Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጠባያት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣመል ምስ መግነዝ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብሰሪ ተናኻሲ፡ ዘይርጉእን ዘይዉርዙይን ፖሊሲታቱ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘጋጠሞ ተነጽሎ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ግዳምን፡ በቲ ንሱ ጥራይ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓንን ካድራቱን ኣቢሉ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብሰሪ ተናኻሲ፡ ዘይርጉእን ዘይዉርዙይን ፖሊሲታቱ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘጋጠሞ ተነጽሎ ንምምሕያሽ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ግዳምን፡ በቲ ንሱ ጥራይ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓንን ካድራቱን ኣቢሉ ናይ ሓይለብኡ ይሰርሕ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ገበናቱ ንምሕባእን ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ንምድንጋርን ንዓመታት ካብ ዝጥቀመሉ ቀንዲ ዕባራ ምኽንያታት፡ “ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝተዋህበና መሬት ብኢትዮጵያ ተታሒዙ’ሎ፡ ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ትዕሉቆና’ላ፡ ትካላት ስለያ ኣመሪካ ህዝቢ ኤርትራ ክበታተን ይሰብኽ ኣሎ” ዝብሉ ጉዳያት’ዮም ከም ብዕሪር ዝሕይኾም። ብኣንጻሩ፡ ስርዓት ህግደፍ ነብሱ ንምውዳስ፡ ኤርትራ ናብ ገነት ንምቅያር ዓርሞሽሻዊ መደባት ልምዓት የሰላስል ከምዘሎ ንምእማን፡ ኤርትራ እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላም ዝሰፈናን ጥሜት ዘይብላን ሃገር ምዃናን ለይትን መዓልትን ይግዕር ኣሎ። ካብ ኣፍንጭኡ ኣርሒቁ ዘይሓስብን ህዝቢ ክኽዕበኒ’ዩ ዘይብልን ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ድርቅን ከም መመክሒን ከም መወዳደርን ብምውሳድ ድማ፡ “ኣይበልናኩምን’ዶ፡ እታ ብሓገዝ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ትሳሰን ትውደስን ኢትዮጵያ፡ ብጥሜትን ስእነት ሰላምን ክትሕመስን ክትናወጽን እንከላ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ጸገም ዝስተ ማይ፡ ዕግርግር፡ ሕጽረት መግብን የለን” እናበለ ይጀሃርን የባጩን ኣሎ። ወዮ ድኣ ኣብ ኤርትራ ንዕንደራን ሓሶታትን ስርዓት ህግደፍ ኣይፋልካን ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ሕቡእን ግህዱን ግፍዕታት ዘቃልዕ ጋዜጠኛ፡ ዝቅይድ ባይቶን ቅዋምን የለን እምበር፡ እቲ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ዶባት ዝቅዘፍ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝርሸንን ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝማስን ዘሎ ዜጋ ካብ ዓይኒ መን ክኽወል ይኽእል? እቲ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ዝብላዕን ሓርቢትዎ ብሰንኪ ምልካዊ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ በብእዋኑ ናብ ስደት ሃጽ ዝብልን ኣብ ዓዲ ጓና ከርፋሕ ናብራ ከሕልፍ ዝቅሰብን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኩሉ ዕድላት ስለዝተነፍጎን ተገዲዱን እምበር ኣብ ደብረሲናን ማርያም ድዓሪትን ክነግድ ወይ ኣብ ምጽዋዕ ክዛወር እኮ ኣይኮነን ዝኸይድ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዓይኑ ዘሎ በሰር ከይኣለየ፡ በተን ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣዕቁበን ዘለዋ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ እስራኤልን ካልኦትን ክወራዘኸ፡ ትምክሕቲ’ዶ ዕሽነት?

ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቡ ዘይግደስ ጨካን ፍጥረት ጥራይ ኣይኮነን። ብዘይ ሕጊ መሬት ህዝቢ ዝግብትን ዝሸይጥን፡ ብሉጻት ዝተሰዉኡላ ልኡላዊት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ፡ ብጉቦን ሰበይ ሰብካን ዝተቆማጥዐ ስርዓት፡ ብዘይ ፍታው ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ፡ ኤርትራዊ ከይዛረብ ኣፉ ዝለጎመ ሓበላ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜናን ዲፕሎማሰኛታትን ብምዕዳምን ናይ ሓሶት ኣሃዛት ብምድርዳርን፡ ኣብ ኤርትራ፡ ለበዳ ሕማም ዓሶ፡ አይድስ፡ ኣብ ግዜ ወሊድ ዝርአ ሞት ህጻናትን ኣዴታትን፡ መልመስቲ መሓውር ማለት ፖልዩ ኣዝዩ ከምዝጎደለ፡ ዝርጋሐ ናጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ሕክምና ከምዝዓበየ፡ ወሰኽ ደሞዝ ሰራሕተኛታን ሰራዊትን ከምዝተገብረ፡ ልምዓታዊ መደባትን ምስፋሕ ትሕተ ቅርጽን ብናህሪ ይሰላሰል ከምዘሎን ኤርትራ ተጻብኦታት ዓለም ተጻዊራ ኣብ ጎደና ግስጋሰ ከምትርከብ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ርሒቁ ወትሩ’ዩ ዝህውትት። ኣብ ኤርትራ ብናጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዲጋታት፡ ህንጻታት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕክምና ይስራሕ ከምዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ዝዓበየ ክፋል ህዝብና፡ ዝያዳ መንእሰይ ኤርትራ ኣደዳ ስደት፡ ሞትን ወተሃደር ኮይኑ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላቱ እናተረግጸን፡ እናጸነተን፡ ምህናጽ ዲጋታትን ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

ስርዓት ህግደፍ ተንኮለኛን ብተግባር ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነን፡ ብዛዕባ ውዕላትን ኣታዊታትን ዕደና፡ ጉዳይ እሱራትን ጠንቂ ስደትን፡ ዓመታዊ ባጀት፡ መኽሰብን ክሳራን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍን ካልእ ሃገራዊ ጉዳያትን ወትሩ ካብ ህዝብና ምስሓብኦ’ዩ። ካልእ ይትረፍ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስለምንታይ ናብ ስደት ይነፍጽ ኣሎ ብቅንዕና ከይተዛረበ፡ ከም መንግስቲ፡ ነቶም ካብ እስራኤል ብዘይ ድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝጥረዙን ሰብኣዊ መሰላቶም ዝገሃስን ዘሎ ኤርትራውያን ከይተጣበቀ፡ ነቶም ካብ ሞትን ማእሰርትን ዘምለጡ ኤርትራውያን፡ “ናይ ጣዕሳ ወረቀት መሊእኩም ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ምስ ኣእንገድቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ዘይቅዱስ ውዕላት ብምክያድ፡ ዶላራት ንምግሓጥን ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቁባ ከምዝንጸጉ ንምግባርን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ጸገም ከምዘየለን ነቶም ብዝተፈላለየ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን “ዳግም እግሪ ንምትካልን ናብ መበቆል ሃገሮም ንምምላስን” ሓልዮት ከምዘለዎ ንምምሳል ወደኽደኽ ይብል ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ሓራድን ሕጊ ኣልቦን መንግስቲ ምዃኑ ስዉር’ኳ እንተዘይኮነ፡ እዘን ምስ ስርዓት ህግደፍ ሕግብግብ ዝብላ ዘለዋ ሃገራት፡ ውሽጣዊ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ጸጥታዊ ብድሆታተን ንምሕላውን ብዓቢኡ ድማ ትካላተን ናብ ኤርትራ ኣዋፊረን ተዓጻጻፊ መኽሰባት ንምግሓጥ ስለዝሓለና’የን። ሓቀኛ ጠባያት ስርዓት ህግደፍ ግን ኣመል ምስ መግነዝ ስለዝኾነ፡ ብጥፍኣትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ስልጣኑ ከናውሕ ሃብቲ ከኻዕብት ካብ ቀዳምነታቱ’ዩ።

 

                     ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (1 ግንቦት፣ 2017)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde May 3, 2017

    Indeed Tsilal, it is a parasitic regime in every sense of the word and it wrapped itself around the olive tree and is sucking the life out it.The people are left with a dry twig for their everyday survival while the third world members of the cartel are living in a multi unit luxury villas with Sicilian style balconies facing the familiar panoramic landscape the poor people fought for.When is it going to sink in for the people and say enough is enough and evict the leeches and flush them to MY BELLA.

  • Daniel May 3, 2017

    We have to kill Eseyas Afewerki by any means.

    • k.tewolde May 4, 2017

      That will be dressing him up as a hero,him and his accomplices should be subjected to the humiliation they brought upon the people,appear before the grand jury of the people and testify of all their sins against the Eritrean people and handed a sentence by the people,such as having them sweep the sidewalks of the capital in chain gang everyday of the remaining of their life apologizing for every passerby.

  • geladios May 22, 2017

    We have nothing untold story left about this evil mans system or junta who is hanging on our shoulder by means of power. And we should find out who those cells supporting him in such hard time and for what reason should be picked out without any poor excuse. hiding our wounds is not going to heal us, bot more to hurt us. the choice is ours, to lift our head for good reason, or to bend it and hide and down for ever. Our country is in big trouble with the unbearable language of One Man party system.

POST A COMMENT