Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጥቅምቲ 29 2015 ኣብ መጋባእያ፡ዓለም፡ርክብና፡ንዮርክ!

ንበገስ ብሓባር  ብዘይ ኣፍላላይ፡ ካብ ሩሑቕ ቀረባ  ታሕታይ ላዕላይ፡ ጥምሮ  ሓድነትና፡ ዬብሉን፡ሓንኻላይ፡ ቀዲሕካ ዘይ ነጽፍ ዘይ ውዳእ ቀላይ፡      ብሓባር  ተላዓል  ደላይ ፍቲሒ      ብንቅሓት  ግጠሞ  ናይ፡እከያት ሽርሒ፡       ሓድነትዩ! ሓይሊ፡ዘይንደል፡ከውሒ፡       ሓንቲያ ታ!ሂወት   ወጊድ

ንበገስ ብሓባር  ብዘይ ኣፍላላይ፡

ካብ ሩሑቕ ቀረባ  ታሕታይ ላዕላይ፡

ጥምሮ  ሓድነትና፡ ዬብሉን፡ሓንኻላይ፡
ቀዲሕካ ዘይ ነጽፍ ዘይ ውዳእ ቀላይ፡
     ብሓባር  ተላዓል  ደላይ ፍቲሒ
     ብንቅሓት  ግጠሞ  ናይ፡እከያት ሽርሒ፡
      ሓድነትዩ! ሓይሊ፡ዘይንደል፡ከውሒ፡
      ሓንቲያ ታ!ሂወት   ወጊድ  በላ” ፍርሒ፡
ካብ ህዝቢ” ናብ ህዝቢ፡እዋናዊ  ቴማ፡
ቅድም ቀዳድምና  ሃገር  ነቐድማ ፡
ምክብባር  ሲኒት መሰረት ዕላማ፡
 ፍረ ሰናይ ዘርኢ  ክርከቦ ጻማ፡
      ብኢሂን  ቢሂን  ጡሉል፡ኣላዝቦ
      ሓባራዊ  ረብሓ  ንርስቲ ዓደቦ፡
       ብገዛእ  ዋኒና ንመንከ ንሓቦ፡
        ኪኖ ጸልማት ብርሃን ኣሎ ሰላም፡ዝዕንብቦ፡
         ብናይ ሓባር ድምጺ፡ ብዕጥቃዊ፡ሓቦ፡
          ቃል ኪዳን ዩ! እምነት፡ ጽንዓቱ  መውስቦ፡
ንዓኻዬ! ደላይ ፍቲሒ፡ ወናን ወኒ፡
መን ኣለዎ እዝጊ ሎዎ፡ንረቢ ኣማኒ፡
ዉዳቤኻ ኣጽፍፍ  መሳርዕኻ ቓኒ ፡
ንልዕልና ሕጊ  ብማዕረ ዝዳኒ፡
ሲኒትካ ዉህደትካ፡ በዳሂ  ወሳኒ፡
         ምክብባር  ውህደት  ሰናይ  ኣላዝቦ
          ይአክል፡ድሕሪ ደጊም፡ ራህዋ  ዝጸበቦ፡
         ካብ ህልኽ ምትህልላኽ፡ዉሮዶ ደይቦ፡
         ነፍሳትና፡ንፈትሽ  ግድን  ኣቓልቦ፡ግዜ፡ኣይንሃቦ፡
ብሓባር  ተላዓል፡ብልፍንቲ  ጹምዶ፡
ኪኖ ሎሚ ጽባሕ መንገዲ  ትኸዶ፡
ኢሂን ብሂን  ልቦናዊ  ሙዑዶ፡
ቶንኮል ጸላእትኻ  ቅልዓዮ  ብግህዶ፡
        ዉዑሎ ጥቅምትና  ዉዕሎ ቶም ጀጋኑ
        ድምጺ  ተወጹዑ  መሰል፡ዝሳአኑ፡
         ጸረ ትምሕደራ ኤርትራ  ዘዕኑ፡
         ሓንሳብ ንሓዋሩ  ክብቅዕ  ሓዘኑ
ዕሰል! ዕሰል፡ ክተት ክተት ኣብቲ ዋዕላ፡
ተር ከም ዓተር ፈላይ ዘብላ፡
ዳግማዊት ጀኔቫ  ኒውዮርክ፡ጽንብላ፡
ይቁንዞ ሎ!  ህግደፍ  ዉድቀቱ  ኣኺላ፡
ነበረያ ነበረ  ናይ ታኩኽ ሓተላ፡
      ኑጹር ዩ! ቲ! ዕላማ መስርሕ ፍቲሒ፡
       ጹቡቅ፡ንቐጻሊ፡ ውርሻ  ጸናሒ፡
       ሃገር ንወዲ ሃገር ዬለን መማስሒ፡
        ሽጣራ ዓመጽቲ፡ ተሳዒሩ፡ ሽርሒ፡
ካባና  ናባና  ዋናታቱ ንሕና
ንመን ክንጽበዮ፡ ዋኒና ዉራይና፡
ንመሰል፡ማዕርነት  ዕቤት፡ኤርትራና፡
ንርትዓዊ፡ሕጊ ባይታ ሓርነትና
ፍረ ጻማ ቃልሲ፡ ዓስቢ፡ሱዋኣትና፡
እልፊ ኣእላፍ  ሓሊፎም፡በጃና፡
         ካብ ካባና ናባና  ምስተን፡ውድባትና
         ብዘይ ናተይ፡ናትካ፡ሓንቲ፡ቢጺሒትና፡
        ንመሰል፡ንፍቲሒ፡ ትርግታ ልብና፡ ፡
         እታ በትሪ፡ኣብ ኢድና፡ ተመን፡ኣብ፡እግርና፡
እወ ኩላትና፡ብሓባር፡ ነድምዕ፡ንዓቢ፡
ካብ ሩሑቕ ቀረባ  ካብ ኩሉ፡ኸባቢ፡
ስፍራ ሓንቲ፡ዱኾን፡ ከምቶም፡ዕስለ፡ንህቢ፡
            ኣለናልኻ፡ንበሎ፡ካዕበት፡ተወጸዔ፡
             ወላድ ዘኽታም፡ዝወለደት ከስዔ፡
             ገበናት ህግደፍ  ኣሎ ዘይተሰምዔ፡
              ዎሎዶ፡ንምጽናት፡ንህልቂት ዘቕነዔ፡
              ኤርትራዊ ዜጋ መን ኣሎ፡ዘይነብዔ፡
ስለዚ፡ ድምጺ ጭሮሖና፡ኣብ፡ቅድሚ፡ዓለማት፡
ይስሙዑ ጸማማት” ይርአዩ፡ጋሃማት፡
ስለ ሓቂ፡ኣብ፡ክንዲ፡ጩኩናት፡
ካብ ኩፉእ ዝኸፍእ ብሂወትካ፡መማት፡
      እቲ  ዝቀረበ ንመሰል፡ግሰት፡ደቂ፡ሰባት፡ኣብ፡ኤርትራና፡
ካልእ ኣሎ  ዘይተ ገልጸ፡ጌና፡ በደላት ህዝብና፡
ምንጋሩ፡ዘደንጹ፡ እንብዛ፡ኣመና፡ ጸኒቱ፡ ወገና፡
እቲ፡ቃሎም፡ቃልና፡ ይሰማዕ፡ናይ፡ሓባር፡ድምጽና፡
            ካብቶም ግዳያትና፡ካብ፡ቡሱላት፡ጥረ፡
            ናይ ዓይኒ፡ምስክር፡ ገበን፡ዝተገብረ፡
             ሓደ፡  ድሕሪ፡ ሓደ  እንዳ፡መቓቀለ፡
             ኣብ ጋህሲ፡ህግደፍ ክንደይ፡ዘይ ጣሓለ፡
 ሞቶም፡ዘይተ ፈልጠ ናይ ሕልፈቶም፡ቀብሪ
  ምንባሮም፡ ተነፍጎም፡ ዘይረኸቡ፡ክብሪ፡
 ኣብ ህሮሩማ፡ጻሓይ  ኣሳሒታ ቑሪ፡
ቃላቱ፡ዝሓጽር  ዘይብሉ፡መቑጸሪ፡ ጼራቶ፡ዛ!ምድሪ፡
       ኤርትራ ትዓኑ ፍትሒ፡ተሳኢኑ፡
       ተወልደ ይጠፍእ፡ተተባታቲኑ፡
       ብዬማን ብጸጋም  ዘራያት፡ሲኢኑ፡
       ካሞት፡ንዓዲ፡ሞት፡ይአትዋ፡ጠኒኑ፡
      ዕዱሉ፡ከፊኡ፡ማስ፡ፈትዩ፡ኾይኑ፡
ሃገር ብዘይ ህዝባ፡ ጓጉድ፡ብዘይ፡ጸባ፡
ብዘይ፡ብዕራይ፡ማሕረስ፡ናዓ፡ሃባ፡
ብዘይ፡ተግባር፡ኣብዞሖ፡ዘረባ፡ካብ፡ጉይይ፡ምዓል፡ኣብ፡ቀረባ፡
ኢሂን፡ብሂን፡እንካ፡ሃባ፡ ኤርትራ፡ትድሕን፡ብዉላዳ፡ሰባ፡
ከበሳ፡መታሕት፡ደቃ፡ኣኻኺባ፡ ሓድነት፡ወለባ፡
          ኢድይ ኢድካ፡ንበላ፡ሶባያ፡
           መንገዲ፡ሓርነት፡ንኸዳ፡ንጎያ፡
         ብምልአት፡ክንወስዳ፡ካብቲ፡ዝጨወያ፡
ጥቅምቲ 29/2015 ታሪኻዊት ዉዕሎ፡
ሓፋሽ እንተ ሓቢሩ፡ታይ ኣሎ፡ዘይኽእሎ
ትንፋስ   ንሂወቱ፡ መተርከስ ጎሮሮ፡
ሓጥአቱ ምሕረቱ ኣብ ኢድና፡ዩ ዘሎ፡
           ርክንና ኣብ ኒዮርክ፡
          ህግደፍ ክሓዝን፡ክበኪ
          ዘልአለማዊ  ክብሪ፡
           ንሰማእታት ኤርትራ!
      Dawit k, Tesfamicael
    Seattle    USA,

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Ermias Adonay October 10, 2015

    Great poem and also great pictures but what is really needed is BIG ACTIONS in Eritrea NOT outside Eritrea.

  • wedifre October 11, 2015

    Great and timely poem!!!! HITERRRRR!!!

  • saba October 20, 2015

    Go eritireans change will come

POST A COMMENT