Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን ካብ ኣተሓሳስባ`ዩ ዝውለድ!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.) 28 ሰነ፡ 2018 ******** ኣብ ህይወት  ዘሎ ሰብ ግድን ይሓስብ፣ ሓሳብ ብቓል ይልለ፣ ቃል ኣብ ግብሪ ምስ ተተርጐመ ኸኣ ህያው ይኸውን። ምሕሳብ ዘየቐድም ቃል፣ ብቓል ዘይትለም ግብሪ ፍጹም ኣይህሉን። እምበኣር፡ ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.)

28 ሰነ፡ 2018

********

ኣብ ህይወት  ዘሎ ሰብ ግድን ይሓስብ፣ ሓሳብ ብቓል ይልለ፣ ቃል ኣብ ግብሪ ምስ ተተርጐመ ኸኣ ህያው ይኸውን። ምሕሳብ ዘየቐድም ቃል፣ ብቓል ዘይትለም ግብሪ ፍጹም ኣይህሉን። እምበኣር፡ ጸጋ ሓርነትን ፍትሕን ኣብ ሃገርና ህያው ንምግባር ናብ ውሽጥና ብምጥማት፡ ከም ውልቀሳባትን ከም ህዝብን ብዕትበት ኣተሓሳስባና ክንፍትሽ፡ ክንምርምር፡ ካብ ማንም ጊዜ ሎሚ ብሰንሰለታት ኲናትን ብናይ ስደት ምብትታንን ደቃ ስኢና፡ ወላድ መኻን ኮይና ኣብ ጽምዋ ዝተዋሕጠት፣ብጽምኢ ፍትሒ ጎረሮኣ ዝነቐጸት፣ ብርሃን ሓርነት ሓሪሙያ ትማስን ዘላ እታ ሓላል መሬት ሃገርና ኤርትራ ብመሪር ቃንዛ ትጽውዓና ኣላ።

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ እዞም ንደሞክራስን ስልጣኔን ንሕና ኢና ፈጠርቱ ኢሎም ዝምክሑ ምዕራባውያን፡ መሰል እንስሳታት ከይተረፈ ዝሕሉ ሕጊታት እንዳባ ብምድንጋግ፡ ንደሞክራሲ ቅድሚ 400 ሚእቲ ዓመታት ብግብሪ ዝፈልጣ ስልጡን፣ ብግዝኣተ ሕጊ ተመሪሖም ፍትሕን ነባሪ ሰላምን ዘውሕሱሉ፣ ጸጋ ልቦና ዝውንኑ መራሕቲ ዝተዓደለ ህዝቢ ምንባሩ ታሪኽ ይምስክሮ። ህዝቢ  ኤርትራ ዘንጊ ሓቂ ተመርኲሱ ንፍትሒ ዝምጕት፣ ካብ ስምዒት ሓራ ኮይኑ ብርትዒ ዝጐዓዝ፣ ንነገራት ካብ ሱሮም ከይተረድአ ሓሳቡ ዘየፍስስ፣ ብምዕሩግ ባህሊ ምጽውዋርን ምክብባርን፣ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ዝልለ፣ –ተመሊስካ እትረድኦ ገዲፍካዮ ኣይትእቶ – ዝብል ልቦና ብግብሪ ዝኣምነሉን ዘተግብሮን ወረጃ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብስልጡን ሕጊ ኢና እንመሓደር ኢሉ ዝምካሕ ወተሃደራዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዘገረመ፣ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ንተግባረ ቅትለት፡ ንወትሩ ንሕነ ምፍዳይ ሕኒን ብዘብል ብፍርዲ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ቀተልትን ተቐተልን መውስቦ ብምፍጻም ደም ምፍሳስ ብነባሪ ሰላምን ዕርቅን ዘውሕስ ፍሉይ ጸጋ ልቦና ዝተዓደለ ህዝቢ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ።

ኣብ ህይወት፡ ባህሊ ናብ ሕማቕ ይኹን ናብ ጽቡቕ፣ ንድሕረት ይኹን ንምዕባለ፡ ዘየቋርጽ ለውጢ ከም ዘርኢ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኪብከል ዝጸንሐ ምዕሩግ ባህልና ብቑዕ ምስክር`ዩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ናጽነት ተባሂሉ ብረት ካብ ዝለዓል ኪብሕጐግ ዝጸንሐ ምዕሩግ ባህልና ዳግም ንምምላስን ንምሕዳስን፡ ኣተሓሳስባና ብውስጠ ምርምርን ምቕሉልነትን፡ ከነቕንዕን ሓድነትና ከነባራብርን ንሕተት ኣለና። ካብ ነፍስና ወጻኢ ብኹነታትና እንኸሶን ሓላፍነት እነሰክሞን ካልእ ኣካል የለን። ኣብ ምፍልላይ ዝሃጥር ክርዳድ ትምን እንታይ ገዲሱንን ሳዕቤኑ ን 27 ዓመታት ረመጽ ረጊጽናዮ ኢና። ብትም ምባልና ኸኣ ባርነት ኣምጺእና።

ውልቀመላኺ ኢሳያስ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ በቶም ኣብ ጐድኑ ዝነበሩ ብመሪሕነት ዝፍለጡ ግን እሙናት ከደምቱ ስልጣን ንኺብሕት፡ ኣዕናዊ ምንቅስቓሱ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ተባዓትን ተጋደልቲ ከካይድ ብትም ምባሎም ፋሉል ዝተሓደገ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዕላማኦም ዘንጊዖም፡ መትከል ሓርነትን ፍትሕን ኣብ ምግሃስ ኢድ  ብምእታውን፡ ተሓባበርቲ ገበን ናይ ምንባሮምን ሳዕቤን ኢዩ። ቃልሲ ንናጽነት ምእንቲ ህዝቢ ምንባሩ ረሲዖም፡ ኣብቲ ብሓለዋ ሰውራ ዝፍለጥ ዝነበረ ሓለዋ ስልጣን ኢሳያስ፡ ኣብ ምስቓይን ምሕቃቕን ንጹሓትን ተባዓትን ደሞክራሲያውያን ዜጋታት ኢድ ዝነበሮም፣ ሓለውትን ኣገልገልትን ስልጣን ኢሳያስ ኢዮም ነይሮም።

ማኪያቨሊያዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ቃልሲ ንናጽነት ከይዕወት ዘይፈጾሞ ዕንቅፋታትን ግፍዒታትን ኣይነበረን፡- ኣብ መንጽር ገዚፍ መግዛእታዊ ሓይሊ ብተደጋጋሚ ኣንጻር ሃገራዊ ግምባር ኲናት ሓድሓድ ምውላዕን፡ ንገዚፍ ሃገራዊ ሓይሊ ካብ ሜዳ ኣውጺኡ ምስ ጓኖት ሓይሊ ወያኔ ምሕዝነት ብምግባር፡ (ድሒሩ ከም ጠንቂ ምልዓል ኲናት ተጠቒሙ፡ ምጥሓስ ዶባትን ምግሃስ ክብሪ ህዝብን ዘስዓበ መሬት ሃገር ብኢደ ወነኑ ብምልጋስን)፣ ንጹህ ሓፋሽ ተጋዳላይ ንናጽነት ህይወቱ እናኸፈለ፡ ብተደጋጋሚ ብምስጢር ናብ ምብራቕ ጀርመን እናተመላለሰ ምስ ደርጊ ስልጣን ናይ ምልፋን ኣኼባታት የካይድ ምንባሩን ታሪኽ ቃልሲ ዘረገግጾ ሓቂ ኢዩ። ናጽነት ቤት ክሳብ እትኣቱ ከይተረፈ ኣብ ላንደን ምስ ደርጊ ኣኼባ የካይድ ምንባሩ`ውን ምዝጉብ ሰነድ`ዩ።

እታ ዝተዓወተት ናጽነት፡ ሓፋሽ ተጋዳላይ ብጕጅለ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ብቓጽያ እናተሃድነን፡ ብናይ መግዛእቲ ጥይት ኣብ ግምባሩ እናተሃርመን`ዩ፡ ፍትሒ ኣብ ዝተጋህሰትሉ፡ ደሞክራሲ ኣብ ዝተቐብረትሉ ህሞት፡ ናጽነት ትምጻእ`ሞ ኩሉ ክፍታሕ ኢዩ ኢሉ ህይወቱ እናኸፈለ ኣምጺኡዋ። ከም ትምኒቱ ግን ጻማ መስዋእቱ ኣይተረጋገጸን። ትም ህዝቢ ኣጸልሚቱዋ!!!

ማኪያቨሊያዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ሜዳ ክፍጽሞ ዘይከኣለ ምርማስ ቃልሲ ንናጽነት እምበኣር፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጋሕታ ናጽነት ናይ ምጽልማት ዕላማኡ ተታሒዙዎ ኢዩ። ንዕርቅን ምጽውዋርን ዝነፍግ፡ ውልቀምልኩ ዝእምት – ድሕሪ ደጊም ናይ ፖለቲካ ሓሸውየ ኣይንፈቅድን ኢና – ዝብል ቃሉ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝተላለየሉ ናይ መጀመርያ ብደዐኡ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ንሳላሳ ዓመታት  ህይወቱን ንብረቱን ከይሰልከየ ዘወፈየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ብርሃን ናጽነት፡ ብሓርነትን ፍትሕን፡ ብሰላምን ራህዋን ኪሕንቅቕ ዝግብኦ ዝነበረ፡ – ኣብ በቤቶም ኣባጊዕ ክንሓርደሎም ኣይኮናን – እውን ተባሂሉ ኢዩ። ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ተጋዳላይ ሓመድ እግሩ ነጊፉ ከዕርፍን ኣብ ንቡር ህይወት ኪምለስን፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ከስተማቕርን ዘይኮነ፡ ዝጠጅኣሉ ቀጻሊ ህውከትን ሞትን ብምንባሩ፡ ከም መፈለሚ ሰይጣናዊ ምልኩ ምስታ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረት የመን፡ ብልዝብ ኪፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ጉዳይ ደሴታት ሓንሽ፡ ኲናት ኣባሪዑ ኤርትራ ሰብን መሬትን ከም ትኸስር ገይሩዋ፤ ቀጺሉ ምስታ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ንሳላሳ ዓመታት መውጽእን መእተውን ትንፋስ ቃልሲ ዝነበረትን ንህዝቢ ኤርትራ ብፍቕሪ ዝሓቘፈትን ሱዳን እውን ብዘይ ምኽንያት ጐንጺታት ፈጺሙ።  ንመንእሰይ ኣደንቊሩ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ኪገዝእ፡ ነታ ማዕከን ጸጋ ዓሚቝ ፍልጠትን ተስፋ ምዕባለን ዝነበረት እንኮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዓጺዩ፡ ንመንእሰይ ድሕሪ ምፍጻም 11 ክፍሊ፡ ኲናት ኣብ ዘይነበሮ ምክልኻል ሃገር ኣሳቢቡ፡ ንወተሃደራዊ ባርነት ፈሪዱዎ። ለካስ በታ ንወያኔ ብኢደ ወነኑ ዝሃቦም ቁሸት ባድመ ኣሳቢቡ፡ መርኣያ ክቱር ጽልኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋገጸ፡ ማእለያ ዘይነበሮ ህልቂትን ዕንወትን፡ ግህሰት ክብሪ ህዝብን መሬትን ዘስዓበ ኲናት ናይ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ምድላዋት`ዩ ነይሩ። ደቂ ገርሂ ልባ ህዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ዝጠጅኦ ኲናት ኣንጻርና ምንባሩ ኣበይ`ሞ ኣቕሊብናሉ! ምስ ሓራዲና ተሓቛቚፍና፡ ተወሪርና ኢልና ድኣ ኣብ መጻወዲያኡ ኣቲና ገንዘብናን ህይወትናን ሰጋእ ከይበልና ኣረከብናዮ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ብመሪር ዝተመኮሮ ሓቂ፡ ካብ ቀላይ ገበናት ውልቀመላኺ ብማንካ ስለ ንኸይርሳዕ እምበር፡ ንምስትምሃር ኣይኮንኩን ዝጠቕሶ ዘለኹ።

ግፍዒታት እናተፈጸመ፡ ናይይቶም ኣብ ጅቡኡ ሒዙዎም ዝኣተወ መራሕቲ ዝመስሉ ኣገልገልቱን፣ ናጽነት ክዉን ዝገበረ ሰራዊት ሓርነትን፣ ቅድሚ ኹሉ ንፍጻሜታት ከለልን ዋልታ ሓርነትን ፍትሕን ኮይኑ ንህዝቢ ከንቅሕን ኪመርሕን ዝግብኦ ምሁር ዜጋን፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዘበራብሮ መሪሕ ዝሰኣና ህዝቢ ኣብ መንጽር ኩሉ ግህሰታት ግዝኣተ ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ትም-ትም ብምባልና!  ነዚ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት እናዓመቘ ኪኸይድ ዝጸንሐ መዓትን ጸልማትን ኪፍጠር ኣኽኢልናዮ። መሰረቱ ኸኣ፡ ክሳብ ሕጂ`ውን ገና ኣብ ክንዲ ብርትዒ ዝምራሕ፡ ብረስኒ ስምዒት ዝግዛእ ዘሎ ዘይቀንዐ ናይ ኣተሓሳስባና ጕድለት ምዃኑ ምስትውዓል የድልየና።

ንውልቀመለኽቲ ዝፈጥር ኩነታት እምበኣር ካብ መጀመርያ ኣብ ክንዲ ንፍትሒ ደው ምባል ትም ኢልካ ምስ ዝሕለፍ`ዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣእዛንና እናሰምዐ ኣዒንትና እናረኣየ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ፣  ኣብ ናይ ትም! ናይ ፍርሃት! እንታይ ገዲሱኒ! መዓሙቕ ስለ ዝኣቶና ከጥፍኣና ዕድል ረኺቡ። ኣብ ዓለም ዝተራእዩ መለኽቲ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢታት ዘጽነቱን ንብረታት ዘዕነዉን፡ ክሳብ ምስ ማኪያቨሊያዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘማሳስሎም ሓደ ጉሉሕ ረቛሒ እንተሎ – ክብሪ ህይወት ዘይዓጦም ጨካናትን ፈራሓትን ምዃኖም ኢዩ። እቶም ተባዓት ፍትሐኛታትን ሓቀኛታትን፣ ሓለይትን ዋልታ ውጹዓትን ብምዃኖም፡ መለኽቲ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኪብሉ ኣይደፍሩን፤ ብሰላሕታ ክሳብ ዘጥፍኡዎም ከኣ ኣዒንቶም ሰለም ኣየብሉን። ኣብ ደምቤና ዝበቖለ ዘርኢ መርገም ሃገርና ዝኾነ፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ እናቐያየረ ዝነብር ኢሳያስ ከኣ ምዕናው ሃገርን ምጽናት ህዝብን ፍጹም መለለዪ ሰይጣናዊ ተግባሩ ምዃኑ ጐሊሑ ይረአ ኣሎ።

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ነቓሊ ዘይኮነ ተኻሊ፣ ንዓይ ዘይኮነ ንዓና በሃሊ ኢዩ። ብትሕትናን ንጽህናን፣ ብሓቅነትን ግሉጽነትን፣ ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ከኣ ይልለ። ስፒኖዛ ዝተባህለ ፈላስፋ ብዛዕባ ሓይሊ ርትዒ (Reason) ክዛረብ ከሎ፡- ብንጽህና ምትግባር ምስ ብርትዒ ምትግባር የዛምዶ፤ ከምኡ`ውን ንትግባረ  ምስ መሪሕ ርትዕን ሓርነትን የዛምዶ።  ኣብ መንጎቲ ብጽልዋ ጥራይ ወይ ብግምት ዝምራሕን እቲ ብርትዒ ዝምራሕን ሰብ ዝህሉ ፍልልይ ብቐሊል ኪረአ ይከኣል ብምባል፡ ነቲ ቀዳማይ ጊልያ ኢሉ ኪጽውዖ ኸሎ፣  ነቲ ዳሕራይ  ግን ሓራ ሰብ ኢሉ ይጽውዖ።

