Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣመሪካን ካናዳን ካብ ናይ ጵጵስና ሓላፍነት ስራሕ ተገሊፎም። ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዑደት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሰነ 26, 2015 ኣብ

ጳጳስ ኣመሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣመሪካን ካናዳን ካብ ናይ ጵጵስና ሓላፍነት ስራሕ ተገሊፎም።

ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዑደት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሰነ 26, 2015 ኣብ ከተማ ፊላደልፍያ ዝተኣካቡ ኣባላት ቤተ ክርስቲያናት ኣብ ዘለውዎ፥ ኣባ ሲኖዳ ካብ ናይ ኣሜሪካን ካናዳን ጵጵስና ስርሖም ተኣልዮም ኣለዉ፡ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ድማ ከይትዕድሞምን ሽሞም ከይትጽውዕን፥ ክብሉ ኣባ ሉቃስ ብዝሃብዎ ቃል እቲ ኣኼባ ገለን ሰምቢዱ ገለን ተጸብይዎ እዩ ዝጸንሐ ዝመስል፥ ኣይተገረመን።

ኣባ ሲኖዳ ቀንዲ ካብቲ ዝቐረበሎም ክሲ ብፍላይ ድማ ንኣባላትን ደገፍትን ህግደፍ ዘቖጥዐ፥ ካብ ቤተ ክርስትያናት ንደቂ ስዉኣት ዝተዋጽአ ገንዘብ ስለምንታይ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዘይገበርክሞ፥ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ዝሃብዎ መልሲ እዩ።

ኣነ ብዙሓት ቤተክርስትያናት ኢሳያስ ናብ ወታደራዊ መዓላ ከውዕሎ ስለ ዝኾነ ግዜ ክሳብ ዝወግሕ፥ እቲ ገንዘብ ኣብ ዘለዎ ይጽናሕ ኢሎም ስለ ዝተቓወሙ፥ ናብ ኤርትራ ክሰዶ ኣይከኣልኩን” ዝብልም መልሲ ምስ ሃቡ፥ ኣባ ሉቃስ ኩነታት ኣኼባ ርእዮም፥ ወረቐት ካብ ጁባኦም ኣውጺኦም፥ ተወጊድካ ኣሎኻ ዝብል ኣንበቡ። ኣባ ሲኖዳ ምሳይ ዝተሾምኩም ብመዓርግ ማዕረይ ዝኾንኩም ጳጳስ ብሕጊ ቤተክርስትያን ከተልዕሉኒ ይኹን ክትኣልዩኒ ስልጣንን መሰልን የብልኩምን፥ ኢሎም ክካትዑ እኳ እንተ ፈተኑ፥ ሰማዒ እዝኒ ግን ኣይረኸቡን።

እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ኣካይዳ ንቤተክርስትያን ተዋህዶ ኣዝዩ ፈታኒን ሓደገኛን እዩ፥ ህግደፍ ብኩሉ መገድታት ንምፍራሳ ዝጽዕት ዘሎ ቤተክርስትያን ተዋህዶ፥ ሕጂ ናብ ከፋፋልን ትሕተ ሃገራውነት ኣውራጃዊ ምትፍናንን ዝኣንፈቱ መገዲ ኣትሒዝዎ ኣሎ። ኣባ ሲኖዳ እቲ ብደገ ደገ ትሕም ትሕም ክበሃል ዝጸንሐ፥ ናይ ምፍልላይን ኣውራጃዊ መንፈስን ኣብቲ ኣኼባ ዓው ኢሎም ዳሕዲሖሞ እዮም።

ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፥ ኣብ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታው፥ ነቶም ጳጳሳት ንሓድሕዶም ብኣውራጃን ዓሌትን ከም ዝተፋነኑ ገይርዎም ኣሎ። ቅድም ኢሉ ንጳጳስ ዞባ ዓንሰባ ዝነበሩ ኣባ ዮውሃንስ ኣብ ምውራድ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘይፈረሙ፥ መናፍቕ ስለ ዝኾኑ፥ ዝምድና ስጋ ስለ ዘለዎም፥ ወዘተ ዝብል ስሞም ኣጸሊሞም ከም ዝደሃሉን ከም ዝርሕቁን ተገይሩ፥ ኣባ ጴጥሮስ ብፓትርያርክ ዝተዋህቦም ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ስልጣን፥ ብዘይፍቓድን ስልጣንን ፓትርያርክ  ብሕቡእ ናብ ኣባ ሉቃስ ከም ዝመሓላለፍ ተገይሩ። ሕጂ ድማ ንኣባ ሲኖዳ ምሉእ ብምሉእ ስሞም ብምጽላም ኣብታ ቀናእን ሓሳድን ዓይኒ ኢሳያስ ከም ዝኣትዉ ተገይሩ፥ ተገሊፎም ኣለዉ። ህዝቢ ተዋህዶ ነዚ ሰሪ እዚ ካብ ጊሓቱ ከለልዮ ይግባእ። ጥንቃቐ ክገብር ኣለዎ። እዞም ሕጂ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሎም ዘሎ ስልጣን ኣብ ርእሲ ስልጣን እናደረበ ዘታልሎም ዘሎ ኣቦታት ጳጳሳት ጽባሕ፥ እታ ካራ ኣብ ርእሲኦም ከም ዘላ ከስተውዑሉላ ይግባእ። ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣቦና እንጦንዮስ ዝወረደ ግፍዒ ተቓዊሞም፥ ኣብ ክልተ ደምበ ተመቒሉ እዩ። ሕጂ ከኣ ብዝኸፍአ መገዲ ናብ ትሑት ኣተሓሳስባን ዓሌትን ኣውራጃን ኣውሪዱ፥ ብዝኸፍአ ይኸፋፍላ ኣሎ።

ሰላም ንኤርትራ

ካብ ኤርትራውያን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • kalu July 2, 2015

    O !! HIZBEY NXELIN N’MAHLELLN AMLAK MIHRETU KIHBENA

  • ARON KIDANE July 2, 2015

    meheret yeweredelom hezbi eritrea eti sereat kea fesheletuen wedeketun mis zekereb eyu bedeherey seari aybekol zeayenetu lekimekum ketefie abhahela selezekone kulatena hezbi eritrea nezi sereat kentenkekelu yegebeana sereat halafay eyu

  • Sefa July 2, 2015

    This is a typical mods-operand of Hgdef and Gedli Eritrea: use and throw like a condom. This is what they did to Naizghi Kiflu, Yoftahe Dimetros …

    All the “goog majujs” who participated in the false accusation and removal of the respected patriarch Abune Anthonious will be humiliated and thrown by their devil friends of the Issaias and the Higdefites gangs.

  • ERITRAWIT July 3, 2015

    Lokmesmes zlemede srat.

Post a Reply to ARON KIDANE Cancel Reply