Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ብኣተሓሕዛ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ንኢጣልያ ወቒሱ::

ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ብኣተሓሕዛ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ንኢጣልያ ወቒሱ:: ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ የራን ካልሚር ኢጣልያ ንእትኽተሎ ኣተሓሕዛ ሓተትቲ ዑቕባ ወቒሱ:: ንሱ ንኩነታት እቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ኣብ ኢጣልያ ዝኣትው ዘሎው ዓሰርተታት ኣሽሓት

ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ብኣተሓሕዛ ጉዳይ ሓተትቲ ዑቕባ ንኢጣልያ ወቒሱ::

ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ የራን ካልሚር ኢጣልያ ንእትኽተሎ ኣተሓሕዛ ሓተትቲ ዑቕባ ወቒሱ:: ንሱ ንኩነታት እቶም ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ኣብ ኢጣልያ ዝኣትው ዘሎው ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምግምጋም ኣብ ሲችልያ  ወደባዊት ከተማ ካታንያ በጺሑ ምስ ጋዜጣ ዳግብላደ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ: ኢጣልያ ነቶም ዑቕባ ዘየድልዮም ካብ ፓኪስታንን ባንግላዲሽን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝኣትው ብምምዝጋብ ነቶም መሰል ዑቕባ ክወሃቦም ዝኽእል  ካልኦት ግን ሸለል ከምእትብሎም ገሊጹ:: ኢጣልያ ነቶም መሰል ዑቕባ ዘይግባኦም ምቕባላ ንነጋዶ ደቂሰብ ከምዘተባብዕን ብብዝሒ ክስደዱ ይድርኽን ከምዘሎ የራን ካልሚር ገሊጹ::ኩለን ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ 20 ሽሕ ሶርያውያንን ኤርትራውያንን ንምቕባል ንዝወስድኦ ውሳኔ ምስቲ ኖርወይ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመት  8 ሽሕ ሶርያውይን ብወለንታ ምቕባላ ብምንጽጻር ዓቢ ክፋል ናይቲ ሸከም ከምዝወሰደት ሓቢሩ::  ኣብዚ ዓመት እዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዝኣተው 60ሽሕ ስደተኛታት ተመዝጊቦም::ካብዚኦም ድማ ነቶም 40ሽሕ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ከመቓርሖም ሕብረት ኤውሮጳ ሒዝናዮ ኣብ ዘሎና ወርሒ ሓምለ  ውሳኔ ክወስድ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ::

ጸሓፊ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኖርወይ ካልሚር ብዛዕባ ምምላስ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንምዝታይ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝገበሮ ዝርርብ ካብ እተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ተሪር ወቐሳ ከም ዝበጽሖ ይዝከር::

ብመሰረት ውዕል ዳብሊን ሃገራት ኤውሮጳ ሓታቲ ዑቕባ ኣብታ መጀመርያ ዝተመዝገበላ ሃገር ውሳኔ ክወሃቦ ስለዝግደድ ኖርወይ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢጣልያ ከምእትመልስ ይፍለጥ:: መንግስቲ ጥልያን ጾር ስደተኛታት ንኽፈኩስ ኣድላይ ሓገዝ ምስዘይረክብ በቲ ውዕል ከምዘይቅየድ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ::

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT