Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጨላይ ንዓ ሃባ

ጨላይ ንዓ ሃባ ጥቅምቲ 27 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ኣነ መጀመርያ ሓረስታይን ህድሞን ዝረኣኹሉ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ እንዳ’ቦይ ብርሃነ ዝበሃል ኢዩ ነይሩ። ዝረኣኹሉ ክብል ከለኹ ዝዝከረኒ ማለት ኣይኰነን። ብድሕሪኡ ግን ምዝካር ጀሚረ ኣብ እንዳ’ቦይ ቀሺ ዓንድክኤል ዝበሃሉ ደረት መንገዲ

ጨላይ ንዓ ሃባ

ጥቅምቲ 27

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ኣነ መጀመርያ ሓረስታይን ህድሞን ዝረኣኹሉ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ እንዳ’ቦይ ብርሃነ ዝበሃል ኢዩ ነይሩ። ዝረኣኹሉ ክብል ከለኹ ዝዝከረኒ ማለት ኣይኰነን። ብድሕሪኡ ግን ምዝካር ጀሚረ ኣብ እንዳ’ቦይ ቀሺ ዓንድክኤል ዝበሃሉ ደረት መንገዲ ተኻሪና ክጻወት ከለኹ ይዝከረኒ።

 

ኣቦይ ብርሃነ ብዕድሚኦም ንዓይ ክንዲ ኣባሓጎታተይ ኢዮም ማለት ልዕሊ ሚእቲ ዘሎ ዓመታት ኢየ ዝብል ዘለኹ። ንሶም ኣብ ገዝኦም የሐንቅቑኒ ስለ ዝነበሩ፡ ጭርኦምን ዘንጎምን ሒዞም ክዳውንቲ ሃገረ-ሰብ (ሓበሻ) ተኸዲኖም በቲ ኣፍ ደገና እንዳ’ቦይ ቀሺ ዓንድኪኤል ክሓልፉ ከለዉ በቲ ዘንጎም ወስ ይብሉኒ’ሞ እንዳሰሓቕኩ ክሃድም ይዝከረኒ። እዚ ዝብለኩም ዘለኹ ኣርባዕተ ኣስመራ ንህድሞ ይቕመጥሉ ነቲ መረብዓት ክኣ የካርዎ ኣብ ዝነበርሉ ገዜ ኢዩ።

 

ብድሕሪኡኸ ኣበይ ኬድካ? ከይትብሉኒ፡ ናይ ኣቦይ ዓቕሚ ሽቕለት ገዛ ዘግዝእ ስለዘይነበረ ከምዘን ኣዕዋፍ ንሕና ኣብዘይነጠብናዮ ክራይ ገዛ ኣይነበረን። ምስ እዚ ኹሉ ግን ብዙሓት ደቂ ገዛውትን ደቂ ቤት ትምህርትን ስለ ዝነበሩኒ ናይ ብሓቂ ሃብታም በመንፈስ ስለዝነበርኩ ከም ኣብ ኣስመራ ዝነበርኩሉ ተሓጒሰ ኣይፈልጥን።

 

