘይበለየ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኢዩ። ሎሚ ገጥ ኢሎም ለበጥ-ለበጥ ዘይብሉ ኤርትራውያን ኢና ንደሊ። ንሳቶም ክኣ ብዘይ ንሕስያ ይቃለሱ ኣለዉ።

ስለዝዀነ ክኣ ክምክሑ’ውን ይኽእሉ ኢዮም። እወ ኣብ ተመኲሮ ቃልስና ኢሳያስ ጅግና መሲሉዎም ብውድባዊ ሕማም ዝተበደሉ የብልናን ኣይንብልን። ግን ካብቲ ታኸላ’ቲ ወጺኦም ሕጂ ንደምበ ተቓውሞና ከነቓንቕዎ ንርእዮም ስለዘለና ደስ ይበሎም ደስ ኢሉና ኣሎ። ጸላእትና ክኣ ሕርር ከም ዝብሉ ኰይኖም ኣለዉ። ትምክሕቲ ጽቡቕ ኣይኰነን። ንሕና ኤርትራውያን ግን ሕጂ ዋላ እንተ ዘይተመካሕና ብዝገበርናዮ እንተፈከርና ዘጸብቐልና መቐጸልታ ፍረ ጅግንነታዊ ሰውራና ኢዩ። ኣብ ቃልሲ መጀመርያ ፍልስፍናዊ ራኢ ክህልወካ ኣለዎ፡ ድሓር ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ጌርካ ተሰንዮ፡ ብድሕሪኡ ክኣ ብውደባ ጌርካ ተረጋግጾ።

ነዚ መስርሕ’ዚ ኣቲናዮ ኔርና ከነብቅዕ፡ ውድባዊ ሕማም ኣሳቕዩና ተሃሲና አና። ሕጂ ግን ዋላ ሰለይ ንበል እምበር እንሆ “ቀስ በቀስ እንቍላል በእሩ ይሄዳል” ይብሉ ኣምሓራ፡ ማለት በብቕሩብ  ውዒሉ ሓዲሩ እንቋቍሖ ብእግሩ ይኸይድ ማለት እንድዩ፡ እንዳበለየልና ይኸይድ ኣሎ። ወይ ድማ ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይቦቍል ከም ዝብሃል፡ ልቢ እንዳዕቤና፡ እቲ ናይ ዓያሹ ድርቅናና ሰብ እንዳጸልኦ እንዳተመንወ ክኸይድ ከሎ እንዳለበምና ከም እንኸይድ ጌይሩና ኣሎ። ሎሚ ብዙሓት ካባና ካብ ሕፍረት ናብ ድፍረት ተሰጋጊርና ናብ ምትእምማን ከንኣቱ ጀሚርና ኣለና። ጌጋኻ ምእማን ናብ ትብዓትን ናብ ምትእምማንን ስሰዘብቅዓካ መሰረት ናይ ዓወት ኢዩ።

እምብኣር ንሕና ሕጂ ንሃሜንነታዊ ፍልስፍና ብዓል ዶ/ር ኣብይን ኢሳያስን ኣፍሺልናዮ፡ ንፖለቲካዊ ሕብሮም ከም ዝብለል ጌርናዮ፡ ውደባዊ መናድቖም ክኣ መንደቕ ባቢሎን ኰይኑ ማይን እምንን ዘቐብል ምርድዳእ ስኢኖም ሃደሽደሽ ክብል ንርእዮ ካብ ሃለና፡ መን’ዩ ናብ ዓወት፡ መንከ’ዩ ናብ ውድቀት ዝጒዓዝ ደሎ ንዝብል ሕቶ፡ ዋላ ንሓደ ህግደፋዊ ዓሻ እንተ ሓቲትካዮ ሓንቲ’ያ ቃልና ትብል ማሕላ እንዳ ሸገረቶ’ምበር ኣብታ ድንን ምባልሲ በጺሑ’ሎ።

ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ዕማምና ኣተባብዕ ኣቢልና፡ ንዓ ድአ ኣብዘይ ቦታኻ ኢኻ ዘለኻ ብማለት ከይሰልከና፡ ዝኽፈል ፖለቲካዊ ማዕዳ ከፊልና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምእካብ ኢዩ ዘዋጽኣና። ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ ድኣ’ሞ ስቕ ኢሉዶ ተመሲሉ’ልክሞ! እንተዞም ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኣብ ክልተ እግሮም ክረግጹ ዝደልዩ ግን፡ እታ ዘይተሓንጸጸት ዶብ ንዓኣቶም ትኹን። ንሕና ግን ሕጂ ኣብ ኣእምሮና ተሓንጺጻ ኣላ፡ ጽባሕ ክኣ ኣብ ባይታ ምዓት ስኣልቲ ስእለ-መሬት ናይ ዓለም፡ ተር ከነብሎም ምዃንና ጥርጥር የብልናን። ዝታኣማመን’ዩ ዝቃለስ’ምበር፡ አጒል ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ኣብ ማዕጾ ኢዩ ተቐርቂሩ ዝተርፍ።

ቀዳሞት ኤርትራውያን ኣቦታትና ገለ ነገር ክፍጠር ከሎ ነቲ ዝነበሮም ሕጋዊ ኣነባባር ተወሳኺ ሕጊ ነስዒ (amendment) ይገብሩሉ ነይሮም። ንጓል ከመርዕዉዋ ኸለዉ “ዋሕስ ድጊ” ኣትኪሎም የመርዕዉዋ (ብጓሎም ዝመጸ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ዝስከም) ማለት’ዩ። ከም ገለ ኣብ ሓዳር፡ ናይ ሰብኣይ ነገር ምሉእ የብሉን፡ ወስ እንተ ኢሉዋ ክኣ፡ ወሓላሉ ስለዝዀኑ ምትዕራቕ የተዓርቕዎም እሞ፡ ግን ክኣ ብዓል ኣመል ኣመሉ ይምለሶ ኢዩ ኢሎም ስለዝጥርጥሩ፡ “ዋሕስ በትሪ” ዝብሃል ዋሕስ ተሓታቲ ኣትኪሎም ነቲ ሓዳር ከም ዝቕጽል ይገብርዎ። ሎሚ ከምዚ ትርእይዎ ዘለኹም ኣብዚ ምዕቡል ሃገር ንስኻን ሽጣራኻን ኢዩ’ምበር፡ ተባኢስካ እንተኼድካዮም፡ እወ መሰልኩም’ዩ በበይነኹም ተዀንኩም ይሓይሽ ናብ ዝብል ኢዩ ዝሰልጦም።

ብዝዀነ “ንዘረባ-ዘረባ የምጽኦ፡ ንሓመድ ክኣ ድጒሪ የውጽኦ” እንድዩ፡ ኣብዚ ቃልስና ድማ ዋሕስ የድልየና ኢዩ ንምባል’የ ኣምጺኤዮ’ሞ፡ ዋሕስና ንፍለጥ። ኩላትና በብሃገሩ ንለዓዓልን ኣኼባታት ነካይድን ኣለና፡፡ ዋሕስና ብፍላይ እዞም ቀዳሞት ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰልና ግን እዚ ሓድሽ ወሎዶ ስለዝዀነ፡ ውሕስነትና፡ ኣንሶላና ኮቦርታና፡ ክንማሙቕ እንድሕሪ ደሊና ናብ’ዚ መንእሰይና ጽግዕ ምባል ማለት ምዃና ንፍለጣ። ሽዕኡ ብዓወት ተዛዚማ ኢልና እንተሳዕሳዕና፡ እምብኣር ኣይክእላነ’የ’ሞ፡ ኣነ’ኳ ኰበሮ ምሃረምኩ።

ስለ’ዚ ነዚ ዋሕስ ድጊ ናይ ቃልስና መንእሰይ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመት ሕጂኸ ናበይ ትብል ብ 2013 ዓ.ም ዝደረስክሉ ጌረ ንሎሚ ክፋኖ ኢየ። እቲ ዝተረፈ ድማ በብግዚኡ ንመንእሰይና ዝተላበናዮ ኣብ ዝቕጽል ከነስዕቦ ኢና። እቲ ሩባን ኲርባን ጸገም ከይንዀነኩም ኢና ፈሪህናዮ’ምበር፡ ንቢሮን ወረቐትን ዝኸውን’ሲ ምዓት ጥዕና ኢዩ ዘለና፡ ኣጆኹም ጥራይ ኣይንሕመቕ። ተቐበለኒ በል፦

መንእሰይ! ሕጂኸ ናበይ?

