Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ

ጠንቂ ናይ’ዚ ሎሚ ኣብ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፡ ኣፍሪቃን ኣስያን ተኸሲቱ ዘሎ ህልቂት፡ ምምዝባል ሰላማውያን ሰባት፡ ቁጠባዊ  ዕንወትን ሕጊ ኣልቦን፡ ጣልቃ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ምዕራባውያን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ ስርዓታት ብሓይሊ ምቅያርን ከፋፊልካ ምግዛእን፡ ምግባት

ጠንቂ ናይ’ዚ ሎሚ ኣብ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፡ ኣፍሪቃን ኣስያን ተኸሲቱ ዘሎ ህልቂት፡ ምምዝባል ሰላማውያን ሰባት፡ ቁጠባዊ  ዕንወትን ሕጊ ኣልቦን፡ ጣልቃ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ምዕራባውያን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ ስርዓታት ብሓይሊ ምቅያርን ከፋፊልካ ምግዛእን፡ ምግባት ስልጣንን ብልሹውናን፡ ውልቀ መለኽቲ ዝፈጥርዎ ጸገማት፡ ናዕቢ ሰብኣዊ ርህራሀ ዘይብሎም ኣዕነውትን ጡሩፋትን፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ድኽነትን፡ ሰላም ጎረባብትኻ ምዝራግን ተቃወምቲ ምዕቋብን ገለ ካብቲ ክጥቀስ ዝኽእል ምኽንያታት’ዩ ። ንኣብነት እዚ ኣብ ኤርትራ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ ሊብያ፡ የመን፡ ሶማልያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ደቡብ ሱዳንን ናይጀርያን ዘሎ ቅልውላው ድምር ናይዚ ዝተጠቅሰ ጸገማት’ዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ፡ ቀንዲ ጸላኢ ህዝብና ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ከምዚ ኣብ ሶማል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ልብያ፡ ሶርያን የመንን ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽውዑን በበይኑ ኣጀንዳ ዘለዎምን ጉጅለታትን ተቃወምትን ፡ ዝተወደበን ንስርዓት ህግደፍ ዘናውጽ ሓይሊን ኩነታትን የለን። ይኹን እምበር ብሰሪ ሰንካም ሜላታት ህግደፍን ድኽመታት ህዝብናን፡ ጉዳያት ካብ ቁጽጽር ዋናታቱ ወጻኢ ክኸውንን ሃገርና መተግበሪ ኣዕናዊ ኣጀንዳ ናይ ጓኖት ክትክውን፡ ክብርና ክቅንጠጥ፡ ሃብትና ክጉሕጓሕ፡ መንነትና ክጠፍእን ህዝብና ንሃገሩ ብማዕዶ ከይጥምታን ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ። ህግደፍ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይምህላውን ብቅዋም ዘይምምሕዳርን ድማ ክቅጽሎ’ዩ። እንተኾነ ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሕይለሉን ህግደፍ ኣብ ዝኣርገሉን ገለ ሓቅታት ክግሃዱ ከምዝኽእሉ ምግማት ይከኣል።

ቀዳማይ፡ ስርዓት ህግደፍ ንቡር ኣገባብ ዘይክተልን መወቀፍ ዘይብሉን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኣጥፊእካ ጥፋእን ቀቢጸ ተስፋን ፖሊሲ ስለዝኽተል፡ መጻኢ ዕድል ሃገርና እንታይ ከምዝኸውን ውዳበን ስኒትን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝውስኖ። በዚ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ንምዝራብ፡ ኤርትራ በዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ሒዛቶ ዘላ ጎደና እንተቀጺላ፡ ፖለቲካ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ ቅርጺ መንግስቲ ክጠፍእን ስርዓተ ኣልቦ ክነግስን’ዩ። ዝበዝሕ ህዝብና ድማ ዝፈትዋ ሃገሩን ንብረቱን ንድሕሪኡ ገዲፉ ንስደትን ስቃይን ክቃላዕ’ዩ።

ካልኣይ፡ ሃጸይ ኢሳያስ፡ ብማዕበል ህዝቢ ክጓሓፍ ምስቀረበን ትካላት ጸጥታኡን እሙናቱን መኣዝኖም ምስኣጥፍኡን፡ ናይ ግዳም ዕሱባትን ሓይልታትን ብምዕዳምን ብምቁጻርን ንትሓልቅ ትንፋሱ መናውሒ ክደልየላ’ዩ። ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ድማ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወይ ደሴታት ዳህላክ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ብምእታው፡ ንህዝብና ክረግጾ ክፍትን’ዩ። እዚ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዘሎ መሐከልን መእለሚ ተንኮልን መንግስታዎ ህንጻ ድማ ህላወኡ ክብቅዕ’ዩ። ኣብ ዓዲ ሓሎ ንመህደሚ ኢሳያስ፡ ምስጢራዊ መዕለቢ ነፋሪት ወይ ትሕቲ መሬት ይስራሕ ከይህሉ ግን ቆላሕታ የድልዮ።

ሳልሳይ፡ ክምቲ ኩሎም ብህዝቢ ዝተፈንፈኑ ስርዓታት ኣብ ኣጋ ውድቀቶም ዝጥቀሙሉ ህዝቢ ንሓድሕዱ ምንቋት፡ ሃጸይ ኢሳያስ’ውን ነቲ ኣቀዲሙ’ውን ብተዘዋዋሪ ኤርትራዊ ኣንጻሩ ሓቢሩ ከይምክትን ንመሰሉ ከይቃለስን ዝጥቀመሉ ዘሎ ስዉር ፈላላዪ ሜላ፡ ህዝብና ንሓድሕዱ ንምፍላስ ሕሱርን ኣዝዩ ሓደገኛን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ኣይብልን’ዩ። “ጸጥታ ዓድኹምን ከባቢኹምን ክትሕልዉ’’ ብዝብል እከይ ጉልባብ፡ ንበርጌሳት ብረት ብምዕጣቅ ንዝፍጠር ህዝባዊ ተቃውሞ፡  ህዝቢ ሓድሕድ ብምቅትታል ስልጣኑ ከናውሕ ክፍትን’ዩ።

ራብዓል፡ ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ኣብ ከባቢናን ዓለምን ሓርፋፍ ዝምድና ስለዘለዎን፡ ካብ ብመራኸቢ ብዙሓን ንኻልኦት ምውንጃልን ምፍርራሕን ሓሊፉ፡ መሕጸሪ ስልጣኑ ዕዉር ወተሃደራዊ ዕንደራ ክፍጽም ይኽእል’ዩ። እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓመታት ኣይሰላም ኣይኩናት ዘሎ ምፍጣጥ ድማ፡ ክልቲኦም መንግስታት ዘለዎም ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ልቦና ስለዘይብሎም ዳግማይ ኩናት ከይውላዕ ወትሩ ስግኣት ኣሎ። ብፍላይ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎ ውሽጣዊ ቅልውላውን ተቃውሞን ንምህዳእን ኣቃልቦ ህዝብና ንምጥምዛዝን፡ ኣብ ባይታ ዘየሎ ኩነት ኣብ ምፍጣር ክእለት ኣለዎ። ውጽኢቱ ድማ ዳግማይ ጥፍኣት ህይወት፡ ምምዝባል፡ ቁጠባዊ ዕንወትን ምስትላም ተወሳኺ መሬት ኤርትራን ክኽወን’ዩ።

ስለዚ ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ ከምዝብሃል፡ ኤርትራ ኣብ ተኣፋፊ ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ስለዘላ፡ ከባቢናን ዞባናን ብሓድሕድ ኩናት ይሕመስ ብምህላዉ፡ ህግደፍ ካብ ኣፍንጭኡ ኣርሒቁ ዘይሓስብን ብህዝቢ ስለይግደስን፡ ንሕናን ንስኹምን ዝብል ኣተሓሳስባን ካልኣዊ ፍልልያትና ወንዚፍናን፡ ግዜና፡ ገንዘብናን ክእለትናን ንድሕነት ሃገርናን ህዝብናን ይኹን። ስጉምትና ድማ፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ፡ እቲ ጸላምን እዋን ኣካሒዳን ኣብ ቤትና ከይሰረተ እንከሎ ክኸውን ኣለዎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (22, መስከረም 2015)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • towedeberhan weldedawit September 21, 2015

    That is history. The question is WHAT IS TO BE DONE NOW?

  • Suleiman Salim September 21, 2015

    ኣነስ ኣውራጃዊ ጽልኢ እንተ ገደፍናዮ ምስሓሸ ኔሩ ይብል። ምኽንያቱ ንኩልና ዘዋጽእ ስለ ዘይኮነ።

  • misraq adhanom September 22, 2015

    ስቡክ ዘረባ ኢዩ ጽላል

  • true lies September 22, 2015

    Nobody gives me any possibility of light at the end of the tunnel ,yet I read people with slogans ,we shall triumph. I however agree with Tsilal’s brutal truth of it is the 11th hour , we are not owners of our destiny..well ,the flood is on the way ,sad yet realistic truth.Thank you Tsilal..I know ,you wish you were wrong too.

  • aus 17 September 23, 2015

    would you please add it,s a tigre saying

  • aus 17 September 23, 2015

    don,t jst translate it belongs some where

Post a Reply to aus 17 Cancel Reply