Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸጒረይ ክምሸጥ! “ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?” ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ ናይ መወዳእታ ክፋል፥

ጸጒረይ ክምሸጥ!   "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?"   ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ ናይ መወዳእታ ክፋል፥   "እዋይ! ኣቲ መዓረይ ንዒ'ስከ በዚኣ ኮፍ በሊ? እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ጓለይ!? ፈቐዶ ገዛውቲ ደድሕሪ ልቺ ክትኮሊ ውዒልኪ!? እስክሉ?" ብምባል፡ ዋና ገዛ ሓደ ክልተ ቢጎዲኒ

ጸጒረይ ክምሸጥ!
 
“ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ’ባ!?”
 
ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ ናይ መወዳእታ ክፋል፥
 
“እዋይ! ኣቲ መዓረይ ንዒ’ስከ በዚኣ ኮፍ በሊ? እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ጓለይ!? ፈቐዶ ገዛውቲ ደድሕሪ ልቺ ክትኮሊ ውዒልኪ!? እስክሉ?” ብምባል፡ ዋና ገዛ ሓደ ክልተ ቢጎዲኒ ፈቲሓ ንገለ ክፋል ጸጉሪ ርእሰይ ትንክፍ ትንክፍ ኣበለቶ’ሞ፡
 
“እዋይ! ቀሪብኪ እንዲኺ ደኣ ኔርኪ። ደሓን በሊ ዝሓፍተይ፡ ርብዒ ሰዓት’ያ ተድልየኪ” ብምባል፡ ቀልጢፋ ካስኮ ኣብ ርእሰይ ኣጥለቐትለይ። ሞቶር ካስኮውን ብቐጥታ ኣብ ርእሰይ ኒንን ክትብል ጀመረት። ኣነውን ኣዒንተይ ናብቲ ብግቡእ ዘይተነድቀ መንደቕ ናይቲ ገዛ ተኺለ፡ በቲ ዝወዓልኩዎ ሽግር ብፍላይ፡ ብሓፈሻ ከኣ ብዛዕባ ናብራ ህዝብና ክሓስብ ዝን በልኩ። ካብዞም ኩሎም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኤርትራ ከኣ ከም ህግደፍ ዝበለ ኣዝዩ ሕሱም ገዛኢ፡ ኣበየናይ እዋን ኣጋጢሙና ከም ዝነበረ፡ ብያታ ይኹን ብጽሑፍ ሰሚዐን ነቢበን እንተ ኔረ ክዝክር፡ ኣብ ዓሚቝ ሓሳባት ጠሓልኩ። ዚኾነ ይኹን ባዕዳዊ ገዛኢ ትዝ ዝብለኒ ስለ ዘይረኸብኩ ከኣ ‘ኣንታ ኣምላኽ፡ እንታይ እዩ ወሪዱና ዘሎ!?’ ብምባል፡ ከይተፈለጠኒ ስለ ዘድመጽኩ፡
 
“እንታይ ኢልኪ መዓረይ?” ኢላ ዋና ገዛ ጽግዕ በለትኒ’ሞ፡ ‘ኣይ፡ ምንም ኣይበልኩን’ በልኩዋ ከም ሕፍር ኢለ።
“ሕራይ መዓረይ። ኣጆኺ ቀሪቡልኪ’ዩ።” ብምባል፡ ኣብ ዝባነይ ጠብጠብ ኣቢላትኒ ናብተን ካልኦት ዓማዊላ ምስ ከደት፡ ኣነውን ተመሊሰ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርናን መነባብሮ ህዝብናን እንደገና ክሓስብ ጀመርኩ።
 