መንእሰይ ሃገረይ ሰሚዕካዶ

መልቀስ ይኣኽለና ከይንለምዶ

እዚ ኹሉ መገሻ መን ይኺዶ?

ኣይጠፍኣካን ባዕልኻ ፍረዶ

    እቶም ዝኸዱ ኣምላኽ ይቀበሎም

    ጽባሕ ንጒሆ ንሕና ንኽተሎም

    ዋሕስ ትኸል ሕነ ፍደየሎም

    ንስኻ እንድኣልካ ኢደ እግሮም

ደዊለልካ ንጒሆ ብዓንተቦ

ድንን ኢልካ ካብ ታሕቲ ትስሕቦ

ኣንቃዕሪርካ ናይ ላዕሊ ተርክቦ

ክንደይ ከይጠፍኣካ ሳምቦ-ሳምቦ

    ካሲስናያ ኔርና መፈውንታ

    ኣብኣ ረሲዕናያ ብኽድንታ

    እምኒ ገዲፍናልካ ከም ብርኲታ

    ፍግኣያ’ምበር ባዕልኻ ኽፈታ

ህግደፍ ሽፍታ ኢሉላ ’ሻመዳ

ደም ከፊላስ ተሰኪማ ዕዳ

ወላድ ኣደ ተጸንቂቑ ከብዳ

ጒዳም ማህጸን ንሱ ኰይኑ ፍርዳ

    ኣብ ክንዳና ዓለም ኣንጸርጺሩ

    ትማል እንዲዮም ኣናብስ ነበሩ

    ከመይ ጌሩ ግዜ ተቐይሩ?

    ቂጡ ጠፊኡዎም ምስትንክሩ

መንእሰይና ናይ ጀጋኑ ፈልሲ

ንኣረጊት ኣንጽፈሉ ማእሲ

መርገምን ግደፈሉ ንፈላሲ

ብመልቀስ ነይርከብ ዲሞክራሲ

    ኣፍርሶ’ምበር ናይ ህግደፍ ምዓስከር

    ኲዒትካ ቅበሮ በሰር-መሰር

    ዓንድር እባ ፈክር ተሰራሰር

    ጎበዝዶ’ታ ኣብ ገዝኡ’እሰር

ገለ’ዩ ዘበኑ ጒራምራ

ክንደይከ ትዕገስ ’ታ ኤርትራ

እንታይ ኰይኑ መሪር ዘይመራ

ኣህባይ እንዳዀና ሰብ ጽሩራ

    ንስኻ ትገድድ መንእሰይና

    ስቕ ኢልካ ትርኢ ተዘሚትና

    ምስልምና የለ ክርስትና

    ህበይ ንጉስ ኰይኑ ወድ-ጋውና

ኣዴኻ’ምበር ተቓጺሉ ልባ

ዘዝወለደቶም ኣረኪባ

ኣንጸርጺራ እጅገ ሰብሲባ

ማይዶ ምጨነቖ ወዲ ኣልባ

    ኣንታ ወዲ ጸባ ወዲ ጠስሚ

    ወላዲትካስ ስኢና ክትጠሚ

    ቀላጽምካ ዘርግሕ መገሰሚ

    ብገርጻንዶ ተጋሂጹ ዓጽሚ

ኣንቲ ’ስመራ ሃብታም መዕበይተይ

ዓንዲረልኪ ከም ንእሽቶይ ብተይ

ተረፍዶ የለን’ዩ መማህርተይ

ንገርለይ’ባ ’ዛ መልእኽተይ

    ጭራ ’ንተልይዎም ሰስ ከብሉ

    ጀጋኑ ክኣትዉ ከቕበሉ

    ከምቲ ናይ ዐደ’ቦ ኣውሎ ክብሉ

    ህግደፍ ድሓን ውዓል ክድብሉ

ኣንቲ ኤርትራና ሰሚዕኪዶ

ማሰዶ ክንብል ሰዶ-ሰዶ

እዚ ኹሉ ፍርድስ መን ፈረዶ?

