Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኸባ ባይቶ ስምረት

ባይቶ ስምረት ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ወርሒ ከሰላስሎም ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ጉዕዝኡ ንምግምጋም፡ ዝሓለፎ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ቃልሲ ኩሉ ብዕምቆት ንምርኣይ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ዝተጓዕዞ ርሕቀት ዘጋጠሙ መኻልፋት ንምምዛን፡ ነቲ ኣብ ደብረ -ዘይት ካብ 07 ክሳብ 17 ሓምለ

ባይቶ ስምረት ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ወርሒ ከሰላስሎም ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ ጉዕዝኡ ንምግምጋም፡ ዝሓለፎ ሓፈሻዊ ጉዕዞ ቃልሲ ኩሉ ብዕምቆት ንምርኣይ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ዝተጓዕዞ ርሕቀት ዘጋጠሙ መኻልፋት ንምምዛን፡ ነቲ ኣብ ደብረ -ዘይት ካብ 07 ክሳብ 17 ሓምለ 2012 ዘካየዶ ቀዳምይ መድረኽ ዘተ ዝሓለፈ ወሳኔ መሰረት ብምግባር፡ ከከይዶ ኣብ ምሽብሻብ ዘሎ ጉባኤ ዝምልከት ጉዳያት ንምዝታይን ውሳኔታት ንምሕላፍን ካብ 17 ክሳብ 25 የካቲት 2014 ዓሚቝን ሰፊሕን ትሕዝቶ ዘልዓለ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ ዚ ’ርክብ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ርክብ መወከሲ ብምግባርን፡ ኣቐዲሙ ዝተሰማምዓሎም ዛዕባታት ዳግም ብምርኣይ ብዕምቆት ተመያይጡን ተዛትዩን።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • yafet March 2, 2014

    ኣገናዕ ባይቶ ስምረት፣ ኣብ ቃልሲ ንዘሎ ድኽመታት ገምጊምካ ህዝባዊ ዝኾነ ውሳኔ ክተሕልፍ ትብዓትን ሰፊሕ ራኢ ዘድልዮ ተግባር ኢዩ። ኣባልት መሪሕነት ባይቶ ስምረት ነዚ ተርዲኩም ናይ ኣባላትኩምን ህዝብኩም ትርግታ ብምስማዕኩም ጸባ ስተዩ ክብለኩም ይደሊ። ኩሉ ግዜ ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተ ኣበለ ዕርፊ ሓዝ ከምዝብሃል፣ንሰፊሕ ንውዳቤ ስምረት ንቆርጽነት ኣባልት መሪሕነት ስምረት ንምድኻም ኣብ ዝኾነ ካልት ናይ ተቃውሞ ኣካልት ዘይበጽሕ ኣዝዩ ተደጋግሚ ብዝተፋላየ ኣንፈት ሰፊሕ ጸለምን ጎስጋስን ተገሩ። ሓደ ሓደ እዋን ካበይ ኢዩ መበገሲዩ ብምባል ትግረም ዳሓር ግና ኩሉ ጊዜ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ፈተና ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ወላ እንተመጸ ምምጻኡ ዘይኮነ ከገርመካ ዘሎው ብኸማይ በዲህካ ናብቲ ትደልዮ ዘሎክኻ ቀደምናት ዕማም ህዝብን ሃገርን ምድሓን ምስጎም ጥራይ ምኻኑ ተገንዚብካ ምስርሕ ጥራይ ኢዩ እቲ ኣገዳሲ። መሪሕነት ስምረት ካኣ እዚ ውርዙይ ኣተሓሕዛ ምጥቃምኩም ነዚ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ’ቲ ዝግብኦ መድረኸ ክተብጽሕዎ ከም እትኽእሉ ምስክረነት ኢዩ። ቀንዲ ጸል ኢና ህግደፍን መሓውራቱን ምኻኑም ፈሊጥና ንቅድሚት ምስጋም። ህግደፍ ሰባት ዘይኮኑ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ስምረት ከኣ ሰባት ዘይኮኑ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ህግደፋዊ ኣተሓሳስብ/ ብዓሌት ኣውራጃ ሃይማኖት ምጉዝዛይ ካልኦት ዘይውርዙ ኣገባባት ምሕደራን ምጥቃም፣ ሰባት ምንዓቅ፣ ንሰባት ሰባኣዊ ክብሪ፣ ብዘይካን ንሃገርዊ ረብሓ ዝፈልጦ የሎን፣/ ከኣ ኣብ ዝኾነ ግዜን ቦታን ክስዕር ዘሎው፣ መንሽሮ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ። ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ!!

  • hawileito March 3, 2014

    It is good news EYSNS.

  • Zereba Seb March 3, 2014

    Smerrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrr Errrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrrtrawi!

POST A COMMENT