Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል።

ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል።                 16.01.16፡ ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ከምቆጸራይ ነዛ ኣርእስቲ ኣዳልየ ክፍኑ ካብ ዝደናናዕ ሓያለይ ኮይኑ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑን ምስ ሓቀኛ ኣብነታቱን ንዝሰራሕክዎ ዕዮ ሰለዘይዓገብኩሉ ከምቲ ዝሐሰብኩዎ ክገብር ከምዘይመረጽኩ ኣግሂደ ክገልጽ እፈቱ። እንተኾነ ስ ንምእማት ዝኣክል ንዘቕረብኩዎ

ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል።                 16.01.16፡

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ከምቆጸራይ ነዛ ኣርእስቲ ኣዳልየ ክፍኑ ካብ ዝደናናዕ ሓያለይ ኮይኑ’ኳ እንተኾነ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑን ምስ ሓቀኛ ኣብነታቱን ንዝሰራሕክዎ ዕዮ ሰለዘይዓገብኩሉ ከምቲ ዝሐሰብኩዎ ክገብር ከምዘይመረጽኩ ኣግሂደ ክገልጽ እፈቱ። እንተኾነ ስ ንምእማት ዝኣክል ንዘቕረብኩዎ ሓሳብ ክትከታተሉኒ ብትሕትና እላቦ።

ኣርእስትና ከምዝሕብሮ “ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል” ዝብል እንድዩ፡ ከምኡ ዘበለና ኣብ ባህልና ጥራጥ ከም ነውሪ ስለዝቑጸር ከይን ንወር ክበሃል ዝምረጽ በዓል-ቤታዊ ናይ ጥንቃቐ ውሳነ ኢዩ። “ጥራጥ ዝቐርቀረ ኣይዝለል” እንተንብልከ? መቸም እዝስ ማዕዳ ብም ኳኑ፡ ንድሕነቱ ተሓሲቡ ብተዓዛቢ ዝበሃል ከምዝኾነ ይበርሃልና። ከም ባህሊ ናይቲ ከይተማዕደ ምዑድ ጥራጥ ቀርቂሩ ኣይዘልልን ። ወዮ ብለባሙ ክዕሹ ዘንቀደ ወይ ዝተገደደ እንተዘለለኸ እንታይ ከይስዕቦ? ከምኡ እንተሓሲብኩም ድማ መልሱ ቀሊል ኢዩ። ጥ ራጥ ወይ ብዓንተቦኡ ካብ ጠንቁ ምጥንቃቕ፡ እንተነቂሉ ግዳ ካብ እዝኒ ብዝስተር ጥበብ ከምገለ ቀራቒርካ ከተንፍሶ ይፍተን ይኸ ውን። እንተኾነስ ኣፍንጫኸ ይዕበስዶኾን? ንነገሩ “ፈሳዊ” ክትበሃልዶ ይሓይሽ “ጠራጢ?”

ወይ ጉድ! “ጥራጥ ዝቐርቀረስ ነይዘልል” ኢልካ’ካ ድማ ኣሎ’ዩ! አስከ ክሓተኩም፡ ንስኻትኩምከ ሓደ ዝኣዘዘሉ ክዘልል እንተበለ ብ ተግባሩ እንታይ ኢልኩም ምመዓድኩሞ? ንዓይ ከምዝመስለኒ ከይበላሾ ምእንትስ “ኣይትዝለል” ምበልኩሞ ትኾኑ። ‘ናጻ’ ንምምሳል ዝኣክል ግድን ክዘልል እነትንቂዱ’ሞ፡ ብሓጻራ ‘ኣብኣ ትደዮ ሕደጎ!’ ኢልኩም ምጎሰኹሞ።

ወይ’ዛ ኣበር! “በዓል ኢንታ መስቆርቆሪ” ክበሃልሲ ለካ ሓቂ’ዩ። ከምዝትረኽ ጥራጥ ቀርቂርካ ክንጠር ምስዝድለ ከም ደላይ ክልተ መጠን ክልቲኡ ክኽሰብሲ ይትረፍ መብዛሕትኡ ከምዝርአ ክልቲኡ ከምዝኽሰር’ዩ ዝንገር። ሓደ መስተውዓሊ ተጣቢቡ ከይጠረጠ ክነጥር እንተተመንዩ ንምናልባሽ’ውን ንትሑት ዝድምጻ ጢ . . ጥ ይበላሓተላ ይኸውን። ግናስከ ከምቲ ከምትጨኑ ዝጥርጠር፡ ገረ ብ ድማ እዝኒ ከምዝህልዎ መጠን ክምገለ እንተተሰምዐትከ? እንኮላይ ወያ ስታኹ ዝገደደ ዘጠ . . ጥ፡ ዘጠጠጠ . . ጥ እንተበለትከ?

ቀቀሊሉ እንድዩ ዘጠጠጥ ድኣ። ኣይኣዝዝ በሉዎ’ምበር ጎዱፍ እንተተደኩዐኸ?

ንሱ ዝገመተ ዘረባ ወለዲ’ዩ በሉ ናይ ኣርእስትና መበገሲ። በዓል ኣበር ኩሉሳዕ ነብሱ ናይ ምምሳል ተኽእሎ ስለዘጥፍእ ዋላ’ውን በ ዓል ዓቕሚ ይኹን ሕልናኡ ክሒዱ ሓቂ ከጥፍእ፡ ንዘይእምነቱ ክምጉስ ኢዩ ዝርእ። ልክዕ’ዩ’ውን ንዝተወሰነ እዋን ድማ ንጥልመቱ ብዝዳረግ ዝመስሎ ሽመት፡ ዕብየትን ሙቐት ናብራን ከጋይጽን ክሰራሰርን ከምዝርአ።

ዕላልና ብዛዕባ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ኢዩ። ምናልባሽ ኣነ ደጋጊመ ስለምንታይ ናብታ ሰልፊ ከምዘነጻጸርኩ እንተኣሕሲብኩም፡ ንሳ ወያ ገባሪት እኪት ንኣቦ መንበራ ከም ንህቢ ዓሲላቶን፡ ብዕስለኣ ድማ ኣብ ከም ሰብ-ሰርሖ ቆፎ ከምተሰትረትን ስለዝመስለኒ ኢየ። ብሕትውና ከም ቀንዲ ዓላማ ዘፍጥረት መጠን ሓድሽ እንተተፈጢሩ ወዮ ሓድሽ ኣንቆራ ንህቢ’ውን ናይ ባዕሉ ዕስለን ቆፎን ከናዲ ምንጻሉ ንዘይተርፎ ክሳብ ዝኸውን ምንኻስ ኣይተርፍን። ግናስ ስስዐ ደቂ-ሰብ ዝኸፍአ ብምኳኑ እቲ ዝፍጠር መንእሰይ ወለዶ ዕስ ለ ንህቢ ናብራኡ ከይምስርት ሽሙ ጋሊህካ ብምሕምታል ሓደስቲ ዓሳክር መሪሕ ስኢኖም ኣገልገልቲ ጥራይ ክኾኑ ከም ውሕሉል ብልሓት ይቑጸር።

ከምኡ’ዩ በሉ ዕማም ስውርትና! እዚ ብመንጽር ናይቲ ክስለፍ እንከለኹ ናብቲ ዕንቚ ኣቦ መንበራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረኒ እምነት፡ ሎሚ ኣንቆራነት መንእሰያት ምስከሓደ ብርግጽ ዱቛ ጽልኢ ከምዘለኒ እንተዘይመሰለ ዊንታይ ምኳኑ ፍለጡለይ። ግዳስ ግ ደፍ ተጋዳላይ፡ ህዝቢ ኤርትራኸ መንነት መራሒኡ ምስፈለጠ ኣይነደረን ዲዩ?

ሃገርና ምስተሓረረት ንዝሓሸ ምሕደራ ናብ ሰልፋዊ ስርዓት ምምዕዳውና ዘይቀጽዕን ዘይቀትልን መንግስቲ ክንተክል ብምብሃግና ኣ ይነበረን። ንሓዋሩ’ውን እቲ ክትከል ዝድለ መንግስቲ እንተኣድልዩ ሰልፋዊ ክኸውን ኢናኮ ንቃለስ ዘለና። ከምኡ ካብ ኮነ፡ ከምዚ ሎሚ ፋሽን ብዝመስል ሰላሕታ ወፍሪ ህግደፍ ተፈንዩ “ኣነ ኣብ ፖለቲካ የለኹ ምስቲ ወይ ምስ’ዚ” እናተባህለ ዝግበር ጎስጓስ ንርእ ሱ ሊበራላዊ ፖለቲካ’ምበር ካብ ፖለቲካ ናጻ ዝገብር ብልሓት ክኸውን ኣይክእልን። ፖለቲካ መማጎቲ መልክዕ ህላወና ብምኳኑ ፖ ለቲካዊ ተሳርፎ’ውን  ኣካል ሂወትና ከምዝኾነ ምእማን የድሊ። ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝረጋገጽ ከኣ ብመገዲ ሰልፍታት ስለዝኾነ ኣባል ሰልፊ ምኳን መሰል’ምበር ገበን ኣይኮነን። የግዳስ ሰልፊ ግሁድን ንጹርን ዓላማ’ዩ ክህልዎ ዘለዎ። ‘ሕብእቲ’ ካብ ኮነት ግና ብምዕሩ ግ ሰልፋዊ ድባብ ስለያውን ጸጥታውን መሳርሒ ከምዝኾነት ርጉጽ ኢዩ። ፍልልዩ እቲ ወግዓዊ ስለያን ጸጥታን ብንጹር መራሕን መ  ስርሕን ኢዩ ዝሰላሰል። እንተ ኣባላት ሕብእቶም’ሞ ዘይወግዓውያንን በቢኢደወነኖም ንዝገብርዎ ቅትለት፡ ስርቅን ዓመጽን ከም ም ፍቃድ ምኳኑ ምፍላጡ የድሊ። ኣብ ገበነኛ ዘዕለቕለቖ ስርዓት ፍትሒ ከንግስ ምጽባይክሞ ብኸመይ ይከኣል?

መቸም ህላወ ሰልፊ ካብ ተኣመነሉስ ምስዋር ከም ኣገባብ ቃልሲ ተመሲሉ ክእመን ይፍተን’ዩ። ከምኡ እንተተሓሰበ ኣይክፉእን፡ እ ንተኾነ ብዘፍጥረት እንተርኢኽሞ’ውን እቶም ብውክልና ጽቡቕን ክፉእን ዝጥቀሱ ኣምላኽ ኮነ ሰይጣን ክልቲኦም ስዉራን ምኳኖ ም ምዝካር ጸቡቕ ይመስለኒ። ስለኡ’ዩ ፈጣሪ ንፍጡራቱ ናይ መመመይ ብልሓት ዝዓደለ። ስለዚ እቲ ምስዋር ዘይኮነስ ኣውራ ዓላ ማ ሰልፊ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ጸገም እምበኣኣር ኢሳይያስ “ኣምላኽኩም ኣነ ኢየ” ክብለና እንከሎ፡ ብዝተዋህበና ናይ ምምማይ ትዕድልቲ “ኣይፋል፡ ንስኻ’ሞ ግደፍ ከም ኣምላኸ-ሰይጣንሲ ከም ሰብ ክትከውን’’ውን ኣይበቓዕካን” ክንብሎ ዘይምኽኣልና’ዩ።

ብወገነይ ኣባልነትን ስራሓት ስውርቲ ሰልፍን ብሓንቲ ቤት መስተ (ባር) ክምስላ ይቐለኒ። ኣብኡ ንሕጋውን ኪኖኡን ንጥፈት እንዳ መስተ ንምፍላጥ ብቀሊሉ ክንድቲ ኣብኡ ዝዓበየ ወይ ድማ ዝወዓለሉ ዓሚል ተቐላዒ ኣይኹን’ምበር ብዱብዱቡስ ኣብቲ ወግዓዊ ስራሕ መሸጣ መስተ ካልእ ጸሊም ዕዳጋ ከምዘሎ’ሞ ብነብሱ ፍሉጥ ኢዩ። ነገር እንዳ መስተ ፈተና እንድዩ፡ ኣብነት ፈተናነቱ ንምጥ ቃስ ንበል ዋና ባር በዓል ሓዳር እንተኾይኑ ንሱ ካብ ሰበይቱ ተኸዊሉ ምስ ሰራሕተኛኡ ንዝገብሮ ስርቖት፡ ከምኡ ድማ እታ ሰበይ

ቱ ትገብሮ ምጉዳል-እምነት እነተልዩ ክንጠቅስ ንኽእል። ስለኡ፡ ባህሪ’ቲ ስራሕ ከምዝእዝዞ ዋናታት ትካሎም ከካርይዎ ይመርጹ። ነቲ ትካል ከምትረብሓሉ ዝእመናላ’ውን ኣብ ሓዳር ዘይተጸምደት መንእሰይ ሄዋነይቲ ምኳና ከምዝእመነሉ ተግባር ይምስክር።

ቤት መስተ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ዝኾነ ይኹን ወናኒት ትካል’ውን ሰራሕተኛ ከምትደሊ ሓቂ ኢዩ። እሞ ሓንቲ ጉልበታ ክትሸይጥ ዘለ ዋ ሰራሕተኛ ነቲ ዕድል ምስትረኽቦ ስኽፍታ’ኳ እንተለዋ መብዛሕትኡ ከም ዝርአ ንእስነታ ትውፍየሉ ስራሕ ብምርካባ ኣዒንታ ከ ይሓሰየትሉ ብዕድላ ብታሕጓስ ከምትፍንጫሕ ኣየጠራጥርን። ሰናይ ድሌት ምስ ሰናይ ተግባር እንተተጋጢሙ ዘየፈንጭሕ የብሉን` ሞ ከመይነቱ ከየስተብሃለት ጥራይ ስራሕ ረኺባ ክትነጥፍ ዘዝረኣያ ተዓዛቢ ድማ ሽሻዩ ሰሪዕሉ በቢመጠመተኡ ክምዝምነያ ከየቕለ በት ተዘንጊዓ ዝጸንሓት ውጽዕቲ፡ ጸኒሓ ኣብቲ ከምዋዛ ዝኣተወቶ ቦታ ስራሕ ስራሕ ፈተና ከጓንፋ ርዱእ ብምዃኑ፡ ሓደ ተመናይ ክ ትነሳነስ ርእዩ ስለዝብህጋ ዶሶኣ ክጥፍጥፋ ምስ ጀመረ፡ ንሳ ግዳ ‘መይታ ዲያ’? ክብረታ ንከይተድፍር ክትብል ድማ ተቖሊጫ ክትመና ጨት ትርአ።

ንሱኸ? ንሱ’ሞ መቸም  ምናዳ ቁሩብ እንተምዒጉ መልሱ ሓንትን ወሳኒትን ከምትኸውን ብነብሱ ፍለጥ’ዩ። የማነ-ጸጋሙ እናተሰና ደለ ብዝተቖለፈ መልሓስ “ወይለይ፡ ኣብዚ ድኣ ሓዳር ክትገብሪ ዲኺ መጺእኪ” ኢዩ ዝብላ።

ከምኡታት ምስበዝሐ ኣብ ዝሓሸ ዝመሰላ እዋን (ንበል ንኣስራሒታ ቡን ከተስትያ እንከላ) ገለ  ወሕስነት እንተረኸበት ብዛዕባ ዘጓነ ፋ ብግህዶ ብዛዕባ’ቲ ኣንጻር ክብረታ ትሓስቦ ፈተናን ብሂልን ከተዕልላ ትጅምር። እንተኾነስ መልሲ ናይታ ተስርሓ ወይዘሮ’ውን ከ ምዝገዳ ክንርዳኣላ ንኽእል። ንሳ ቃል-ንቃሉን ምስናይ ቑጥዐኡን “ዓማዊለይ ከተብርርለይ ኣይኮንክን” ክትብላ እንከላ፡ እንተ-ተገዲዳ ፡ እንተ-ርዒማ ክትኣዝም ከምዘለዋ’ዩ ዝርዳኣ። ስለኡ እቲ ዝግበር እናተገብረ ክንሱ ከምዘይትገብር ክትመስል ኢያ ትጋደል። ማለት ‘ሸርሚጣ’ ከይትበሃል ምስቲ ጠብጣብ ማዓኮር ምሉቕ ኢላ ትገብሮ ነገራት ክስተረላ ዝከኣለሉ ካብ ምሕሳብሲ ኣይትገድፍን።

ወያ ኣቐዲማ ሽርሙጥና ከም ኣዝዩ ነውሪ ስለዝርዳኣ ግደፍ ንርእሳ ክትስመየሉስ ከምገለ ኣብ ካልኦት ኣሕዋታ ክስንዶ’ውን ኣትሪራ ክትቃወም ዝጸንሐት ሄዋነይቲ እናበለት ምስ ሓደ ክትሰልል ትጅምር። ግናስ ባሪስታ’ምበር ገዝኣ ከፊታ ነብሳ ትሸይጥ (ሽርመጣ) ብዘይምኳና ብከምኡ ዘቃልዓ ከይርከብ ኩሉ ብሕቡእ ክኸውን ስለዘለዎ ካብ መንግስቲ፡ ካብ ተዓዛቢ፡ ካብ ተጠቃሚ እንተኾይን ላ’ሞ ክሳብ ካብታ ተስርሓ ክትሕባእ ትጅምር። ኩሉ ብስዉር ክግበር ዝኣመመት ሰራሕተኛ ነገር ናብራ ወጢጥዋ ካብቲ ሓደ ንዝጎ ደላ ካብቲ ካልእ ዝሓሸ ዝበለቶ ክትምልእ ዓሊማ ካብ ኩሎም ታሓቢኣ ሓድሽ ውዕል ድማ ትገብር። ቀስ-ብቀስ ዓማዊላ ይበዝሑላ ። ስራሕ ምሒር ምስዓመረላ፡ እዋን ንርእሱ ክገላበጣ ይጅምር። መዓስ ትበልዕ-ትሰቲ? መዓስከ ትድቅስ ትትንስእ ይጸናበራ። ክሳብ ከኣ ለይትን ቀትርን ይገላበጣ። ንዓዓ ለይቲ’ዩ ቀትራ። ቀትሪ ድማ ለይታ። ክም ዝብኢ ብዝዳረግ ኣዒንታ ብቀትሩ ምጥማት ስኢነን ከጭለምልማ፡ ብለይቱ ግና ከቑላሕልሓ ኢየን ዝረኣያ። ግናስ ኩሉ ንዕብየታ ብምኳኑ ንኩሉ ድማ ድሕር የለን። ክበዝሕ-ክበዝሕ ግዜ ሂብዋ ክሳብ ነታ ተስርሓ ከይተረፈ ከተቕንኣ ትጅምር።

ነገር ስራሕ ባሪስታ ኮይኑ ወያ ንተራ ድራር እለት ክትሽፍን ክትብል ዝተቖጽረት ግድዕቲ፡ ጠብጠብቲ ዶሶ ስለዝበዝሑ ንኹሎም ተ ተሓቢኣ ከተእንግዶም’ ክትወጾ’ኳ እንተዘይከኣለት ዕዳጋ ምዕማሩ መርኣያ ተደላይነታ ምኳኑ እናተጋህደላ ምስመጸ ድንገት ምስሊ’ታ ከክንዲ ብያቲ ኣዋርቕ ዘንጠልጠለት ቆጻሪታ ተኾሊዑ ይራኣያ። ትሓስብ’ውን። ንሳኸ ብከመይ’ያ ናብቲ ደረጃ’ቲ በጺሓ?” ዝዓይነቱ ሓሳብ። ኮቶን ንሳ’ውን ብከምኡ መስርሕ ሓሊፋ ‘ወይዘሮ’ ከምዘበለት እናተሰወጣ ይኸይድ። ሽዑ “ለካ!” ክትብል ትጅምር ብሃንደበ ት ምስጢር ሃብቲ እምበይተይ ተጋሂድላ። ካብ መስተ ዝርከብ መኽሰብ ብኣስማቱ እናኣቃለለት ካልእ ምንጪ ጸሊም ስራሕ ከምዘ ሎ’ውን ፈጺሙ ኣይረኣያን ብዘይካ ከራይ ነብሲ።

ለካ እምበይተይሲ በዛ ስራሕ እዚኣ’ያ ኩሉ በጺሓቶ!” ክትብል ትደግሞ ንውሳነኣ። እዚ ሓድሽ ሓሳብ ንነውርነት ናይቲ ኣረጊት እምነ ት ስራሕ ነውርነት ክድብስ ምንም ኣይጽግሞን። እንጀራ፡ ስራሕ  እንድዩስ። ዝነዓቕ ስራሕኮ የለን። በቃ ኣኸለ! ኣብ ዝተመደብካዮ፡ ውሃብ ስራሕ ኣብ ዝመደበካ ምስራሕከ የሕትት ዲዩ?

ብቀደሙ’ውን ከምቲ ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ ዝበሃል፡ ክበልዕ ዝበለ እዝኒ ከምዘይብሉ’ውን’ኮ ይውሰኾ ኢዩ። ብምኳኑ ሰራሕተኛ እናሓደረት ነቲ ብዛዕባኣ ዝውረ ክትርዕሞ ኣይእግማን። ነቲ ኣጠባጣብ ዶሶን ‘ሻርመጣ’ ዝብል ጸርፍን ኩሉ ብገንዘብ ክትትምኖ ት ፍትን። ብሓሳባ ገንዘብ ናብ ኣዋርቕ ምቕያሩ ምስጀመረት’ሞ ባቃ! ኣሸበሸብ ሽዑ “ሻርሙጣ” ዝብላ እንተረኺባ፡ አግራ ሰማይ ሰቒ ላ ኣጻብዕታ ናብ ንብርታ እናኣስተኾት “ንዓ ኣብዚ እቶ” ክትብሎ ምንም ኣየሕፍራን! ክሳብ ናብ ሕማም ዘድህብ ፍቐሪ ንዋይ ተዓዛ ዚሩዋ ምስ ኩሉ ዘይሕጋዊ ነገራት ዝከላኸል መንግስታውን ሃይማኖታውን ትካላት ኮነ ውልቀ-ሰባት ብከመይ ከምትሰማማዕ ትበላ ሓት። ቀንዲ ትሕዞኣ ከምዚ ሎሚ ከይተመንወት ኩሎም’ቶም ደለይቲ’ታ ምቅርታ ምኳኖም ትሑዝ ኢዩ። ኮታ ከምታ ቅንፍዝ . .

ካብ ሰራሕተኛስ ወናኒት ምኳን ወሳኒ ምኳኑ ቀዳማይ ትልሚ’ዩ። እሞ መሬት ፋሕቲራ በዓልቲ ቡና-ቤት ትኸውን። ስም ናይዛ ንሳ ትውንና ሓዳስ ባር ምናልባሽ “ባር ብዕድላ” ትብላ ትኸውን። ምናልብሽ’ውን ባር ኣለማሸ ወይ እንድዒ . . . .

ወይዘሮ ወርቃን መልክዓን ኣብለጭልጩ ቅዲት-ቅዲት ምስ ሸተተት ኣመጻጽኣኡ ከይገደሰ ምእንቲ ርእሱ ኩሉ’ዩ ፈታዊኣ። ተመኩ ሮ ምስ-ግሓጠት’ሞድማ ‘ታይ ዝኸውን ንግስነት! ግናንዶ ክትብል-ክትብልሲ ከይተሓራጎጸት ኣይትነብርን። ክሳብ ንመንፈሳውን ኣካ ላውን ክፋላታ ዝፈታተን ሓርጎጽጎጻዊ መጥቃዕቲ ሕማምን መሰሉን ከጓንፋ ይኽእል። ብሰበቡ ዜርካ-ዜርካ ናብ ቤት፡ ኔርካ-ኔርካ’ ውን ናብ መሬት ብምኳኑ ‘ነብሳ ክትፈቅድ’ ስለዘገድሳ ኣባት-ነብሲ ክትሕዝ ተማዒዳ ቀሺ ምስ-መስቀሎምን ቆቡዖምን ትዕድሞም።

መቸም “ተመኩሮ መሊኡ’ዩ” ኢለ እንድየ፡ ብኣባት-ነብሳ ንክትረዓም ትገብሮ ምድላዋት እንታይ ዘደናግር ኣልይዎ። ብሓጺሩ ብኣረ ቅን ሳዕሪ ሽላንን ዝወቀበ ዱቛ ቡንን ካልእ ትሕዞን ዝዳሎ ሰሙናዊ ዕድመ ምብጻሕ ኣባ-ቀሺ ናይ ወርትግ ልምዳ ከምትገብሮ ንጹር ኢዩ። ናይ ትማሊ ተቖጻሪት ሎሚ ግን ‘እምበይተይ’ ኢያ። ድሮ ድማ ሰራሕተኛታት ከምዝቖጸረት ኣየጠራጥርን። ብማዕርኡ ድሕሪ ተደጋጋሚ ነስሓ እንታይ ትጽበ ትኸውን ሓዳስ እምበይተይ?

ወናኒት “ባር ኣለማሸ፡ ወይ ቤት መስተ ሰላም” ኮታ እቲ ኣስማት ክንደይ ክበሃል” ካብትኸውን ኣይወሓደን። ብመንጽሩ ምንሳሕ’ው ን ኣይገደፈትን። ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ኩሉ’ቲ ዕብየት ኣብ ትሕቲ’ቲ ዝተገልጸ መስርሕ’ዩ ተረኺቡ። እናአሓድረ ነብስኻ ምፍቃድ እ ንተተፈተወ’ውን ነገር ናብራ ዝሓለፍካዮ ዘይምርሳዕ ድማ ኣሎ። እሞ ምሒር እንተተቶብአ፡ ነብሲ ኩሉ ነገር’ኳ እንተተፍነጋ ዝተለ ምደ ከይተርፍ ምስላጥ ወይ ምምጻእ ከምዘይግደፍ’ሞ ሰብ ተመኩሮ ዘውግዕዎ በሽ*በሽ ዕላል ኣሎ። እሞ ወዮ ተዓዛቢ እምበይተይ ከ እንታይ ክብል ይስማዕ?”

ተዓዛቢ’ሞ ከምቲ  ኣዕራብ “ኣንታበት ኣልጋሕብ ትዓርስ” ዝብሉዎ፡ “ሻርሙጣስ እንተመሓለት ተማጽእ” ምባል ኣይገድፍን። ስውር ቲ ሰልፍናን ስዉራን ኣባላታን’ውን ኣብዚ ኣብነት ክትረኽቡዎም ትኽእሉ።

ጎደፋ፡

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • WEDI DIMBEZAN January 16, 2016

    ከምቲ ኣዴታትና ዝበልኦ “ጉልቻ ምቅይያር ነቲ ጸብሒ ኣየመቅሮን”።እቲ ጉዳይ ካብቲ ሱሩ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰን ናይ ባዕዲ ባህሊ ዘዅርዖ ቃልሲ ፣እቲ ውሽጡ ውሽጡ ንሕና ካብዘን ጥላም ዝወድያ ዓጋመን, ጥረ ስጋ ዝበልዓ ኣምሓራን ዝሰልጠንና ኢና ዝብል ኣጉል ውሽጣዊ ከንቱ ሓበን ዘበገሶ መምርሒ ሕጂ ብቸረቶ/band aid ኣጣቢቕካ ዕላማ ኣይስራሕን።
    ብካ ኣእማን ጁዋፋ/juice ክትጸሙቕ ከም ምፍታን እዩ።

  • Berhe Tensea January 16, 2016

    A very informative and interesting article indeed. Keep up the good work, and thank you
    very much.

  • k.tewolde January 16, 2016

    Godefa, you are a gifted person, what a beautiful analogical presentation, the most important thing is ,it will reach it’s intended target because it is written in my favorite language- my mother’s tongue! Nice piece of work,thanks.

  • Wedibarka January 17, 2016

    That’s it godofa.you show all the holes of the dirty leadership system of game in the time of our straggle and now to our people especially to the young generation.

POST A COMMENT