ዝገበርካ ጌርካ መሸጎጢኻ ምግዛእ ኣይምተሳእነን: ግን ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣስመራ ከም ስደት ይቝጸር ስለዝነበረ ኣብ ዓዱ ዘይሰርሐ ከም ሰብ ይቝጸር ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት’ዚ መብዛሕትኡ ሰብ ብዘይካ እቶም ኣዚዩ ርኻብ ዘለዎም ኣብ ዓዱ ክሰርሕ ኢዩ ህርድግ ዝብል ነይሩ። እቲ ካልእ ክአ ካብ ርሑቝ ዝመጸ ከም ካብ ኢትዮጲያ ብፍላይ ክኣ ካብ ትግራይ ንመዋእላት ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝሰፈሩ ከምኡ ድማ ንዓዶም ዘይተመልሱ ጠላይን ብተወሳኺ ዓበይቲ ነጎስየታት ዝውንኑ ኣዕራብ ኢዮም ብዝተፈላለየ ጻዕርን ናይ ንግድን ፋብሪካታትን ትካላትን ሰብ ንብረት ክዀኑ ዝኸኣሉ። በዚ ኰይኑ በዚ ታሪኽ ናይ ከተማታት ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእሰቲ ኰይኑ ናብቲ ዘምጽኣኒ ክምለስ፡ ኣነ ንሓረስታይን ነ’ስመራን ኣብ ዝኸድኩ እንተኸድኩ ዘይርሳዕ ናፍቖት ኢዩ ዘለኒ። በዚ ክኣ’ዩ ሃብቲ ዘይኰነስ ዝዓበኻሉ ዓድን ብቝልዕነትካ ዝተጻወትካሉ ሓመድን ተናፋቕን ዘይርስዓካን ዝኸውን። ምእንቲ’ዚ ክኣ’የ ነዛ ናይ ሎሚ ሕጽር ዘበለት ዓንቀጸይ ጨላይ ንዓ ሃባ ኢለ ሰምየያ ዘለኹ። ንኺድ እምበር፦

 

ሃገርና ኤርትራ ባዕልና ከከም ዓቕምና ከከም ስራሕ ምፍታውና ከነካርየላን ክንካረየላን ብሰላም ክንነብረላን ክትጽውዓና ኸላ ኣቤት ኣደ ምባል ክጠፍኣና የብሉን። ምኽንያቱ ንሕና ንመመህራንና ኣቤት ንስድራና ክኣ እሺ’ቦ እሺ’ደ ዝለመድና ህዝቢ ኢና ኔርና። እዚ ርኹስ ኢሳያስ ናይ እምቢ መጻሕፍቲ ጥራይ ዝደርስ ግን እምቢ ከም ንበሃሃል ገይሩ፡ ፍረ እምቢ ክኣ ነንፋንጣና ፋሕ ብትን ከም እንብል ገይሩና።

 

ናይ ኢሳያስ መጽሓፍ ንጽቡቕ ነገር ብእምቢ ንኽፍኣት ክኣ ብእሺ ጎይታይ ዝብሉ ፊደላት ዝመልአት ኢያ። ንሕና ነዚ ኩሉ-ምሉ ደምሲስና ንጽቡቕ ብሕራይ ንእከይ ግብሪ ድማ ብ’ምብለይ ክንትክኦ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎ ናይ ኣባት ነገር መልእኽትና ተገንዚብና ነዚ ንሃገርና ባህላን ኩለንተንኣን ዝሰረዘ ስርዓት ክንስርዞ አዩ ዕላማና።

 

ናብ ንዓ ሃባ ጨላይ ንኽንመጽእ ግን፡ ኣቦታትና ክሓረሱ ከለዉ መጀመርያ ትልሚ (road map) ይትልሙ ማለት ነቲ ግራት ከምዚ መጽሓፍቲ ገጽ ብገጽ ዝከፋፈል ንሳቶም ክኣ ነቲ ግራት ይኸፋፍልዎ። ትኽ ኢሎም ንቕድሚኦም ክሓርሱ ኣይውዕሉን ኢዮም። ዓቐን ምስ ገበሩሉ፡ በበታ እተተለመት (ዝተኸፋፈለት) ምሕራስ ይጅምሩ። ትኽ ኢሎም ንቕድሚኦም እንተድኣ ሆ ኢሎም፡ እቲ ኣብዑር ዘይሰግርዎ ደረት ኣሎ። ኣቡዑሮም ይህሰዩ፡ ናውቶም ክኣ ይሰባበር ጥራይ ዘይኮነስ በቲ ደረት ሓሊፍካ ዘሎ ብዓል ግራት’ውን ይኽሰሱ ስለዝዀኑ ኩሉ ትርፊ ኣልቦ ኢዩ።

 

ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ሓደ ጫፍ ክበጽሑ ከለዉ ክምለሱ ኸለዉ፡ ኣነ ጨላይ መሪጸ ከም ወዝቢ እምበር ከከምቲ ስሞም ነቶም ኣብዑር ንዓ ሃባ ይብሉዎም፡ ወይ ክኣ ብድብድቡ ንዓ ሃባ ይብሉ። እቶም ኣብዑር በዘልማድ ተማሂሮሞ ይርድኦም ስለዝዀነ ይምለሱ (U turn)። ዋላ ንቕድሚት እንዳኸዱ ከለዉ ኣብ መንጎ ሱር ገረብ ወይ ዝዀነ ከውሒ እንተዓጊቱዎም እቲ ሓረስታይ ሱር ይብሎም እሞ ሰሚዖሞ ንድሕሪት ጋእ (ማርሻ ’ንዴትሮ) ይገብሩ።

 

ብድሕሪኡ ካብቲ ሱር ምስ ተገላገሉ እቲ ሓረስታይ እቶ ይብሎም’ሞ ንቕዲሚት ይቕጽሉ። ንዓ ሃባ ማለት ነ’ብዑር ተመለሱ (U turn) ግበሩ፡ እቲ ቀጺሉ ዘሎ ግራትና ኣይኰነን ማለት ኢዩ። ከምዚኣ ጌሮም ክኣ ሓረስቶትን ኣብዑርን ተሰማሚዖም ነታ ግራት ሓሪሶም ወዲኦም፡ ሓረስቶት ናብ ሳንጥኦም እኽሊ ክለኽፉ ኣብዑር ክኣ ናብ ሳዕሮም ክቛርፉ ናብ መምኣዶም ይኸዱ።

 

እዞም ንቕድሚኦም ንገደል ጥራይ ሆ ዝብሉ ኣብ ትሕቲ መላኺ ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ሽፍትነት ዝመረጹ እንስሳ ዝርድኦ ዝኸብዶም ንዓ ሃባ ጨላይ ዘይፈልጡ፡ ህዝብናን ጥሪትናን ናውትናን ክበርስ ከሎ ዘይዓጅቦም፡ ዝተረፈ ድማ ንጓና ዘውርሱ ዘለዉ ኢዮም እምብኣር ኤርትራውያን ተባሂሎም ሽምናን ባንደራናን መጻወቲ ጌሮሞ ዘለዉ።

 

ካብዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣጋንንቲ ክንገላገል እንተድኣ ኰንና ካብቲ ናቶም ዝተፈልየ ጠባይን ግብርን ባህልን ብዓቢኡ ክኣ ደሞክራሲያዊ ኣነባባርን ኣረዳድኣን ከነማዕብል ኣለና። ንሱ ክኣ ስቕ ኢልካ ብስላዕ ተዀብኲብካ ንቕድሜኻ ኣብ ንብረትካን ዘይንብረትካን ጸደፍደፍ ዘይኰነስ፡ ንዓ ሃባ ጨላይ ፈሊጥካን ንብረትካ ኣለሊኻን ሓሊኻን ኣብ ዘይንብረትካ ድማ ቀባሕ-ባሕ ከይበልካን ንሰላማዊ ሂወት ምስ እትዕጠቕ ኢዩ።

 

ኣብዚ ግዜ’ዚ ጨላይ ንዓ ሃባ ዘይፈልጡ ከም ብዓል ዶ/ኣብይን ስዓብቶምን ኣብ ደይግራቶም ምስጋር ጀማሚሮም ስለዘለዉ ኣብዑሮምን ናውቶምን ንገዛእ ርእሶምን ኣብዘይ እቶ ክኣትዉ ምዃኖም ዘንጊዖሞ ዘለዉ ናይ ዘበኑ መደናገርትን ምጥፍኦም ዘይተርፎም ወረርትን ብሓድሽ ጥበብ ይፈታትኑና ኣለዉ።

 

በቲ ካልእ ሸነኽ ክኣ ገጽካ ኣብ መስትያት ምርኣይ ጽቡቕ ስለዝዀነ፡ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ዋላ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንሃሉ’ምበር እዚ ጨላይ ንዓ ሃባ ኣይምልከተናን ማለት ኣኰነን። ሰውራና ካብ ዝጅመር ኣትሒዝና ሓደ ብተግባር ከነዐርዮ ወይ ክንርድኦ ዘይክኣልና መሰረታዊ መተዓየይ ናይ ቃልስን ዓወትን ኣሎ። ንሱ ድማ ጌጋኻ ምእማንን ብሓድሽ መንፈስ ምስ ናይ ቃልሲ ጒዕዞ ምትዕራቕን ዘይምኽኣልና ኢዩ። እዚ ኩሉ ዕንወት ክመጽእ ዝኸኣለ ብጒድለት ኣመራርሓና ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ድቅን ኢሉ እንዳሃለወ ከሎ፡ ጨላይ ንዓ ሃባ ክርድኣና ኣይክኣለን።

 

ዳርጋ ኩሎም መራሕቲ ዝነበሩ ኣብቲ ዝነበረ ክሕተቱ ከለዉ ከምኡኳ ደይኰነስ፡ እንታይ ድዩ መስለካ፡ ኣይነበርኩን ኣብ ካልእ ቦታ ኢየ ነይረ ወዘተ.. እንዳበሉ ሸታሕ-ታሕ ዝመረጹ፡ ድሕሪ ሸታሕ ምውዳቕ ምዃኑ ዘይተረድኦም ካብ ምእራም ክሃድሙን ክከላኸሉን ወታእ-ወታእ ክብሉን ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ ብጣዕሚ ትሓዝን። ካበይ ድኣዩ’ሞ እዚ ኹሉ ሕሰምን-መከራን ተወሊዱ እንተበልካዮም’ሲ እንታይ ክብሉ ኢዮም? ንኣዳም ገረሞ እዩ።

 

ስለዚ ንሕና ተቓወምቲ’ውን ኣብ ነንሓድሕድና ጨላይ ንዓ ሃባስ ንህግደፋውያን ጥራይ ከም ዘይኰነት ብግቡእ ክንፈልጥ ይግብኣና። ምኽንያቱ ከምቲ ሓረስታይን ኣብዑሩን ግራቶም ወዲኦም ናብ ሳንጥኦምን ናብ ሳዕሮምን ዝኸዱ፡ ንሕና ኽኣ ናብ ሃገርናን መሶብናን ክንከይድ ምእንቲ ክንክእል ምልባምን ጣዕሳን ተጋጊና ምባልን ክንለማመድ የድሊ።

 

ንመስዋእቲ መርሓባ ኢልና ተቐቢልናዮ። መስዋእቲ ወይ ሞት ጥዑምን ዘየፍርህን ኣይኰነን፡ እንተዀነ ግን ግቡእካን ህዝባዊ ሓላፍትካን ከይገበርካ ስኽፍክፍ እንዳበለካ ካብ’ዛ ዓለም ምሕላፍ ካብኡ ንላዕሊ ዘፍርህን ዘይጥዑምን ዘሕዝንን ብምዃኑ ኢዩ ተጋዳላይን ህዝብን ምእንቲ ብድሕሪኡ ዝነብሩ ዝውፈ።

 

ምናልባት ኩሉኹም ሰሚዕኩሞን ርኢኹሞን ትዀኑ ኣብ ናይ ለሪ ኪንግ (Larry king) ፐሮግራም ናይ ኣርቲ (RT) ቲቪ ኒል ድገረይስ ታይሰን (Neil Degrasse Tyson) ዝበሃል ቀሪቡስ ካብ ሞት ትፈርህ ዲኻ ኢሉ ምስ ተሓተ፡ ኣይፈርህን ኢየ፡ ዘፍርሃኒ እቲ ዝሓሰብኩዎ ወይ ክገብሮ ዝመደብኩ ከይገበርኩዎ ከይመውት ኢዩ ኢሉ መሊሱ (ናይ ቃላት ኣቀማምጣ ናተይ)።

 

ስለ’ዚ እቲ ክንገብሮ መዲብናዮ ዘለና ከይገበርና ካብ ሞት ናብ ሞት ምእንቲ ከይንሰጋገር ሃለዋትና ነስተብህለሉ። ሞት እሞ ኣይተርፍን እንድዩ፡ ግን ከከምዓቕምና እንሆለ እዚኤን ኢየን ዓቕመይ ምባልን ጨላይ ንዓ ሃባ ክኣ ምፍላጥን ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓደ ካብቲ መሰረታት ናይ ምትእምማን ኢዩ።

 

ንኽትእረም ትፈርህ ወይ ድሕር-ሕር ትብል እንድሕሪ ኰንካ ንኽትቃለስ እንታይ ንኸተምጽእ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ኣይትምልሶን ኢኻ። ስለ’ዚ ሕጂ’ውን ብፍላይ ኣብ ምምራሕ ደረጃ ዝነበሩ ኣካላትና ማይ ኣይሓለፎን ንዝሓለፈ ተመኲሮና ብትብዓት ክመዝንዎ ክበቕዑ እንተድኣ ክኢሎም ኣብ ሕድሕድ ምትእምማን ስለ ዘሰጋግረና ጨላይ ንዓ ሃባ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ትርጒም ክህልዎ ኢዩ።

 

ኣብዚ ዘለናዮ መሪር መድረኽ ናይ ቃልሲ ዝተቐረበ ምኣዲ ጥራይ ዘናድዩ ከጋጥሙ ይኽእሉ ኢዮም። ዋላ ሕጂ’ውን ነዚ መምሽጣራት ወይ ሸፈጣት ናይ ብዓል ዶ/ኣብይን ተሓባበርቶምን ሰላም እሞ ምዓስ ይጽላእ ኰይኑ፡ ኣነ ይድግፎ ኢየ ዝብሉ ነባራት ነይ ቃልሲ ሽማግለታት ኣይተሳእኑን። ኣውራ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ብትምህርቶም ወይ’ውን ብተመኲሮኦም እወ ሓቅኻ ዝብሎምን ዝደናገርን ከምኡ ድማ ዝረብረበን ሕልንኡ ዘውደቐን ክስእኑ ስለዘይክእሉ ኣዚዮም ሓደገኛታት ኢዮም።

 

ነቲ በለጽ ዝብሃል ኣብ ፖለቲካ (Opportunism) ክኣ፡ ማለት ተሓጽብካ ኣብ ጭቃ ዝገብር ምቹእ ግዜ እዚ ዘለናዮ ናይ ድንግርግር መድረኽ ክኸውን ስለዝኽእል ከሎ ገና ኣብ ተጠንቀቕ ክንርከብን ንጨላይ ንዓ ሃባ ዝቕበሉን ንምውሓጡ እምቢ ዝብሉምን ፈላሊና ከነለሊ ከድልየና ኢዩ።

 

ከም ዝመልለኒ ሰብ ኣብ ዓዱ እኽሊ ኽኣ ኣብ ዓውዱ ዝበሃል ምስላ ክሳብ ሕጂ ትርጒም ዘለዎን ንዓና ክኣ ዝምልከተናን ስለ ዝዀነ ክንጥቀመሉ ኢና ንቃለስ ዘለና። ናብ ዓድና ክንምለስን ካብ ዓውድና ክንሓፍስን ምእንቲ፡ ኣተሃላልዋና ክንቅይር ኣለና። ዋላ’ኳ ኣብ ምቍዋም ንርከብ እንተዀንና ካብ ናይ ማዕዶ-ማዕዶ ቃልስን ካብ ነብሰ ምክልኻልን ገና ኣይተገላገልናን። ንኽውንነትና ብመንጽር ዕላማ ውጹዕ ህዝቢ ክንመዝኖ ስለዝግባእ ምምርማር ዘድልዮ ኰይኑ እስምዓኒ። ”ገዛይን ገዛኽን ማዕዶ-ማዕዶ፡ እንተጸዋዕኩኽስ ትመጺዶ” ዝብል ደርፊ ቀዳሞት ዋላ’ኳ እንተተጸዋዋዕና ኣብ ምትርጓሙ ነብሰ-ቅትለት ነፍጽም ኣለና።

 

ካብ ዝርያን ሕርያን ኣሳልጦ ዘይሃበና ንዋጋ-ዕዳጋ ዘይጥምት ዝኣረገን ዘኽሰረናን ዝምድናታት ገና ክንገላገል ስለዘይክኣልና፡ እኹል መጽናዕቲ ዘሰነዮ ኣገባብ ቀልሲ ከነማዕብል መታን ከካብ ዝነበርናዮ ኣሉታዊ ተመኲሮ ጋእ ክንብል ክንምለስ ወይ ጨላይ ንዓ ሃባ ኣብ ግምት እንተነእቱ ክንደይ ምሰለጠ።

 

ናይ ቃለሲ ራኢ ክህልወና እንተድኣ ኰይኑ ካብ ንጹህ ዝዀነ ኣእምሮን መጸናዕታዊ ባይታን ክንብገስ የድልየና ምዃኑን ድኣ ንፍለጥ እምበር ስርዓት ኢሳያስ’ሲ ይንዋሕ ይሕጸር ብኽፉእ ኣካይዳ ክዕዘር ’ምበር ነባሪ ኣይኰነን።  ኣይኰነንዶ ክፉእሲ ጽቡቕ’ኳ ኣይነበረን። እምበር ኢሳያስ ኣራዊት ደኣ፦

 

ኣይትርእይዎን ዲኹም በጠጠዉ መይቱ

ዋልታ ሒዙ ኣብ ትሕቲ ሕምብርቱ

ነቶም መሳፍንቲ ስድራይ ዝብሎም

ናይ ፈኸራ ባህሊ ጸይቑሉም

 

ንሕና’ሞ ኣይንፈቱን ዘይናትካ ምጅናን

ሓጺብካ ዘይጸሪ ናይ ወረርቲ ክዳን

ምጥልላም ’ምበር ሰላም ኣይጸላእናን

 

መን ክኽደነልካ ቀደም ዝተረፈ

ዝሰኸረ ፈትሊ ጸላም ዝተጠልፈ

ዝነቐጸ ላኻ ጌርካ የለን ስፈ

 

እሾዂ ምኣድኻ መጋብርካ ቄናን

ዝጠፍኣና ’ይኰነን ሕማምን ጥዕናን

ዘይተቐርፈ በለስ ምብላዕ ኣይለመድናን

 

ኣንጻር ጦር-ሰራዊት ንህዝቢ’ዋጊእካ

ነቶም ፈተውትኻ ጸላእትኻ ጌርካ

ተኣመንቲ ኰይኖም ዋርድያታት ናትካ

 

ምዓት ዝወረዳ ኢይዮጲያ ትበሃል

ንዓኻ ክትቅበል ዓይና ክትኰሓል

ኣብ ጸማልያ ኸላስ ናብዛ ዓባይ ስዓል።

 

ስለዚ ክቡራት ኤርትራውያን ኣይበልኩንዶ ከንብል ከይንነብር ጒድለትና ንኣርም እምበር ብዓል ኢሳያስሲ ሰብ ክልክሙ ስለዝተፈጥሩ ንሳቶም ንዕርበቶም ንሕና ክኣ ዋላ ይምረር ክንዕወት ምዃና ዘይተርፍ ኢዩ። ኢሳያስን መታለሊ ዶ/ኣብይን ውጹዓት ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝነብሩ ኰይኑ ይስምዖም ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን መደበር ከም ዘለዎም ገና ዘየንበብዎ መጽሓፍ ከም ዘሎ ኣይፈለጡን።

 

ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ሒጂ ኣይበልኩንዶ ዝበልናዮ ይኣኽለና፡ ዝበልናዮ ንምዝኽኻር ዝኣክል ግን፡ ሕጂ ነዊሕ ኰይኑ ልዕሊ ሳላሳ (30) ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ሓድነት ውድባት ሰውራ ኤርትራ ፈጺሙ ምስ በርዓነ፡ ቃልሲ እምብዛ ምስ መረረ ደርጊ ሓዲኦም እንቋዕ ጠፍአ’ምበር ነቲ ተሪፉ ዘሎስ ከቃብጾ ኢየ ኢሉ ንሰውራ ኤርትራ ከምዘይነበረ ክድምስሶ ብሰማይን መሬትን ኣብ ዝተሃንደደሉ እዋን፡ ምብትታን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሃሲ ንምሕባር ዝኣክል ንወዲ ገብሩ ዓርከይ ዝሃብኩዎ ኣይበልኩንዶ ትብል ድርሰት ጌረ ንሎሚ ክፋነወኩም ኢየ። ሕጂ ክኣ ካብ ምብትታን የድሕነና። እታ ኣዝማች ኣይበልኩንዶ፡ ኣይበልኩንዶየ፡ ትብል ናቱ ኢያ፡ ኣነ ክኣ ንዕኣ ኣርእስቲ ጌረ ገዛ ሰሪሐላ።

 

ኣይበልኩንዶ

 

ዕግርግር’ዩ ትርፉ ብዘይ ዋና ውራይ

ድራር ኣዛብእ’ዩ ጓሳ ዘይብሉ ብዕራይ

ጣዕስኡ ’ይወጽእን’ዩ ሓቂ ዘይብሉ ሕራይ

ኣይበልኩንዶ………………………………

 

ዘይትሰምዕ እዝኒ ናይ ውጹዓት ዓሮ

መበላሸው ትሕዞ ዘይተደፍነ ዕትሮ

ታኒካ ዘይዓቍር መተርከስ ጎሮሮ

ኣይበልኩንዶ………………………………

 

እንታይ ክዓብሰልኩም ግንጽል ናይ ጨራሩ

ሓቂ እንተ ደለኹም ጠበንጃ ቀይሩ

ኣኽላባት ገዲፍኩም በጊዕ ኣይትእሰሩ

ኣይበልኩንዶ…………………………

 

መሰቕሰቕ ጠፊኡኒ ቅጫ መገምጠሊ

ሃልሃልታ በዚሑኒ ሓሪሩኒ እኽሊ

እቶን ዘይተጸብቕ ኣብ ህንኲቶ ትበሊ

ኣይበልኩንዶ………………………….

 

ስንቂ ተማልኡ ነዊ’ዩ መንገዱ

ጽላል ኣይትግደፉ ጽሓይ ከይትነዱ

ምኽሪ ዘይሰምዕ ኣይበጽሕን ዓዱ

ኣይበልኩንዶ……………………………..

 

እምብኣር ክንደይ መሪር ኣሕሊፍና ኢና’ሞ ስኣን ልቦናናን ብሰንኪ ድኽመትናን መሪር ቃልሲ ከይስበለና ኩሉ ክቕየር ከሎ ነታ ዘይትቕየር ሕቶ ማለት ተሓባቢርካ ምቅላስ ሕራይ ንበላ።

 

ስለ’ዚ፦  ጨላይ ንዓ ሃባ

ኣብዚ’ሎ ዘረባ

ዝስተ ከም ጸባ

ምኽንያት ገዲፍና

ግቡእና ፈጺምና

ናብታ ገበላና!!!!

ሰላምኩም ንምነ እንዳበልኩ ኣብ ርክብና።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Gezae October 28, 2018

    Politics, is local and should be a local decision
    And we need to favour the society into consideration.
    We must never let one ruler lead us by samples
    Capitalism or a Socialism, two equally bad examples
    We need an alternative away with the left or the right
    Ideological argue radical change – reform fight
    This schism will leading us into a new war
    The Super powers twenties century brutally oppresor
    Consider others not nature-spirited brilliant .
    To choose a future conscious thought

POST A COMMENT