Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸገም ኤርትራውያን፡ ንመሰልና ዘይምቅላስና እምበር ዕብዳን ኢሳያስ ኣይኮነን

ወርሒ ሓምለ 2018፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብፍሉይ ዝዝከራ ክትከውን’ያ። ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዕስራ ዓመታት ወጥሪ፡ ድነ ኩናትን ጽልእን ኣኸቲሙ፡ ናይ ሰላምን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ዝተጀመረሉ ብምዃኑ፡ ታሪኻዊ’ዩ እንተተባህለ

ወርሒ ሓምለ 2018፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብፍሉይ ዝዝከራ ክትከውን’ያ። ምናልባት እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ዕስራ ዓመታት ወጥሪ፡ ድነ ኩናትን ጽልእን ኣኸቲሙ፡ ናይ ሰላምን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ዝተጀመረሉ ብምዃኑ፡ ታሪኻዊ’ዩ እንተተባህለ ነውሪ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ልዕሊ’ቲ  ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈረመ መስርሕ ሰላም፡ እቲ ንዓመታት ስልጣን ገቢቱ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳቂ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሃቦ ኣነዋሪ፡ ንመንነት፡ ታሪኽን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝድውንን ንጅግነንት ስውኣትና ዘራኽስን መግለጺታት’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካይድዎ ዑደትን ዝሃብዎ መግለጺታትን፡ ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ሓድሽ ምዕራፍ ከምኸፍት ዓቢ ተስፋ ተነቢሩሉን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓለም ዓቢ ኣተኩሮ ተዋሂብዎን ኣሎ። ብፍላይ ነቲ 20 ዓመታት ኣብ ታሪኹ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ግዳይ ሞት፡ ስደት፡ ዕንወትን ድኽነት፡ ማእሰርቲ፡ ውርደትን ገልታዕታዕን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽቡቅ ብስራት’ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘይሓላፍነታዊ፡ ግሉጽነት ዝጎደሎን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ብተብተብን ዘብለጭልጭ ዳንኬራን ዝተኻየደ ግብጃን መደረን፡ ነቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግሁድን ሕቡእን ጭካነ ዝፈትሕ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ፡ እቲ ቀንዲ ጸገም፡ መላኺ ኢሳያስ’ዩ መታን ክዕንድር ብጉልባብ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን” እናበለ ጠንቂ ስደትን፡ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሕሰምን ህዝብና ዝኸውን ዘሎ እምበር፡ ምስ ኢትዮጵያ ንቡር ዝምድና ብዘይምህላዉ ኣይኮነን። ከም ወትሩ፡ እዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝተገብረ ሃንደበታዊ መስርሕ ሰላም፡ እቲ ተራ ምስኪናይ ህዝብና ይትረፍ ሓቂ ክንገሮ፡ ዋላ እቲ ሰሚዑ ጥራሕ ናብ ምድቃሱ ዝኸይድ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ዝብሃል’ውን ተኣኪቡ ኣይዘተየን። ብዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዝተገብረ መሳጢ መግለጺታትን ትርጉሙን ንግዚኡ ኣወንዚፈ፡ ኣብቲ ብወልቀ መልኺ ኢሳያስ ዝተዋህበ፡ ደንበርበር ዝመልኦ፡ ናይ ውርደት፡ ጽልግልግ፡ ጥልመት፡ ተመላኽነትን ኮሸምሸምን መግለጺታትን፡ ተራ ኤርትራዊ ንመጻኢ እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል ኮተኩር’ዩ።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት 2018፡ “ብቀረባን ብዕምቆትን ንምርዳእ ንዝርርብ ልኡዃትና ናብ ኢትዮጵያ ንሰድድ ኣለና” ዝብል ዶቦላ መግለጺ ምስሃበ፡ ንልኡኽ ኢትዮጵያ ንምቅባል ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ትያትር ዝመልኦ ስነ ስርዓትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺታትን፡ ንኽብሪ ስውኣትና ዘቋሽሽ፡ ንመንነትን ሃገራውነትን ህዝብና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ንህላወናን መጻኢ ወለዶናን ዘዳኽም ስለዝኾነ፡ ንኹሉ ኣፍቃሪ ሃገር ኣቆጢዑን ኣደንጽዩን ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ ንዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ “ንቀልዓለም ዘይኮነ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ኩሉ ስልጣን ኣረኪበካ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታን ግዜን ክትዛወር ዝኽልክለካ የለን” ኢሉ፡ ምስገለጸ፡ ብዙሓት ሰባት፡ “እምበርዶ ኢሳያስ ኣእምሮኡ ኣይስሓተን፡ ጫት ድኣ ጎሲሙ ድኣ ሃተፍተፍ ይብል ከይህሉ” ኢሎም መደረ ኢሳያስ ደንጽዩዎምን ንምእማኑ ኣጊምዎምን። ዝበዝሕ ህዝብና ግን፡ “ንምንታይ ድኣ ንዓመታት ተሰዊእናን ከርተት ኢልናን” ብምባል ብጓሂ ተኮምቲሩን ቋንቁኛ መደረ ኢሳያስ ክትንትን ፈቲኑን። ብርግጽ እቲ ብጽሓይ ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያን  ወከልቲ ህግደፍን ዝተደርጎሐ መግለጺ ኢሳያስ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ከማሓድራ’ዩ መዝነት ሂብዎ። እቲ ደቁ፡ ንብረቱን ጉልበቱን ዘወፈየን ናይ ኢዱን ናይ እግሩን ዝበተኸ ህዝብና፡ ንሰላም ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሰብ ከምዝብህጋ ኩሉ ዝፈልጦ’ዩ። ወሸለ ኣብዚ ኩሉ ህልቂትን ጥፍኣትን ከይኣተና ሰላም ረኺብና ኣብ ልምዓታዊ መደባትና ኣትኩርና። ከም መራሒ መጠን ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክትዛረብን ውሳነ ክትህብን እንከለኻ፡ ውልቃዊ ጉዳይካን ስሚዒትካን ክትቆጻጸር ኣርሒቅካ ክትሓስብ ክትግንዘብ ኣለካ። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ኣሽምባይዶ ንሃገር ዝኣክል፡ ወለዲ ንሕጸን ንመርዓን ዝበጽሐ ውላዶም’ውን፡ ምስ መቅርብን ቤተሰብን ከይመኸሩን ከይዘተዩን፡ ቃል ኪዳን ክኣስሩ ወይ ዝምድና ክምስርቱ ኣይክልሉን’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ማእሰርቲ፡ ውርደት፡ ጥሜት፡ ስደት፡ ሓሶትን ምዝላፍን፡ ፍሽኽታ ምቅሉልነትን ክብረትን ለጊሱ ዘይፈልጥ ክንሱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብኽቱር ታሕጓስ ኣፍልቡ ክሃርም፡ ብወስታ ኢዱ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ክስዕምን ክምስምስ ክብልን እንከሎ፡ ኣብ ቲቪ ዝተዓዘበ ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳያስ ገግይዎ ነይሩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግን ብንጹርን ብእንፈልጦን ቋንቋ፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ክሓልሞን ብሰላሕታ ክሰርሓሉን ዝጸንሐ እኩይ መደብ ስለዝሰመረሉ፡ ብክቱር ደስታ ስምዒቱ ክዝቆጻጸሮ ኣይክኣለን።

ብተግባር ከምዝተረጋገጸ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝያዳ ዘገድሶ፡ ህርፋን ስልጣንን ስስዐን እምበር፡ ፍቅሪ ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን። ብዓይኒ ስልጣንን ግዝኣትን፡ ኤርትራ ንኢሳያስ ንእሽቶ ሃገር ስለዝኾነት፡ መራሒ ናይ ዓባይ ሃገር ክኸውን ወይ ዓቢ ዝህና ክህልዎ’ዩ ዝህቅን ዘሎ። እንታይ’ሞ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ጭፍለቃን እንዶ ንኹሉ ናይ ይምሰል ሜላታቱ ኣቃሊዕዎ። ካብቲ ብዙሕ ክቱር ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ብኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2013፡ ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ፡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ክቅዘፉን ክጥሕሉን እንከለዉ፡ ብደረጃ መንግስቲ ወይ ሃገር መዓልቲ ሓዘን ምእዋጅን ንስድራ መወቲ ምጽንናዕን ዝግባእ’ኳ እንተነበረ፡ ህግደፍ ንገዛእ ህዝቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ’ዩ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ሸፈፍ ኢሉ ሓሊፍዎ። ስለዚ ነቶም፡ “ፍትሒ ይንግስ፡ ቅዋም ይነደፍ፡ ግሉጽነት ይሃሉ፡ መሰል ዜጋታት ይከበር፡ ናብራና ይመሓየሽ” ኢሎም ኣፎም ዝኸፈቱ ዜጋታት፡ ኣብ ክንዲ መኣዲ ዘተን ኢሂን ሚሂን ዝዕድምን፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ንዓመታት ከም ኣቅሓ ምድርባይ፡ ንብረት ህዝቢ ምርሳይ ዝሕላገቱ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ከይዱ ንብዓት ሓርገጽ እንተነብዐ፡ ዝብኢ ኣብዘይ ዓዱ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ ኢልካ ምሕላፉ እኹል’ዩ።

 

ክድዓትን ድፍረትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዕደቱ ዝጀመረ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንኤርትራን ህዝባን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ክሸይጥን ክልውጥን፡ ውጉኣት ሓርነት ብጥይት ክርሽን፡ ህዝብና ዝሕረስ መሬቱ ተወሪሱ ብጥሜት ሓለንጊ ክረግፍን ናብ ስደት ሃጽ ክብልን፡ ብሰበብ ዶብ ደቅና ናብ ሓዊ ክጥበሱ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ክእሰሩ፡ ቅዋም ሞይቱ ክብለና እንከሎ፡ ሰሚርና ያዕ ስለዘይበልናን ንመሰልና ስለዘይተጣበቅናን ኢና ክርዳድ እኽሊ ኢሳያስ ኣብ ርእስና ዝሸይን ዘሎ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ከምዝብሃል፡ ብደውናን ብዘይኣፍልጦናን ንሃገርና ዝሽንቁጥን ንመሰልና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ጋኒን ኣብ ቅድሜና ተገቲረ እንከሎ፡ ኣብ ቆሎ ጥጥቆ ግዜና ነባኽን እንተኾይና፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ናትና እምበር ናይ ውልቀ መላኺ ድፍረት ጥራይ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ኤርትራውያን፡ ንኽብርና ብዘይካ ንሕና ካልእ ሰብ ክጣበቀልና ኣይንጸበ። ኣብ ዓለም ሓንቲ ግዜ ኢኻ ትነብር። እቲ ምንባር ግን፡ ንኽብረትና ዘየመራስሕን ሰብ ምዃንካ ዘገንዘብን ክኸውን ኣለዎ። መጻኢ ወለዶና ከይከሱና፡ እሾኽ መርገም ገዲፍናሎም ክንሓልፍ የብልናን። ነብስና ነብሲ እማትና ክንሓክኽ፡ ብደገፍቲ ተቃወምቲ ምፍልላይ፡ ኢሳያስ ካብ ቀደም ዕላማ ነይርዎ ኢልና ኣብ ሕሉፍን ንዘሎ ጸገም ዘይፈትሕን ምጉት ምዝውታር ወጊድና፡ ነዚ ሱርና መበቆልና ክነቅልን ክሓናፍጽን ተላዒሉ ዘሎ “ንደማመር፡ ንከፋፈል፡ ሓደ ህዝቢ ኢና” ዝብል ፍልስፍና ብጽሞና ክንሓስበሉ ይግባእ።

መግለጺታትን ሕልምታትን ኢሳያስ ንጹር’ዩ። ንተቃወምቲ ወይ ንደገፍቲ፡ ንስዉእ ወይ ንህሉዉ፡ ንኣማኒ ክርስትና ወይ ንምስልምና፡ ንወዲ ከበሳ ወይ ንወዲ ቆላ ከይፈለየ ብኣልማማ፡ ኣብዛ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሰላ ደም ዝፈሰሰሳ መሬት ዘሎ ኤርትራዊ ዝጻባእን ዘጽንትን’ዩ። እቲ ክውንነት እዚ ካብ ኮነ፡ ንህላወናን ታሪኽናን ብኽብረት ምቅላስ ወይ ጫማ ካልኦት እናልሓስና ተመሊኽና ምንባር’ዩ? ኢሳያስ በዚ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ትያትርን ንልኡላውነትና ኣሕሊፍካ ምሃብን፡ ከም ዓስቢ ጥልመቱ ካብ ሞት ድሒኑ’ሎ። ኤርትራውያን ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትና ከይነድህብ ኣንፈትና ከምንስሕት ይገብረና’ሎ። መላኺ ኢሳያስ ምስ ቤተሰቡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ራስዩ ብፈንጠዝያ ክነብረሉ ዝኽእል ውሑስ ቦታ ኣጣጢሑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ርእሱ ኣድኒኑ ከምዝኸይድ ኮይኑ’ሎ። ኤርትራውያን ብሓደ ሰብኣይ ክንደናገር፡ ብዝፍጽሞ ስቃይ ከነስተማስልን ስሬና ክንፈትሕን የብልናን። ብዛዕባ ጉዳይና፡ ካብ ማዕከናትን ሰበስልጣንን መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺታት ክንሰምዕ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ውልቀ መላኺ ብዘይካ’ቲ ብኣዋጅ ንሰምዖ ዘለና ሓበሬታ፡ ብስቱር ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ መሬትናን መጻኢ ህላወናን እንታይ ከምዝፈረመ ኣይንፈልጥን ኢና።  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንጉሆ ተመሓዝዩ ምሸት ክብኣስ ስለዘየሕፍሮ፡ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ብቃሕታኡ ዘካይዶ ዘሎ ወደኽደኽ ህዝባዊ ሰረት የብሉን። ኤርትራውያን፡ ንዕንደራ መላኺ ኢሳያስ ልጓም ክንገብረሉ ይግባእ። ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብተደጋጋሚ ኢሳያስን ሒደት ኣጫፈርቱን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጥልመትን ዕብዳንን ብስቅታ ክንሓልፎ እንተመሪጽና ግን፡ እቲ ጸገም ናትና እምበር ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወይ መሰልቱ ኣይኮነን።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 18 ሓምለ 2018

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfai July 20, 2018

    ኢሳያስ ብርግጽ ናይ ደሞክራስን ሓርነትን ዘንጸባርቕ ሰብ ኣይኮነን ፤ ኣይነበረን።
    እዚ ሰሙን ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስ ሓድሽ መሪሕነት ኢትዮጵያ ግና ኣዝዩ ፖለቲካዊ ብቕዓቱ ዘመስከረሉ ቕያ እዩ። ነዚ ሓንቲ ጥይት ውን ኣይተኮሰን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ሓድሽ ኵውንነት ኢትዮጵያ ተጎርቢቱ እዩ።
    ውዕል ሰላምን ሓድሽ ርክብን ምስ ኢትዮጵያ ድማ ኣዝዩ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጎን ዝደለዮን ዝንበረን እዩ።
    እዚ ድማ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ህዝቢ ኣስመራ መስኪርዎ ኣሎ።

    “ኣነስ ሰላም ኣይደልን:” ዝብል ግና ነቶም ኣብ ግምባራት ዘለዉ ገዳይም ተጋደልትን ዋርሳይን ከብርዩ ናብ ግምባራት ይውረዱ።
    ብድሕሪ መስኮት ኮምፒተር ኴንካ ዝመጽእ ለውጢ የልቦን።

    ሰላምን ፍቕርን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን።

    • k.tewolde July 20, 2018

      “ነዚ ሓንቲ ጥይት ውን ኣይተኮሰን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ሓድሽ ኵውንነት ኢትዮጵያ ተጎርቢቱ እዩ።”….First of all the statement contradicts itself,however,that is the nature of the tyrant,he capitalizes on other people toil and basks on the spotlight,deja vu? this time it is the other way around,the young PM is the protagonist, the senior is following his lead,so far the two are making good music together,the people are awestruck with their performance,but for how long will this relationship endure as the tyrant taking the back seat remains to be seen,so is the longevity of the peace..

POST A COMMENT