Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ጀርመን ኮለን ከምኡ ካርልስሩሀ፤

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ NRW ኣብ Köln   ● ጻውዒት ንህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤   „መን ይንገር..? ዝዋዓለ። መን የርድእ..? ዝቐበረ።“ ከምዝብልዎ ስድራና፡ እንሆ እቶም ነዚ፡ ካብ ዕለት 21. – 30. 11. 2011

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ካብ NRW ኣብ Köln

 

ጻውዒት ንህዝባዊ ኣኼባ ብጉዳይ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

 

„መን ይንገር..? ዝዋዓለ። መን የርድእ..? ዝቐበረ።“ ከምዝብልዎ ስድራና፡ እንሆ እቶም ነዚ፡ ካብ ዕለት 21. – 30. 11. 2011 ኣብ ሃገር ኢትዮጵያ ከተማ ኣዋሳ፡ ዝተሰላሰለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ክሳተፉ ገይሾም ዝነበሩ ልኡኻትና፡ ብዳሓን ነናብ ገዝኦም ተመሊሶም ስለዘለዉ፡ ሓቀኛ ስእሊ ውጽኢት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንህዝቢ ንምሕብሩ ተዳሊዮም ስለዘለዉ፡ እሞ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ብምሓዝ፡ ኣኼባ ክጽዋዕ ተወሲኑ ኣሎ። ኣኼባ ዝግበረሉ ማዓልቲ፡ ሰንበት፡ ዕለት 22. 01. 2012 ዓ.ም.ፈ ኮይኑ፡ መዛተይ ነጥብታትን ኣኼባን ዝግበረሉ ቦታን፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ይመስል። ስለዚ ኩሉ እቲ፡ ስርዓት ወልቀ-መላኪ ታኣሊዩ፡ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ፡ ዝቃለስ/እትቃለስ ዘሎ/ላ ወዲ/ጓል ሃገር፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ክርከብ/ክትርከብ፡ ኣዳለውቲ መደብ ብኣኽብሮ ይዕድሙ።

 

ዛዕባታት ናይዚ ተዳሊዩ ዘሎ ኣኼባ ከምዚ ዝስዕቡ እዮም

  1. ኣብ ልኡኻትና ሒዞሞ ዝመጽኡ ሓቤሪታ ምስማዕን፡ ምሕታትን ምኽታዕን፤
  2. ቀጻልነት ናይዚ ዝጸንሔ ህዝብዊ ምንቅስቃስ ከመይ ይኹን …? ዝብላ እዮም።

 

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታን ዝጅመረሉ ሳዓትን

  • ኣብ ከተማ ኮለን – ኒፐስ (Köln – Nippes ) ኮይኑ፣ እቲ ኣድራሻ፤
  • Fliehkraft – Köln Flüchtlingzentrum
  • Turmstr. 3 – 5
  • 50733 Köln – Nippes እዩ ዝባሃል።
  • እንራኸበሉ ግዜ፤ ሳዓት 13፡00 ድሕሪ ቀትሪ፣ መደብ ዝጅምረሉ ካኣ ልክዕ ሳዓት 14፡00 ኮይኑ፡ መደብ ዝውዳኣሉ ግዜ ካኣ፡ ሳዓት 20፡00 እዩ።

 

ናብዚ ቦታ ብኸመይ ይመጽእ …? ንዝብላ ሕቶ

  • ን-ብባቡር ዝመጽእ ሰብ፡ ማዓርፎ ባቡራት (Köln Hauptbahnhof) ብባቡር ቑጽሪ 5 ካሳብ „Friezensplatz“ ይመጽእ። ኣብ „Friezensplatz“ ወሪዱ፡ ባቡር ቑጽሪ 12 ወይ 15 ሒዙ፡ ናብ Nippes ክሳብ „Florastrasse“ ይመጽእ፡ ኣብ „Florastrasse“ ወሪዱ ንዝኾነ ሰብ፡ ኣበይ እዩ „Turmstrasse“ ኢሉ ምስ ዝሓትት፡ ዝኾነ ሰብ ኪሕብሮ ይኽእል እዩ።

 

ብዳሓን ምጽኡ ..!!

ካብ ኣዳላዊ ኣኼባ፡ ግዝያዊት ሽማግለ።                             ዕለት 17.01.2012

 

 

 

ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምግላጽ

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ንተቐማጦ ካርልስሩሀን ከባቢኣን

ንህዝቢ ወኪሎም ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሳተፉን፡ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝዀኑን ብዛዕባ’ቲ ካብ ዕለት 21-30.11.2011 ኣብ ከተማ ኣዋሳ (ኢትዮጵያ) ዝተኻየደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውጽኢታቱን ንህዝቢ ዝገልጽሉ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊና ስለ ዘሎና፡ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፍ ብክብሪ ይዕደም።  

 

ዕለት፡     ሰንበት፡ 05.02.2012

ቦታ፡ Steinstraße 23

(Gewerbehof – 3. OG)

ግዜ፡      15:00 – 18:00

 

ብደሓን ምጹ!


ግዝያዊት ሽማግለ

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ጨንፈር ካርልስሩሀ

18.01.2012

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT