Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ኣኼባ ወኪል ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሊድስ፡ – “100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት”

“100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት” ብብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ሊድስን ከባቢኣን ዝባህረረ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ትማሊ ሰንበት 3 ለካቲት ብልዕሊ 100 ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓለዋ እናተገብረሉ፡ ናይ 90 ሰባት ኣኼባ ኣካይዱ። ዝረኸቡዎ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡

“100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት”

ብብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ሊድስን ከባቢኣን ዝባህረረ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ትማሊ ሰንበት 3 ለካቲት ብልዕሊ 100 ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓለዋ እናተገብረሉ፡ ናይ 90 ሰባት ኣኼባ ኣካይዱ።

ዝረኸቡዎ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ን12 ሰዓታት ንኹሉ መእተዊ ኣንጎሎታት ብቫንን ፖሊስን ዓጽዮም፡ ቅድሚ ልዕሊ 20 ሜትሮ፡ ስእልን ባንዴራን ዘለዋ መለለዪ ካርድ ብስም “ማሕበር ምትሕብባር ሊድስ” ዝሓዙ ተሳተፍቲ ጸጽዮም ከሕልፉ ኳ እንተርፈዱ፡ ነቲ ባህሪሩ ዘሎ ዕሱብ መላኺ ኢሳይያስ ወዲ ገራህቱ ግን እዚ ‘ውን ፍርሑ ኣጕዲሉ መጸናንዒ ኣይኮኖን። ንተቓወምቲ መንእሰያት ንምድንጋር ተባሂሉ፡ ኣብ ኣኼባ ሰዓት 2፡00 ድሕሪ ቀትሪ ከምዝርከብ ብወግዒ ዝሓበረ፡ ሰዓት 9 ንጉሆ እዩ ጸሊቑ ናብቲ ከባቢ ኣትዩ።

እቲ ብ 7 ቫን ከምኡ ውን 5 ናእሽቱ መካይን ዝተጓረቱ ፖሊስ ዝዓጀቡዎ ኣኼባ ወዲ ገራህቱ፡ ከም ቀደሙ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይንጽብር፡ ፈላላዪ ኳ እነነበረ፡ እቶም “ደገፍተይ” ኢሎም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝኣከቦም ኤርትራውያን ‘ውን በዳህቲ ሕቶታት ምቕራቦም፡ ንተግባራት ህግደፍ ህዝቢ እናነቕሓሉ ይኸይድ ምህላዉ ዘረድእ፡ ዘመነ መንግዛእቲ ህግደፍ ተጸንቂቑ ከምዘሎ ንደለይቲ ለውጢ ዘበስር ተረኽቦ እዩ።

ከም ኣብነት ነዞም ዝስዕቡ፡ ንልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝቐረቡሉ ሕቶታትን ንሱ ዝሃቦም መልስታትን  ተመልከቱ፡-

1= መንግስቲ ክሳብ መዓስ ኢዩ ንኣመሪካን ንወያነን እንዳወቐሰ ክነብር። ንሶም ስርሖም ልምዓቶም ይገብሩ ኣለዉ፡ ንሕና ኸ ስለምንታይ ኢና ቑዋም ዘይነተግብር? ወይስ ወያነ ክገብሩልና ወይ ሕራይ ክሳብ ዝብሉና ኢና ንጽበ ዘለና? ነቶም ኣብ ሸገረኣብን ሲናይን ስቅያት ዝወርዶም ዘሎ ኤረትራውያንከ ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ ዘይዛረበሎም? ንሕና ኩልና ብኡ ኢና መጺእና፡ ወይስ መንግስቲ ናብቶም ዝተዓወቱ ጥራይ ዓይኒ ሰለዘውድቕ እዩ?