ደቅኺ ’ፋኒኽስ በጋሚንዶ

    ተበገስ መንእሰይ ንዓ መርሽ

    የማን ጸጋም ግዜኻ ’ይትሓሽሽ

    ኣየጽንሑኸን’ዮም ብዓል ሓሽሽ

    ትኪ ትሕዝትኦም ከም ጒብጥሽ።

ኣጆኻ መንእሰይ ክተት ድኣ ክተት

ካብ ሰብ ጥልመት መንጥሎተ ’ቲ ሽመት

ኣደ ወሊዳ ትምከን ትኹን መሬት

ርሑስ ልደት ርሑስ ኣውድ-ኣመት!!!

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Woldegabriel December 28, 2018

    I have been reading your articles, with enthusiasm, for some time. You are a very thoughtful, wise, historically grounded & farsighted person who has no personal but the good inventions for Eritrea’s future. You are a rare jewel, keep it up.,(sorry, I don’t have Geez font)

  • Danilo December 28, 2018

    ኣንስ ተባዕታይ ዝረኽቦ ምበልኩ።ከምይ’ሲ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሕውስውስ ዝብለካ ብዛዕባ ሰብኣውነት እዩ።ሰብኣይ ማለት፡ጾታ ከይፈለየ ክብረ-ሰብ ስለ ዘስምዕ።እዚ ማለት፡ተባዕታይ እየ ዝብል ብቀዳምነት ሓላፍነት ምስዘይ ስከም ሕማቅ ተረኽቦ! ኣብየት ተባዕታይ ዝረኽቦ ምበልኩ።ብዝተረፈ፡እቲ ፍሪንጪት ካብ ባሻይ ምልቃሕ የድሊ።

  • k.tewolde December 29, 2018

    “ሎሚ ውድባትና፡ ሲቪካዊ መሕበራትና፡ ሰብኣውያን ማሕበራትና ይኹና ናይ ዜና ማዕከናትና፡ ዋላ’ውን ውልቀ ሰባት ከይተረፉ፡ ብልሳን ህግደፍ ዝዛረቡ እንተድኣ ኰይኖም፡ ሰብ ዘይበለየ ሕማም ስለዝዀኑ፡ ኪዱ ትሓኪምኩም ተመለሱ ክንብሎም ክንበቅዕ ኣለና።”>>one of the quotable scriptures from Bashai,he puts it all in perspective.

  • መፍቀሬ ኢየሱስ December 29, 2018

    Great work as ever. Thank you for your wisdom and nationalism sir.

  • meretse December 30, 2018

    ናያ 2ሺሕ ዘመን ጉዳማት ሸቃጦ
    ግርጻኖም ገዲፎም መልሓሶም ውቃጦ
    ናይ’ዚኦም ዕሽነት ምድሪ ዝዘበጠ
    ነጻ’ዩ ዝመስሎም ካብ ሎሚ ዘምለጠ
    በብሓደ መንዮም ሃገር ክኹ`ልሱ
    ምስ ኣቢይ መኪሮም ናብ ቀደም ክምልሱ
    መላጥ ክሳድ ከም ታኪን ጎሮሮ
    ናብ ምውቓጥ ኣትዩ መልሓሱ ዕሮሮ
    ውዕሎ የብሉን ዝሓስቦ ዝመክሮ
    ንጉሆ ዝመሓሎ ምሸት ዝቅይሮ
    ኣብ’ሲ እነሆ ዕጥቒ ዝናር ናይ ዓዋሉ
    ኣብ ስጉሚ ዝፍታሕ መእሰሪ ዘይብሉ
    መሲልዎም ዶታ ብርኩ ዝዓጸፈ
    ተደመር ዝበልዎ ምስ’ቲ ዝሓለፈ
    ኣርሓ ናይ ትማሊ ኣይጎደበን ቀርኑ
    ቁሩብ’ዩ ተሪፉ — ተጸበ እዋኑ
    ሰናይ ቅነ

  • Teclesenbet Ghebremariam December 30, 2018

    ክቡር ሓው ረድኢ ክፍለ::
    ብመጀመርታ ነቲ ከይተሓለልካ እትልግሶ ዘለኻ መሃርን ሃገርዊ ስምዒትካ ዝላዓዕል ኣስተምህሮኻ ቡዙሕ ከመስግነካ እፈቱ::: ብምቕጻል ምስ ሙልእ ህዝቢ 2019 ዓመት ሰላምን ራህዋን ሓርነትን ክኾነልካ እምነ:::

POST A COMMENT