‘ኣግላይስ በሊ ረኣይዮ፡ ነዛ ናይ ቀብሪ ብጫ ባድላኡ ተኸዲኑ፣ ስረኡ ኣብ ኣፍልቡ ዓጢቑ፣ ሳንደሉ ወድዩ፡ ንኹሎም ኣገልገልቱ፡ በብሓደ ሓመድ ኣዳም የልብሶም ኣሎ!’ ምስ በለትኒ መሓዛይ ናብቲ ንሬሳ ሜጀርጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ ኣሰንዩ ናብ ጸጸራት ዝድይብ ዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳያስ እናኣመልከተት፡ ‘ኣግላይከ እንታይ ማለት’ዩ’? ኢለ ስለ ዝሓተትኩዋ፡ ካዕካዕ ኢላ ክትስሕቀኒ ትዝ በለትኒ። መሓዛይ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዓው ኢላ ምስ ሰሓቐት፡ ‘ኣግላይ ኣይትፈልጥዮን!?’ ክትብል ተገሪማ ሓተተትኒ’ሞ ‘ኣይፈልጦን’ ምስ መለስኩላ ቅልጥፍ ኢለ ከኣ ‘ኣግላይ ማለት ደኣ ባዴላን ጭዃሮን ተሰኪሙ፡ ኣብ ኲናት ደድሕሪ ሰራዊት ብምኻድ፡ ንዝሞቱ ወታሃደራት ሓመድ ኣዳም ዘልብስ ቀባራይ ማለት’ዩ!’ በለትኒ። ‘እሞ ከመይ ጌርኪ ደኣ ንፕረዚደት ኢሳያስ ኣግላይ ትብልዮ ኣለኺ!?’ ሓተትኩዋ ተገሪመ፡ ‘እዋእ! ኣነ መዓስ ኮይነ ኢለዮ፡ ዘይ ደቂ ኣስመራ’ዮም ነዞም ኩሎም ሚኒስተራቱን ጀነራላቱን ‘ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፎም’ እናበለ ናብ መቓብር ከፋንዎም ምስ ረኣዩዎ ‘ኣግላይ’ ኢሎሞ!” ኢላትኒ እንደገና ካዕካዕ ኢላ ክትስሕቕ ቅጅል ስለ ዝበለትኒ፡ ‘እምበር ኣግላይ!’ ብምባል፡ ኣነውን ከናፍረይ ረማጠጥኩ።
 
“እውይ! እውይ! ኣታ ሞይቱድዩ!? እውይይይይይ! ዋይ ኣነ ወደይ!” ዚብል ሃንደበታውን ዓው ዚበለን ድምጺ ብሃንደበት ምስ ሰማዕኩ ድማ’የ ካብቲ ጥሒለሉ ዝነበርኩ ሓሳብ ብስምባደ በተግ ኢለ ዝተንሳእኩ። ብመጀመርያ ናብቲ ኣብ ቅድመይ ዝነበረ ንእስ ዚበለ ቤትሮ ምስ ጠመትኩ ከኣ ሓደ ወዲ 24 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን መንእሰይ፡ ብደም ዝተዓለሰ ባንደጅ፡ ኣብ ጸጋማይ ኢዱ ሒዙ፡ ናብታ ርእሳ ሒዛ ተአዊ ዝነበረት ወላዲቱ ተዓኒዱ ኪጥምት ተዓዘብኩዎ።
 
“ኣቲ ማማ ቀስ በሊ!  ዮናስ ሓወይ ኣሎ ኣይሞተን! ‘ቅያር ስለ ዘይብልናስ ኪድ ነዚ ባንደጅ ማይ ሓጺብካ ኣምጽኣልና!’ ኢዮም ኢሎሙኒ” ብምባል፡ እቲ ብግብረ መልሲ ወላዲቱ ዝሰንበደ መንእሰይ፡ ነታ ‘ወደይ!’ እናበለት ትዓብድ ዝነበረት ወላዲቱ ከህድእ ፈተነ። ንሕና’ሞ ኩነታቱ ምርዳእ ስለ ዝኣበየና፡ ነደን ወድን ክንጥምት ተዓኒድና ኢና ትም ኢልና።
“እቶም ሆስፒታልሲ ‘ባንደጅ ሓጺብካ ኣምጽኣልና’ ኢሎም ሰዲዶሙኻ!?” ብምባል፡ ብሃንደበት ተገሪማ ሓተተት ወላዲት፡ ኣእዳዋ ካብ ርእሳ ከየውረደት።
“እወ” መለሰ ወዳ።
 
“እውይ! እዋይ ኣነ ወደይ! እዋይ ኣነ ወደይ! ኢድካ ቆሪጾሙኻስ መሐከሚ ከኣ ስኢኖሙልካ! ኣታ እዚ መንግስቲ ስለ ዘይተቐብረ’ምበር ኣይሞይቱ እንድዩ ኣታ! እዋይ ሕልፈት! እዋይ ውርደት! ኣታ ሃባ’ስከ እቲ ነጸላይ ከልቅሰሉ! እዋይ ጉድ ክሰምዕ’የ! ኣታ እንታይ ደኣዩ ዘሎዎም እዚኣቶም!? ፈውሲ ቃንዛ ከኒና ባዕልና! ናይ ሓይሊዶ ገለዶ ባዕልና! ባንደጅ ከኣ ሕጂ ሓጺብና ክንህቦም!? እዋይ! እዋይ ሕልፈት! ኣንታ ሓይላይ ወደይ እንታይ ኢና ንገብሮ?” ብምባል፡ ንወዳ ሓቲታ መልሲ ምስ ሰኣነት፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ልዳት ናይቲ ገዛ ተሰቒላ ዝነበረት ምስሊ ምስክር መስዋእቲ ጅግና፡ ክሳዳ ኣንቃዕሪራ ተንበርከኸት።
 
“ኣንታ ወልዳይ ሓወይ፡ ረኣዮም በል ደቅኻ፡ እቶም ትማሊ ‘ሕድሪ!’ ዝበልካዮም ሰበ ስልጣን’ዛ ሃገር፡ ባዕላቶም ኣቑሲሎሞም ክነሶም መሐከሚውን ከሊኦሞም! ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? ነዚ ኢልካ ኢኻ ዕድመ ንእስነትካን ፍቕርናን ወፊኻ ሓሊፍካ!? መስዋእትኻ ነዚ’ዩ ኔሩ!? ንነብሮ ዘለና ሕሰም ዘይኣክል ኣታ! መልሰለይ’ባ! ወድኻ መሓከሚ ስኢኑ፡ ቁስሉ ደም ይነዝዕ ኣሎ እኮ’የ ዝብለካ ዘለኹ!” እናበለት፡ ክሳዳ ኣንቃዕሪራ ናብ ምስሊ ስውእ ብዓል ቤታ እናጠመተት ዝርንዛሕ ክትነብዕ ምስ ረኣናያ፡ ንሕናውን ልብና ተተንኪፉ፡ ከይተፈለጠና ንብዓትና ጀረብረብ በለ።
 
ብድሕሪ’ዚ ኣነ ነታ ሰይቲ ስውእን መሻጢትን ካብቲ ተንበርኪኻትሉ ዝነበረት ምድሪ ከልዕላ ከለኹ፡ እተን ኣብቲ ገዛ ዝነበራ ዓማዊልውን ነቲ ወዳ ሒዙዎ ዝመጸ ባንደጅ፡ ኣብቲ ርእስና ንሕጸበሉ ባስካ፡ ደሙ ሓጺበንን ጸሚቚንን ሃበኦ። እቲ ብግብረ መልሲ ወላዲቱ ሰንቢዱን ጉህዩን ተዓኒዱ ዝጥምታ ዝነበረ ወዳ ድማ ነቲ ዝተሓጽበ ባንደጅ ሒዙ ብጉያ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ገጹ፡ ናብ ሓዉ ኣምርሐ።
 
“እዋይ ኣቲ ረቢሸክንዶ? እዋይ ኣነ ጉዳም!” ብምባል፡ ዋና ገዛ ተመሊሳ ንኣና ከተጸናንዓና ምስ ጀመረት ከኣ ‘ኖኖ ጸገም የብሉን። ኣይረበሽክናን!’ በልናያ ብሓባር።
“እዚ ንእሽቶይ ወደይ ምስ’ዞም ዳሕረዎት ዙርያ’ንድዩ ተዓሊሙ፡ በሊሕ! ክኢላ! ኢደ ወርቂ ስለ ዚኾነ፡ኣብ ዲጋ ዓዲ ሃሎ’ዮም ነቲ ኣብኡ ዘለዋ ማሽናት ከዐሪ መዲቦሞ። ኣብኡ’ዩ ብኣገልግሎት ይሰርሕ ኔሩ። ትማሊ ከኣ ብሃንደበት፡ ‘ኢዱ ማሽን ሃሪማቶ’ ኢሎም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ጠልጠል እናበለት ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ኣምጺኦሞ። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ሓካይም ኤርትራውያን’ኳ ካብ ጉምቦ ኢዱ ክቖርጹዎ’ዮም ሓሲቦም ኔሮም፡ ሓደ ቻይናዊ ግን ‘ኣይቁረጽን’ዩ! ዋላ ንፎርማ ከምኡ ትበለሉ’ ኢሉ ባዕሉ ይሕክሞ ኣሎ። እቲ ዝህቡዎ ፈውሲ ቃንዛ መድሃኒት ከኣ 200 ግራም ስለ ዚኾነ ምጥቃም ኣብዩዎ፡ ብቃንዛ ጥዋዕ’ዩ ኪብል ዚደሊ!
 
በቃ ካብ ደገ ናይ 500 ግራም እናገዛእና ኢና ቃንዛኡ ነዐግሰሉ ዘለና! ሕጂ ድማ ንመጠቕለሊ ቁስሉ ዚኸውን ባንደጅስ ‘ኪድ ኣብ ገዛኻ ማይ ሓጺብካ ኣምጽኣልና’ ኢሎም ንሓዉ ሰዲዶሞ!” ምስ በለትና ነቲ ካብ ክልቲኡ ኣዒንታ ዚዛሪ ዝነበረ ንብዓታ ብጸጋማይ ኢዳ እናደረዘት፡ ‘እዋይ ሕልፈት! ኣታ ክሳዕ ክንድዚ ዲና በጺሕና!’ በልና ብሓባር። በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ከረን፡ ‘ነዛ ሓራስ መጥባሕቲ ክንገብረላስ ንጀኔረተር ዚኸውን ነዳዲ ኣምጽኡልና’ ኢሎሙና ዚበለቶ ሰበይቲ ኣዛሚደ፡ ‘ኦሮማይ ኤርትራ ሃገርና! ንሰብ ዝበጽሖ በጺሑኪ’ዩ! ብኸዪ! ሕዘኒ! ክሳዕ ሓደ ጅግና ደባሲ ትረኽቢ ብከዪ! ጓሂኺ ብንብዓት ኣውጽእዮ’ በልኩ ብልበይ።
 
ኣንታ ስውእ ጅግና!
 
ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ዘሕቅቕ
ብጽምእን ጥምየትን ከም ሳዕሪ ዘድርቕ
ብራዕድን ሽበራን ዘብለና ምዩቕ
ሃገርና ራሕሪሕና ንስደት ክንናፍቕ
ጨካን ልኢኽካልና ብሕሰም ዚጭፍልቕ!
 
ኣብዛ ማሙቕ ቤትና ብናጽነት
ሰላም ከይንነብር ብቕሳነት
ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን እናበልና ከርተት
ጊላ ምልኪ ኴንና ስኢንና ሓርነት
ተቖሪንና ኣለና ብሕሱም ባርነት!
 
ከም ጽጋባ ኣድጊ እናረግሐ ኣኹድር
ሓደ ውልቀ መላኺ በይኑ ንኽዕንድር
ጊላታቱ ኴንና ብሕሰም ክንነብር
ነዚ ዲኻ ስውእ ሰፊርካ ኣብ መቓብር!?
 
ብተያ ቀቲሉ ንለጋዕ ዚሓልብ
*መላይ ዓለምና ምስ ሰብ ዘይለግብ    *ዓበቕ
ዕንጋለ ዘይብሉ መብጽዓ ዚቕልብ
ጎብየ ኣጻምእ ኣብ ዓወት ዘየርክብ
ሊቀ ኣጋንንቲ ጸሓይና ዘዕርብ
ጨካን ልኢኽካልና’ወ ብሕሰም ዚግጭብ!
 
ነዚድዩ ኣታ ኔሩ መስዋእቲ ጀጋኑ
ሃገር ኣባዲሙ ህዝባ በታቲኑ
ብዘይሕግን ፍርድን መቍሑ ረሺኑ
ሓደ ጨካን ስርዓት ኪገዝእ ንበይኑ
ህዝቢ የጥፍእ ኣሎ ኪሕሉ ስልጣኑ!
 
ጀጋኑ ሰማእታት!
 
እንቋዕ በሉ ኣይትርእዩዎ ዘለናዮ ናብራ
ኣብ ዘበነ ኲናት ናይ ምልኪ ምሕደራ
ካብ ዓለም ተነጺላ ዘኽቲማ ኤርትራ
እዞም ኩሎም ሰማእታት ጀጋኑ ቀቢራ
ደቃ ከይትሓቁፍ መሰሎም ኣኽቢራ
ብሰንኪ ሓደ ሰብ ናይ መለኽቲ ኣውራ
ህዝባ ይብተን ኣሎ ከምዘን ደቂ ዛግራ!
እንተ ህግደፍ፥
 
መሰል ንኺትሕሉ ክብሪ ዜጋታትካ
ንሕና እናነባዕና እንተ ለመንናካ
ዓለም ደጋጊማ እንተ መኸረትካ
ህግደፍ ርጉም፡ ሓንቲ ኮይና ቃልካ
መንእሰይ’ዛ ሃገር ኣብ በረኻ ኣስፊርካ
ህዝብና ኣብ ጸላም ጾሙ እናኣሕደርካ
‘ባድመ’ ኪትብል ጸሓይ ዓሪቡካ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 25/02/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • fthawi February 25, 2015

    ዝሕዝን እዩ ናብራ ኤርትራዊያን አብ ስደት ሰፊርና ካብ ምንባዕ ሐሊፍና እንታይ ክንገብር ተጋደልቲ ሐሚቆም ጥራሕው አይኮነን ጠሊሞም ሕድሪ ስዋአት
    ከብድካ ዝቀርጽ እዩ

  • berhe February 26, 2015

    Bitaemi zehizin kunetat tefetiru ab hagerina, gena zeytesemie kabzi n laeli zehizin negerat alo, ezi aremenawi siriat HGDEF hager kexinita eyu medebu, silezi yehiwat libi n giber xibah nigho meetewi keynisien, sebina, nbretina, hagerina yiberis alo, nhina kea dekisina alena n beraber yehiwat ab mengona hadinet nfiter fililina bzeyegedis muebul hasab nhiseb. entezeykoynu mewedeatau tifiat eyu, ntefie alena.

POST A COMMENT