ኣእምሮና ምንጪ ቅኑዕ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንኺኸውን ኣብ ጽሞና ናብ ውሽጥና ብሕልና ብምጥማት ሓሳብና ቅድሚ ቃል ኮይኑ ምውጽኡ ጥዕናኡ ክንምርምር፡ ከምቲ ክርዳድን ጕርድን ምስ ተኣልየ ጽሩይ እኽሊ ዝህልውና፣ ኣታሓሳስባና ብርትዒ መሚና ገፈሉ ብምእላይ ቅኑዕ ሓሳብ ምስ እነቃልሕ ሃናጺ ሓይሊ ይኸውን፣ ባይታ ሓድነት ከኣ ይጥጥሕ። ማይ ክንሰቲ ምስ እንደሊ፡ ዛጊት ሒዙ ዘሎ ወይ ዘይጸረየ ብርጭቆ ዘይኮነ፡ ጥራሑን ጽሩይን ብርጭቆ ኣልዒልና ኢና እንጥቀም፣ ኣረጊት ኣቝሑ ዝመልአ ቤትና እውን ነቲ ዝኣረገ ኣውጺእና ኢና ብሓዲስ ኣቝሑ ንትክኦ`ምበር ኣብ ርእሲኡ ኣይንኹምሮን ኢና።  ኣእምሮና`ውን ከምኡ ኢዩ። ጥዑይ ሓሳባት ኺቕበል ንክኺእል ነቲ መሊኡዎ ዝህሉ ግጉይ ሓሳባት ንቕድም ምጽራዩ ይሓተና። ጽልኢ እናኣሳወርካ ፍቕሪ፣ ገበን እናጠጃእካ ፍትሒ፣ ምፍልላይ እናኣምበድበድካ ሓድነት፣ ብንዓይ ይጥዓመኒ ስስዕቲ እናተገዛእካ ልግስን ሓልዮትን ከተተግብር ፍጹም ዘይከኣል`ዩ።

ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ናይ ጠንቅን ሳዕቤንን (መጀመርያን ሰዓብን) እንታይነት ንጹር ኣረኣእያ ከነዘውትር የኽእለና። ኣብ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣየና`ዩ እቲ ጠንቂ፡ ኣየናይከ እቲ ሳዕቤን፡ ኣብ ክንዲ ብርትዒ ብርሱን ስምዒት ብምሓዝና፡ ገምጢልና ክንርእዮ ዝጸናሕና እመስለኒ። ብውሑዱ ን 27 ዓመታት ናይዚ ኹሉ ኣበሳን መዓትን ሃገርና ጠንቂ፡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኽን ሕልናኦም ዝሸጡ ምእዙዛት ጃንዳኡን ኢዮም ክንብል ጸኒሕና።  እዚ ግን ጥቢቆና/ካምቻና ወይ ስረና ገምጢልና ናይ ምልባስ መርኣያ ኾይኑ፣ ሰረገላ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ዝሰርዐ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኢና ክንክተል ጸኒሕና። ልክዕ ናይዚ ኹሉ መዓትን ጥፍኣትን ተግባሪኡ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ምስ ጃንዳኡ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ከምቲ ኣውሊ ፍልሖ ዘመንጩ፡ ውልቀመላኺ ሰይጣናዊ መደቡ ከተግብር ዝኸኣለ ጥጡሕ ባይታ ኣውሊ ስለ ዝረኸበ`ዩ። እንታይ`ዩ ግን እቲ ጥጡሕ ባይታ? መሰልና እናተገፈፈ፣ ሕጊ እናፈረሰ፣ ገበናት እናሳዕረረ፣ ግፍዒታት እናሰፍሐ፣ምእንቲ ጸጋ ናጽነት ህዝቦም ኣብ ቃሲ ንዝሰንከሉ ጀጋኑ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ቅትለት እናፈጸመ፣ ብቐጻሊ ሰባት ብጅምላ እናቐተለን እናኣሰረን ድላዩ ኪገብር፡ ካብ ደቂቕ ተመን ናብ ገበል ኪዓቢ ትም! ኢልና ስለ ዝሓደግናዮ ኢዩ እቲ ጠንቂ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓለም ዘገርም ዘሎ ፍጻሜ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ብሳላ ቅኑዕ መራሒ ሰላምን ርግኣትን ተረጋጊጹ ምህላዉ ኢዩ።  ልቢ ህዝቡ ምስ ኣረስረሰ፡ ናብ ጐረብቲ ሃገራት ዑደት እናገበረ ሰላም ብምትካልን እሱራት ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምፍታሕን ድርብ ዓወታት እናኣመዝገበ ናብ ሃገሩ ኪምለስ ምጽንሑ ዘገርም ኢዩ። ምስ ኤርትራ`ውን ናይ ሰላም ኢዱ ዘርጊሑስ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ባይቶ ባዕሉ ስለ ዝኾነ ተቐቢልናዮ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጅ፡ ብተብተብ ልኡኻቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም ይርከቡ። እቲ ኣዚዩ ዘስደምም፡ ካብ ባድመ እንተዘይወጹ እናበለ፡ ሓርነትን ፍትሕን ኣጸልሚቱ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ጽልኢ ከምበድብድ ከም ዘይጸንሐ፡ ልኡኻቱ እትው ምስ በሉን ኣብ ዝተገብረሎም ናይ ድራር ግብዣን – ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን የሕዋት ሓደ ኢና፣ ዶብ ትርጉም የብሉን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣይተራሓሓቕናን፣ ብልዝብ ኪፍታሕ ዝኽእል ናይ ስድራቤት ንኣሽቱ ፍልልያት ኢዩ ዘለና . . .ወ.ዘ.ተ. ክብሉ ክትሰምዖም ከለኻ ኣእዛንካ ጅው ይብለካ። እታ እትው ምስ በለ – ዶብ`ኮ ትርጉም የብሉን፣ ኮንፈደርሽንኮ ይከኣል ኢዩ፣ ኣብ 1993 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ኸኣ  ንዝቐረበሉ ሕቶ ኪምልስ ከሎ – ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓደ ናይ ምዃን ናይ ጊዜ ጉዳይ`ዩ – ዝበሎ ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ይብለካ። ነቲ ንመስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከንቱ ዝገበረ ዝጠለሞ ሕድሪ ስዉኣት ከምቲ ልማዱ ብኢደወነኑ ከየተግብሮ ይኽደነና`ዩ ዘብል።

ሰላም ናይ ኩሉ ረብሓ ስለ ዝኾነ ኣዒንቲ ዝሕሰየሉ ኣይኮነን። እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ግን ፡ ኣብ ሃገሩ ግዝኣተ ሕጊ ተተኺሉ ነባሪ ፍትሒ ረኺቡ ብሰላም ኪነብር፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወፍሪ ባርነት፡ ኣብ ወጻኢ ብከርተት ስደት ዝሳቐ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ንቡር ህይወት ሃገሩ ኪሃንጽን ስድራ ቤቱ ኪሕብሕብን ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣር`ዩ። ነዚ ዘየማልእ ግዳማዊ ጐስጓስ ሰላም ምግባር ትርጉም የብሉን።

ኩሉ ነገር ካብ ኣተሓሳስባ`ዩ ዝውለድ ካብ በልና፡ ንኹነታት ብግቡእ ንምግምጋምን ብቕኑዕ ንምርኣይን፡ ኣብ ክንዲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሓሸውየ ከእትወና ዝጸንሐ ህዉኽ ስምዒታዊ ረስኒ፡ ነቲ ዝሰኣናዮ ብርሃን ሓርነትን ንፋስ ሰላምን ህያው ንምግባር ዘገልግለና ርትዓዊ ርግኣት ከነዘውትር ግድን ይኸውን።እሞኸ ድኣ፡ ንሕሉፍ ታሪኽ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ በዚ ኣጠማምታ ምስ እንግምግሞ፡ ምንኳ ብሃንደበት ካብ ናይ ጽልእን ህውከትን ባህሪኡ ዝወጸ ከምስል፡ ናይ ዶክተር ኣቢዪ ናይ ሰላም ጻውዒት ተቕቢለዮ እንተበለ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጸልማትን ጥፍኣትን ካልእ ዘየፈልፈለ ኣእምሮኡ ብርሃን ሓርነት ኪርኢ፡ ፍትሒ ከተግብር`ዩ ኢልካ ክትጽበዮ ዝከኣልዶ ይመስል?!!! ንርትዓዊ ፍርዲ ናብ ህዝቢ እገድፎ። እቲ መሪር ሓቂ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ካልእ ጸላኢ ከም ዘይብሉ ኣጕሊሐ ከስምረሉ እደሊ። ብወገነይ፡ ብጽልኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐሓነ ኣእምሮኡ ፍቕሪ፡ ብደም ንጹሃት ዝጠልቀያ የእዳዉ ፍትሒ የምጽኣ ኢለ  ፍጹም ኣይኣምንን!!! እንኮ ምርጫ ቅኑዕ ፍታሕ፡ ብሓድነት ህዝቢ ምጕሓፉ ጥራይ ኢዩ።

ሰላም ኣስፊንና ብጸጋ ሓርነትን ፍትሕን ቀሲና ክነብር ምእንቲ፡ ማዕበል ሓድነታዊ  ድምጽና ህያው ንግበር። በቲ ተስፋ ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ ዘባራበረ፡ ንሚልዮናት ህዝቢ ኣብ ሓደ ኣደባባይ ብሰላም ኪስለፍ ዘብቀዐ ቅኑዕ መራሒ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ቅዱስ ቅንኢ ይሕደረና! ካብ ብምጕዳል ንጸንት፡ ከምቲ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝበሎ – ብምድማር ንሰስን። ኤርትራውያን ሓያል ፍቕሪ ሃገርና ከም ዘለና ዘካትዕ ኣይኮነን፤ ሃገር ማለት ግን እቲ ሓመድን እምንን ዘይኮነ ህዝቢ ምዃኑ ብርትዒ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ስለዚ ህዝብና እናተሳቐየ ንሓርነትን ፍትሕን ካብ ምቅላሕ ትም ምስ እንብል ሃገረይ የፍቅር`የ ምባል ምስሉያት ኢዩ ዝገብረናሞ፡ ኣተሓሳስባናን ሕልናንን መርሚርና ካብ ምስሉይነት ቅድም ሓራ ንኹን። ሓርነትን ፍትሕን ዝኸበራ ጸጋ ህይወት ከም ምዃነን መጠን፡ ብንጹር ራኢን ብተባዕ ማዕበል ሓድነታዊ ድምጽና ህያው ክንገብረን ይሓተና`ሎ። ልዋም ሃገርና! ንጹር ራኢ ምዕባለ ዝውንኑ፣ ኣብ ቅኑዕ ዕላማ ደው ኢሎም፡ ኣብ ጽኑዕ መትከል ሓቅን፡ ሓርነትን፡ ፍትሕን ዝረገጹ፣ ብሊቅነትዊ ንጽህና ዝልለዩ፣ ዋልታ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰልን፡ ጽኑዓት ድንድል ሰላምን ራህዋን ዝኾኑኺ ውፉያት መራሕቲ ይሃብኪ!!! ኣብ እዋን ሰውራ ፈረንሳ ዝነበረ ኮንዶሰት(Condorcet) ዝተባህለ ፈረንሳዊ ሊቅ – “ ኣብ ልዕሊ`ቶም ብዘይካ ርትዒ ካልእ ጐይታ ዘይፈልጡ ሓራ ሰባት ጥራይ ጸሓይ ትበርቀላ መዓልቲ ክትመጽእ`ያ“(The time will come when the sun will shine only on free men who know no other master than their reason) ህዝቢ ኤርትራ ወነንቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኴንና እታ ጸሓይ ብርሃን ሓርነት ኣብ ልዕሌና ትበርሃሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይኮነን።

ሓርነትን ፍትሕን፡ ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ!

ብሓድነታዊ ቅኑዕ ግብሪ ሰማእታትና ይመጐሱ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hagos July 5, 2018

    Another good quote from the veteran mehir Amanuel:
    “ … ሰላም ምስ መን? ምስ ኩሉ። መኣስ? ኣብ ኩሉ እዋን። ኣብ ቅንዕና እተመርኮሰ ሰላም፡ ሰብን ግዜን ቦታን ኣይፈልን እዩ። ኩሉ ናይ ሰላም ውዕላትን ስምምዓትን ምርድዳእን ኣብ ሓደ ግዜ ዚካየድ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ መዓልቲ ወይ ቦታ ከይፈለኻ ናይ ሰላም ምልክታት ምርኣይ ግን ናይ ጽሩይ ልብን ናይ ቅኑዕ ዕላማን ነጸብራቕ እዩ።”

POST A COMMENT