ወዲ ገራህቱ፡ መን እዩ ኣብ ኤርትራ ቅዋም የለን፡ ሕጊ የለን ዝበለ። ኣብ ኤርትራ ሕጊ ‘ሎ ቅዋም ኣሎ። ፕረዚደንት ዘይምቕያር ዲዩ ከምኡ ዘብለኩም ዘሎ?…ክብል ሓሊፉዋ።

እዚ ናይ ሲናይ ጉዳይ፡ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ። ብኮሶቮ፡ እስራኤልን ግብጽን ዝግበር ዘሎ፡ ነዊሕ ዝጸንሐ፡ ብካምፓኒታት ዝካየድ ዘሎ እዩ እምበር ኣብ በረኻ ከመይ ጌርካ ኮላሊት ሰብ ጠቢሕካ ክውሰድ ይከኣል? እዚ ናይ ዓለም ጉዳይ እዩ። ንሕና ሓንቲ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን።

2=እዞም ዝቃወሙ ዘለዉ ኣከለጉዛይ እዮም ንሰምዕ። ዓጋመ ኢዮም ይብሉና። መሰልና’ውን ኣይተሓለወልናን ይብሉ። ኣከለጉዛይ ግን ከም ሰቦም ብሓባር ናጽነት ዘምጽኡ አዮም፡ ነዚ እንታይ ትብሎ?

ወዲ ገራህቱ፡ እዚ ባዕላቶም ንፖርፖጋንዳ ዝብሉዎ እምበር፡ ንሕና ብወገንን ሃይማኖትን ዓሌትን ህዝቢ ከይፈላለ ኢና ንጽዕር ዘለና።

3=ንሕና ተጋደልቲ ኢና ኔርና ሃዲምና ኸኣ መጺእና ዘሕፍረና ኣይኮነን ሕጂ መንግስቲ ወፍሪ ይብለና ኣሎ ጽቡቕ እዩ። ንሕና ተመሊስና ትካላት አንተትኺልና ነቶም ገዲፍናዮም ዝመጻና እንታይ ክስምዖም እዩ? መንግስቲ ብዛዕባዕብኦም ዝሓሰቦ ነገር ኣለዎዶ?

4=ኣብ ዓድና ቁጠባ ደሓን ከምዘሎ ይንገረና ኣሎ። ንሕና ኩልና ናብ ቤተሰብና ንደዋወል ኢና ቀጠባ ወዲቑ፡ መነባብሮ ከቢሩ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ ግና ስለምንታይ ኢዩ ካልእ ዝበሃለና? ከምኡ’ውን ኣብ ዓዲ ሰባት ተኣሲሮም ንሰምዕ ኢና። እንተኾነ ግን ተኣሲሮም እምበር ስለምንታይ ከምዝተኣስሩ ኣይንግርን እዩ። ስለምንታይ ኢዩ መንግስቲ በዝን በዝን እዮም ተኣሲሮም ኢሉ ዘይገልጽ?

ኣጠቓላሊ መልሲ ናይ ክልቲኡ ሕቶታት፡

ወዲ ገራህቱ፡ ብዛዕባ መነባብሮ፡ ነዚ ከነማሓይሽን ከነዐርን እኮ ኢና ንጓየን ንሰርሕ ዘለና። ኩሉ ክቐስነሉ ዝኽእል መንገዲ ንምፍጣር ኢና ንጽዕር ዘለና። እዚ ወፍሪ ዝብሃል ዘሎ ድማ ብቐጥታ ንዕኡ ዝምልከት እዩ። ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት ክሳብ 2015 ኩሉ ክዕረ እዩ። ቁጠባና 8.9 % ኣብ ዓመት ይዓቢ ኣሎ። ኤርትራ፡ ኣብ ኣፍሪቃ 3ይ ደረጃ በጺሓ ኣላ።

ናይ ማእሰርቲ፡ ተረዲኤካ ኣለኹ፡ ግልጺ ዘይንዛረብ፡ ነዞም G15 ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ። በዚኣቶም ብወዲ ኸምዚኦም ከኣ ግዜና ከነጥፍእ ኣይንደልን። ጉዳዮም ኣብ ሓፋሽ ተገሊጹ እዩ። ንሳቶም ዘምጽኡዎ ጠንቂ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን። ብሰንኮም ዝኣተወ ኢድ ባዕዳውያን እዩ ንዓና ኣብዚ ኹሉ ኣውዲቑና ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ሕግን ቅዋምን ዘየለ ኣይኮነን። ዚተኣስረ ብሕጊ ይወጽእ እዩ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ብዞባዊ ቤትፍርድታት ልዕሊ 1000 ወጺኦም እዮም። ስለዚ መን እዩ ሕጊ የለን፡ ቅዋም የለን ዝብለኩም። እታ ጎዲላ ዘላ እታ ናይ ፕረዚደንት ዘይምቕያር እያ። ንሱ ድማ ግዚኡ ሓልዩ ኪመጽእ ዩ።

5=ኣብ ኤረትራ ዘለዉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ደቀንስትዮ ይዕምጹን ሰባት የበሳብሱን ኣለዉ መንግስቲ እንታይ ክሳብ ዝኸውን ኢዩ ሱቕ ኢሉ ዝርእዮ ዘሎ?

ወዲ ገራህቱ፡ መን እዩ ኢሉካ፡ እዚ እዞም ኣብ ደገ ሆ ዝብሉ ዘለዉ ዘውርዩዎ ድዩ? ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን ኣብ ኤርትራ። ፍክሽንን ድራማን እዩ። ምናልባት ክልተ ሰለስተ ዝኾኑ መራሕቲ ክህልዉ ይኽእሉ፡ ምሳና ዝራኸቡ። ካልእ ምስ ህዝቢ ዝራኸብ ሰራዊት የለን። ነዚኦም ድማ፡ ገበን እንተገይሮም ህዝባዊ ግንባር ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎም መንግስቲ ኣይኮነን።

6. ኣበይ ኣሎ ዓሊ ዓብዱ?

ወዲ ገራህቱ፡ (እናሰሓቐ) የለን። ንሕና ብውልቀሰብ ክንግረም የብልናን። ኣብ ግዜ ቃልሲ ከም ብዓል ተኽለ ዓደን ነይሮም፡ ሕጂ ውን ጉጅለ 15 ርኢኹሞ ኢኹም ጥልመቶም። ስለዚ እዚ ከገርመና የብሉን።….በለ ልኡኽ መላኺ ኢሳይያስ ወዲ ገራህቱ።

ወዲ ገራህቱ፡ ኣብቲ ኣኼባ፡ ህግደፍ ህዝቢ ይጥርንፍን የስምርን ከምዘሎ ኣብ ልዕሊ ዘስመዖ ብድዓዊ ዘረባ፡ ንተቓወምቲ “ብወያንነ ኣመሪካን ዝምወሉ 4-5 ሰብ እዮም፡ እቶም ካልኦት ብገርሂ ልቦም ከይፈለጡ ዝስዕቡ እዮም” ኢሉ ከናሹ ፈቲኑ። “ ከምቲ ደርግ ኣብ ባጽዕ ዝገበሮ፡ ኣብ ኣጋ ጥፍኣቶም ዝገብሩዎ ዘለው ናይ ዓቕሊ ጽበት ምንቅስቓስ እዩ፡ ንሕና ብዙሕ ከነድህበሎም የብልናን።” ክብል ውን ቀጸለ።

እንተኾነ፡ እቲ መንግስቲ ወኪለ ኢሉ ኣኼባ ክመርሕ ዝመጸ ወዲ ገራህቱ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ 90 ሰባት፡ ንሳቶም ‘ውን ካብ ሸፊልድን ለንደንን ሓዊስካ ኣኪቡ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ሃገር ዝበሎ ኣኼባ ብዘይካ ሓደ ብሄርን ሓደ እምነትን (ትግርኛን ክርስትያንን) ንማለቱ ውን እንተኾነ ሓደ ወዲ ኻልእ ብሄርን ካልእ እምነትን ኣይነበረን። በንጻሩ፡ እቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ብቑጽሮም ዕጽፊ ናይቶም ብወዲገራህቱ ተኣኪቦም ዝነበሩ፡ ምስሎም ድማ ንመላእ ኤርትራ ዝውክል ነበረ።

ስለዚ፡ መን እዩ ፈላላዪ፡ መን ከ እዩ ኣብ ገምገም ጥፍኣት ዝርከብ ዘሎ። መልሲ ናይዚ ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ‘ውን ክኽወሎም ኣይክእልን እዩ። ምስላ ቅብጸት ባጽዕን ዓቕሊ ጽበትን ብልክዕ ንሃለዋት እቲ ወዲ ገራህቱ ተዓሲቡሉ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ ዝገልጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
43 COMMENTS
  • senay May 17, 2013

    100 police for 90 people shows how ignorant our opposition leaders are and how intolerant we are , can we please be civil and know how , how to rise our voice , why are we becoming halogens. We are asking for change and be a democracy leaders but why we are throwing stons and shout like kids .we need first to show the Eritrean people how to act properly and then seek their help in throwing this bad time .

POST A COMMENT